ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት - ድምጺ ኣመሪካ
ኦቻ ናብ ክልል ትግራይ ዘድሊ ሓገዛት ንምብጻሕ ከም ዝተጸገመ ይግለጽ
ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ’ቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብመገዲ እታ እንኮ መሕለፊ ዘላ ክልል ዓፋር ኣቢለን፡ ዝሓለፈ ሰሙን (ካብ 21-28 መስከረም) 79 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ከም ዝተላእካ ኣፍሊጡ። ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዘን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መካይን 606 ክበጽሕ እንከሎ፡ ብገምጋም እቲ ቤት ጽሕፈት ግን መዓልታዊ 100 መካይን ሓገዝ’የን ክኣትዋ ዝድለ።
ኦቻ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኢሉ ዝጠቐሶ፡ ካብን ናብን ክልል ትግራይ መካይን ንምንቅስቓስ ዝፍጠር ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ’ዩ። ስእነት ቀረባት መድሃኒት’ውን ከም ዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ይውስኽ።
ንግዳዊ በረራታት ካብን ናብን መቐለ ካብ 28 ሰነ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ምስ ምውዳእ ዋሕዲ ቀረባት፡ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ገሊኡ ክሳብ ብ400% ወሲኹ ኣሎ: ሓያሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝህባ ትካላት ቅሩብነትን ደኣ ይግለጻን ዝከኣለን ይገብራ ይሃለዋን እምበር፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረባት ግን እቲ ተበጻሕነት ኣመና ውሱን ምዃኑ ኦቻ ይጠቅስ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናብቲ ብዂናት ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የነጽር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት 52-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ክልል ዓፋርን 163-ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክሕግዝ እንከሎ፡ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንልዕሊ 200-ሽሕ ተጸበይቲ ረዲኤት ሓገዝ ኣባጺሖም።
ንፍቓድ ዝደሓራ መካይን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ምስጋናኡ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከኽእል ይጽውዕ ኣሎ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ስክፍታኡ ይገልጽ
ተኸታታሊት ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ትካል ዝዀነት ላቲሻ ባደር፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ኣሰካፊ ደረጃ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ድሕሪ ለውጢ 2018 ዝሓሸ ደኣ ይምሰል እምበር፡ ድሕሪ ምንዋሕ ምርጫን ካልእ ዘበታዊ ፍጻመታትን ግን ኣመና ከም ዘንቈልቈለ ገሊጻ።
ላቲሻ ባደር ኣብ መግለጺኣ ቀንዲ ጠንቂ ቅልጡፍ ምንቍልቋል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ፍጻመ ድሕሪ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ሓጫሉ ሁንዴሳን ምእሳር ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ምዃኑ ዘርዚራ።
ምስ ምውላዕ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ድማ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ፡ ትካሎም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ በብእዋኑ ዝፈነዎ መግለጺን’ውን ጠቒሳ። ኣብ ትግራይ ብፍላጥን ንሲቪላዊ ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ጥሕሰታት ምፍጻሙ ዝገለጸት ላቲሻ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝወረደ ሰፊሕ መግሃስታትን ምዕናው ትሕተ-ቅርጽታትን ንቡር ናብራ ንምጅማር ኣዝዩ ከም ዝኸበድ ሓቢራ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኵነታት በብእዋኑ እናኸፍአ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመልከተ መግለጺ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ዝኸፍኡ ተጠቃዕቲ ናይዚ ግጭት ሲቪላውያን ዜጋታት ምዃኖም ይሕብር። ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሱንን ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ኰነ ኢሉ ከም ዝሓላልኾን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ።
ኲናት ኢትዮጵያ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ብምልሓሙ፡ እቲ በብእዋኑ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ቤት ጽሕፈቶም ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ከም ዘይክኣለ ድማ እታ ተወካሊት ህዩማን ራይትስ ዎች ጠቒሳ። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ብተመሳሳሊ ንሲቪላውያን ዜጋታት ኣመና ኣጸጊሙ ከም ዘሎን ብሕልፊ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ ቅትለት ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝበጽሖ ጠቒሳ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ንጉዳያት ኤርትራዊያውን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ውን ጠቒሱ ነይሩ። ኣብ እዋን ኲናት ክልል ትግራይ፡ ኣደራዕ በብይኖም ሓይልታት ምንባሮም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዳሕራይ ካብቲ መዓስከራት ድሕሪ ምህዳሞምን ካልእ ውሑስ ዝበሉዎ ከተማታት ድሕሪ ምእታዎምን ምስ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልእ ጸገማት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ኵነት ከም ዘለዉ ጠቒሳ።
ሓላፊ ረድኤት ሕ/ሃ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጥምየት ብዝምልከት 'እዘን ናይ ጽዕነት መካይን ኣንቀሳቕስዎን' ክብሉ ተማሕጺኖም
ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ትማሊ ሰሉስ ከምዝበልዎ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ጥምየት ኣትዩ'ሎ ኢሎም ከምዝሓስቡ ተዛሪቦም አለዉ። እቲ ክልል ንዳርጋ  ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ወግዓዊ ዘይኮነ ምዕጻው ከምዝርከብን ካብቲ ናብቲ ኹናት ዝሃሰዮ ክልል ክኣቱ ዘድሊ ረድኤት 10% ጥራይ'ዩ ኣትዩ  ምህላውን'ውን ገሊጾም።
ንሶም ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ሕቱኦም ቀሊል ምዃኑን ንሱ ድማ  "እዘን ናይ ፅዕነት መካይን ኣንቀሳቕሱወን’’ ኢሎም። "እዚ ሰብ ዝሰርሖ ብናይ  መንግስቲ ተግባር ይፍታሕ’’ እውን ኢሎም::
ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ንክልል ትግራይ ዝቆጻጸር ንዘሎ ህወሓት እሙናት ዝኾኑ ሓይልታትን ኹናት ዝተወልዔ ቅድሚ 10- ኣዋርሕ ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም  ልዕሊ 1- ሚልዮን ሰባት ኸኣ ካብ ኣባይቶም ብሓይሊ ክሃድሙ ተገዲዶም'ዮም።
ግሪፊስ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ገምጋም ብምጥቃስ 400- ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት መሰል ሓደጋ ከምዝነብሩ ኢና ገሚትና እኹል ረድኤት እንተዘይረኺቦም ኸኣ ናብ ዓጸቦ ክወድቑ' ዮም ኢሎም።
ከምኡ ዝመስል ይኸውን ከምዘሎ'የ ዝሓስብ ዝበሉ ግሪፊስ ዘይወግዓዊ ምዕጻው ስለዘሎን ስእነት ነዳዲ ዘይቲ ገንዘብን ናይ ጽዕነት መኻይንን ስለዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ባይታ ዘሎ ኹነታት ብትኽኽል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ ኢሎም'ለዉ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝኾነ ዝቀርብ ምዕጻው ዝብል ዘረባ መሰረት ኣልቦ'ዩ ኢሉ'ሎ።
ጉጅለታት ረድኤት ከኣ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከብጽሓ ዝኣተዋ መኻይን ጽዕነት ዳርጋ ኹለን ስለዘይተመልሳ ዋሕዲ መኻይን ጽዕነት ከምዘጋጠሞም ገሊጾም'ለዉ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ዝጸዓኑ ዘወርቲ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን ብዉሑዱ ክልተ ግዜ ትትኩስዎም ገለ ተጋሩ ዘወርቲ መኻይን'ዉን ኣብ ዓፋር ተኣሲሮም ደሓር ተፈቲሖም'ዮም ።
ግሪፊስ ናብ  ክልል  ትግራይ ዝኸዳ ሓያለ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣይተመልሳን እዚ ነቲ ሰብኣዊ ጸገማት ኣጋዲድዎ'ዩ ኢሎም: ወሲኾም ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ንነጀው ነዳዲ ዝጸዓና መኻይን ናብ ክልል ትግራይ ዝኸዳ የለዋን ኢሎም።
ቀዳማይ ነገር ንኽመጹ ነዳዲ የብሎምን ክኸውን ይኽእል'ዩ ካልኣይ ነገር ከኣ ክመጹ'ዉን ኣይደልዩን ይኾኑ፤ ምክንያቱ ዝኾነ ይኹን እዚ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ረድኤት ሳዕበኑ ጸገም'ዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት 16- መስከረም ከም ዝበሎ ካብ 12- ሓምለ ንነጀው ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኸዳ 466 ናይ ጽዕነት መኻይን 38- ጥራይ'የን ተመሊሰን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሰሉስ ብቲዊተር ኣቢሉ ከምዝበሎ 61- ናይ ንግዲ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ክልል ትግራይ ከምዝተበገሳን ኣብ ዝመጻ ሰሙናት'ውን ተወሰኽቲ ክመጻ ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ትካል ወሲኹ ሰብኣዊ ረድኤት ንክባጻሕ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ መንገዲ ምህላወን ብምርግጽ ንዘሎ ናይ ሎጂስቲክ ጸገም ንኽንዋጻኣሉ ምስ መጉዓዝያታት ምስራሕና ክንቅጽል ኢና ኢሉ'ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ 90% ህዝቢ'ቲ ክልል ማለት 5.2 ሚሊዮን ረድኤት ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ንትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ኣብ ፈላማይ ፍርቂ መስከረም ኣብ ዝገበሮ ምክትታል 22.7% ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለዎምን ካብ 11- ሽሕ ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ኸኣ 70% ጽንኩር ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለወን ገሊጹ'ዩ።
ንምንጽጻር ዝኣክል እዚ ማዕረ'ቲ ኣብ 2011- ዓ.ም ኣብ እዋን ጥምየት ሶማል ዝነበረ መጠን ጉድለት ኣመጋግባ'ዩ ክብሉ ግሪፊስ ገሊጾሞ'ለዉ።
ናብ ክልል ትግራይ በብመዓልቱ 100- ናይ ጽዕነት መኻይን ክኣትዋ የድሊ ግን ኣብ ዝሓለፈ 3- ኣዋርሕ 10% ጥራይ'የን ክኣትዋ ክኢለን ዝበሉ ግሪፊስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ንኽኣቱ ኩነታት ከመዓራርይ ንዝኣተዎ ቃል ኽትግብሮ ንደሊ ኢሎም።
ግሪፊስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ተራኺቦም ኔሮም 'ዮም።
ኣቶ ደመቀ መኮነን ረድኤት ምእታዉ ይመሓየሽ'ሎ ክብሉ ኣረጋጊጾምሎም'ዮም። ግሪፊስ ግን ኣዝዩ ዓብይ ብዝኾነ ተወሳኺ ክመሓየሽ የድሊ ኢሎም'ለዉ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ 30-ዓለምለኸን ከባብያዉን ትካላት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስን ቀወምቲ ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህውከትን ጥምየትን ከብቅዕ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ዝሓትት ሓባራዊ ቅሉዕ ደብዳበ ጺሒፎም 'ዮም።
እቲ ደብዳበ ካብ ሕዳር 2020 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ካብ ሓገዝን መራኸብን ተበቲኾም ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት'ዮም ዘለዉ ይብል።
ሓደ ካብቶም ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ትካል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ምኽትል ፕረዚደንቱ ሃርዲን ላንግ ን'ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ እንግሊዝኛ ጃክሰን ምቩንጋኒ ኣብ     ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ዕላማ'ቲ ደብዳበ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣፍልጦ ክረክብን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝያዳ ጭቡጥ ስጉምቲ ንክወስዱ ተጽዕኖ ንምግባርን'ዩ ኢሎም።
እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ዓለምለኸ  ትካል ስደተኛታት ብፍላይ ኸኣ ኩሎም ኣብቲ ኹናት ዝዋስኡ ወገናት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ቀልጢፉ ነቲ ምዕጻው ክኸፍት'ዩ ድልየትና ኢሎም'ለዉ ።
ብኻልእ ወገን እዚ ሕቶ ጸገም ምብጻሕ ረድኤት ክቀርብ ዘለዎ ጸገም እናፈጠረ ንዘሎ ኣካል'ዩ ክብላ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕሬስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ቀረባ ተዛሪበን'የን። ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ ዝሃበኦ መግለጺ "ንህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ዝገብር ዘሎ ዘረፋ ዝፍጽምን ቀረብ ምግቢ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ንኹናት ዘውዕሎ ዘሎ ህወሓት'ዩ" ኢለን።
ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ኸኣ ብወገነን ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሂበንኦ ኣብ ዝነበራ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ዝሐልፈሉ ከይዲ ብዝያዳ ዝተሳለጠ ክኸውን ተገይሩ'ዩ፤ ንኣብነት ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ንፍተሻ ጠጠው ዝብላሉ ነቁጣታት ካብ 9-ናብ 2- ወሪዱ'ዩ መንግስቲ ዝተመዓራረየ ኩነታት ፈጢሩ'ዩ ኢለን።
ሎሚ ዝረኸብናዮ ዜና ኸኣ ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ሎሚ ምስ ዓለም ኸ ትካላት ኣከፋፈልቲን ኣቅረብቲን ረድኤት ተራኺበን ምዝርራበን ቤት ዕዮኤን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ቤት ዕዮኤን ዘውጽኦ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ በብዕለቱ ረድኤት ንምብጻሕ ሸቶ ዝተታሕዘ እንተኾነ'ካ ብምኽንያት ናብቲ ክልል ከይደን ዘይተመልሳ መኻይን ጽዕነት እቲ ስራሕ ምትዕንቃፉን: ትካላት ረድኤት ሓላፍነት ወሲዶም እተን መኻይን ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ ከምዝምለሳ ከረጋግጹ ኣለዎም ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ ይብል ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት
ናይ ትግራይ ዓመፅቲ ብከቢድ ብረት ንስቪላት ደብዲቦም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ጥቓ ከተማ ቆቦ ተፈፂሙ ዝበሎ "ጭፍጨፋ’’ ክብል ገሊፁዎ ኣሎ:: ዋላ'ኳ ህወሓት ቅድም ክብል ንስቪላት ዒላማ ይገብር እዩ ንዝብል ክሲ ኣሉታ እንተሃበሉ እውን።
መሰኻኽር ከምዝበሉዎ 9 መስከረም 2021 ተዋጋእቲ ህወሓት ካብ ቆቦ ንኣንፈት ደቡብ ሸውዓተ ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብረትን ኣፅዋርን ይፍትሹ ምስ ጀመሩ ነበርቲ ቶኽሲ ከፊቶም ንህወሓት ካብታ ከተማ ምስ ኣባረሩዎም እቶም ዕጡቓት ብፅባሒቱ ንስቪላት ከምዘጥቕዑ መሰኻኽር ገሊፆም።
ኮሚኒኬሽን ብምዕፃው ኤኤፍፒ እቶም ተመዛቢሎም ኣብ ደሴ ካብ ዝርከቡ ዝረኸቦ ቃል መሰኻኽር ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ እዩ።
"ንሓረስቶትን ካብ ጎረባብቲ ከባቢታት ንስራሕ ዝመፁን ጨፍጪፎም’’ኢሉ ነባራይ ከተማ ቆቦ ንኤኤፍፒ ካብ ደሴ ኣብ ዝሃቦ ቃል: እዚ ድሕሪት ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡ ሓደጋ ከይወርዶም ብምስጋእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ሰብ‘'ኣብ ሓደ ቀፅሪ ሸውዓት ሬሳ ሪአ።ኣርባዕቲኦም ካብ ሓደ ስድራ እዮም’’ኢሉ ።
ካልእ ምስክር ካብ ደሴ ንኤኤፍፒ ከምዝገለፆ ኣብ ጥቓ ቆቦ ኣብ ዝርከብ ዞቡል ኣብ ዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ህወሓት ቶኺስ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ስቪላይ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ዝሞቱ ሰባትን ዝዓነው ህንፃታትን ምርኣዩ ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ  ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ብቲዊተር ፅሒፎም:ነዚ መረጋገፂ ኣይሃቡን።
ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ "ፍፁም ጌጋ’' እዩ ብምባል  አካልብነፃ ክምርመር ፀዊዑ ኣሎ።
ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን "ህወሓት ኣብ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ፈፂሙዎ ዝብሃል ዘሰንብዱ ፀብፃባት በፂሑና ኣሎ’’ ክብል ኣብዚ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ።
ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ስግኣት ሞት ዝፈጠረ ሰፊሕ ጥምየት ክኽሰት ዝገበረ ምኽባብ ንምስባር እዩ ይብል።
ቶኽሲ ጠጠው ክብል ዓለምለኸ ፃውዒት እንተወሓዘን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕ ክፍፅሙ ዘይኽእሉ እንተኾይኖምን ኣብ ልዕሊ ተዋጋእት ወገናት እገዳታት ዘንብር ፈፃሚ ትእዛዝ እንተፈረሙ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕጂ'ውን ቀፂሉ ይርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሰሜን ወሎ ከባቢ ቆቦን ከባቢኡን ብሓይልታት ህወሓት ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ልዕሊ 500 ሰባት ብዛዕባ ምቕታሎም ሓበሬታ ከምዝበፅሑ ኢሰመጉ ገሊፁ።
ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል(ኢሰመጉ) 5 ጳጉሜን 2013  ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ናይ ሕርሻ ዘራእቲ ሓዊሱ ናይ ውልቅሰባትን ህዝብን ንብረት ምዕናው ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ብዝምልከት መረዳእታ ከምዝበፅሖ ኣፍሊጡ'ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ኦቻ ኣብ ጉዳይ ግጭት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደድ” ምኻዱ ገሊጹ
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ንተመዛበልቲን ካልኦት በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ወገናት ዝውዕል ገንዘብ’ውን ኣስታት 5% ናይቲ ዝድለ መጠን ጥራይ ተባጺሑ ምህላዉ ወሲኹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ብምልሓሙ’ውን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ’ቲ ክልል ካብ ሰለማዊ መነባብሮኦም ተመዛቢሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ እቲ ኲናት ንኽልል ኣምሓራ ኣመና ጸልዩን ህይወት ሰለማዊ ህዝቢ ኣመዛቢሉን ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ብሕልፊ እኳ ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት ጎንደር፡ ደቡብ ወሎን ዞባ ኣዊን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሎም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃን ውሕስነት ዝጎደሎ ህይወትን ይነብሩ ከም ዘለዉ ጸብጻብ ኦቻ ይጠቅስ። ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት መጠናዊ ሓገዛት ደኣ ይባጻሕ ይሃሉ እምበር፡ እቲ ዓቐን ግን ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ትሑትን ዝያዳ ምውህሃድ ዝሓትትን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ምጅማሮም ይግለጽ ኣሎ
ህዝቢ ትግራይ ብሰብ ሰራሕ ጥምየት ክሳቀ ምግባር እቲ ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዩ ። ኣብቲ ጎንፂ ተጋሩ ብጅምላ ተጨፍጪፎም ፣ደቂ  ኣንስትዮ ብጉጅለ ተዓሚፀን ፣ሰባት ካብ መንበሪኦም ተሰጉጎም ፣ ሕርሸኦም ተቃፂሉ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ጥርሑ ንኽተርፍ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ዘመተ ስዒቡ እዚ ድማ ሓዱሽ ዓይነት ቅትለት እዩ ዘጋጥም ዘሎ ።
