Editor's pick - ድምጺ ኣመሪካ
        <description>Editor's pick</description>
Editor's pick - ድምጺ ኣመሪካ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ይነጽግ
            <description>ዋሽንግተን — መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሁማን ራይትስ ዋች ዘውጽኦ ሪፖርት ምሉእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዓሌታዊ ግጭት ዝትኹትኹን`ዩ ክብል ምላሽ ሂብሉ።
ሁማን ራይትስ ዋች ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፥ “ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወፍሪ ምጽራይ ዓሌት ቀጺሎም ኣለዉ” ኢሉ ኔሩ`ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ብወገኑ፡እቲ ክሲ ኣብ ኩሎም በቲ ግጭት ዝተተንከፉ ከባብታት ምሉእ መርመራ ዘይተገብረሉን ኣብ ጭብጢ ዘይተመርኮሰን`ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ።
እቲ መግለጺ "እቲ ዝንቡዕን ግጉይን ኣገላልጻ ሁማን ራይትስ ዋች ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዘነኣእስን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ጻዕርታት ሰላምን ዕርቅን ዝዕንቅፍን`ዩ” ይብል።
እቲ መግለጺ ብምቕጻል፡ ኢትዮጵያ ከም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝበሉ ናጻ ትካላት...</description>
ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ አካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተልዓለ ውግእ ደው ክብል ይፅውዑ 
            <description>ዋሽንግተን — ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተልዓለ ውግእ ደው ክብል ይፅውዑ ኣለው።  ውግእ ዳግም ምጅማሩ ከምዘሻቐሎም ዝገለጹ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ቶኽሲ ደው ከብሉ ፀዊዖም።ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተመሳሳሊ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ከም ብሓዱሽ ዝጀመሮ መጥቓዕቲ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።
ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፈሪሱ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ትማሊ 18 ነሓሰ ዳግማይ ዝጀመረ ውግእ ኣተሓሳሲቡና ዝበሉ ዓለምለኸ ኣካላት ፃውዒት ሰላም ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "መንግስቲ ኢትዮጵያን...</description>
ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዓሪፉ
            <description>ኣቶ ኣላሚን፥ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ በይናዊ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብ ናይ ስልጣን ፕሮቶኮል ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ</description>
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ትካላት ህግደፍን ማዕቀብ ኣንቢራ
            <description>ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ክፍሊ ገንዘብ (ትረጀሪ)ን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ  ሎሚ 12 ሕዳር 2021 ማዕቀብ ኣንቢሩ። ኣብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ማዕቀብ ኣካል’ቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን 17 መስከረም ዝተፈረመ ፕረዚደትናዊ ትእዛዝ’ዩ።
መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትሕስብ ተደጋጋሚ ደኣ ትተሓበር እምበር፡ ገና ከይሰሓበት ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዘለዎም’ሞ ኣቐዲሞም ኣብቲ ዝርዝር ማዕቀብ ዝኣተዉ ሰበ-ስልጣን ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ግን ነቲ ዅነታት እንተመሓየሹን ብሰላማዊ መገዲ እንተ ፈትሑን ብምባል ተወሳኺ ግዜ ክህቦም ከም ዝወሰነ የመልክት።
በዚ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ማዕቀብ...</description>
ባይደንን ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ
            <description>ናይ ዩኤስ ፕረሲደንት ጆ ባይደንን ናይ ቻይና መራሒ ዢ ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ርክብ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ`ዘን ኑክሌር ዝዓጠቓ ክልተ ሃገራት ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን`ዩ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዋስ ካሪን ያን ፒየር፡ ቅድሚ ምውዳእ `ዚ ዓመት ብማንዛ ንክራኸቡ ብመርህ- ደረጃ ምስምሞዖም ብሰኑይ ንሪፖርተራት ሓቢራ ኔራ`ያ። ዕላማ`ቲ ዋዕላ ድማ፡ ብጠንቂ ምስሕሓብ ጉዳይ ንግድን ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ናብ ግጭት ካብ ምእታው ንምክልኻል ምዃኑ ሰበ-ስልጣን ዩኤስ ገሊጾም ኣለዉ።
ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተዛረበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ቻይና ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምድላዋት ምርኻብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐረባ ክዘራረቡ ምጽንሖም ሓቢሩ`ሎ።
ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕረሲደንት FW de Klerk ኣብ መበል 85 ዕድሚኡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ናይ ኬፕ ታውን ገዝኡ ዓሪፉ
ደክለርክ ኣብ 1990 ንዓለም ኣገሪሙ- ነቲ ልዕሊ 40 ዓመት ዘቑጸረ ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘብቅዕ ጌሩ። ሃንደበት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኤይ ኤን ሲ፡ ሕጋውነት ኣልቢሱ፡ መራሒኡ ነልሰን ማንዴላ ድሕሪ ናይ 27 ዓመት ማእሰርቲ  ክፍታሕ ኣዊጁ።
ድሕሪ 9ተ መዓልታት ድማ ማንደላ ብናጻ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ፡ ድሕሪ 4ተ ዓመታት ድማ ኣብቲ ኩሉ
ዓሌትዝሓቖፈ ምርጫ ቀዳማይ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ። 
ደክለርክን ማንደላን ኣብ 1993 ሽልማት ኖቤል ተሸሊሞም`ዮም- ብዘርኣይዎ ምትሕብባር።
ብሊንከን ኲናት ኢትዮጵያ “ብልዝብ ክፍታሕ” ምዃኑ ይኣምን
            <description>በበይኖም ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሰራዊት ፈደራል ዓቢ ዓወት የመዝግቡ ከም ዘለዉ ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ዘተ ጥራይ’ዩ ክብል ትማሊ ረቡዕ ተዛሪቡ። 
ከም ጸብጻብ ዜና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ “ኩላቶም ወገናት ሓደጋ ምቕጻል ኲናት ዝተገንዘቡ ይመስሉ፡” ክብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ። 
ብሊንከን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሎሰገን ኦባሳንጆን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ ከምኡ ዝበለ።
ወሲኹ ብሊንከን፡ ኦባሳንጆ ኣብ ዘተ ዝገበሮ ዘሎ ፈተናታት ተስፋ ከም ዘለዎን ኣመሪካ ምሉእ ድጋፍ ከም እትህቦን ይጠቅስ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ንፍታሕ መስኮት ዝኸፍትን ንምቍራጽ ተጻብኦታት...</description>
ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም 
            <description>ንናይ ሓደ ማዕልቲ ወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ምድናቖም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣፍሊጦም። 
 ሓላፊት ፕረስ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ቢል ለኔ ስዩም ንጋዜጠኛታት ከምዝተዛረብኦ እቶም ፕሬዝዳንት ንሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ካልኣይ ምምላእ ግድብ ህዳሴን ብዓወት ምዝዛሙ ኣድኒቖም ኢለን። 
 ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ውሽጣዊ ፈተና ጣልቃ ምእታው ከምዘይብሎም እቶም ፕሬዝዳንት ምዝራቦም ቢል ለኔ ስዩም ገሊፀን ኣለዋ። 
ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሎማዕንቲ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ምስ ዝተቐበሉዎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም ኣለው።ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ከምዝበልኦ ክልቲኦም መራሕቲ...</description>
በብመድረኹ፤ ንልዕሊ 45 ዓመታት ዝኸደ ዝምድና ዳን ኮነልን ኤርትራን
            <description>“ካብ 2002 ኣትሒዘ ንኤርትራ ክኣቱ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ስደተኛታት ንኤርትራ ዘራኽቡኒ እንኮ መስኮት’ዮም"</description>
‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ንክብል’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ
            <description>‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ይበል’ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ንከፍልጥ’ ኣምነስቲ ጸዊዑ ኣሎ።  
ሓይልታት ትግራይ ንመቀለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ፖሊስ፣ ን ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ ኣዲሳበባ ብሃውሪ ኣሲርዎም ኣሎ። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ግብሪ ፖሊስ ‘ዘርኣዊ መበገሲ ዘለዎ፣ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕጊን፣ ፖሊስ ናብ መዳጎኒ ስፍራ ቅድሚ ነቶም ተጋሩ ምእታው ከመይ ገይሩ ንመለለዪ መንነት ከምዝፍትሽ’ ተዛሪቦም እዮም። 
‘ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲሳበባ ብተዛረብቲ ትግርኛ ቅጽጽ ኢሉ ከምዘሎ፣ ፖሊስ ንተጋሩ ብጅምላ ይኣስሮም ኣሎ’ ይብል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዲፕሮሲ...</description>
ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝሃብዎ መግለጺታት 
            <description>መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ሕጽረት መግቢ ንከየጋጥም ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቀ ከምዝፈጸመን ሎሚ’ውን እንተኾነ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈርያት ከሚል ‘ሎሚ’ውን ናብ ትግራይ ብነፈርቲን ብጽርግያን ሓገዝ ንክልእኹ ዝደልዩ ኣካላት፣ እቶም መስመራት ክፉት ከምዝኾኑ ግን ከይተፈተሹ ከምዘይሓልፉ ገሊጸን’ ይብል ወኪልና ኣዲስ ቸኮል።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ብሓደ ገጽ ረድኤት ንክባጻሕ ተኹሲ ደው ኣቢልና፣ ሰራዊትና ካብ ትግራይ ኣውጺእና እናበሉ፣ ካብን ናብን ትግራይ ይግበር ንዝነበረ ናይ ኣየርን ምድርን ትራንስፖርት ብምዕጻው ሓገዝ ይኹን ካልኦት ኣገልግሎታት ኣቋሪጾም’ ኢሎም።
ካብ ኣዲሳበባን ኣስመራን ብቀጥታ ዝተዋሃቡ ግብረ መልሲታት ዛጊድ...</description>
