ጥዕና - ድምጺ ኣመሪካ
ጥዕና - ድምጺ ኣመሪካ
ኣፍሪቃ -- ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ዓመታዊ 5.2 ቢሊዮን ዶላር ትጠልብ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ሕማም ዓሶ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ መሊእካ ንምጥፋእ፣ ዓመታዊ 5.2 ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት፡ ኣብ ምዝዛም መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዝሃቦ መግለፂ፡ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ይዕንቀፍ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቁራፅ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ ነቲ ፀገም ዘጋድድ ከምዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ንምሕደራ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ብሓድሽ ይፍትሾ ከም ዘሎ ይገልፅ።
መሰረታዊ ስልጠና  ኣብ ኤርትራ፡ ቅድመ-ምክልኻል ንሞት ዕሽላት ኣብ እዋን ሕርሲ
            <description>ኣስመራ — ኣብ ኤርትራ ልዑል ዋሕዲ ክኢላታት ማህጸንን መወለዳንን ስለ ዘሎ፡ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ጀመርቲ ሓካይምን መሕረስቲን ኣብ ዝተዋፈሩሉ ማእከላት ጥዕና፡ ነቲ ብቐረባ ምክልኻል ዝከኣል ጸገማት ባዕላቶም ክፈትሑ ከም ዝተገብረ ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የመልክቱ።
ጸብጻባት ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ከም ዘምልክቶ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሓደ ሽሕ ሕርሲ፡ ኣስታት 37 ሞት ህጻናትን ኣደታትን የጋጥም። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኤርትራ ክኢላ ማህጸንን መወለዳንን ዝዀነ ዶክተር በረኸት ስብሃቱ፡ እቲ ዝርጋሐ መባእታውያን ሓካይም ንሞት ህጻናት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ ከም ዘጉደሎ ይሕብር።
ዝርጋሐ መልከፍቲ ኤች.ኣይ/ቪ/ቫይረስ ኣብ ክልል ትግራይ ካበይ ናበይ?
            <description>ዋሽንግተን — ዝርገሐ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ እቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናት ናብ 1.3 ወሪዱ ከምዝነበረ’ዩ ፀብፃብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል የመልክት። ድሕሪ እቲ ኲናት ዘሎ ሓበሬታ ከምዘርእዮ ግን፡ ዋላ’ኳ ንምሉእ ክልል ዘጠቓልል መፅናዕቲ ኣይካየድ እምበር፡ ካብቲ ኣፈናዊ ገምጋም ብዕፅፊ ምውሳኹ የመልክት። 
ኣብ ምክልኻል፡ ግንዛበ ምፍጣርን ምስቲ ቫይረስ ንዝነብሩ ሓገዝ ብምሃብ ኣብ ክልል ትግራይ ዓብዪ ለውጢ ንኽመፅእ ግደኦም ካብ ዘበርከቱ መስራቲን ኣካያዲ ስራሕን ትካል ኦሳድ ዝዀነ ኣይተ ይርጋ ገብረእግዚኣብሄር ብዛዕባ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ብዝሒን ንምክልኻል ክግበሩ ዘድልዩ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ዘተ -- ኣሰካፊ ዝርጋሐ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ኣብ ትግራይ
            <description>ዝርጋሐ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ኣብ ትግራይ፡ ሎሚ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረሉ መጠን ብዕጽፊ ወሲኹ፡ 3% በጺሑ ከም ዘሎ ክኢላታት’ቲ ዘፈር ይገልጹ። ብዘይካዚ፡ ሰብ ሓዳር፡ መናእሰይ ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዝሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ብምትሕብባር በበይኖም ኣካላት ንዝርጋሐ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣመልኪቱ ብመንገዲ ርሕቀት ኣብ ዝተኻየደ ስይምፖስየም።