ኣመሓዳሪ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ነበር ኣቶ ሓየሎም ከበደ ኣብዚ ወርሒ  ንሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ደዊሎም " ህዝቢ ኢኹም ትቀትሉ ዘለኹም " ኢለዮም ይብሉ: " እወ ፣እሺ መልእኽትኹም ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ከንብፀሖ ኢና  ኢሎምኒ  እንታይ እሞ ክገብር ካብ ምንባዕ ሓሊፈ " ኢሎም።
ካብቶም ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ንኸቢድ ሓገዝ ኣብዞም ኣዋርሕ ናብ ሆስፒታሎም ዝመፁ 50 ህጻናት ምስሊ ንገሊኦም ንአሶሼትድ ፕረስ ኣርእዮሞ ። ካብኦም ሓደ ህፃን በቶም ብስንባደ ዝፈጠጡ ኣዒንቱ ትኽ ኢሉ ናብ ካሜራ እናጠመተ ብኣፍንጭኡ  ኣትዩ ቁልቁል ብጎረርኡ ዝወረደ ሓገዝ መግቢ ክህቦ ዝተተኽለሉ ገመድ ዘንጠልጠለ ካብቶም ስእልታት ይርከቡዎም ።
ኣቶ ሓየሎም"ዝነበሩና መድሓኒታት ይወድኡ ኣለዉ ፣ ሰራሕተኛታት እዚ ሆስፒታል  ካብ ዝሓለፈ  ወርሒ ሰነ ጀሚሩ መሃያ ኣይተኸፍሎምን ፣ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኸባቢ  6 ሚልየን ዝበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝከፍአ ኩነታት ይርከብ " ይብሉ  ።
ጸብጻብ ኣሶሼትድ ፕረስ  እዚ ሓገዛት ከይኣቱ ምኽልካልን ጥምየትን መቀፀልታ  ናይቲ ንልዕሊ 10 ኣዋርሕ  ኣቁፂሩ ዝርከብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን "ሓይልታት ትግራይን" ክካየድ  ዝፀንሐ ኲናት ሓዱሽ ምዕራፍ ምኳኑ እዩ  ዘርኢ ይብል ።  ሕጂ ኣሜሪካ ናይ መወዳእታ መጠንቀቅታ ሂባ ኣላ ።  ብኹሎም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጠጠው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ  ከባቢ ብዘይገለ ፀገም ክባፅሕን ፤ እንተዘይ ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሓዱሽ  ማዕቀባት ከከተንብር ምዃና ትሕብር ።
መበገሲ እዚ ኲናት ኣብ  መንጎ ተሸላማይ ኖቤል ሰላም 2019 ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን  ስልጣን ሒዙ ዝፀንሐ ዓፋናይ ሃገራዊ መንግስቲ ክብል ኣሶሼትድ ፕረስ ዝፀወዖ  ክመርሑ ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይን እዩ ። ኣሶሼትድ ፕረስ ወሲኹ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር  ጀሚሩ ድማ ሓይልታት ኢትዮጵያን ሓይልታት  ጎረቤት  ሃገር ኤርትራን ብምኳን  ፍልፍላት መግብታቶምን ትካላት ጥዕነኦምን  ሰሪቆምን ኣዕንየሞምን እዮም ይብል ።
ኣብ ዝሓለፍ ወርሒ ሰነ "ሓይልታት ትግራይ" ነታ ክልል መሊሶም ክቆፃፀርዋ ከለዉ  መንግስቲ  ኢትዮጵያ ድማ ሰብኣዊ ምኽንያታት ብምቅራብ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ። ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት እዩ ዝኸይድ ብዝብል ስግኣት ናብታ  ክልል ዘእትዉ መገድታት ዝያዳ ፀኒዖም ክዕፀዉ ተገብረ ።
ልዕሊ 350,000 ሜትሪክ ቶን መግቢ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸዚኑ እንተሃለወ'ውን ካብዚ እቲ ዝበዝሓ ናብ ትግራይ ዝስደድ  ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ  ናብቲ ክልል ኣብ ዝግበሩ በረራታት ሒዞሞም ኣብ ዝኣትዉ ኣቁሑ ልዑል ፈተሻ  ይግበር ። ዋላ ናይ ውልቀ ንብረቶም እውን እንተኾነ ከም ቫይታሚንን መድሓኒትን  ዝኣምሰሉ እንተኾኑ'ውንክሓልፉ ዘይክእሉ ክብሉ ዝርዝር ኣቀሚጦም'ዮም  ።
ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ንሃርድ ድራይቭን ፍላሽን ሓዊሱ ነቲ ዘሎ ቅልውላው መዝጊቦም ክሕዙ ዝኽእሉ ናውትታት'ውን ከይተረፈ ከልኪሉ ይብል ። ሰራሕተኛታት  ሰብኣዊ ሓገዛትን ሰበስልጣናትን'ውን ብዝገጥሞም ልዑል ተፍቲሽ መሳርሕታቶም  ከይተሓዙዎም ስለዝሰግኡ ካብ ትግራይ ዝወፁ ዝነበሩ ስእልታትን ምስልታትን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠፊኦም እዮም ። ትግራይ ኣብዚ ሰዓት ካብ ዉሑድ ኣገልግሎት  ረዲኤት ወፃኢ ርክባት ቴሌኮሚኒኬሽን ፣ ኢንተርኔት ፣ኣገልግሎት ባንክን ወፃኢ ኾይና ፀልሚቱዋ ትርከብ ።
ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓወሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ኣብ  ትግራይ ጥምየት የለን ይብሉ ። ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ኣዋህባ ሓገዝ ረድኤት  ንዝተፈጥረ ፀገም  መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይን ዝፈጥርዎም  ሓደጋታትን  ተሓታታይ ይገብር ።  ከምኡ'ውን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ንሓይልታት ትግራይ ስጋብ  ምዕጣቅ  ዝበፅሕ ሓገዝ ይገብሩሎም 'ዮም  ክብል ይኸስስ ይብል  ።
ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢል ለኔ ስዩም ዋላ'ኳ ኣገልግሎታት መሰረታውያን  ነገራት እቲ ኽልል መንግስቲ ካብ መዓስ ጀሚሩ ከምዘፍቅድ እንተዘይ ገለፃ ቁፅሪ  ጣብያታት ኬላ ካብ 7 ናብ 2 ብምውራድ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ኣገልግሎት መገዲ ኣየር'ውን ከምዝተመዓራረየ ተዛሪበን ።ይኹን'ምበር ኣብቲ ፈላማይ ኣየር ሕብረት  ኣውሮጳ ዝነበሩ ንቀረብ ሕክምና ዘገልግሉ ናውቲ መንግስቲ ብዘካየዶ ተፍቲሽ  ንከይሓልፉ ከልኪሉ እዩ ። ከምዚኤን ዝበላ ነፈርቲ ድማ እቲ ዘድሊ ዓይነት ሓገዝ  መግቢ ክሽከማ ኣይኽእላን ።
" ብሰንኪ እቲ ዘሎ ክልከላ ኣብ መብዛሕቲአን ወረዳታት ዝነበረና ሓገዛት ረድኤትን  ነዳድን ተወዲኡ ፣ ህፁፅ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ብሰንኪ ጥምየት ብዙሕ ሰብ ክመውት እዩ ። ሕብሪ ቆርበት ሰባት ክቅየር ጀሚሩ ፣ በቲ ረቂቅ ቆርበት ዝተሸፈነ ኣዕፅምቶም ይረአ ፣ ኣብኩሉ ኸባቢ ኣብ ገጠር ኮነ ከተማ ዝነብር  ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሓደጋ ጥምየት እናተጋደደ ብምኻዱ ሰባት ቆፅሊ  ቀንጢሶም ክበልዑ ካብ ዝጅምሩ መዓልታት ተቆፂሩ ኣሎ ።"  ዝብሉ መልእኽትታት  ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ በብእዋኑ ናብ ሓገዝቶም ዝሰድዎም  ፀብፃባቶም እዮም ።
ኣብ 1980 ብዝተፈጥረ ጎንፅን መንግስቲ ብዘርኣዮ ሸለልትነትን ከባቢ 1 ሚልየን  ዝኸውን ህዝቢ ምሟቱ ኣብ ዓለም መዘራረቢት ኮይና ዝነበረት ኢትዮጵያ ካብኡ  ንደሓር እታ ካብ ኣፍሪቃ ብበዝሒ ህዝባ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ካብቲ ዓዘቅቲ  ድኽነት ብምውፃእ ኣብ ዓለም ካብተን ቁጠበአን ብቅልጡፍ እናዓበይ ዝመፃ ሃገራት ሓንቲ ኾይና ታሪኽ ምዕባለ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና እያ ።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግና ቁጠባታትን ምዕባለን እዛ ሃገር የዳኽሞ ኣሎ:: ፀብፃብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ  ዝሰኣኑ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት 30% ክበፅሕ ከሎ ኣብ ነፍሰፆራትን መጥበውትን ኣዴታት ድማ 80% በፂሑ ይርከብ ። ኲናት እናቀፀለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሓደጋ ጥምየት 'ውን ብኡ ልኽዕ ምግዳዱ ዘይተርፍ እዩ ። ሓይልታት ትግራይ ክብል  ዝፀወዖም ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰገሩ  ኮይኖም ገለ ነበርቲ እተን ከባቢታት መስመር ቀረባት ካብምዕፃዎም ብተወሳኺ ግብረመልሳዊ ስጉምቲ ወሲዶም እዮም ክብሉ ይኸስዎም መንግስቲ ንዝወሰዶ ክልከላታት ንኸልዕል ዝግበር ዘሎ ድፊኢት እዩ ይብሉ ።
ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ መሰኻኽራት ዝሕብሩዎ ብዙሓት ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ እንተኾነ'ውን ፈፀምቱ ግና ኩሎም ወገናት እዮም ይብሉ ።
ኣመሪካ: መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሳተፍቲ ግጭት ክልል ትግራይ ዝኾኑ አካላትን ኲናት ደው ብምባል እገዳ ከወግዱ ከምዝክእሉ ትገልጽ
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ክልቲአን ሱዳንን ብሪያን ሃንት ትማሊ ሶኑይ  ብኦንላይን ኣብ ኣብዝሃቡዎ ጋዜጣዊ  መግለፂ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ግጭት ክልል  ትግራይ  ከብቅዕ ይደሊ እዩ ኢሎም።
‘’ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝመፁ  እንተኾይኖም: ኣመሪካ ዝደኸመ ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ  ድልውቲ እያ’’ ኢሎም።
ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝፈረሙዎ ናይ እገዳታት ትእዛዝ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ቀፃሊ  ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሰበስልጣን ኣመሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው።
ናይቲ ግጭት ተሳተፍቲ ኣካላት ናብ ልዝብ ዘይመፁ እንተኾይኖም ዝውሰድ ናይ  እገዳታት ስጉምቲ ካብ ኣብ ዝተመረፁ ሰባትን ትካላትን ሓሊፉ ንህዝብታት  ኢትዮጵያን ኤርትራን ዒላማ ከምዘይገብር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ  ምኽትል ሚንስትርብሪያን ሃንት ወሲኾም ገሊፆም።
ንሶም ወሲኾም ኣሜሪካ ሰብኣውን ካልኦት ሓገዛትን ምሃባ ከም  እትቕፅል  ተዛሪቦም  ኣለው ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቆቦ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ሓጺር መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መንበሪ ሲቪላትን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝግበር ፍተሻን ቅትለትን ምዝራፍን ከምኡ`ውን ዕንወት ንብረት ከምዝወረደ ሓበረታ  ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ኮሚሽን ዝገብሮ መርመራ ከምዝቕጽል ብምግላጽ  ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ንሰለማውያን ሰባት ናይ ምሕላው ግዴታ  ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ`ሎ።
በቲ ግጭት ካብ ቆቦን ከባቢኡን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ቁጽሩ ንምፍላጥ`ኳ ኣጸጋሚ  ምዃኑ`ዩ ይግለጽ።
ነበርቲ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ጥምየት ከምዘጋጠሞም ገሊጾም
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ፕረ.ባይደን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ንዝተሳተፉ ዝበልዎም አካላት እገዳ ዘንብር ትእዛዝ ሂቦም
ፕረዚደንት  ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ‘’ክናዋሕ ምኽኒያት ዝኾኑ ተሓተቲን  ተሓባበርቶምን  ሓዱሽ እገዳ ንምንባር ዘኽእል’’  ዝበሉዎ ትእዛዝ ሎሚ ዓርቢ ፈሪሞም ኣለው።
እቲ ትእዛዝ "ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንግስታት ከምኡ'ውን ህወሓትን  ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ተሓተቲ’’ ክገብር ንናይ ኣመሪካ ሚንስትሪ ገንዘብ ዘድሊ ዝበሉዎ ስልጣን ዝህብ ከምዝኾነ እቶም ፕረዚደንት ኣፍሊጦም።
እቲ ዋይት ሃውስ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ: እቶም ፕረዚደንት ነዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲን ሕግታትን ኣመሪካ: ብመሰረት ኣዋጅ ዓለምለኸ ህጹጽ ስልጣን ኢኮኖሚ (IEEPA): ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ (NEA): ናይ 1952 ኣዋጅ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ምኻኑ ገሊጹ ሎ።
ኣብቲ ትእዛዝ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ንሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያን  ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዘስግእ ምንቅስቃሳት ዝልለ ኾይኑ'ሎ ብፍላይ ዝሰፍሓ ህውከት: ግፍዕታትን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽ ካልኦት መልክዓት ጾታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ምትዕንቃፍ ሰርሓት ሰብኣዊ ረድኤት ኾይኑ ዘይዝውትሩን ንበይኑ ዝዓይነቱ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻ ኢ ኣመሪካ ኾይኑ'ሎ፤ ስለዚ ህጹጽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ የሕልፍ ኣለኹ ኢሎም።
እቲ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ህውከት ሓዘል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ንሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገበረን ሙሉእ ክልል ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ዘእተወን'ዩ ኢሎም'ለዉ።
ኣብ ልዕሊ'ቶም ነዚ ቅልውላው'ዚ ተሓተቲ ዝኾኑ ቀጻሊ ጸቅጢ'ዉን  ኣሜሪካ ገደብ ንዘይተገብረሎም ካብ ሰባት ዝለኣኽ ገንዘብ ናብ ሰባት ክበጽሕ ነቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝብን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡን መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ሓዊሱ ብሕጋውን ግልጽን መስመራት ሰብኣዊ ረድኤት ምውሓዙ ከተረጋግጽ ትደሊ ኢሎም።
ኣሜሪካ ነዚ ቅልውላው ልዝብ ዝተገብረ ምቁራጽ ተጻብኦን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምግባርን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም  ግዝኣታዊ ሓድነትን  ምርግ ጋእን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ዓለምለኸ ጻዕርታት ትድግፍ ዝበሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዝሃብዎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሚኒስተር ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብምምኽኻር ማዕቀባት ክገብር ሰልጣን ዝሃበ'ዩ ።
