ዓለም - ድምጺ ኣመሪካ
ዓለም - ድምጺ ኣመሪካ
        <ttl>60</ttl>        
ፕረ.ፑትን ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ደጊፉዎ
            <description>ዋሽግንተን — ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ንኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ደጊፍዎ።  እንተኾነ ዝርዝራት ክስርሓሉ ከም ዘለዎን ዝኾነ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ናብ ነባሪ ሰላም ዘምርሕ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣስሚርሉ`ሎ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ ስምምዕ ን30 መዓልታት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ`ዩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ርእይቶ ፑትን ኣዝዩ መደናገሪ`ዩ፡ ነቲ ውዕል ንምንጻጉ ባይታ ዘንጽፍ እዩ ክብል መሊሱ።
ዘለስንኪ“ፑትን ነቲ ኲናት ክቕጽሎ`የ ከይብል ንትራምፕ ስለዝፈርሕ`ዩ” ኢሉ። ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሩስያ ነቲ እማመ እንተዘይተቐቢላቶ ኣዝዩ ዘጉሂ ክኸውን`ዩ ኢሉ ኔሩ።
ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ንምቕራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ተራኺቦም...</description>
ሶርያ ንዝተፈጸሙ ቅትለትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን  ፍትሒ ትደሊ  
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወሰና ወሰን ማያት ሶሪያ ብጅምላ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም። ነበርቲ ሰፊሕ ፃውዒት እንተቐሪቡ ናይታ ሃገር ሓድሽ መንግስቲ ፍትሒ ከረጋግፅ ዕድል ክህቦ ይኽእል እዩ ይብሉ። ተንተንቲ ብወገኖም ናይታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝቐፀለ ዘይምርግጋእ የጋድዶ ኣሎ ይብሉ።
ባስማን ማህና ዓርቢ ንጉሆ ዕጡቓት ንመንበሪ ገዝኡ ክወርዎ ከለው ምስ ክልተ ደቁ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ከም ዝነበረን ንገዝኡ ገዲፉ ከምዘይወፅእ ምስሓበሮም ናብ ገዛ ኣትዮም ንወዲ ሓትንኡን ንክልተ ካልኦት ኣባላት ስድርኡን ከም ዝቐተሉዎም ይገልፅ። "ገዛና ብምውራር ከም ዝስይፉና ኣፈራሪሆምና። ገንዘብ: መካይን ኩሉ ነገር ዘሪፎምና’’ ይብል።
ዝሓለፈ ሰሙንን ቀዳመ ሰንበትን ኣብ ወሰና ወሰን ማያት ሶሪያ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም። ገለ ብዝሒ ዝተቐተሉ 1,400 ሰባት...</description>
            <category>ዓለም</category><enclosure url="https://gdb.voanews.com/15732d68-d320-4048-07fa-08dd5c8b1668_tv_w800_h450.jpg" length="0" type="image/jpeg"/>
ሩስያ ኣብ ግዝኣታት ዩክሬን ደብዳብ ምክያዳ ተገሊጹ
            <description>ዋሽንግተን — ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ዩክሬን ክርሶን ብዘካየድዎ ደብዳባት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ሰበ-ስልጣን ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም።
ኣመሓዳሪ ክርሶን ኦለክሳንደር ፕሮኩዲን ከባቢኦም ብድሮናትን ተወንጨፍቲን ሩስያ ከምዝተሃርመን ሓደ ካልእ ሰብ ከኣ ምቁሳሉን ብቴለግራም ገሊፆም።ኣመሓዳሪ ዲፕሮፐትሮቪሲክ ሸርሂይ ልይሳክ ብወገኖም ኣብ ከተማ ዲንፖር ብመጥቃዕቲ ሩስያ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ሆስፒታል ምእታዎም ኣፍሊጦም። ሓያለ ህንፃታት በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝወረዱም ወሲኾም ገሊፆም።
ሰራዊት ዩክሬን ብወገኑ ካብተን 117-ዝተዋፈራ ድሮናት ሩስያ ነተን 71-ሃሪሙ ከምዘውደቐ ገሊጹ'ሎ።
ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ 77-ድሮናት ዩክሬንን መብዛሕትኤን ኣብ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ወቂዑ ከምዘውደቐ ገሊፁ’ሎ።
            <category>ዓለም</category><enclosure url="https://gdb.voanews.com/41fc5ebd-04cb-4550-9fec-84b9b1a20a10_w800_h450.jpg" length="0" type="image/jpeg"/>
ልኡኽ ኣመሪካ ሞስኮ ክኣቱ’ዩ