ነቲ ሲምፖዝየም ዝተኸታተለ በትረ ስልጣን ምስ ኣዳላዊ’ቲ መደብ ዶ/ር ሙሉጌታ ገ/ሄር ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሮላይና፣ ኣመሪካ፣ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ትግራይ ዶ/ር ሓለፎም ካሕሳይ ካብ መቐለ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ-ሆስፒታል መቐለ ወ/ሮ ክብርቲ መሓሪ ከምኡውን ካብ ባህሊ ትግራይ ኣቶ ገሬ መተዓቢተይ ዓዲሙ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ድሕሪ ኲናት -- መልከፍቲ ቫይረስ ኢችኣይቪ/ኤይድስ ክልል ትግራይ ብዕጽፊ ወሲኹ
            <description>መቐለ — ምስ ምዕናው ትካላት ጥዕና፡ ስእነት መከላኸሊን ድሕሪ ኲናት ዝፈጠሮ ቅልውላውን፡ ኣብ ክልል ትግራይ መልከፍቲ ቫይረስ ኤችኣይቪ ብዕጽፊ ምውሳኹ፡ ምስ ካልኦት መተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ድሕሪ ዝገበሮ መጽናዕቲ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ መልከፍቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ማእከላት ተመዛበልቲን ዝለዓለ ምዃኑ’ዩ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ወገናት ይገልጹ። 
መኣዲን ጥዕናን ሕውየትን — ከም ስሙ
            <description>ኦክላንድ — መኣዲ ጥዕናን ሕውየትን ዝብሃል ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ ማሕበር፡ ንኤርትራውያን ዓበይቲ ወለድን ጡረተኛታትን ጥዕንኦምን ኩነታቶምን ኣብ ምክትታል ዝሰርሕ ማሕበር እዩ። እዚ ምትእኽኻብ ጥዕናዊን ኣካላዊን ኩነታት እዞም ጥሮተኛታት ንምክትታልን ምትሕግጋዝን ዝዓለመ'ዩ። 
ብድሆታት ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦ: ምዕባለታት ሕክምና ሕማም መንሽሮ ምስ ዶ/ር ኣሮን ከፈላ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ካልኣይ ቀታሊ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ብዝምልከት ኣብ  ኣመሪካ ንዝነብሩ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ በዓል ሞያ ሕማም መንሽሮ ዶ/ር ኣሮን ከፈላ ተርእዮ እቲ ሕማም ይውስኽ ከምዘሎን መጠን ሞት ብደረጃ ዓለም እንተጎደለ እውን ኣብ ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ግን ይውስኽ ምህላው  ይገልጽ።
ዶ/ር ኣሮን ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዘለው ብድሆታት: ሓደሽቲ ምዕባለታት ሕክምናዊ መሰርሕ ሕማም መንሽሮን ሞያዊ ምኽሩን ኣካፊሉ'ሎ።
ምኽሪ ክኢላታት ጥዕና ንጸገም ስእነት ድቃስ
            <description>ዋሽንግተን —  ውጥረትን ፀቅጥን ኣብ ዝወሰኸሉ ስእነት ድቓስ ናይ ብዙሓት ሰባት ፀገም እናኾነ ይመፅእ’ሎ። ኪኢላታት ጥዕና ብዛዕባ’ዚ ፀገም ገለ ምኽሪን-ፍታሕን ሂቦም’ለዉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1,000 ሰባት ብሕማም ዓሶ ከምዝሞቱ ተገሊፁ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ብሕማም ዓሶ ልዕሊ 1-ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 5.9 ሚሊዮን ድማ በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ዩኤንኦቻ) ገሊፁ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ብወገኖም፣ ብገለ ትካላት ዝወፁ ፀብፃባት ንተጠርጠርቲ ሕሙማት እውን ስለዘጠቓልሉ ልዑል ኣሃዛዊ መረዳእታ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ምባል እንተኾነ ሕማም ዓሶ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ይረኣ ከምዘሎ ሓቢሮም።      
ጥዕና ኣዕጽምቲ ምስ ክኢላ ዶ/ር  ደምሳስ ሃብቱ
            <description>ዋሽንግተን — ኣዕፅምቲ ደቂ ሰባት ብዘርኢ ብዝመሓላለፍ ሕማማትን ብምድፋእ ዕድመን ብጉድለት ኣመጋግባን ካልኦትን ክህሰ ይኽእል’ዩ። ነዚ ብዝምልከት ንክኢላ ኣዕፅምቲ ንዶ/ር ደምሳስ ሃብቱ ደምሳስ ካብ ዊንፔግ ካናዳኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ደ/ሪ/ኮንጎ ክታበት ኤምፖክስ ትቕበል፡ ተርእዮ'ቲ ሕማም ይሰፍሕ
            <description>ዋሽንግተን — ፈለማ ካብ ዝርአ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ሕማም ኤምፖክስ፡ ኣብታ መዋፈሪት እዚ ቫይረስ ኰይና ዘላ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈላማይ ክታበት ሎሚ ኣትዩ ኣሎ።
