ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሚስተር ሄርማን ኮሃን ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣጠቃቕማ ወደባት ኤርትራን ኣመልኪቶም ቃለ-መጠይቕ ኣካይዶም ኔሮም። ሚስጥራዊ መስርሕ ሰላም ቀጺለሉ'ለኹ ዝበሉ ሚስተር ሄርማን ኮሃን ስለ ግዳያት ደርቂ ተባሂሉ ማህበረሰብ ዓለም ብወደባት ኤርትራ ሓገዝ እኽሊ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክሓልፍ ዝብል ርእይቶ ይህቡ።
መልሰ ግብሪ ሓደጋ (DART) ኣብ ኢትዮጵያ ብጥንቂ’ቲ ኣል ኚኖ ዝተባሃለ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዝተፈጥረ ደርቂን ጉድኣት ቅድሚ ምውራዱ ንምቁፅፃሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝወፈረ ተገሊጹ።
ቫይረስ ዚካ ንዓለም ዘተሓሳስብ ሕማም ኣይኮነን ይብሉ ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ሳሙኤል ሃይለኣብን ዶ/ር ዳውድ ሰይድ ሲራጅን።
ስዑድ ዓረብ ንሸኽ ኒምር ኣል-ኒምር ብግብረ-ሸበራ ከሲሳ ድሕሪ ክሳዱ ቆሪፀ ቀቲለዮ’ለኹ ምባላ ዝተወለዐ ቅልውላው ምስ ኢራን፣ ናብ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ዓሪጉ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተኻየደ ጉባኤ ኩነታት ለውጢ ኣየር ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለም ዝተሰማምዓሉ ውዕል ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ ኣዕጋቢ እዩ ይብሉ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ሳራ ተወልደን ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ታውሰን ዶ/ር ፅጋቡ ኣስመላሽን።
ተወሳኺ ጽዓን