መልሰ ግብሪ ሓደጋ (DART) ኣብ ኢትዮጵያ ብጥንቂ’ቲ ኣል ኚኖ ዝተባሃለ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዝተፈጥረ ደርቂን ጉድኣት ቅድሚ ምውራዱ ንምቁፅፃሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝወፈረ ተገሊጹ።
ንብሉምበርግ ዝጽብጽብ ዊሊያም ዴቪድሰን ንዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ትጽብጽብ ጄሲ ፎርትን ኣስተርጓሚኦምን ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ከተማ ኣዋሽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወስዱን ተኣሲሮም ሓዲሮም ከምዝተለቁን ገሊጾም።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣውሮጳ ብዘጋጠማ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ጥርዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርኸብ ክብል የጠንቅቅ።
ናይ ሶማል ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ/ኣሚሶም/ ብሓደ መሪሕነት ንክምራሕ መራሕቲ ወታደራት ናይ ዘዋፈራ ሃገራት ወሲኖም።ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ወታደራት ክሳብ ሎሚ ብተናጸልን ኣብ ዝተመደብዎም ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣምባሳደር ገብረክርስቶስ ገሊጾም።
ኣብ ሞቃድሾ ሎሚ ዓርቢ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ 6 ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት 25 ኸኣ ቆሲሎም።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኹነታት ሰብአዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዓ.ም.ፈ ከምዘንቀልቆለ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ኡጋንዳ ንመራሒ ተቃወምቲ ኪዘ በዚጀይ ሎሚ ሶኑይ አብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተፈሊጡ። ኪዘይ በዚጀይ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ ኡጋንዳ ዘይተዓወቱ ክኾኑ ከሎ እቲ ምርጫ ተጭበርቢሩ’ዩ ክብሉ’ውን ርእይቶም ሂቦም’ዮም።
ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዝጀመረ ተቓውሞን ግጭትን ሎሚ'ውን ከምዝቐጸለ ነበርቲ ገሊጾም።
ተወሳኺ ጽዓን