ካብ ኣስመራ፡ መቐለን ካልኦት ከባብታት ዓለምን፡ ብዛዕባ በኪ ይምስክሩ
ፖሊስ ሶማል እቲ ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቤት-መግቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ብዉሑዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
ንዝሓሸ ውሕስነት ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱ ዘለው ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ኣብ ጉዕዝኦም ንዝለዓለ ሓደጋ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ይቓልዑ ኣለዉ ክብል ሕ/ሃ ኣጠንቂቑ። ብናይ ሕ/ሃ ጉጅለ ልኡኻት ትካል ስደተኛታትን ትካል ኮሚሽን ስነ ህዝቢን ዝተገብረ ሓባራዊ መጽናዕቲ ኣዋልድን ደቂ-ኣንስትዮ ስደተኛታት ካብ ዓመጽ ንምክልኻል ዝውሰድ ስጉምትታት እኩል ኣይኮነን ክብል ገምጋሙ ሂቡ’ሎ።
ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ንዓሰርተታት ወታደራት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ እቲ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል እዩ ኢሎም።
ውዱብ ጥዕና ዓለም ኢቦላ ካብ ምዕራብ አፍሪቃ ተቐሪፉ’ዩ ኢሉ ካብ ዝእውጅ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ አብ ሰራልዮን ዝሞተ ሰብ ሬሳ አብ ዝተገብረ ምርመራ እቲ ሰብ ኢቦላ ቫይረስ ከምዝተረኽቦ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም። ዓለም-ለኸ ውዱብ ጥዕና’ውን ነዚ አረጋጊጹ’ዩ።
ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣል-ሸባብ ኣብ ጥቓ ከተማ ኤል-ኣደ ሶማል ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ድሕሪ ምጥቕዑ ወታደራት ኬንያ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።እቲ ቦታ ካብ ከተማ ጋርባሓረይ ብኣንፈት ደቡብ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ሪሒቑ ይርከብ
ተወሳኺ ጽዓን