ቅድም ክብል ብሕብረተሰብና ዝተለመደን ብሰብ ሞያ ሕክምና ብተደጋጋሚ ዝንገርን ፀባ ጡብ ንህፃናት ኣገዳሲ ምዃኑን ህጻናት ኣብ ዕሽል ዕድሚኦም ንዘጋጥሞም ሕማማት ንምክልኻል ከምዝሕግዝን እዩ። ሓድሽ ዝወጸ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ድማ ንደቀን ኣጥብየን ዘዕበያ ኣዴታት ኣብ እዋን ሽምግልና ብዘጋጥም ሕማም ልቢ ከይጥቅዓ ከምዝከላኸለለን ይሕብር፡፡
ኣብ ዓለም ብሰንኪ ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ብርቱዕ ደም ምፍሳስ በብዓመቱ 100,000 ደቂ ኣንስትዮ ይሞታ። ነዚ ዘጋጥም ሞት አዴታት ዋግኡ ክቡር ብዘይኾነ መድሃኒት ምክልኻል ከምዝኸአል ሓደ መጽናዕቲ አርእዩ’ሎ።
ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ክትኸላከሎ ብዝኸአል ምክንያታት ይሞቱ’ለው እዚ ድማ ደው ክብል ይግባእ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም አፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን