ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ንልዕሊ ኣርብዓተ ዓመታት ኣብ ዘካየድዎ ዓሙቕ መፅናዕቲ ሞት ኣደታት ንምንካይ ዝሕግዝ ፈላማይ ሜላ ረኺቦም’ለው ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሜሪካ ተመዊሎም ዝኻየዱ ዘለው ጸረ ኤችኣይቪ ፕሮጀክትታት ዝለዓለ ውጽኢት የምጽኡ ኣለው ክብሉ ኣብ ድሬዳዋ ዝርኸቡ ተጠቐምቲ ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኤችኣይቪ ቫይረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ኣብ ትግራይ ከምዝወሰኸ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ትካል ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልፅ።
ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ታህሳስ 1 ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ቁጽሪ ተጠቐምቲ መድሃኒት ምብዝሑን ብሰንኪ እዚ ድማ ብኤችኣይቪን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምጉዳሉ ይገልጽ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ሓካይም ሰብ ሞያ ጥዕና ብስርሖምን ኣገልግሎቶም ሽልማት ሂቡ።ሓደ ካብቶም ተሸለምቲ ሓካይም ዶክተር መኮነን ሓጐስ ይበሃሉ። ዶክተር መኮነን ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ ሐዚ ን32 ዓመታት ብዋናነት ላዕለዋይ ክኢላ መጥባሕቲ ብምዃን ዘገልግሉ ዘለው እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ ኣብ ኢንተቤ ኡጋንዳ ብዓለምለኸ ውዱብ ጥዕናን ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕጻናት አድሕን ትካልን ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ ኤርትራ ኣብ ሸፈነን ምሕደራ ኽታበትን ብዘርአየቶ ስራሕ ተሸላሚት ኾይና።
ካልኣዛር ብመንኸስቲ ካብ ጣንጡ ድቕቕ ዝበላን ሃመማ ሑፃ ተባሂለን ዝፅወዓ ሓሳኹ ዝለዓል ኽኸውን ከሎ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓለፍን ሕማም’ውን እዩ።
ተወሳኺ ጽዓን