ኣብቲ ትእዛዝ ተዘርዝሩ ካብ ዘሎ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ    ዘይምርግጋእን ዝተወስነ እቲ ቅልውላው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሰፍሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ወይ ከይዲ ሰላም ዘተዓናቀፈን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ ፕሮጀክታትን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰላማውያን ሰባት ዒላም ዝገበረ ዝጨወየ ኣገዲዱ ዘመዛበለ ኣብያተ ትምህርቲ ሆስፒታላት ትካላት ሃይማኖት ሰላማውያን ሰባት ዝተዓቁቡሉ ዘጥቅዔ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ ዝብል ይርከቦ።
ሚኒስትሪ ገንዘብ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምምኽኻር ኣብዞም ተግባራት ከም ዝተኻፈለ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልጠ ሓደ ወጻእተኛ ሰብ ወይ ከኣ ኣካላት ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ብመሰረት እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕግታት ማዕቀባት ክገብር ስልጣን ተዋሂብዎ'ሎ።
ኣብቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ሰባት መንግስታት ኣካላትን ጉጅለታትን ነቲ ኣብቲ ሕግታት  ኣሜሪካ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝጠሐሱንንዓኣቶም ወኪሉ ዝሰርሕ'ወን ዘጠቃልል ዩ።
ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ትእዛዝ ወግዓዊ ምስገበሩ ቀዳማይ ሚንስትር  ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ ንፕረዚደንት  ባይደን ይብፃሕ ኣብ ዝበሉዎን  ግልፂ ደብዳበ " ናይ ኣመሪካ ተኸታታሊ ምምሕዳራት ኣብ ኢትዮጵያ  ዝሓዙዎም  ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ" ዝበሉዎም ቅሬታ ዝሓዘ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
"ኢትዮጵያ ካብ ድሕነት ሚሊዮናት ስልጣን ክጥቕልሉ ብዝመረፁ ዝኾረዩ ሰባት  ዝተዋደደ ተፅዕኖ ንዘስዕቦም መዘዛት ኣይትንብርከኽን’’ኢሎም።ካብ መንግስቲ  ኤርትራን ህወሓትን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይተውሃበን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ሕ/ሃ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ጽዒነን ዝኣተዋ መካይን ከምዘይተመልሳ ሓቢሩ
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ  ኮንትራት ዝነበረን ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘይኮና  445 ናይ ፅዕነት መካይን  ናብ  ክልል  ትግራይ እንተኣተዋ'ውን  38 ጥራሕ ምምላሰን  ኣብ ዝሃቡዎ  መግለፂ ተዛሪቦም።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው  ቀንዲ  ዕንቅፋት እዩ። ብሰንኪ ሕፅረት ናይ ፅዕነት መካይን ብዝሒ  ዘለዎ ኮንቨይ  ክነተኣኻኽብ  ይክኣልናን’’ኢሎም።
ንሶም ወሲኾም እተን መካይን ክምለሳ ምስ ኣጎዓዝትን ከባቢያዊ ሰበስልጣን  ክልል ትግራይን ምስራሕ  ክንቕፅል ኢና እውን ኢሎም።
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን እዘን መካይን ኣበይ  ከምዘለዋን  ንምንታይ ጥቕሚ ይውዕላ ከምዘለዋን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓበሬታ የብሉን  ኢሎም ።
ሰበስልጣን መንግስትን ተዋጋእት ክልል ትግራይን ረድኤት ናብ ትግራይ  ከይኣትው  ብምዕንቃፍ  ነንሕድሕዶ ይካሰሱ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ‘'ህወሓት ንናይ ባዕሉ ሎጂስቲክስ ሒዙወን ዝብል ጥርጣረ’’  ብምጥቓስ ትማሊ ሓሙስ ብትዊተር መልእኽቲ ዘርጊሑ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ  ጌታቸው ረዳ ዘወርቲ መካይን ናብ  ክልል ትግራይ ከይኣትው ዘጋጥሞም ዕንቅፋት  ብምጥቓስ ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም።
መራሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መካይን ብዛዕባ ሕፀረት ነዳዲ፣ ናይ ፀጥታ ስግኣት፣ ኣብ መፈተሺ ኑቑጣ ዘሎ ምክልባት፣ ኣብ ክልል ዓፋር ንኣዋርሕ ኮፍ ምባልን   ዝብሉ መረረ ኣስሚዖም እዮም ኢሎም ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብ  ክልል ትግራይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት  መብዛሕቲኦም ዘወርቲ ተጋሩ ምዃኖምን ናብቲ ክልል ክኣትው ከለው ኣብ መፈተሺ  ኑቕጣታት መንነት መሰረት ዝገበረ ምክልባት የጋጥሞም እዩ ኢሉ።
ሕ/ሃ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን 1.7 ሚልዮን ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ከምዘለው ገሊጹ
ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 140,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ልዕሊ 233,000 ሰባት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተመዛቢሎም እዮም።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ 5 ክሳዕ 7 መስከረም ኣብ ዘሎ ጊዜ፣  147 ረድኤት ዝጻዓና  ዓበይቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ፣ ካብ 22 ነሓሰ ክሳብ 5 መስከረም አብ ዝነበረ ጊዜ ግና ናብ ክልል ትግራይ  ክኣትዋ ከምዘይካኣላ ሕቡራት ሃገራት ጠቂሱ።
ሕቡራት ሃገራት እዚ ምዕባለ እዚ ባህ ዜብል እኳ እንተዀነ መግብን  ነዳድን ዝጻዓና  100 ዓበይቲ  መካይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ  ከምዝግባእ ሎሚ’ውን ምዝኽኻር አገዳሲ እዩ ይብል ።
ብካልእ  ምዕባለ ይብል ሕ/ሃ፣  ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፈላማይ ነፈርቲ  ትካላት ግብረ - ሰናይ፣ 7 ሜትሪክቶን ሃነጽቲ መግቢ ሒዘን ብ11 መስከረም ናብ  ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ።
ካብ አዲስ አበባ ንመቀለ ዝበራ ናይ ሕ. ሃ.  ነፈርቲ ከምቲ ዝተመደበለን፣  ክሳብ  ሎሚ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ በረራታት ካብ ምግባር ኣየቋረጻን።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታትኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 'ገበናት ኵናት'እዩ ተባሂሉ
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ብዝመደብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎችዝወፀ ሓዱሽ ሪፖርት ወታደራት ኤርትራን ተዋጋእቲ ትግራይን ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስን ሰፊሕ ዕንወት ምውራዶምን ሓቢሩ ኣሎ።
