ህዝቢ ምስ ህዝቢ - ድምጺ ኣመሪካ
ህዝቢ ምስ ህዝቢ - ድምጺ ኣመሪካ
የማነ ባርያ ብዝኽሪ መተዓብይቱን ኣድነቕቱን
            <description>ዋሽንግተን — ካብ ዝዓርፍ 27 ዓመታት ዘቑጸረ ኤርትራዊ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል(ባርያ) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ንስራሓቱ ዝዝክር መደባት ተዳልዩ ነይሩ።
ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ዝኽሪ ስዒቡ ንህቡብ ስነ-ጥበባዊ የማነ ገብረሚካኤል ባርያን ዘበንን ዶብን ተሳጋሪ ዝኾነ ስነጥበባዊ ስራሑን ከም ሰብ ዝነበሮ ብሉጽ ባህርያትን ብልሳን ብቐረባ ዝፈልጥዎ ካብ ካናዳ ኣቶ ይትባረኽ ገ/ትንሳኤ ካብ መቐለ ድማ የማነ ገብረሚካኤል (ወዲ-ኣፍሮ) ይዝከር።
ሽልማት ፅልዋ ፈጠርቲ ኣፍሪቃውያን
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ስፖርት: ስነጥበብን ስራሕ ምህዞን ተዋፊሮም ንማሕበረሰብ ዘገልገሉ ኣፍሪቃውያን ሽልማት ዝህብ ፈጠርቲ ፅልዋ ኣፍሪቃውያን (AFRICAN IMPACT AWARD) ዝተባህለ ትካል ናይ'ዚ ዓመት ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሜሪላንድ ተኻይዱ ነይሩ።   
ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት መድረኽ ሽልማት ንህብብቲ ስነ-ጥበባዊት ኣስቴር ኣወቀን ጋዜጠኛ መኣዛ ብሩን ሓዊሱ ንሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ሸሊሙ።
ዑስማን ዓብዱራሒም ብዝኽሪ መተዓብይቲን ፈለጥቱን
            <description>ዋሽንግተን — ወናኒ ሓያል ፍልጠትን ተመክሮን ስነ-ጥበብ ዝነበረ ዑስማን ዓብደራሒም፣ ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ'ዚ ቀረባ ከምዝዓረፈ ዝዝከር እዩ። ነዚ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ካብ ጊዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ስደት ህይወት ዝፈልጦ፣ ንባዕሉ'ውን ኣብ ስነ ጥበብ ዝነጥፍ ይትባረክ ገብረትንሳኤ ካብ ካናዳ፣ ብተመሳሳሊ፣ አብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ተዋፊሩ ዝርከብ ታደሰ ኣብራሃ (ወዲ ኮኸብ) ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ህልው ኩነታት ስደተኛታት ዩክሬን
            <description>ጀርመን — ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ዩክሬን ይነብሩ ዝነበሩ ትውልደ ኢትዮያውያን ስድራ  ኣቶ ትግስቱ ገብረህይወትን ስምረት ሽፈራውን፡ ሙሴ ሉኡል ድማ ንትምህርቲ ናብ ዩክሬን ድሕሪ ምዃኑ ምስ ኲናት ዩክሬን ናብ ጀርመን ዝተሰደደ መንእሰይ እዩ።  ድሕሪ ኵናት ዩክሬን ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሰዲዶም ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመንን ክባቢኡን ይርከቡ።  
ዋላ'ኳ መንግስትን ህዝብን ጀርመን ዝገብረሎም ዘሎ ሓገዝ እንተነኣዱ ሰላም ኮይኑ ናብ ዩክሬን ዝምልስሉ እዋን ብሃንቀውታ ይፅበዩ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ምሕዝነትን ናብራ ስደትን
            <description>ፖላንድ — ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ፖላንድ ርእሰ ኸተማ ቫርሻቫ ዝነበራን ምስ ደቂ እቲ ዓዲ ሓዳር ጌረን ነፍሲ ወከፈን ክልተ ቆልዑ ዝወለዳን ክልተ ኣዴታት ወ/ሮ ለምለም ሓጎስን ወ/ሮ ሰናይት ተወልደ መድህንን ይበሃላ።  
እዘን ክልተ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ ፖላንድ ዝመጻ ኣዴታት ብዘይ'ቲ ናብረኣን ንምምራሕ ዝሰርሕኦ ስርሓት ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ይነጥፋ። ናብ ፖላንድ ዝኣቱ ስደተኛ ሽመን ዘይፈልጦ የለን።   
ካብዚ ንላዕሊ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ መንጎ ሃገራተን ዝነበረ ምስሕሓባት ከይደረተን  ምሕዝነተን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ጸኒዑ ጸኒሑን ኣሎን።  
ተሞክረአንን ዝገጥመን ዝነበረ ዕንቅፋት ከመይ ከምዝሰገረኦን ኣዘራሪብናየን ኣለና።
ተመክሮ ክልተ ስድራ - ተራ ወለዲ ኣብ ዓወት ደቆም
