ኣብ ካርቱም ሱዳን፡ ማሕበር ኤርትራውያን ምትሕግጋዝ ሕሙማት መንሽሮ ዝብል ማሕበር ኣሎ። ዕላምኡ ነቶም ካብ ኤርትራ ንዝሓሸ ሕክምና ሕማም መንሽሮ ናብ ሱዳን ዝኸዱ ግዳያት፡ ብሞራልን ንዋትን ንምሕጋዝ`ዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘስርሖ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ ሎሚ ብወግዒ ተመሪቑ ንትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተረኪቡ።
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ብሓደ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ትግራይ ዝውነን ማእኸል ሕክምና ዶክተር ማርቆስ ሃገራዊ መለክዒ ጥዕና ኣጉዲሉ እዩ ከምውጽኢቱ ድማ ንሓደ ዓመት ንኽዕፆ ከምዝኣዘዘ ይዝከር፡፡
ሲስተር ፅገወይኒ ግደይ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣስታት 30 ዓመታት ሰሪሐን፤ ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ሕዱር ሕማም ኣብ ዝፀነሓሉ እዋን ዝተዓዘብኦ ዓንቀፍቲ ልምድታት ኣመልኪተን ይዛረባ።
ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ንልዕሊ ኣርብዓተ ዓመታት ኣብ ዘካየድዎ ዓሙቕ መፅናዕቲ ሞት ኣደታት ንምንካይ ዝሕግዝ ፈላማይ ሜላ ረኺቦም’ለው ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሜሪካ ተመዊሎም ዝኻየዱ ዘለው ጸረ ኤችኣይቪ ፕሮጀክትታት ዝለዓለ ውጽኢት የምጽኡ ኣለው ክብሉ ኣብ ድሬዳዋ ዝርኸቡ ተጠቐምቲ ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኤችኣይቪ ቫይረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ኣብ ትግራይ ከምዝወሰኸ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ትካል ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልፅ።
ተወሳኺ ጽዓን