US ንዘንበረቶ እገዳ ግብረ መልሲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን 
            <description>ዩናይትድ ስቴትስ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩን ዘልውን ሰባትን ስድራኦምን፣ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ዘእቱ ቪዛ ንከይረኽቡ ከምዝወሰነት ምግላጽና ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንተንይ ብለንክን ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎን እዚ ጸገም’ዚ እንተቀጺሉ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል’ ገሊጾም።   
መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ‘እቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ጕጅለታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ዋላ’ውን እንተተገብረ፣ ውግእ ደው ከብሉ ወይ ፖለቲካዊ ቕልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣይካኣሉን፣ መንግስቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከማልእን፣ ንሰራዊቱ ናብቲ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ...</description>
ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ 'ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ንክብልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹን' ዝጽውዕ ውሳነ ኣሕሊፉ
            <description>ውሳነ ቁጽሪ 97 (S.Res.97) ዝብል ስም ዝረኸበን ሎሚ ሓሙስ ብሴነት ኣሜሪካ ዝጸደቐን ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዓንዲታት ዝሓዘ እዩ።
‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታትን ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ፣ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክተሓላለፍ፣ ጭቡጥ መርተዖ ዝቀረበሎምን ተፈጺሞም ዝባሃሉን ግፍዒታት ነጻ ኣካል ንከጻርዮም ምትሕብባር’ ዝብሉ እዮም።
ውሳነ ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ውጥረት፣ ናብ ውግእ ምዕራጉን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንዝወረዱ ግፍዒታትን መግሃስቲን ኮኒኑ።
ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ንሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንክተውጽእ ይጽውዕ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምቁራጽ...</description>
‘ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ንከቅርብዎም’ US ጸዊዓ
            <description>ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ቀዳም ንኩነተ ቀረብን ይራኣይ ኣሎ ዝበሎ ዓንቀፍቀፍን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።
ብመሰረት’ቲ መግለጺ ‘ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት’ዚ፣ ን5.2 ሚልዮን ተጸባዪ ረድኤት ዝኾነ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ’ ይብል።
‘ዩናይትድ ስቴትስ ኣመሪካ’ ይብል እቲ መግለጺ ‘መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘዋፈርዎም ሓይልታት፣ ይፍጽምዎ ኣለው ዝበሎ ‘ተነቃፋይ ተግባር’ ንኸቋርጽዎ ኣድላዪ ስጕምትታት ንክወስዱ ብዘየማትእ መገዲ ጻውዒት ተቅርብ ኣላ። ብተወሳኺ፣ ኩሎም ሓይልታት፣ ኣብ...</description>
'ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ' ዝዳህሰሰ ፍሉይ መደብ 
            <description>'ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ' ዝብል ኮይኑ ኣሎ ቀዳምን ሰንበትን ነቅርቦ መደብ ኣጋይሽናን ናታትኩም ሕቶን መልሲን። 
ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ኢትዮጵያዊያን ተደጋጋሚ መደባት ከምዘቅረብና ዝዝከር እዩ። ካብ ኤርትራዊያን ክንሰምዕ ኢና። 
ኣብ'ዚ መደብ'ዚ ዝሳተፉ ክልቲኦም ኤርትራዊያን ኣጋይሽ፣ ንኩነታት እቲ ዞባ ዝከታተሉን ዝትንትኑን፣ ተሓላቂ መሰላትዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ካብ ጄኔቫን አቶ ኪሮስ ሰሎሞን ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ቴክሳስን ኮይኖም ኣለው። 
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ 'ንስቅትኡ' ሰቢሩዎ
            <description>ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሻድሻይ ወርሒ አብ ዝሓዘሉ እዋን፣ ንስቅታኡ ዝሰበረ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክቀርብን ነገራት ናብ ንቡር ንክምለስን’ ጸዊዑ ኣሎ።  
ኣብ ትግራይ፣ ብውልቀን ብዕስለን ብፍላይ ብዩኒፎርም ዝለበሱ ኣባላት ሰራዊት ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ዝጠቅሱ ዝርብሽን ኣሰምባዲን ሪፖርታት ይወጹ ኣለው። ሓንቲ ላዕለወይቲ ባዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዚ ሰሙን ክዛረባ ከለዋ ‘ስፍሓትን ዕምቆትን እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንምንጻር ኣዋርሕ ክወስደልና ይኽእል’ዩ’ ከምዝበላ ዝዝከር እዩ።  
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂኦርጅታውን ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዋዓለ መድረኽ ልእኽቲ ኣየርላንድ ዝኾና ጀራልዳይን ባይርን ኔሰን ‘ቤት ምኽሪ...</description>