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኣመሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፣ ኮሌጃትን ዩኒቨርስታትን ዝምረቕሉ እዋን እዩ።
ኣቤል ሃይላይ ከበደ ብዓውዲ መጥባሕቲ ስኒ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ዝተመረቐ ኽከውን ከሎ  ኣቤል መኮነን ተስፋይ ድማ ብዓውዲ ባይሎጂ ካብ ዌይን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ብዓውዲ ባይሎጂ ተመሪቑ ንዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ዓውዲ መጥባሕቲ ስኒ ፈተና ሓሊፉ'ሎ። እዞም ክልተ ስድራቤታት ብዘይ'ቲ ድሕሪ ባይትኦምን ምምስሳል ኣስማት ተመረቕቲን ዘጽንዕዎ ዓውዲ ትምህርቲን ወለዲ ዓወት ደቆም ወሳኒ ተራ ከምዘለዎም ኣቦታት እዞም ተመረቕቲ ይገልጹ።
ዕላል -- ምስ ድምጻውያን ሮቤል ሚካኤልን ሸዊት መዝገቦን
            <description>ዋሽንግተን — ተወላዲት ክልል ትግራይ ሸዊት መዝገቦ ሙዚቃዊ ስርሓታ ናብህዝቢ ንምቕራብ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ንምግባር ከም ዝመጸት ገሊጻ`ላ። ኣብዚ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ሮቤል ሚካኤል ድማ ቅድሚ ሎሚ`ውን ምስ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ስነ-ጥበባውያን ብሓባር ብምድራፍ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ሸዊት ምጽዋቱ`ውን ኣካል ናይቲ ዝኣምነሉ “ሙዚቃ ደረት የብሉን” ዝብል ኣበሃህላ ምዃኑ ተዛሪቡ`ሎ። ሸዊት ብወገና “ኣብቲ ዘቀራርበና ኣተኲርና ንሰላምን ሓባራዊ ቕኒትን እንተዘመርና`ዩ ዘጸብቐልና፡” ትብል።
ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ: ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስ  ማሕበረሰብ ኣብ ምውህሃድን
            <description>ዋሽንግተን — ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስቲ ዘተኣናግዶም ዘሎ ማሕበረሰብን ሃገርን ንኽወሃሃዱ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍን በዚ ንዓመታት ዝገበሮ ኣበርክቶ ኸኣ ናይታ ሃገር ናይ ክብሪ ሽልማት ዝረኸበ ኤርትራዊ ሆላንዳዊ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ንሎሚ ጋሻ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ንዝረኸቦ ኣፍልጦን ካልእ ዝነጥፈሉ ስራሓትን ኣመልኪትና'ውን ኣዕሊልና ኣሎና.፡ ንምክትታል መላግቦ ሰዓቡ። 
"ኣዕቋቢ’ውን ጠዋሪ ኣብ ዝደልየሉ፡ ተሓገዝቲ ደኣ..."
            <description>መቐለ — ድሕሪ ምጅማር ኲናት ክልል ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ’ዮም ተቐርቂሮም። ኩነታት ምስ ሃድአ’ውን እቶም ኣመቶም ክገብሩ ትጽቢት ዝነበሮም ከም ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ጉዳያት ተመለስቲን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ገና ደሃዮም ኣይገበረን። መጭወይቲ’ውን ብሰፊሑ ኣብ ዝሰፈነሉ፡ እቲ ምምጻእ ግን ገና ኣየቋረጸን ይብሉ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም፡ ብማሕበር ተጠርኒፎም ዘለዉ ወገናት። እታ ክግበሩዋ ዝኽእሉ ብማሕበር ተጠርኒፎም፡ ንሓድሕዶም ክደጋገፉን ሽግራቶም ዓው ኢሎም ከቃልሑን ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።
“ቋንቋ ናይ ህዝቢ ስለ ዝዀነ፡ ንምምዕባሉ ናይ ኵሉ ሓላፍነት’ዩ፡” ፕሮ. ግርማይ ነጋሽ
            <description>ዋሽንግተን ዲሲ — ብተበግሶ ዝወሰዱ ግዱሳትን ምትሕብባር ዩኒቨርስቲ ሳንታ ክላራ ናይ ካሊፎርኒያን፡ ብቐዳም 9 መጋቢት ኣብ ቋንቋ፡ ስነ-ጽሑፍን ባህሊን ትግርኛን ዘተኰረ ስይምፖዝዩም ተቓኒዑ ነይሩ። እዚ ብኣካልን ብመንገዲ ማንዛን ኣቕረብቲን ተሳተፍቲን ዘእንገደ ርክብ፡ ቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ሃብቲ ብምምልካት፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂን መራኸቢታት ሓበሬታን ንቕድሚት ዝጓዓዘሉ መንገድታት ንምንዳይ’ውን ዝዓለመ ምዃኑ ኣካየድቱ ይገልጹ።
ድሕሪ’ቲ ስይምፕዮዝዩም እምበኣር ንኣተሓባበሪን ናይቲ መዓልቲ ደምዳሚ ቃል ምስ ዝሃበን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ሓጺር ዝርርብ ኣካዪድና ኣሎና። ንተበግሶታት፡ ንኸምዚ ዝመስል ንኽልተ ህዝቢ ዝሓቍፍ ጉዳይ ሓላፍነት ወሲዱ ዘወሃሃድ፡ ቋንቋ ትግርኛ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዝጽበዮ ድርብ ረብሓን ብድሆታትን ንዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣልዒልና ኣሎና።
ኤርትራውያን ነበርቲ ካምፓላ ብዛዕባ ኣባል ፓርላማ ኡጋንዳ ዝበሎ ምኽሮም የካፍሉ
            <description>ዋሽንግተን — ኣለን ስዋንያና ዝተባህለ ኣባል ፓርላማ ኡጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ብዛዕባ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ንኩነታት ናብራ የኽብርዎ ከም ዘለዉ ስኽፍትኡ ገሊጹ ኔሩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣነጻጺርካ ዝበዝሑ`ኳ እንተዘይኮኑ፡ ምስ ዘለዎም ባህልን ባህርያትን ግን ኣብ ዓይኒ`ቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝብሃሉ ኡጋንዳውያን ክኣትዉ ከም ዝኸኣሉ፡ ክልተ ኣብ ትምህርታዊ ምኽርታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካምፓላ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ቅሳነት ቴድሮስ ፡መስራቲት ቻነል ሕጻናት `በለስ ቡቡ` ክትከውን ከላ፡ ኣክሊሉ ሃብተሚካኤል ድማ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክት ዝነጥፍ`ዩ።
ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምምሃር ማሺን (AI)
            <description>ዋሽንግተን — ንኣርተፊሻላዊ ኢንተለጀንስ /AI/ ኣስተብህሎት ማሽን፣  ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓል ወይ ድማ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ብዝብል ይጽዋዕ። ብዛዕባ ኣርተፊሻላዊ ብልሒን ቋንቋ ትግርኛን ክልተ ናይ ቴክኖሎጂ ክኢላታት ዓዲምና ኣለና።  
ገብረክርስቶስ ገብረስላሰ ካብ ኣምስተርም ኔዘርላንድስ ኮይኑ  ኣብ ዓውዲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ(AI)  ብዝበለጸ ድማ ኣብ ምስትምሃር ማሺን ኣብ ምስራሕ ይርከብ። አዳላዊ ‘ትግሃት’ ን ‘መርምሩ’ ን ዝተባህላ መርበብ ሓበሬታት'ውን እዩ።
ክፍላይ ተወልደብርሃን ካብ ለንደን ዓዲ ኢንግሊዝ መሃንድስ ሶፍትዌር'ዩ። ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ትግርኛ ብብዙሕ ይነጥፍ።  ምስ ንጾቱ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉጉል ምእታው ዝሰርሐ እዩ።  ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ንምጥቃም ዘሎ ድሩትነት፣ ገስጋስን ብድሆታትን ምስ መፍትሒታቶም ሓሳባቶም ኣካፊሎም...</description>
ነበርቲ ዶባት፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዘይውዳእ ትጽቢት
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዶብ ኤርትራን ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባብታት ዝርከብ ህዝቢ ሎሚ'ውን ዕጭኡ ኣይተፈልጠን። ካብ መንጎ’ቶም ኣብዚ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሃስዩ’ውን ተወላዶ ኢሮብ ምዃኖም’ዮም። ካብ መዋስብቲን ተሓባበርቲን ናብ ክልቲኡ ወገናት ተጠማመትቲ ማዕዶ ዝዀኑ ህዝብታት፡ ፍልልያቶም ከመይ ክጸብብ ይኽእል? ኣብዚ ጉዳይ ሓሳባቶም ከካፍሉ፡ ንኣቶ ሑሴን ሉባክን ኣቶ ዶሪ ኣስገዶምን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ንስለ ሓድነት ህዝብታት
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ  ዘሎ ዝምድናን ርክብን ንምሕያል ዝሰርሓ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ተበግሶታትን ምህላወን ይፍለጥ። እዚ  ተበግሶታት  ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ  ክልተ/ሰለስተ ዓመታት ሓይሉ ይርኣ። ኣብዚ ተበግሶ ካብ ዝንቀሳቀሱ ክልተ ኣጋይሽ ካብ ማሕበር ትንሳኤ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቀንዱ ድማ ክልል ትግራይ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ካብ ኔዘርላንድስ ኢንጂነር ያዕቆብ ገብረትንሳኤ ካብ እንግሊዝ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ምሕዝነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክሳብ ኤርትራ
