ካብ ጁቡቲ ተሰሚዑ፡ ባን ኪ ሙን ኣረጋጊጾም፡ ካብ ኤርትራ ዝተሰምዐ የለን
ዝበዝሓ ትካላት ንግዲ ደቡብ ሱዳን ከተማ ዋው ብምክንያት ሞት መሳርሕቶም ሎሚ መዓልቲ ተዓጽዮም ወዒሎም። ሰበ-ስልጣን’ታ ከተማ ብመሰረት መባእታዊ ምርመራ እቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዕጡቓት ሰረቕቲ’ዩ ተቐቲሉ ይብሉ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላትን ናይ ኣፍሪካ መንግስታትን ኣብ ንኣሽቱ ሓረስቶት ዝበጽሕ ብኽነት መግቢ ንምንካይ ስትራተጂታት ንምሕንጻጽ ተኣኪቦም ኣለው።ኤል-ኒኞ ብዘንቀሎ ድርቅን ውሕጅን ኣፍሪካ ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዓ’ላ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት መንግስታት፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂማን ራይትስ ዎችን ሰላማዊ መስርሕ ደቡብ ሱዳን እንተድኣ ፈሺሉ እገዳታትን ተኮር ስጉምትታትን ተጽዕኖ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም ክብሉ እዞም ተሓለቕቲ ጉጅለታት ይዛረቡ።
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቐሳቀስ ጉጅለ ዕጡቓት ጨንፈር ኣል-ቃይዳ ብወጻእተኛታት ዝዝውተር ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣይቨሪኮስት ዝርከብ መዘናግዒ ሆቴል ግራንድ ባሳም ትማሊ ሰንበት ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ክልተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ሓዊሱ 16 ሰባት ተቐቲሎም።
መልሰ ግብሪ ሓደጋ (DART) ኣብ ኢትዮጵያ ብጥንቂ’ቲ ኣል ኚኖ ዝተባሃለ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዝተፈጥረ ደርቂን ጉድኣት ቅድሚ ምውራዱ ንምቁፅፃሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝወፈረ ተገሊጹ።
ንብሉምበርግ ዝጽብጽብ ዊሊያም ዴቪድሰን ንዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ትጽብጽብ ጄሲ ፎርትን ኣስተርጓሚኦምን ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ከተማ ኣዋሽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወስዱን ተኣሲሮም ሓዲሮም ከምዝተለቁን ገሊጾም።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣውሮጳ ብዘጋጠማ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ጥርዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርኸብ ክብል የጠንቅቅ።
ናይ ሶማል ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ/ኣሚሶም/ ብሓደ መሪሕነት ንክምራሕ መራሕቲ ወታደራት ናይ ዘዋፈራ ሃገራት ወሲኖም።ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ወታደራት ክሳብ ሎሚ ብተናጸልን ኣብ ዝተመደብዎም ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣምባሳደር ገብረክርስቶስ ገሊጾም።
ኣብ ሞቃድሾ ሎሚ ዓርቢ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ 6 ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት 25 ኸኣ ቆሲሎም።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኹነታት ሰብአዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዓ.ም.ፈ ከምዘንቀልቆለ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን