ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ - ድምጺ ኣመሪካ
መንቀሊ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክጽናዕ ዝሓለፈ ውሳነ ቻይና ግዚኡ ኣይኮነን ክትብል ነጺጋቶ
ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተመወለ ሓደ ውሳነ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ መበገሲ`ቲ ለበዳን ዝተዋህቦ ምላሽን ክጽናዕ ጸዊዑ`ሎ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ለበዳ ይቕጽል ከምዘሎ እምነት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ስለዝኾነ- ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ግዚኡ ኣይኮነን ይብል። እቲ ተበግሶ ሕበረት ኤውሮጳ ብጉባኤ ውድብ ጥዕና`ውን ከምዝተደገፈ`ዩ ዝግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ሃገራት ዓለም ንእገዳ ኮቪድ 19 ምልዓለን ቀጺለን ኣለዋ።
በልጂም ሎሚ ሰኑይ ዕዳጋታትን ቤተ-መዘክራትን ክኽፈት ኣፊቂዳ`ላ- ተወሰኽቲ ተማሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ይምለሱ`ለዉ።
ኣብ ግሪኽ ከተማ ኣቴንስ ፍሉጥ ስሕበት በጻሕቲ ዝኾነ ኣክሮፖሊስ ከምኡ ናይ ቫቲካን ቤተክርስትያን ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ መንጎ ሓደሽቲ ዝተኸፍቱ ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ።
ህንዲ ግን ናህሪ`ቲ ሕማም ስለዝረኣየት እዚ ወርሒ ክሳብ ዝወዳእ እቲ እገዳ ክቕጽል ወሲና`ላ።  ግብጺ ኣብ`ዚ እዋን ወርሒ ሮመዳን ንሹቓትን ከም ገማግም ባሕሪ ዝበሉ መዘናግዒ ቦታታትን መዘናግዒ ሕዛእታትን ከምኡ ናይ ለይቲ ሕላፍ ሰዓት ተዓጽዩ ክጸንሕ ጌራ`ላ።
ኣብ ዓለም ብቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙን ዝሞቱን ትመርሕ ዘላ ኣሜሪካ ቀስ ብቐስ እገዳታት ተፍኩስ ኣላ። ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ምኽፋት ዕዳጋታት ምስ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ወነንቲ ኢንዱስትሪ ኣብያተ መግብን ክዘራረብ መዲቡ`ሎ። ነቶም ኣብዚ እዋን እገዳ፥ ሰንሰለት ቀረባት -መግቢ ንኸይቋረጽ ዝጸዓሩ ሓረስቶት ድማ ሓደ ሓገዝ ክግበረሎም ትጽቢት ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ፥ ንግብረ መልሲ ኣሜሪካ ምንቃፉ ትራምፕ ነጺግዎ።  ኦባማ ዝሓለፈ ቀዳም ንተመረቕቲ ኮሎጃት ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ኣብ ግብረ-መልሲ`ቲ ለበዳ ዝግብርዎ ዘለዉ ነገር ባዕሎም ዝፈልጥዎ`ዩ- ክብል ብሽም ከይጠቀሰ ነቒፉ ኔሩ። ብዛዕብኡ ምላሽ ኽህብ ዝተሓተተ ፕረዚደነት ትራምፕ ድማ "ብቕዓት ዝነበሮ ፕረዚደንት ኣይነበረን" ክብል መሊሱ።
ትማሊ ሰንበት ድማ በዓል-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ነቲ መንግስቲ ንህዝቡ ከሲርዎ`ዩ ዝብል ነቔፈታ ነጺግዎ`ሎ። ሚንስተር ጥዕና ኣለክስ ኣዛር ትማሊ ኣብ ሲ-ኤን-ኤን ቀሪቡ` መንግስቲ ነቲ ዝገበሮ እንተዘይገብሮ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ሰፊሕ ምኾነ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን እቲ እገዳ ንኣሜሪካ ናብ ውድቀት ኤኮኖሚ ገጹ ይደፍኣ ከምዘሎን- ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝለዓለ ቁጽሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ`ውን እናወሰኸ ከምዝኸይድ ሓለፍቲ ቂጠባ ኣሜሪካ ይሕብሩ ኣለው።
ኣብ ጉዳይ ኣመራርሓ ፈደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ምስክርነት ክህቡ ዝተጸውዑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተለዋጢ ቆጸራ ክወሃቦም ሓቲቶም
ንመከላኸሊ ምስክርነት ዝተፀውዑ ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስት ፕረዚደንት ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ፣ዶክተር ኣብዪ ኣህመድን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኔን ኣብዚ ሕዚ እዋን ክቐርቡ ከምዘይኽእሉ ዝገለፅ ደብዳቤ ካብ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴው ከምዝበፅሖም ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ገሊፆም።