‘’ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝተፈፀመ ኣሰቃቒ ቕትለታት፣ፆታዊ ዓመፅን ስርቅን ብንፁር: ገበናት ኵናት እዩ’’ ኢላ ኣብ ሁማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር።’’ትግራይ ካብ መግሃስቲ ንዝሃድሙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዓመታት ገነት እያ ነይራ፤ሊሚ ግን ብዙሓት ድሕነት ኣይስምዖምን’’ኢላ ብምውሳኽ።
ኣብ ሕዳር ኵናት ቅድሚ ምውልዑ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕፃፅን ሽመልባን ዘዕቖቡ 19,200 ሰባት ሓዊሱ መንበሪ 92,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነይራ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን።
ዋላኳ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\ፈ ኵናት እንተተኻየደ እውን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ኖቤል ሽልማት ዘርከበሎም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅርራብ ኣበጊሶም።ኣስመራ ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ሓገዝ ገይራ።
እቲ ግጭት ምስ ጀመረ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን መጀመሪያ ኣብ ጥቓ ሕፃፅ ተዋጊኦም። Human Rights Watch ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሕፃፅ ን31 ሰባት ከምዝቐተሉን እቲ ትኽክለኛ ቁፅሪ ‘’ካብኡ ኣዚዩ ዝለዓለ ክኸውን’’ ከምዝኽል ‘’እሙን ፀብፃባት’’ በፂሑና ኣሎ ክብል ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።AFP ቅድም ክብል እቲ ውግእ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ከመይ ከምበፅሐ፣ደገፍቲ ህወሓት ብሒነ ቕትለት ንቶም ስደተኛታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ንትሽዓተ ደቂ ተባዕቲዮ መናእሰይ ቀቲሎም ክብል ፀብፂቡ እዩ።
ኤርትራዊያን ወታደራት ነቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ምስ ተቖፃፀሩዎ 17 ቑስላት ስደተኛታት ንሕክምና ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱዎም ይእመን ይብል ፀብፃብ Human Rights Watch።እንተኾነ ግን ‘’ኣባላት ኮሚቴ ስደተኛታትን ኣባላት ተቓወምትን ተገይሮም ዝርኣዩን ኮላይ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝተኣሰሩ ደሚርካ መብዛሕቲኦም ካብቲ መዕቖቢ ዝወፁ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን’'ይብል።ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ኣብ መጀመሪያ ታሕሳስ ምስተቖፃፀሩዎ ብስርቂ፣ምእሳር፣ምዕማፅን ብምጥቓዕን ንዓሰርተታት ሰባት ቆቲሎም ይብል እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት።ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ዝተመለሱ ሓይልታት ኤርትራ ሰባት ካብቶም መዕቖቢ ስደተኛት ብሓይሊ ንክወፁ ኣገዲዶምዎም፤ቅሩብ ፅንሕ ኢሉ ሕፃፅ ብዝዓበየ ክፋሉ ምዕናው ናይ ሳተላይት ምስልታት የርኢ ይብል እቲ ተሓላቒ መሰላት ወሲኹ።
ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብ ሕፃፅን ሽመላባን ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን።ናብ ኤርትራ ካብ ምምላ ካሊእ መማረፂ ዘይነበሮም ኣማእቲ ድማ ሁማን ራይትስ ዎች ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ኢሉ ዝገለፆ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ካልኦት ድማ ኣብ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓት ናብ ዝኾኑ ክልተ ካምፕታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ኣትዮም።ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ህወሓት ኣብ ክልቲኦም ካምፕታት ከቢድ ኣፅዋር ኣእቲዩ፣ንመካይንን መኽዘናትን ወሪሩ ስደተኛታት ክይወፁ ከልኪሉ ‘'መጭወይቲ ዝመስል ኩነታት’’ ፈጢሩ ክብል ይኸስስ።ህወሓት ንከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ብምንፃግ ናይቶም ስደተኛታት ሓለዋ ንምርግጋፅ ቃል ኣትዩ እዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስደተኛታት ናብ ክልል ኣምሓራ ንምግዓዝ ንምስላጥ እናፈተኑ እዮም።ህወሓት ኣብ ሓምለ ኣብ ክልል ኣምሓራ መጥቓዕቲ ብምፍናው እቲ ክልል ብናይ ቀረባ ውግኣት ተሃሲዩ እዩ።ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ናይ ስደተኛታት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎምን ረድኤት ክባፃሕን ከረጋግፁ ኣለዎም ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሓሙስ ፀዊዑ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ምምሕዳር ውሎ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ከባቢ ንዝረአ ጸገም ትኹረት ክህብዎ ሓቲቶም
ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሽባሪ ክብል ዝሰየሞን ንገዛእ ርእሱ መኸላኸሊ ሓይሊ ትግራይ ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ናብ ወረዳታት ተሁለደሬ: ኣምባሰል: ወረባቦን ዶላንታን ሰሊኹ ንምእታው ፈተነ ጌሩ ግን ፈተነኡ ፈሽሉ ንድሕሪት ከንሳሕብ ተገይሩ'ሎ እንተበሉ'ዃ ፖለቲካዊ ምምሕዳራት ሕጂ'ውን ስግኣት ኣለና ዝብሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ከምዘለዉ ዝጠቀሰ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሓደ ካብ ሓረስቶት'ዮም ዝበሎም ኣቶ ይማም ኣሕመድ ጥሪት ሓዊሱ ንዘበናት ዘጥረናዮ ጥሪት ሰለስተ- መዓልታት ኣብ ዘይሓልፍ ግዜ ጉድኣት ወሪዱ ምባሎም ሓቢሩ'ሎ።
ኣመሓዳሪ ቀበሌ 08 ወረዳ ወረባቦ ኣቶ ሰይፍ መሓመድ ዝተባህሉ ኸኣ ሓረስቶት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ከብትና በሪሱና ንዝገደደ ጸገም ከይንቃላዕ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ህጹጽ ረድኤት ይግበረልና ክብሉ ሓቲቶም ለዉ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ግን ከምዚኦም ዝበሉ ምስ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዘረፋን ንዝለዓልዎም ክስታት ደጋጊሞም ኣሉታ ሂበምሉ'ዮም። "ሓይልታትና ንጹሃት ዜጋታት ዒላም ኣይገብሩን'ዮም" ኢሎም።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሰሊኹ ክኣቱ ምስ ዝፈተነ ሰራዊት ህወሓት ልዕሊ ወርሒ ኹናት ከምዝገበሩ ዮም ንቮኦኤ ገሊጾም።
