ቂሔ ጽልሚ - ድምጺ ኣመሪካ
ቂሔ ጽልሚ - ድምጺ ኣመሪካ
        <language>ti</language>
        <ttl>60</ttl>        
ሰሎሞን ድራር -- 45 ዓመታት ምስ ብርዒን ወረቐትን
            <description>ኣስመራ — ፈለማ ናብ ስነ-ጥበብ ክኣቱ ብወዝቢን ድርኺት ሓለፍቱን ምዃኑ ዝገልጽ ሰሎሞን ድራር፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ኣብ በበይኑ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ከም ገጣሚ፡ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ደራሲ ፊልምን ሰናዲ ታሪኽን ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ዝጽሕፍ ዘሎ’ዩ። ደራሲ መጽሓፍ “ኤርትራውያን ኮማንዶ፡ ቅያ 18 ደቓይቕ” ዝዀነ ሰሎሞን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝጸሓፎም ግጥምታት ኣኪቡ ኣሕቲሙ ኣሎ። ንዝደሓረ ጥርኑፍ ስራሓት ግጥሚ ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኑ ኣሎ።
ቃናን ብዙሕነትን ባህላዊ ህርመታት ኤርትራ
            <description>ኣስመራ — ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ወረቓቕታት፡ ንዓይነትን ብዙሕነትን ኣብ በበይኑ ብሄራት ኤርትራ ዝዝውተሩ ህርመታትን ቅኒታትን ዝምልከት’ዩ። ነዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበ መምህርን ኣወሃሃዲን ሙዚቃ መሓመድ ሳልሕ ሑሴን’ዩ።
ንሱ ብዛዕባ ውጽኢት መጽናዕቱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካየዶ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
27 ዓመታት ድሕሪ ዕረፍቱ -- የማነ ባርያ ሕጂ’ውን “ኣቦ-ጥበብ”
            <description>ኣስመራ — ኣብ ሙዚቃ ኤርትራ ብቐንዱ፡ ኣብ ናይ ትግርኛ ሙዚቃ ድማ ብዓቢኡ ዓቢ ጽልዋ ገዲፉ፡ ኣብ መበል 48 ዓመቱ፡ ኣብ 1997 ዝዓረፈ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ 27 ዓመታት ድሕሪ ዕረፍቱ’ውን ጽልዋኡ ዓቢ’ዩ ዘሎ። ኣብ ህዝቢ ብዝነበሮ ለዋህትን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን ማዕረ ኣብ ደርፍታቱ ዝነበሮ ተቐባልነት’ውን ምዃኑ ዝገልጽ የማነ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝኽሩ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ምሸት፡ ደርፍታቱ ዝደግሙን ኣበርክቶኡ ዝገልጹን በበይኖም ትሕዝቶታት ቀሪቦም ኣምስዮም። 
መጽሓፍ ተስፋዬ ገብረኣብ ድሕሪ ሞቱ
            <description>ኣስመራ — ህቡብ ኢትዮጵያዊ-ኤርትራዊ ደራሲን ተመራማሪን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ብ24 ታሕሳስ 2021 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ’ዩ ብሕማም ዓሪፉ። ኣብ ኢትዮጵያን ድሒሩ ድማ ኤርትራ ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዎ መጽሓፍቲ ተስፋዬ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሓቀኛ ፍጻመታት ወይ ታሪኽ ምርኩስ ብምግባር ዝተደርሰ ልዕሊ 10 መጽሕፍቲ የሕቲሙ ነይሩ። ኣብዚ ሰሙን እምበኣር ብምኽንያት ሳልሳይ ዓመት ሞት እቲ ደራሲ ኣብ ዝዝከረ መደብ፡ ቅድሚ ሞቱ ዛዚሙዋ ዝነበረ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተተጒማ ናብ ኣንበብቲ ቀሪባ ኣላ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ኣቤል መድሃኔ ገብረየሱስ ምስ ሓድስ መጽሓፉ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ካናዳ ድሕሪ ምእታው ናብ ዓውዲ ሕክምና እኳ ገዓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ዝሰርሐ ኣቤል መድሃኔ ገብረየሱስ፡ ድሕሪ ናይ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምረቓኡ፡ ማዕረ ብዙሓት መዛኑኡ ኤርትራውያን ብዝሓለፉዎ መንገዲ ዘጊሩ’ዩ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት እምበኣር “Time Went by 'Like This'” ብዝብል ኣርእስቲ ሓጸርቲ ውልቃዊ ተጓንፎታቱ ኣብ ኤርትራን ስደተን ዝሓዘለት መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ ኣሎ። ኣቤል ዝሓለፈ ሰሙን ነታ መጽሓፍ ንምምላይ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መጺኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተዳለወ ቃለ-መሕተት መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
መንግስትኣብ ገ/ገርግሽ -- ሕጂስ ኣይተጋየሸን
            <description>ኣስመራ — ድምጻዊ መንግስትኣብ ገብረገርግሽ (ተጋዪሸ) ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ህዝቢ ዝዘርግሐ ሳልሰይቲ ኣልበም ኣውጺኡ ኣሎ።
“ኣሕላም” ዝተሰየመት ኣልቡም ኣብ ኤርትራ ብዝዝወትሩ 9 ቋንቋታትን በበይኑ ህርመታትን ዝሓዘት’ያ። ሙዚቃዊ ስራሓት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብሲዲን ካሴትን ምሸጣ ኣብ ዝተረፈሉን ብሰንኩ ድምጻውያን ካብ ምስራሕ ኣልበም ተቖጢበምሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ መንግስትኣብ ነዛ ብብዙሕ መዳያት ናይ ፈተነ ስራሕ ዝዀነት ኣልበም፡ ምስቲ ኵሉ ዝገበሮ ወጻኢታት ብናጻ ክዝርግሓ ምውሳኑ “ሞሳ ንሰማዒኡ” ምዃኑ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝግበሮ ቃለ-መጠየቕ ጠቒሱ ኣሎ። 
ምስ ደራሲ ግርማይ ገብረፃድቕ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — “ተወዳጅ መዲያ” ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን12 ጋዜጠኛታት ነበር ፍሉይ ኣበርክቶ ሽልማት ዓዲሉ ነይሩ። ካብ መንጎ’ቶም ተሸለምቲ ደራሲን ጋዜጠኛን ግርማይ ገብረፃድቕ ይርከቦም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ንደራሲ ሓያሎ መጽሓፍቲ ንዝዀኑ ኣይተ ግርማይ ብዛዕባ ሞያኦምን ካልእ ኣበርክቶኦምን ኣመልኪቱ ኣዋግዒዎም ኣሎ።
ዕላል ምስ ጸሓፊ መጽሓፍ “ዳእላታት ገድሊ” እያሱ ኣሰፋው
            <description>ኣስመራ — እያሱ ኣሰፋው ኣብ ፈለማ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ‘ዳእላታት ገድሊ” ዘርእስታ ናይ ፈለማ መጽሓፉ ንህዝቢ ዘርጊሑ’ሎ። ደራሲ ነዚ ነቲ ዝኣከቦ ስራሕ ካብ 1978 ኣትሒዙ ካብ ብጾቱ ክእክቦ ዝጸንሐ ምዃኑ ይነግር። ደራሲ ከም ዝግለጾ፡ እዚ መጽሓፍ ብኻልእ ኵርናዑ’ውን ንህይወትን ናብራን ገድሊ ዝስንድ’ዩ።
ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”
            <description>ዋሽንግተን ዲሲ — ፈለማ ኣብ 1984 ተሓቲማ፡ ካብ ኣንበብቲ ነዊሕ ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ደጊማ ኣብ 2016 ዝተሓትመት መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ፡” ንውልቃዊ ተመኵሮ ደራሲ ኣብ ኢጣልያ እተዘንቱ’ያ። እዛ ኣፈ-ዘየኽዱን ግን ከኣ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ሰራሕተኛታት ገዛ እተዘንቱ መጽሓፍ፡ ሕጂ’ውን ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዋ’ያ። ጸሓፊ እዛ ፍልይቲ መጽሓፍ ግን ቃለ-መጠየቓት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ እምበኣር ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ናብ ኖርወይ ተጓዒዙ ዝቐነየ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ምስቲ ነባሪ ሽወደን ዝዀነ ደራሲ ገብረእግዚኣብሄር ገብረቀመቀል፡ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ረኺቡ የዕሊሉ ኣሎ።