ኣርባዕቲኦም ሰበስልጣን ኣብ ሃገራዊ ህፁፅ ኣኼባ ስለዝርከቡ ኣብዝተፀውዕሉ ቤት ፍርዲ ምስክርነት ንምሃብ ስለዘይኽእሉ እቲ ቤት ፍርዲ ንካልእ መዓልቲ ክቕይረሎም ምሕታቶም እቲ ደብዳቤ የረድእ።
ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ንዝፈተኑ 190 ስደተኛታት ሒዛ
እቶም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተታሕዙ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ድማ ኣፍሊጦም። ምስኣቶም 14  ኣሰጋገርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ኣፍሊጦም።
ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ምድሪ ሱዳን ጀነራል ኣልሰር ሓሰን በሺር ሓምድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝበርዓንዎ ፍልሰት ብኤውሮጳውያን ዝተቐናበረ ምንባሩ ገሊጹ።
ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ሱዳን ጀነራል ኣዝሃሪ ከማል ኣሕመድ ብወገኑ ካብቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ዘመናዊ መሐበሪ ኣንፈት ሒዙ ከምዝተረኽበ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈልሱ ስደተኛታት ን ሱዳን ከም መተሓላለፊት ሃገር ናብ ግብጺ ይኹን ናብ ሊብያ ተጠቒሞም ናብ ኤውሮጳ ከምዘምርሑ ይፍለጥ።
ቁጽሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ 6,500 ደይቡ
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብኣርብዓ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒታት ዝተኻየደ ኮይኑ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ሶማልያን ኤርትራን ዝተበገሱ ስደተኛታት ምንባሮም ድማ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፥ ሓካይም ዶብ ኣልቦን ፍሮንተክስ ብዝተባህለ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓለዋ ዶብ ኣብ ዝተኻየደ ዝተወሃሃደ ስርሒት፥ ስደተኛታት ብናይ ዓቕሊ ጽበታዊ ፈተነ ካብተን ተጻዒኖመን ዝነበሩ ጀላቡ ብምዝላል ናብተን ህይወት ኣድሕን መራኽብ ሓንቢሶም ክበጽሑ ብቪድዮ ተቐሪጾም ይርኣዩ።
ጸብጻብ ኣሶስየትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ፤ እቶም ስደተኛታት ብድኹማት ናይ ዕንጸይቲ ጀላቡ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ኢጣልያ ይጉዓዙ ምንባሮም ይሕብር።
ተመሳሳሊ ስርሒት ኣድሕን ዝሓለፈ ሰንበት ነሓሰ ከምዝተኻየደን በቲ ስርሒት ሓደ ሽሕን ሚእትን ስደተኛታት ምድሓኖም ብተወሳኺ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰተኛታት ማለት IOM ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ 106 ሽሕ ናብ ኢጣልያ ምብጽሖም ይጠቅስ። ካልኦት 2726 ሽሕ ግን ኣብ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ምማቶም ብተወሳኺ እቲ ውድብ ይሕብር።
ህይወት ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት ዝተረፈሉ ትራጀዲ ማእከላይ ባሕሪ
ክልተ ዕሸላት ማናቱ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ድሒኖም
ክልተ ዕሸላት ማናቱ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ድሒኖም
እዞም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ኣብ ባሕሪ ይጉዓዙ ምንባሮምን ክልተ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን መራኽብ ኲናት ኢጣልያን ስጳኛን ብሓባር ብዘካየድዎ ስርሒት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ክድሕኑ ምኽኣሎም ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
ኣባላት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስን ካልኣይ ዘይመንግስታዊ ማሕበርን ዕስራ ጀላቡ ብምውፋር ነቶም ስደተኛታት ናብ ሓላዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣሰጋገሮሞም ኣለው።
ዓሰርተ ሰለስተ ማይል ካብ ሰሜን ሳብራታ ሊብያ ርሒቓ ኣብ ዝተረኽበት ጃልባ 700 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ተሓቢሩ።
ካብ ዝውለዱ ሓሙሽተ መዓልቲ ጥራይ ዝገበሩ ማናቱ ዕሸላት ኣብ ውሽጢታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮምን ብዝተገብረሎም ሓገዝ ክድሕኑ  ምኽኣሎምን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ 1800 ስደተኛታት ኣድሒኑ
ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ 1800 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ተሓቢሩ
ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ  ምስ ካልኦት ኣካላት ተወሃሂዱ 16 ስርሒት ብምክያድ’ዩ ነቶም ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ  411 ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ከምዘድሓነ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሰለስተ ንኣሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ካብ ሊብያ ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ የምርሑ ዝነበሩ’ዮም።
እቶም ስደተኛታት  35 ማይልስ ካብ ገማግም ሊብያ ርሒቖም ድሕሪ ምድሓኖም ናብ ኮርሲ ዝተባህለት መርከብ ኢጣልያ ከምዝተሰጋገሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብወገኑ: ሬሳታት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከምዝረኸበ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጆኤል ሚልማን ከምዝሓበሮ፤ እዞም ዝተረኽቡ ሬሳታት ካብታ ኣቐዲማ ምጥሓላ ዝተረጋገጸ መርከብ ዘይኮኑ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ማለትኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት ምዃኑዩ ኣብ ገማግም ሊብያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ንሱ እዚ ሓበሬታ ምስኦም ምትሕብባር ካብ ዝገብሩ ዘለው ሰበስልጣን ሊብያ ከምዝረኸቦ ድማ ኣብ ጀነቭ ስዊዘርናላድ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረዲኡ።
ላዕለዋይ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣትሒዙ ቁጽሪ ካብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ እናተበገሱ ኤውሮጳ ዝኣተው ስደተኛታት 93,611 ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ኣስታት 3116 ዝበጽሑ ድማ ኣብ ጉዕዞ ዝተሰወሩ ወይድማ ዝሞቱ ከምዝኾኑ ድማ ላዕለዋይ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ብደረጃ ዓለም 4,027 ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ሞይቶም ኣለው።
ሰለስተ ርብዒ ናይዚ ኣሃዝ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጆኤል ሚልማን ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ሸውዓተ ወርሒ ክወዳደር ከሎ ብ 35 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘርኣየ ገሊጹ።
"ኣብዚ ዓመት ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜድትራኒያን ሞይቶም " ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት
IOM ኣብዚ ዓመት ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ዝሞቱ ናይ 2,977 ሰባት መዝጊቡ’ሎ።እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ቀረባ ካብ ዝጠለቐት ጀልባ ኣብ ካላብሪያ ክበፅሕ ትፅቢት ዝገበረሎም እንተወሓደ ልዕሊ ደርዘን ኣይሓውስን ይብል እቲ ትካል።
