መንግስቲ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሓሳቦም ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰሎም ብምጥቃሞም ዝተአሰሩ ካልኦት ሰባትን ብምሉኦም ንክፈትሕን ኣዋጅ ጸረ-ሽብራ ንድምጺ ተቃውሞ መዓፈኒ ጌሩ ካብ ምጥቃም ንኽቁጠብን ኣሜሪካ ጸዊዓ።
ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) አብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት 2015 ጥራይ አስታት 4000 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታት ንማእከላይ ባህሪ ንምስጋር አብ ዘካየድዎ ፈተነ ሂወቶም ከምዝሰአኑ እዚ ዓመት ድማ አብ መዝገብ’ቲ ትካል ዝበዝሓ ሞት ዝተመዝገበላ ዓመት ተባሂሉ ምምዝጋቡን እቲ ትካል ገሊጹ።
ዋና ፀሓፊ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ነጋ ካብ ገዝኦም ንከይወፁ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም፤ተንቀሳቓሲ ስልኮም'ውን ተመንጢሎም ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣፍሊጦም።መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውድብና ተፅዕና ንምግባር ስጉምትታት እናወሰደ እዩ እውን ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።
አብ ማእከል ጹዑቕ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝርከብ ህዝቢ ዓለም ንምቅባል ሓድሽ ዓመት 2016 ይዳለው። ቱርኪን ቤልጁምን ነቲ አብ ሃገረን ተሓሲቡ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ አፍሽሊናዮ’ኢና ክብላ ከለዋ ኣሜሪካ ድማ ኣብ መሬታ ንዝተሓለነ መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍሻል ልዑል ጸጥታን ጥንቓቐን ትገብር ምህላዋ ትገልጽ።
ተቀናቀንቲ ወገናት ቡሩንዲ፣ ኣብ’ቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝሳለጥ መድረኽ ሰላም እንተዘይተሳቲፎም፣ እገዳ ከንብር’የ ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቁ።
ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ዝነበሩ ሚኒስትራት ወጻኢን ማይን ሱዳን፡ኢትዮጵያን ግብጽን ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምምስራት ህዝባዊ መንግስትን ምሕላው ልኡላውነት ሃገርን ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ብምዃኑ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ክልዓሉ ሰማያዊ ፓርቲ ጸዊዑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ንምልዛብ ዝክኣለሉ ኩነታት የለን እውን ኢሎም ኣለው መራሒ ሰማያዊ ፓርቲ።ሰማያዊ ፓርትን መድረኽን ብሓባር ንምስራሕ ይዘራረቡ ምህላዎምን ተገሊጹ።
ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል /CPJ/ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ዓመታዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ’ሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ተቓውሞ ከምዝቕጸለን ቁጽሪ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎን ተቓዋሚ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ገሊጹ።
ተወሳኺ ጽዓን