ኣብታ ዳግም ዝተሓትመት መጽሓፍ ደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ 2010 ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ዝተሰምዖ ሰፊሕ ጦብላሕታ ዝጸሓፎ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ኣብ እዋኑ ግን በየነ...</description>
ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”
            <description>ዋሽንግንተ ዲሲ — ፈለማ ኣብ 1984 ተሓቲማ፡ ካብ ኣንበብቲ ነዊሕ ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ደጊማ ኣብ 2016 ዝተሓትመት መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ፡” ንውልቃዊ ተመኵሮ ደራሲ ኣብ ኢጣልያ እተዘንቱ’ያ። እዛ ኣፈ-ዘየኽዱን ግን ከኣ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ሰራሕተኛታት ገዛ እተዘንቱ መጽሓፍ፡ ሕጂ’ውን ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዋ’ያ። ጸሓፊ እዛ ፍልይቲ መጽሓፍ ግን ቃለ-መጠየቓት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ እምበኣር ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ናብ ኖርወይ ተጓዒዙ ዝቐነየ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ምስቲ ነባሪ ሽወደን ዝዀነ ደራሲ ገብረእግዚኣብሄር ገብረቀመቀል፡ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ረኺቡ የዕሊሉ ኣሎ።
ዕላል ምስ ኤርትራዊ ደራስን ኣላይንን ድራማን ፊልምን - መምህር ጠዓመ ኣረፋይነ
            <description>ኣስመራ — ኣይንፈላለ፡. ሕድሪ፡ ብርኩታን ካልእን ሓዊስካ ትሸዓተ ናይ መድረክ ድራማታትን፡ ምቁር መርዚ፡ መንገኛ፡ ስንክሳር ዝብሉ ዝርከብዎም 14 ፊልምታታን ንህዝቢ ዘቕረበን ካብዚኦም ን20 ዝደረሰን ዝኣለየን  ስነ-ጥበበኛ እዩ።
መምህር ጠዓመ ንከም በዓል ኤልሳ ኪዳነ፡ ሳልሕ ኢብራሂምን ሰምሃር እስቲፋኖስን ዝርከብዎም ን12 ዓበይትን ነኣሽቱን ድምጻውያን  20 ናይ ደርፊ ግጥምታት ዝደረሰን፡ ንነፍሲሄር የማነ ባርያ፡ ኤልሳ ኪዳነን ንካልኦት 16 ድምጻውያንን 35 ናይ ቪድዮ ክሊፕ ዘዳለወ ስነ ጥበበኛ እዩ።
ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ድማ  ናብ ሓድሽ  ዓውዲ ስነ ጥበብ “ሲት ኮም” (ኩነታዊ  ድራማ) ብምስጋር ኣብ ተለቪዥንን ዩ-ትዩብንን ዝፍነው ስርሓት ኣብ ምፍራይ ዝርከብ ስነ-ጥበበኛ እዩ።
 ጭራ ዋጣ እናሰርሐ ዘከፋፍል - ተኽሊት ሊላይ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኣመሪካ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ስነ-ጥበበኛ ተኽሊት ሊላይ ሃብተገርግስ፥ ኣብ ዓዲ ከሎ ዘጥርዮ ፍቕሪ ጭራ ዋጣ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ምስመጸ'ውን ብዕቱብ ብምሓዝ እናማዕበሎ ይኸይድ ኣሎ። 
ኣብ ብዙሕ ባህላዊ መርዓታትን ውራያትን ጭራ ዋጣ ዝጻወት ተኽሊት፥  ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ጭራ ዋጣ ባዕሉ ብምስራሕ፡  ናብ ዓማዊል እውን የከፋፍል።
ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።
ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ. ዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራ ደርፍታት ኣፍርዩ’ዩ። ን60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ዝተቓነየ ዑስማን ዓብዲልራሒም ኣብ መበል 74 ዓመቱ ኣብ ሽወደን’ዩ ዓሪፉ።
ኣሕመድ ዓብደልራሒም -- ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ኤርትራዊ ድምጻዊ ኣሕመድ ዓብደልራሒም፡ ኣብ ወርሒ ነሓስ “ግርማ” እትብል ናይ ህቡብ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ደጊሙን ኣመሓዪሹን ድሕሪ ምድራፉ፡ እታ ደርፊ፡ ኣቓልቦ ሓያሎ ሰማዕቲ ስሒባ ኣላ። ኣሕመድ ኣብዚ ብእንግሊዘኛ “ረንደሽን” ዝብሃል፡ ምድጋም ዘይኰነስ ኣመሓዪሽካ ምድራፍ፡ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ናይ ሓያሎ ድምጻውያን ከምእኒ ናይ ሓጐስ ብርሃነ፡ ተስፋይ መሓሪ (ፍሒራ)፡ ኢንጂነር ኣስገዶም ወልደሚኤል (ሳባ-ሳቢን) ናብ ሰማዕቲ ዝዘርግሐ ኣሕመድ፡ ናቱ መበቆላዊ ደርፍታት’ውን ብዙሕ ኣፍርዩ’ዩ። በበይኑ መሳርሒታት ሙዚቃ ከም ዝጻወት ዝገልጽ ኣሕመድ፡ ኣብ ስነ-ሙዚቃ ኤርትራ ንዝተጻወቶ ፍሉይ ኣበርክቶ ኣመልኪትና’ውን ንድምጻዊን ሙዚቀኛን ግርማይ ዓንዶም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።
ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ
            <description>ዋሽንግተን ዲስ  — ኪሮስ ብርሃነ ፕሮፈሰር ባዮስታስቲክስ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝነጥፈሉ ዓውዲ ሰፋሕቲ ምርምራት ካብ ዝገብሩ ተመራመርቲ’ዩ። እንተዀነ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምርምራዊ ስራሑን ናይ ምምሃርንን ተራኡን፡ ኪሮስ ገና ተመሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከሎ ኣትሒዙ ግጥማታት ኣብ ምጽሓፍ’ዩ ዝርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ዘሕተማ “ወግዒ ምስ ብርዒ” እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር ንስነ-ጥባባዊ ጉዕዞኡ ኣመልኪታ ጋሽ ድምጺ ኣመሪካ ጌርናዮ ኣሎና።
ኪሮስ ኣብ መንጎቲ ዝሓየለ ናይ ምርምር ስራሓቱ’ውን ብቐጻል ግጥምታት ከም ዝጽሕፍ’ዩ ዝሕብር። ካልእ ከም ነዊሕ ልብ-ወለድ ዛንታ’ውን ከም ዝጽሕፍ ዝገልጽ ገጣሚ ኪሮስ፡ ኣብኡ ግን ምስ ሕጽረት ግዜ ዘድሊ ኣቓልቦ ክህቦ ከም ዘይከኣለ ይነግር። ካብ ግጥምታቱ’ውን ብድምጹ ኣካፊሉና ኣሎና፡ ናብቲ ዝሰፍሐ ዕላል...</description>
መዘከር ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትንሳኤ -- ሚ/ር በራኺ፡ ቢተወደድን ካልእን
            <description>ዋሽንግተን — ነባር ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትሳኤ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ 2022 “ቅናት” እትብል፡ ንኣበርክቶ ደቀንስትዮ እትገልጽ መጽሓፍ ዘሕተመ ብርሃነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ “ብርሃን ኣብ ጸልማት” እትብል ዓባይ መዘከር የሕቲሙ ኣሎ። መጽሓፍ “ብርሃን ኣብ ጸልማት፡” ነቲ ካብ ኣዝዮም ስኡናት ግን ከኣ ምሉእ ፍቕሪ ዝለገሱ ስድራቤት ተወሊዱ፣ ብንእሽቶኡ ንሜዳ ከይዱ ኣብ ሓያሎ ውረድ-ደይብ ጉዕዞ ናይ ቀረባ ተሳታፊ ዝነበረ ጋዜጠኛ ብርሃነ ውልቃዊ መዝገብ’ያ።
እዛ መጽሓፍ፡ ደራሲ ጋዜጠኛ ኰይኑ ኣብ ግንባር ኣብ ዝነበረሉ ምስ ናይቲ እዋን ሚኒስተር ዜና ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ ዝተጸሓሓፉዎ ሓያሎ ደብዳበታት’ውን ኣካቲታ ኣላ።
ቃለ መሕትት ምስ ድምጻዊ ኣሕመድ መሓመድ (ወዲ ሸኽ)
