ቡርኪናፋሶ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ሓድሽ ፕረዚደንት መረጻ። ፕረዚደንት ሮች ማርክ ከቦረ ድማ ሎሚ ሰሉስ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።
ብሰንኪ ኢቦላ 2,500 ሰባት ዝሞትዋ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጊኒ፣ ካብ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ናጻ ከምዝኾነት ሰበ-ስልጣን ጥዕና ዓለም ገሊጾም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተከሰተ ግጭት ‘መርአያ መንግስታዊ ድኽመት ዝፈጠሮ መረረት’ዩ ዝመስለኒ፣ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለው ተቃወምቲ’ውን ተወሳኺ ሓይሊ ነይሮም ነቲ ህልዊ ኩነትት ክንቅይሮ ንኽእል ንኸውን ኢና ኢሎም ዝሓሰቡ’ውን ተሓዊሶምዎ ይኾኑ’ዮም ይብል ኣቶ ዳደ ደስታ።
አብ ገለ ክፍልታት ምብራቓዊን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዋሕዲ ዝናብን ለውጢ ክሊማ ኤል-ኒኞ ብዘከተሎ ሳዕቤን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ንሓደጋ ጥምየትን ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ተቓሊዖም ከምዘለው UNICEF ገሊጹ።
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሚስተር ሳልቫ ኪር፣ ንነባር 10 ክፍለ-ግዝኣታት’ታ ሃገር ኣፍሪሶም፣ ብ28 ክፍለ-ሃገራት ተኪኦምዎ። ነቀፍቲ ግና፣ እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ዝጥሕስ’ዩ ይብሉ።
Dr.Awet T.Weldemichael and Dr. Adane Ghebremeskel Tekie
ኣል-ኚኖን ግጭታትን ዝጠንቁ ቅልውላው ን18 ሚልዮን ህዝቢታት ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ተጸበይቲ ረድኤት ገይርዎም አሎ ክብል ሕ/ሃ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተኻየደ ጉባኤ ኩነታት ለውጢ ኣየር ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለም ዝተሰማምዓሉ ውዕል ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ ኣዕጋቢ እዩ ይብሉ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ሳራ ተወልደን ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ታውሰን ዶ/ር ፅጋቡ ኣስመላሽን።
ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ህዝቢ ሩዋንዳ ደረት ፕሬዝዳንታዊ ናይ ስልጠን ዘመን አብ ሕገ-መንግስቲ ንምልዋጥ ንዘካየዶ ረፈረንደም ኣመስጊኖም።እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዳግማይ ምውድዳር ዝበሉዎ ነገር የለን።
ተወሳኺ ጽዓን