ባህሊ - ድምጺ ኣመሪካ
ባህሊ - ድምጺ ኣመሪካ
        <ttl>60</ttl>        
ምርኢት ፋሽን ምስ ኣካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ኣካላት ሕብረተሰብ
            <description>ኣስመራ — ምስ በበይኑ ኣካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ሓድሕድን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብን ዘሎ ርድኢት ንምጽባብ ዝዓለመ ምርኢት ፋሽን ብ6 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ ነይሩ። እቲ ኣጋጣሚ ነቲ ብ3 ታሕሳስ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለማዊ መዓልቲ ምስ ስካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ዜጋታት ንምዝካር’ውን ዝዓለም’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብተሳተፍቲ ዝቐረበ ምርኢት ክዳውንቲን ነቲ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ግንዛበ’ውን ክእርም ዝኽእል ምዃኑ ካብ ኣደላውቲን ተሳተፍቲን ይገልጹ። 
ጽንብል ድርብ በዓላት
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ሃይማኖታዊ በዓላት ብኣቆጻጽራ ግእዝን ግሪጎራን ዓውደ-ኣዋርሕ ንዘኽብሩ ማሕበረሰብ ድርብ'ዩ። 
ኣብ ኣመሪካ ክልተ ጊዜ ንሓደ ሃይማኖታዊ በዓል ካብ ዘኽብሩ ስድራቤታት ክልተ ንጀምበር መድሃኔን ሄለን ደባስን ንወግዒን ባህልን እዚ ጽንብላት ብዝምልከት ተመክሮኣን ከኻፍላ ኣዘራሪብናየየን ኣለና። ሓሳባተን ዘካፈለና ኣጋይሽ፡ እቲ ልምዲ ንነዊሕ እዋን ከም ዝኸደ ክግለጻ እንከለዋ፡ ኪንዮ ሃይማኖታዊ በዓል ምዃኑ ተሪፉ'ውን፡ እንኮላይ ንኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖት ዝሓቘፈ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ምዃኑ ይገልጻ።
ፃንሖት ምስ ኣርቲስት ደስታ ሓጎስ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ቀባኢት ደስታ ሓጎስ ገና ሓሙሻይ ክፍሊ እናተማህረት’ያ ናብ ቅብኣ ኣትያ፡ ሽልማት ንምውሳድ በቒዓ። ደስታ ኣብ በበይኑ ሃገራትን ዓበይቲ መድረኻትን ምርኢት ስእሊ ኣቕሪባ’ያ። ኣብ ኢትዮጵያ ምርኢት ስእሊ ዘዳለወት ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ’ውን’ያ።  ንታሪኽ ህይወታን ናይ ቅብኣ ጕዕዞኣን ብዝምልከት ምስ ቀባኢት ደስታ ሓጎስ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ዕላል ካብ ነበርቲ መንደፈራን ዓድግራትን ብዛዕባ በዓላት ጳጉመን ሓንሰ-መስቀለን
            <description>ዋሽንግተን — ቅንያት ሓንሰ-መስቀለን ሓዲሽ ዓመትን`ዩ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ሎሚ ረቡዕ ዝጀመረ ጳጉመን ንሹድሽተ መዓልታት ዝቕጽል ክኸውን ከሎ፡ ዝመጽእ ሰሉስ ቅዱስ ዮውሃንስን ሓዲሽ ዓመትን ክኽበር`ዩ። ንምዃኑ ኣብ ቅንያት ጳጉመን ሓንሰ-መስቀለን እንታይ ይግበር? ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን`ከ ብኸመይ ይብዓል? ኣርባዕተ ኣጋይሽ ተዓዲሞም ኣለዉ። ስነ-ጥበባዊ ኣማኑኤል ጎይትኦምን ዮሃና ኣበራን ካብ መንደፈራ  ዞባ ደቡብ ኤርትራ ፡  ኣልማዝ ዮሃንስን ትርሓስ መብርሃቱን ድማ ካብ ዓድግራት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያን `ዮም።
ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን
            <description>ዋሽንግተን ዲሲ — ገጣሚ፡ ኣርታዒ፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊ ሓጸርቲ ዛንታታን ሃይለ ቢዘን፡ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኸይድ ኣዝዩ ንጡፍ ናይ ስነ-ጽሑፍ ህይወቱ፡ እንተስ ብግጥምታቱ ወይ ድማ ንሱ ዝመርሖም ተበግሶታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ኤርትራ፡ ተራኡ ጉሉሕ’ዩ።
ኣብ በበይኑ እዋን፡ ከም ኣባል መመዪት ሽማግለ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ፡ ዋና ኣርታዒ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ መጽሔት ሕውየት፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዓመታዊ ውድድር ሓጺር ዛንታታት፡ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ልቦናን ስነ-ጽሑፍን ዝተመረቐ ሃይለ፡ ካብ ኤርትራ ኣብ 2009 ንስደት ድሕሪ ምምራሑ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይነብር ኣሎ። ሃይለ ኣብ ስደተ ምስ...</description>
እታ ዘይትድቅስ ከተማ ካምፓላ--“ኣይትተሃወኽ” 
            <description>ከም ሓበሬታ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ካምፓላ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ይውዕላ። ካብዚኣቶም እቶም 1.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ እቲ ከተማ ዝነብሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 2.5 ሚልዮን ድማ ንስራሕ መዓልታዊ፡ ካብቲ ከባቢ ጎደባቶታትን ዓድታትን ዝመላለሱ’ዮም።  
