ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝንቀሳቐሱ ንሰላምን ዴሞክራስን ከምኡ እውን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝን ዝተባህሉ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ናይቲ ክልል ገዛኢ ፓርቲን መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ልዕሌና ዓፈና ይፍፅሙ ኣለው ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።
ኣብ ሶማል ዝርኸብ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር’ቲ ሕብረት ንዝተኻየደ መጥቓዕቲ ግብረ-መልሲ ልዕሊ 100 ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ምቕታሉ ይገልጽ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ስግኣት ግብረ ሽበራ: ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ኣሜሪካን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ ዜጋታቱ ክፈርሁ ከምዘይብሎም ይገልጽ ኣሎ፡ ላዕለዎት ተንተንቲ ጉዳይ ግብረ-ሽበራ’ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ይሰማምዑ እንተኾነ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ክትዛነይ ከምዘይብላው’ን የተሓሳስቡ።
ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ሎሚ ሓሙስ ምስ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ 2010 ዓ.ም ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰባት ፍርዲ ምሃቡ ተፈሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ዝተአኸቡ ሰባት ዝተፈጸመ ኮይኑ 76 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ቀጺሉ ብዘሎ ምስ ኣልቓይዳ ዝተታሓዘ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣል-ሸባብ ዝፈጠሮ ስግኣት ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ሶማል ከይጓዓዙ መጠንቐቕታ ኣውጺኡ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ነታ ኣሰራ ዘይተረኽበ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ንምርኻብ ክሕግዝ ይክእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ ገሊጾም።
ተወሳኺ ጽዓን