            <description>ዋሽንግተን — ነባር ድምጻዊ ቋንቋ ትግረ ኣሕመድ መሓመድ(ወዲ ሸኽ)፡ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብቲ ሞያ ዝጸንሐን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ስነ-ጥበብ ትግረ ዝጸለወን ስነ-ጥበባዊ'ዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ዝተረኽበ ወዲ ሸኽ፡  ብዛዕባ ኣብ ስነ-ጥበብ ቋንቋ ትግረ ዘለዎ ጦብላሕታን፡ ትምኒታቱን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ጻንሖት ምስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ -- መጽሓፍ፡ ታሪኽ፡ መጻኢ ፖለቲካዊ መደባት
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ብምዃን “An African Revolution Reclaimed” እትብል ውልቀ-መዘከር ዘሕተመ መስፍን ሓጎስ፡ ኣብ ፈለማ ናይ ወርሒ ሓምለ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ መጺኡ ምስ ኣንበብቲ ርክብ ኣካዪዱ ነይሩ። ኣብታ መጽሓፍን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስታትን ማእከል ዝገብረ ሰፊሕ ዕላል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣካዪዱ ኣሎ።
ካብ 2001 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእ ሕጂ ኣብ ስደት ኣብ ጀርመን ዝርከብ ናይ ቅድም ሚኒስተር ምክልኻል ኤርትራን ኣመሓዳሪ ዞባን ኣቶ መስፍን፡ ንመጻኢ ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ኣመልኪትና’ውን ሓቲትናዮ ኣሎና፡ ካልኣይ ክፋል ንምክትታሉ መላግቦ ሰዓቡ።
ርእሶም ሃይለ -- ዝፈለሰ ገጣሚ
            <description>ዋሽንግተን — እንተስ ክረኽቡዎ ወይ ድማ መዋእሎም ክመሓላለፉ ክነብሩ ብዙሓት ግጥሚ ከናድዩ ሃሰው  ዝብሉ'ኳ እንተዀኑ: ንርእሶም ሃይለ ግን ኣብ ዝደሓረ ዕድመ ባዕሉ ግጥሚ’ዩ ረኺቡዎ። ካብቲ  ንግጥሚ ዝረኸበሉ እዋን ኣትሒዙ ከኣ ብምሉእ ሓይሉን ወኑን ስለ ዝተቐበሎ ልዕሊ ክልተ-ሽሕ ግጥምታት ጽሒፉ።
ልዕሊ ዝዀነ ኤርትራዊ ገጣሚ ናብ ካልእ ቋንቋታት ዝተተርጐመን ሸፈነ መራኸቢ-ብዙሃን ዝረኸበን ርእሶም ሃይለ እዩ። ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ልሙዳት ምስ ኤርትራ ተኣሳሲሮም  ዝኸዱ መራኸቢብዙሃን ውሽጢ ሃገር: ድምጺ ኣመሪካ: ረድዮ ጀርመንን ድምጺ ቫቲካንን ሰጊሩ ድማ ኣብ ካልእ ዝዓበያ መዲያታት ሸፈነ ተዋሂቡን ግጥምታቱ ተነቢቡሉን። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ድማ BBC: CNN: Rai ናይ ኢጣልያ: ረድዮ SBS ናይ ኣውስትራልያ  (ቅድሚ ሕጂ  መደብ  ትግርኛ ምትእትታዎም):...</description>
ጠመተ ሞያውያን -- ኣበርክቶ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ
            <description>ዋሽንግተን — ቅድሚ 21 ዓመታት ብ29 ሰነ 2001 ኣብ ስደት ዝዓረፈ ኤርትራዊ ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ዛጊት ዝልዓለ ሸፈነን ተበጽሕነት ዝረኸበ’ዩ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ግጥምታት ዝጸሓፈ ርእሶም፡ ስራሓቱ ኣብ ከም BBC: CNN: Rai ናይ ኢጣልያ:  ረድዮ SBS ናይ ኣውስትራልያ: SABC ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ረድዮ NPR ኣቕሪቡ’ዩ።
ዶክተር ርእሶም ኣብ ቅዲ ኣገጣጣምኡን ኣገባብ ኣቀራርባኡን ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ’ዩ።
ዶክተር ርእሶም ሃይለ በታ “ዋዛ ምስ ቁምነገር ንትንሳኤ ሃገር፡” እትብል በዅሪ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ’ውን ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ 1998 ወሲዱ’ዩ።
ነዚ ፍሉይ ገጣሚ ዳግም ብኻልእ ርእየት ንምድህሳሱን ምዝካሩን እምበኣር ክኢላታት እዚ ዓውዲ ኣዘራሪብና ኣለና።