ፈላማይ ዙር ክታበት ኤምፖክስ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተለገሰ ክታበት 99-ሽሕ ዝዓቐኑ’ዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ቐዳም’ውን 200-ሽሕ ዝዓቐኑ ክታበት ናብ ኮንጎ ክኣቱ ምዃኑ ነቲ መስርሕ ዝመርሕ ዘሎ ትካል ህጹጽ ሓደጋ ሕብረት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ።
ቀዳመይቲ ተጠቃሚት ናይዚ ክታበት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዓሊሙዎ ዘሎ ናይ 566-ሽሕ መጠን ክታበት እታ እትቕጽል ብሩንዲ’ያ።
እዚ ዝረኣ ዘሎ ክታበት ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘይምዕሩይነት ተበጻሕነት ክታበት ክሽፍን ተስፋ...</description>
ሆስፒታል ዶክመር ሽረ -- ተስፋ ኣብቲ ጽልሙት ደመና
            <description>ሽረ — ኣገልግሎት ጥዕና ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ብኸቢድ ኣብ ዝተሃሰየሉ፡ ገለ ወገናት ግን ነቲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ኪንዮ’ቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኣገልግሎት ንምስፋሕ’ውን ይሰርሑ ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ኣብ ከተማ ሽረ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቢላ ዝተኸፍተት ሆስፒታል ዶክመር’ያ። 
ምስ ኤችይቪ ዝነብራ ኣዴታት ደቀን ከጥብዋ ከምዝኽእላ ዝሕብር ሓድሽ መጽናዕቲ ወጺኡ
            <description>ዋሽንግተን — ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ ሓኻይም ኣመሪካ ምስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝነብራ ኣዴታት ንደቀን ጡብ ከጥብዋ ምኽኣል ብዝምልከት ሓደ ዓብይ  ናይ ፖሊሲ ለውጢ  ይገብር’ሎ።
ኣመሪካን ኣካዳሚ ኦፍ ፔድያትሪክ ማለት ማሕበር ምሁራት ሓኻይም ቆልዑ ኣመሪካ  ኣብ ሓድሽ ፀብፃቡ ነቲ ኣብ 1980’ታት ኣብ  እዋን ለበዳ ኤችኣይቪ ዝነበረ መምርሒ ቀይርዎ’ሎ።
እቶም ነቲ መፅናዕቲ ዝገበሩ ኣካላት እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ መድሃኒታተ ንኣዴታትን ህፃናትን ዘርብሕ ኣዝዩ ውፂኢታዊ ብምኻኑ ነዚ ሓበሬታ  ውሳነ ዘሕለፉ አካላት ክዋስእሉ ኣድላይ ብምኻኑ ነዚ ሓሳባት ነካፍለሉ ደረጃ በፂሕና’ለና ኢሎም’ለዉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ኣዴታት ፀረ- ረትሮቫይራል ማለት ፀረ’ቲ ቫይረስ መድሃኒት እናወሰዳ ደቀን ከጥብዋ ክመክር...</description>
መንዲል ንጽህና ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኬንያ -- ብናጻ
            <description>ናይሮቢ — ኣብ ኬንያ ኣስታት 65% ወለዲ፡ ንደቆም ወርሓዊ መንዲል ንጽህና ንምግዛእ ከም ዘይክእሉ መንግስታዊ መጽናዕቲ ይሕብር። ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ እምበኣር’ዮም መሻርኽቲ ኣካላት፡ ተመሃሮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ካብ ትምህርቲ ንኸይበዅራ፡ መንዲል ንጽህና ብናጻ ዝረኽባሉ መንገዲ ዝሰርሑ ዘለዉትብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ናይሮቢ።
ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራ ዝመጽኣ ኬንያውያን ኣዋልድ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ካብ ትምህርቲ ክበዅራ ዝውቱር ተርእዮ’ዩ። እዚ ድማ ስድራቤተን ንመንዲል ንጽህና ዝኸውን ወጻኢታት ስለ ዘይሽፍኑ ምዃኑ’ዩ።
ስላም-ሳና (Slum-Sanaa) ዝተሰምየ ጉጅለ እምበኣር ነቲ ዘጋጥም ጸገማት ብምርዳእ ሓደ ተበግሶ ኣንቂሉ። እቲ መደብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይሮቢ ናጻ መንዲል ንጽህና ምዕዳል’ዩ።
ብመሰረት እቲ...</description>
