ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ሎሚ ሓሙስ ምስ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ 2010 ዓ.ም ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰባት ፍርዲ ምሃቡ ተፈሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ዝተአኸቡ ሰባት ዝተፈጸመ ኮይኑ 76 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ቀጺሉ ብዘሎ ምስ ኣልቓይዳ ዝተታሓዘ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣል-ሸባብ ዝፈጠሮ ስግኣት ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ሶማል ከይጓዓዙ መጠንቐቕታ ኣውጺኡ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ነታ ኣሰራ ዘይተረኽበ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ንምርኻብ ክሕግዝ ይክእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ ገሊጾም።
ካብ ፓሪስ ናብ ካይሮ ተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሓምሸሸትሉ ምክንያት ብጸገም ቴክኒክ ዘይኮነስ ብመጥቓዕቲ ሽበራ’ዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣቭየሽን ግብጺ ገሊጾም።
ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ንምድኻም ፈቲኑ ክብል ይኸስስ። ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ።
ንነዊሕ ዓመታት ንኡጋንዳ ክመርሑ ዝጸንሑ ዩወሪ ሙሰቨኒ ንሓሙሻይ ጊዜ መራሒ’ታ ሃገር ኮይኖም ሎሚ ሓሙስ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።
ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምርጫ ቦርድ ኬንያ ብምቅዋም ሶኑይ ኣብ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ማይን ከም ዝተጠቅመ ተገሊጹ።
ካብ ብኹናት ዝዓነወት ሶርያ ንዝስደዱ ሶርያዊያን ስደተኛታት ዝነበረ ካልእ መሰጋገሪ መንገዲ’ውን ይዕጾ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ’ዩ። ማውሪታንያ ሓንቲ ካብተን ክሳብ ሕጂ ሶርያዊያን ስደተኛታት ብነጻ ክትቕበል ዝጸንሐት ኮይና ካብ ወርሒ የካቲት ኣትሒዛ ግን ናብ ሃገራ ዝኣትው ስደተኛታት ቪዛ ክትሓትት ጀሚራ’ላ።
ተወሳኺ ጽዓን