            <description>ዋሽንግተን — 
“ምሕዝነት ህዝብታት ኢትዮጵያ” ዝተስምየ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ውሽጢ ብሄራት ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ስእነት ርድኢትን ምብህሃልን ንምትዕራቕ ዓሊሙ ዝተመስረተ’ዩ። እዚ ከም ኣገላልጻ ኣባላቱ ንመብዛሕትኦም ብሄራት ኢትዮጵያ ዝሓቘፈ ምትእኽኻብ፡ ኪንዮ ዶባት ሰጊሩ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ክጽንብር ይፍትን ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህቡና እምበኣር ካብቲ ማሕበር ንኣቶ ሙሉ ሰንደቕን ካብ ፈልሲ ሰላም ንዶክተር ጽጋቡ ኣስመላሽን ኣጋይሽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርናዮም ኣሎና
ስነ-ጥበብ ንስለ ፍቕሪን ሕውነትን
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ኣብቲ ኲናት ዘይፍለዮ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓያሎ ስነ-ጥበኛታት ኣብ ጎድኒ’ቶም ንዂናት ዝመርሑ ኣካላት ኰይኖም ጎስጓሳት ክካይዱ ኣዝዩ ዝውቱር ተርእዮ’ዩ። ነዚ ተራእዮ ዝዅንኑ ስነ-ጥበበኛታት ግን እቲ ሞያ ብቐንዱ ንፍቕሪን ሕውነትን ዘቕድም እምበር መሳርሒ ፖለቲካ ኣይኰነን ይብሉ። ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ሞያ ጥበብ ዝነጠፉ ኣርቲስት ኪሮስ ሃይለስላሰን ድምጻዊ ርእሶም ገብረጊዮርግስን ብዛዕባ'ዚ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ዕላል ምስ ኣተሓባበርቲ ፈስቲቫል ጀርመን
            <description>"ንፈለማ ጊዜ ዝተዳለወ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊያንን ተጋሩን እዩ፡" ይብሉዎ ወደብቲ እቲ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ዝተሰላሰለ ፌስቲቫል። እቲ ናይ ሎም ዘበን ፈስቲቫል ንዓመታ አብ መቐለ ንምክያድ ከምዝሰርሑ'ውን እቶም ኣተሓባበርቲ ይገልጹ። ንኣተሓባበርቲ'ቲ ፈስቲቫል ካብ መንጎ ዝኾኑ ዶ/ር ፍስሃ አለማየሁን ኢንጂነር መስፍን ኣሕፈሮምን ኣዘራሪብናዮም ኣሎና።  </description>
ስነ-ጥበብ ንሰላም፡ ስግር-ዶባት
            <description>ዋሽንግተን — ድምጻዊ ሮቤል ሚካኤልን ገጣሚ ውቅያኖስ ጕዕሽን ኣብ ሞያ ስነ-ጥበብ ዝተሓባበሩ መላፍንቲ’ዮም። እቲ ዝምድና ግን ኣብ ስነ-ጥበብ ጥራይ ኣይተሓጽረን። ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ሮቤል ዝርከቦም ካልኦት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ንስድራቤት ውቅያኖስ ክሕግዙን ደሃይ ክገብሩን ከይተሓለሉ ይሰርሑ ነይሮም። ኣብ እዋኑ ዝነበረ ምትሕብባሮምን ሓድሕዳዊ ርክቦምን ኣመልኪትና እምበኣር ካብ መቐለን ኣመሪካን ኣዘራሪብናዮም ኣሎና።
ዘተ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ትግርኛ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ትግርኛ ዝርኣዩ ፀገማት፣ ኣብ ምፍጣር ንኹሉ ዘረዳድእ ምእኹል ናይ ፅሑፍ ኣጠቓቕማን ተዛመድቲ ነጥብታትን ብዝምልከት ምስ ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ምርምራት ቋንቋ ዝነጥፍ ኣቶ ኣርኣያ ካሳን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ሳልሳይ ክፋል'ቲ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ዘተ፤ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሩስያን ቻይናን
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ቻይናን ሩስያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዱ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ምልውዋጥ ሓይሊ ምዕራብን ምብራቕን ኣመልኪቶም ገምጋሞም ክህቡና ንዶ/ር ሄርሞን ብርሃነ ዑቕባሚካኤልን ኣቶ መርስኤ ኪዳንን ኣዘራሪብና ኣለና።
ዶክተር ሄርሞን መምህር ስነ-ጋዜጠኝነት ክኸውን እንከሎ፡ ኣቶ መርስኤ ድማ ክኢላ ምሕደራን ናይ ቀረባ ተኸታታሊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን’ዩ።