ህወሓት ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ወሎ ጥምየት ኣትዩ ንዝብል ግን ናብ ጥምየት ዝሰገረ ጸገም የለን ኢሎም ለዉ። ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ዲያቆን ተስፍሁን ባያበል ብሰንኪ'ቲ ኹናት ልዖሊ 270- ሽሕ ከምዝተመዛበሉን ብዛዖባ'ቶም ህወሓትኣብዝተቆጻጸሮ ዞባታት ሰሜን ወሎ ህዝቢ ክምዝሻቀሉ ገሊጾም።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ብወገኖም ሓይልታቶም ኣብ ዝተቆጻጸርዎ ከባቢታት ዝርከብ ሓገዝ ዘድልዮም ኣባላት ማሕበረሰብ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ክረኽቡ ኩነታት ብምምችቻው ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ምኻኖም ገሊጾም ክብል ምስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ ሓቢሩ::
መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት
ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳ ዳባት ብሰንኪ ኲናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ይምሕጸኑ
ነበርቲ ዕጡቓት ሕወሓት ኣብታ ቀበሌ ኣብ ዝጸንሕሉ ሓሙሽተ መዓልታት  ንንጹሃን  ሰባት  ገዛ ገዛ እናኣተዉ ቀቲሎም`ዮም ይብሉ ።
ጭና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለት ቀበሌ፡ ዕጡቓት ህወሓት ልዕሊ  200  ሰለማውያን ሰባት ምቕታሎም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባብን ግዳያትን  ምግላጾም  ቅድሚ  ሎሚ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ  ብናጻ ወገን ክጻረ ምጽውዑ ይፍለጥ።
ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣመሓዳሪ ንኡስ ወረዳ ዳባት ወቅል ኣቶ ካሳ መሸሻ፡ ኣብ ጭና  ቀበሌ  ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ምውራዱን፡ዝተፈናቐለ ሰብ ናብ ቦትኡ  ንክምለስ`ውን  ጸጊምዎ ከምዘሎን ድሕሪ ምጥቃስ ሰብኣዊ ረድኤት ንህብ ኢና ዝብሉ ትካላት ነቲ  ህዝቢ ክበጽሕሉ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣስታት 30 ሰባት ብዕጡቓት ህወሓት ምቕታሎም ነበርቲን ኣመሓደርትን ገሊጾም
ዝለዓለ ጉድኣትን ሞትን ኣተኣናጊዱ ዝተባህለ ጣቢያ 018  ነባሪት ምዃነን ዝገለፃ  ጦይባ መሓመድ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ናይ ህወሓት ሓይሊ ንናይ 22 ዓመት ብዓል ቤተን ቀቲሎምዎ ኢለን።ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ኣባላት ስድርኦም ከምዝተቐተሉገሊፆም ኣለው።
ናይቲ ጣቢያ ኣመሓዳሪ ሰይድ መሓመድ ልዕሊ 14 ሰባት ከምዝተቐተሉን ዝቖሰሉን  ተዓፊኖም ዝተወስዱን ከምዘለው ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ካሊድ መሓመድ እውን ኣሸባሪ ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣካል ንናይቲ ወረዳ ሽዱሽተ ጣቢያታት ወሪሩ  ክብሉ ኮኒኖም።
ብዛዕባ'ዚ ዝተውሃበ መልሲ እንተተዘይሃለወ 'ውን  ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው  ረዳ ቅድሚ ሎሚ ንዝቐረቡ ክስታት ብምንፃግ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበን ብነፃ ኣካል  ክፃረ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልሲ ገሊፆም።ብሰንኪ ፀጥታ ናብቲ ከባቢ  ዘይተጉዓዘን ኢንተርኔትን ስልኪ ስለዘየለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክረክብ ዘይክኣለን ኣብቲ  ከባቢ ንዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ዝተውሃበ ድምፂን እሙናት ካብ ዝኾኑ ምጭታትን  ከምዝረኸበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ መስፍን ኣራጌ  ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም
ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ነባሪ ቶኽሲ ደው ንምባል ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ምቁራፅበቲ ግጭት ናብ ዝተሃሰዩ ኩሎም ከባቢታት ምሉእ ተባፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረጋግፅን  ሱር ናይቲ ግጭት ንምፍታሕ ልዝብ ምክያድ ክጅመርን ዝብሉ ምዃኖም  ሓቢሩ።
ይኹን እምበር እቲ ምሕፅንታ ምሉእ ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን ዋላ እውን መራሒ ህወሓት ንዕኦምን ንመራሒ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ደብዳበ እንተላኹ   ኢሎም።
ጉተረዝ ፅምዶና ክቕፅል እዩ ምስ በሉ ንተበግሶታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሉእ  ንድግፍ ኢና አውን ኢሎም።ንተበግሶታት ኣመሪካን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን እውን ይከታተሉዎ ከምዘለው ብምግላፅ እቲ ኵናት ደውው ክብል ኣለዎ፤ትርጉም ኣልቦ እዩ ብወታሃደራዊ ኣይፍታሕን :ክልቲኦም ወገናት ብወታደራዊ ከምዘይፍታሕ  ገና  ኣይተረድኡን ኢሎም።
ንሶም ኢትዮጵያዊያን ፀገማቶም ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት  ሃገራትን  ካልኦት  ኣካላትን ዝሕገዝን ብኢትዮጲያዊያን ዝመራሕን ልዝብ ክካየዱ ኣለዎም  ኢሎም።
ኢትዮጵያዊያን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ክሳቐዩ ምርኣይ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት እውን ልቢ ዝሰብር እዩ ኢሎም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም  ምርግጋእን ሓድነትን ኢትዮጵያ ንናይቲ ዞባ  ህድኣትን ሓድነትን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዓንዲ  ምዃኑ ክንግዘብ ኣለና፤እዚ ግጭት ካብ  ዶባት  ኢትዮጵያ ዝሰገረ ፅልዋ ክህልዎ  ስለዝኽእል ኣዚዩ ዘሻቕለና ጉዳይ እዩ  ኢሎም  ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተቋረጸን ዝተመሓየሸን ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ጸዊዑ
ሕፅረት መግብን ገንዘብን፣ናህሪ ዋና መግብን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፣ ምቁራፅ መጎዓዚያን ነቲ ክልል ይሃስዮ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ክልላት  ብምስፍሕፍሑ ዝፈጠሮ ናይ ፀጥታ ፀገማት ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ሰብኣዊ  ረድኤት ንምእታው ምጉታቱ ዝርዳእ'ኳ እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ሰብኣዊ ኩነታት'ቲ ክልል  ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝለዓለ ብዝሒ  ዘለዎም  ብተወልደቲ ትግራይ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ምዕፃዎም ፀብፃባት ይበፅሖ  ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ ።
ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናብ ዝተፈላለዩ  ወታሃደራዊ ካምፕታትን ኣዲስ ኣበባን ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ፖሊስ ካምፕታትን  ከምዝግዓዙን እቲ ኮሚሽን ይከታተሎ ከምዘሎን ሓቢሩ።ብዙሓት ናይ ምብፃሕ  መሰሎም ከምዝተጣሕሰን ጠበቓታቶምን ስድሮምን ክበጽሕዎም ከምዘይከአሉን: ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ሓቢሩ።