ኣገባባት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም ልቢ - ዶ/ር ሄኖክ ገብረጻዲቕ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኣመሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ዝቐትል ፈላማይ ቀታሊ ሕማም ዝኾነ  ሕማም ልቢ ብዝተፈላለዩ ናይ ነቲ ሕማምን ሞትን ምንካይ ከም ዝክኣል ክኢላ ሕማም ልቢ ዶክተር ሄኖክ ገብረፃዲቕ ይምዕድ። ዶ/ር ሄኖክ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሉዊዝያና ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ሓኪም ሕማም ልብን ከምኡ’ውን ሓኪም ልቢ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ’ዩ።
ዶ/ር ሄኖክ ኣብ ሆስፒታል መቐለ PCI ዝተባህለ ዓይነት ሕክምና ሕማም ዘካየደ ናይ መጀመርታ ሓኪም እዩ። ብዛዕባ ሓደጋታትን ዓይነት ወይ ደረጃታትን ሕማም ልቢ ከምኡ እውን ሕማም ልቢ ንምውጋድ ብዛዕባ ክግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቕታትን ዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ወፍሪ ክታበት ዓሶ ኣብ ኡጋንዳ
            <description>ዋሽንግተን — ኡጋንዳ ንነዊሕ እዋን ህዝቢ ከሳቒ ዝፀንሐ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ዓሶ (Yellow Fevr) ንምክልኻል ሃገርለኸ ወፍሪ ክታበት ኣካይዳ። ከም ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ካብቶም ክታበት ክረኽቡ ትፅቢት ዝተገብረሎም 14- ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ስጋብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 12.2 ሚልዮን ሰባት ክታበት ምርካቦም ሓቢሮም።
ከም ሓበሬታ ውዱብ ጥዕና ዓለም ብጫ ዓሶ ብጣንጡ ኣቢሉ ካብ’ቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ጥዑይ ሰብ ዝመሓላለፍ ብቫይረስ ዝመፅእ ሕማም ኮይኑ ምልክታቱ ድማ ቃንዛ ጭዋዳታት፣ ሕማም ርእሲ፣ ሸውሃት ምስኣን  ተምላስ ዝበሉ ምዃኖም የመልክት።  
ሕማም ሽኮር ብዓይኒ በዓል-ሞያ 
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ። እዚ ሕማም ንዑረት ዓይንን ጉድኣት ኹሊትን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ካልኦት ሕማማት’ዉን ዘቃልዕ’ዩ።  ዶ/ር እስክንድር ሓድጉ ካልኣይ ዓይነት ሕማም ሽኮር  ክትከላኸሎን ክትሓውየሉ ዝከኣለሉ ኹነት’ዉን ከምዘሎ ይሕብር።
ብድሆታት ጥዕና ስነ ኣእምሮ ኣብ ስደተኛታት
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ካናዳ ትኹረት ብምግባር ኣብ ኩነታት’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ዝሰደዱ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍላይ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ጥዕና ስነ- ኣእምሮ ካብ ካናዳ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራርን ኣቶ ኣቤል መድሃኔ ገ/የሱስ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ኤርትራ፡ ወፍሪ ክታበት -- ስሩዕ መደብ ንምሕላው
            <description>ኣስመራ — ትማሊ ረቡዕ 24 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ 28 ሚያዝያ ዝቕጽል ክታበት ኣንጻር ንፍዮ፡ ሩቤላን ምዕዳል ቫይታሚን- ኤን ኣብ ምሉእ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ። በዚ ተበጊሱ ዘሎ ወፍሪ ኣስታት 520-ሽሕ ህጻናት ክብጽሑ ትጽቢት ከም ዝገበር ሃገራዊ ምክትታል ክታበት ሚኒስትሪ ጥዕና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ኲሓ -- ወፈራ መጥባሕቲ ዓይኒ
            <description>መቐለ — ኣብ ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ንምዕጻው ቱቦ ንብዓት ዓይኒ ዝምልከት ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓለፈ ሰሙን ተዋሂቡ። እዚ ምስ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ትካል ግብረ-ሰናይ ዝተገብረ ስርሓት፡ ንተሓከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ርሑቓት ስፍራታት ከይዶም ካብ ምሕካም ከም ዘድሓኖም ሰብ-መዚ እቲ ሕክምና ይገልጹ።  ንኣተሓባበርቲን ተገልገልቲን ኣዘራሪብና ኣለና።