ትማሊ ሓሙስ ዝኣተው ልዕሊ 800 ስደተኛታት በዝሒ ኣብ 2016 ናብ ኣውሮፓ ኣትዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ናብ 242 ሽሕን 179 ከደይቦ እዩ ከም ፀብፃብ IOM።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 22 ሓምለ 1,906 ስደተኛታት ምማቶም እዩ ተመዝጊቡ ነይሩ።
ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስድተኛታት ድሒኖም
ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስድተኛታት ድሒኖም
ብመሰረት ካብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ዝተረኽበ ሓበሬታ: እቶም ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝጉዓዙሉ ዝንበሩ ግዜ: ብመራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሓይካይም ብዘይ ዶብ ናይ ጀርመን ሓለዋ ባሕሪ ከምኡውን ናይ ሞኣስ ዝተባህለ ናይ ስጳኛን ናይ ሞኣስ ዝተባህለ ግብረ ሰናይ ማሕበር ከድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተገሊጹ።
እቶም ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ካብ ሃገራት ኤርትራ ናይጀርያ ሶማልያ ጋምብያ ደቡብ ሱዳን ፓኪስታን ምስሪ ማሊ ካልኦት ሃገራትን ዝርከብዎም ምንባሮም ብተወሳኺ ተሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ኤርትራዊ ንኣሶስየትድ ፕረስ ዝተባህለ ቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ኣብታ ጃልባ 1013 ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ከምዝነበሩ ገሊጹ።
እታ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ማይል ካብ ማያዊ ክሊ ሊብያ ሕልፍ ኢላ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ኣብ ዝበጽሓትሉያ ሓገዝ ረኺባ።
ሰበ-ስልጣን ጣሊያን ን38 ተጠርጠርቲ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ቀይዶም
‘’ፍልሰኛታት ዘዘዋውር ሓደገኛ መርበብ ገበነኛታት ተበታቲኑ’ሎ’’ኢሎም ምንስቴር ውሽጢ ሃገር ጥሊያን ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም።
ኣብ 2014 ኣ/ፈ ኣብ ሲሲሊ ዝተኣሰረ ሓደ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ሓለዋ ከምግበረሉ ካብ ሰበስልጣን ምስተገለፀሉ ብምትሕብባሩ እዩ እቲ ጉጅለ ኣብ ሮም፣ሰሜናዊ ጥሊያንን ሲስልሲን ኣብ ቁፅፅር ዝውዓለ።
‘’ኣዚዩ ብዙሕ ሞት የጋጥም ስለዘሎ ክተሓባበር ወሲነ’’ ምባሉ ሰበስልጣን ጠቒሶምዎ ኣለው።
ሰበስልጣን ጥሊያን ብዛዕባ እዞም ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ፣ጥሊያንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ምንቅስቓሶምን ንፈለማ ግዜ ክርድኡ ከምዝኽኣሉ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።
እቲ ኤርትራዊ እቶም ኣዛወርቲ ደቂ ሰባት ገንዘብ ክኸፍሉ ንዘይኽእሉ ስደተኛታት ቀቲሎም ኣካሎም ንምሻጥ’ዃ ከመይ ሰጋእ ከምዘይብሉ  ዝርዝር ኣሰቃቒ ምስክርነት ሂቡ’ሎ።
ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ​ ወርሒ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣፓርትመንት ብዘካየዶ ሃንደብታዊ ፍተሻ ኩምራ ገንዘብ ማለት  526 ሽሕ ዩሮን 25 ሽሕ ዶላርን ከምኡ እውን ናይቲ ጉጅለ ዝተመዝገበ ዝርዝር ምንቅስቓስን ሒዙ’ሎ።
ቃለ-መጠይቕ ብዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ እስራኤል ዝበጽሐ ኤርትራዊ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ‘ዝኸፍአ’ ዝተባህለ ሓደጋ ዝደሓኑ ክልተ ኤርትራዊያን ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ
ልዕሊ 700 ፍልሰተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ተገሊጹ’ሎ
ኣስታት 700 ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ይግለጽ’ሎ
ማሊ፡ ናብ ኣውሮጳ ንዝስደዱ ሶርያዊያን ስደተኛታት መሰጋገሪ ቦታ ትኸውን
ሕሱም ቃንዛ ስግረ-ዶባዊ ጉዕዞ ስደት ብቓላት ኤርትራዊት ግዳይ
ሓደጋ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒና ናብ ኢጣልያ ተምርሕ ዝነበረት ንእሽተይ ጃልባ