ካምፓላ መዓስ ከም እትድቅስን እተዕርፍን ኣይፍለጥን። ከባቢ 6፡00 ወጋሕታ ዝጀመረ ምንቅስቓስ፡ ክሳብ ኣስታት 10፡00 ምሸት ብዙሕ ክጎድል ኣይረአን። 
ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ-ኢንደፐንደንት ናይ ዩጋንዳ፡ ኣብ ካምፓላ ጥራይ ልዕሊ 400-ሽሕ፡ “ቦዳ-ቦዳ” ዝብል ስም ዝጽውዑ ዘወርቲ ሞተር ብሽክለታ ኣለዉ። እዚ ናብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝጸጋጋዕ ብዝሒ ሞተር ብሽኽለታ፡ ምስቲ ጸቢብን ዝተመናንሀን ጽርግያታት እታ ከተማ ተደማሚሩ፡ ደውታ ክፍጠር፡ ንሓደጋታት ከቃልዕ ጽቡይ’ዩ። ንምንጭታት ከተማ ብምጥቃስ ጋዜጣ...</description>
ግርማይ ራያ ካብ “ሽፍትነቱ” ተመሊሱ ኣሎ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበት “ብፍቕሪ ሸፊተ” እትብል ናይ ቪድዮ ክሊፕን ካልእን ዘፍረየ ግርማይ በላይ (ግርማይ ራያ) ንንውሕ ዝብለ እዋን ካብ ሰማዕቲ ተኸዊሉ’ዩ ጸኒሑ። ጽልዋ ዝዓበየሉ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ህይወቱ ዝተጻወቶ ተራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ሒዙዎ ብዛዕባ ዘሎ መደብ ኣውጊዑና ኣሎ።
ዘይቲ ስምስም፤ ኣድላይነቱ ማዕረ ሃልኩ
            <description>ኣስመራ — ብልምዳዊ ኣገባብ ዝጽመቝ ዘይቲ ስምስም፡ ንምድላዉ ነዊሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ ሓረስቶት ይገልጹ። እቲ ባህርያዊ ዘይቲ ንሓያሎ ሕማማት ከም ዝፍውስ’ዩ ዝእመን። ዋጋኡ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ መሸጣ ሰሊጥ ስለ ዝውሰን ግን፡ ክብን ለጠቕስን ክብል ከም ዝግደዱ ኣፍረይቲ ይዛረቡ።
መላግቦ ያታዊን ዘመናዊን ስነ-ጥበብ
            <description>ኣስመራ — ኣሕመድ ኣድም ስዒድ፡ ብቛንቋ ሳሆ ዝደርፍ ድምጻዊ ኰይኑ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝጽወቱ ዝነበሩ ባህላዊ ጸወታታን ዝውቱራት ባህላዊ ደርፍታታን ብሄረ ሳሆ ብምፍታሽ፡ናቱ ፈጠራ ወሲኹ ንህዝቢ ኣብ ምልላይ ይጽዕር ከም ዘሎ ይዛረብ። እዚ ናይ ምግጣም፡ምዝያም፡ ምድባልን ምእላይን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝዛረብ መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ በዓላት፡ ጽንብላት ካልእ ኣጋጣሚታትን ባህላዊን ዘመናዊን ትሕዝቶ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን።
ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ ተፈጺሙ
            <description>ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ(ወዲ ገብሩ) ሎሚ 27 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ስድራቤቱ፡መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ   ኣብ  ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ`ሎ ። ወድ-ገብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መበል 71 ዕድሚኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ምዕራፉ ተገሊጹ`ሎ።
ንፈለማ ግዜ ኣብ መጀመርያ 70`ታት ናብ ባንድ ቬኑስ ተጸንቢሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ደርፍታት ከፍሪ ዝጀመረ ወዲ ገብሩ ብባህላዊ ዜማታት ጓይላ፡ ደጉዓን እስታሊላዊ ህርመታትን ኣብ ልቢ ኣፈቀርቲ ሙዚቃ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን።
ኣብዚ ግዜ`ዚ`ዩ ኸኣ እነሆልካ ሩባ ዓንሰባን መሬት ዓርኮብኮባይን ዝብላ ደርፍታቱ ልቢ መንእሰያት ኤርትራ ሰሊቡ ናብ ሃገራዊ ቓልሲ ክውሕዙ ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ ይብል ዝተነበ ታሪኽ ህይወቱ።
ኣብ 1974 ነቲ ብደርፍታቱ ክሳተፎ ዝጸንሐ ሓርነታዊ...</description>
ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ በቢ ዓመቱ ንፆመ ፍልሰታ ስዒቡ 16 ነሓሰ  ይኽበር
            <description>ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋትን ጣዕመ ዜማታትን ብምድላው ከብዕለኦ ፀኒሐን እየን </description>
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዕለቱ ሰንበት ይኽበር
            <description>ኣብ ወሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ በዓል ኣሸንዳ ሎምዘበን ብምኽንያትእቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናፅነተንን ሰብኣዊ ክብርታተንን ተደፊረን ኣብ ስቃ፟ይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝዝከራሉ በዓል እዩ ክኸውን ኢለን ።
   ኣብቲ ሰምበት ነሓሰ 22 /2021 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሓወልቲ ዝክበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንፈለማ እዋን'የን ሎምዘበንብሓንሳብ ተኣኻኺበን ከክብረኦ ተዳልየን ይርከባ ።
 ሳራ ፍሰሃየ ንኮሚቴ ኣሰናዳእቲ በዓል ኣሸንዳ ኣዘራሪባ`ላ