ኤርትራዊት መንእሰይ ሄለን እዮብ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታ ብሕማም ፖሊዮ ክልተ ኣእጋራ እንተተለመሳ እውን ኣካላዊ ስንክልና ተፃዊራ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ናይ ኤርትራ ኢንስቲቱት ቴክኖሎጂ ብማስትሬት ድግሪ ተመሪቓ።28 ዓመት ዝዕድሚኣ ዝሓለፈቶም ብድሆታትን ናይ መፃኢ ትልማን ኣካፊልትና'ላ።
ኣብ ሊባኖስ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝስርሓት ኢትዮጵያዊት ገነት እንግዳሰው ኩነታት ስርሓ ከምቲ ዝገመተቶ ብዘይምጽንሑ ናብ ሃገራ ክትምለስ ምውሳና ትገልጽ። ንሳ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ትሰርሕ ከምዝነበረት፡ ኣስራሕታ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከምዘየፍቕዱላ ዝነበሩ ትገልጽ።
ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፍለጥ ብዝተባህለ ድርቅን ጥምየትን ተጠቒዓ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ይግለፅ ኣሎ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ኬንያ፣ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣስታት 17 ሚሊዮን ሰባት ንድርቅን ጥምየትን ስለዝተቓልዑ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።
ተወሳኺ ጽዓን