ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሂላሪ ክሊንተንን ሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ዶናልድ ትራምፕ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ብቴሌቭዥን ብቐጥታ ዝተኸታተልዎ ፈላማይ ውዕውዕ ክትዕ ትማሊ ምሸት አካይዶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግጭትን፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን ዝምልከት ዝሓለፈ ረቡዕ ዝጀመርናዮ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ሎሚ ክዛዘም`ዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን 10 መስከረም 2016፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምክልኻል ነብሰ-ቕትለት ተዘኪሩ ኔሩ።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን ፡ ዓለም ብመራኸቢ ቴክኖሎጂታት ኣቢሉ ናብ ሓንቲ ንእሸተ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ገለ ካብቶም ብጽሑፍ፣ ብድምጽን ቪዲዮን ንምርኻብ ዘገልግሉ ቴክኖሎጂታት ጎግል ቮይስ፣ ስካይፕ፣መሰንጀር ወዘተ ዝኣመሰሉ መራኸቢታት እዮም።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ ስድራ ሓጂ ባድረግ ሓሰን ንህዝቢ ብምሕጋዝ ይልለዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 14 ህዝቢ መሳገሪ ስኢኑ እንክፅገም ዝረኣዩ ሓጂ ባድረግ ቢንቶ ሃኒፆም ህዝቢ ካብ ስቕቕታ ከምዘድሐኑዎ ህዝቢ ከተማ መቐለ ይዝክር።
ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሚስተር ሄርማን ኮሃን ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣጠቃቕማ ወደባት ኤርትራን ኣመልኪቶም ቃለ-መጠይቕ ኣካይዶም ኔሮም። ሚስጥራዊ መስርሕ ሰላም ቀጺለሉ'ለኹ ዝበሉ ሚስተር ሄርማን ኮሃን ስለ ግዳያት ደርቂ ተባሂሉ ማህበረሰብ ዓለም ብወደባት ኤርትራ ሓገዝ እኽሊ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክሓልፍ ዝብል ርእይቶ ይህቡ።
ተወሳኺ ጽዓን