ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣውሮጳን ምዕራብን ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክወስዳ ይረኣያ። ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ንሕይወት አድሕን ስርሒታት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከሰልጥን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ምክትታል ዶባት ከሓይላ፡ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ቀረባ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ትራምፕ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ንምጉዳልን ናብ ኣሜሪካ ዝአትው ስደተኛታት ንምንካይን ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳ ኣሕሊፎም’ዮም።