ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ ክልተ ቢሊዮን ተጠቀምቲ ከምዘለዎ ዝግለፅ ፌስቡክ ክንድ’ቲ ዘበርክቶ ዓብዪ ዕድል ምስ ብዙሓት ፈተናታት ከምዝመፅእ እውን ብዙሓት ዝረዳድእሉ ሓቂ እዩ።ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ብሃናፃይን ብኣግባብን ክጥቀምሉ ብኣንፃሩ ድማ ንአሉታዊ ረብሓ ከየውዕሉዎ ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ሓሳቦም ከካፍሉና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንዝነጥፉ ክልተ ጋዜጠኛታት ዓዲምና ኣለና።