            <description>ዋሽንግተን — ልኡኻት ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ን30 መዓልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ኲናት ዩክሬን ክዝትዩ ምዃኖም ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።
ብወገን ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮቭ ንሞስኮ ክጓዓዝ ምዃኑ ዋይት-ሃውስ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት “ኣብዚ ሰዓት’ዚ ልኡኻት ንሩስያ ይጓዓዙ ኣለዉ። ኣብ ሓጺር እዋን ምቍራጽ ተጻብኦታት ክብጻሕ ድማ ንትስፎ፡” ኢሉ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝተኻየደ ዘተ ኣመሪካን ሩስያን ካብ መንጎ ሩስያውያን ተዛተይቲ ዝነበረን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፑቲንን ዩሪ ኡሻኮ፡ “እቲ ግዜያዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዩክሬን ሓይላ ክትኣኻኽብ ትንፋስ ዝህብ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። እቲ ሩስያዊ ኣማኻሪ መርገጺ ሃገሩ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ማይክ ዎልዝ ከም ዝገለጸሉ’ውን ሓቢሩ...</description>
ሰራዊት ፓኪስታን ጅሆ ንዝተታሕዙ 200 ተጓዓዝቲ ምድሓኑ ገሊጹ
            <description>ዋሽንግተን — ሓይልታት ጸጥታ ፓኪስታን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘካየዶ ወታሃደራዊ ስርሒት ካብ ዝተጨውየት ባቡር ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 190 ሰባት ምድሓኖምን ካብ ጨወይቲ ድማ 30 ምቕታሎምን ኣፍሊጡ።
እታ ኣስታት 450 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ባቡር ትማሊ ሰሉስ ብዘጋጠማ መጥቃዕቲ ነታጒን ተዅሲን ደው ንምባል ምግዳዳ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብቲ ስርሒት ፈለማ ካብ ዝቖጸሉ መራሒ’ታ ባቡር በቶም ኣጥቃዕቲ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት 37 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ሰራዊት ናጽነት ባሎች ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ኣባላት ስለያን ጸጥታን’ዮም ዝበሎም 200 ሰባት ጅሆ ምሓዙን’ውን ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ብምሕታት እዚ ምስ ዘይከውን ግን ጅሆ ተታሒዞም ንዘለዉ...</description>
ብዓለማዊ መጋብኣያ ገበን ክደለ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፊሊፕነስ ነበር ተቐዪዱ፡ ንዘ-ሄግ ኣምሪሑ
            <description>ኣብ ዘ-ሄግ ብዝርከብ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን (ICC) ብ”ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት” ክድለ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፊሊፕነስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ማኒላ ፊሊፒነስ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ተቐዪዱ።
ዱተርተ ድሒሩ ብነፋሪት ተሰቒሉ ንማእሰርቲ ንዘ-ሄግ ኣምሪሑ ኣሎ።
ንፊሊፕነስ ካብ 2016 ክሳብ 2022 ዝመርሐ ዱተርተ ኣብታ ሃገር ብዘካይዶ ዝነበረ ወፍሪ ኣንጻር ሓሽሽ ብኣልማማን ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲን ካብ 12--ሽሕ ክሳብ 30-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ምቕታሉ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን ይኸሰስ። ብሓያሎ ተጣበቕቲ ትካላት ኣቐዲሙ ከንቲባ ከተማ ማኒላ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ነቕፌታ ዝወርዶ ዝነበረ ዱተርተ፡ በቲ ንሱ ዘምጽኦ ቅልጡፍ ፍታሕ ግን ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ዓቢ ተቐባልነት’ዩ ነይሩዎ።
ምኽትል ፕረዚደንት ፊሊፒነስ ጓሉ...</description>
ክልተ መራኽብ ኣብ ባሕሪ እንግሊዝ ተጋጭየን፡ ቃጸሎ ገና ኣይዕረፈን
            <description>ዋሽንግተን — ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ኣመሪካ ምስ ካልእ ሳይናይድ ዝጸዓነት ዋንነታ መስመር ባሕሪ ፖርቱጋል ዝዀነት መርከብ ጽዕነት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ እንግሊዝ ተጋጭየን፡ ገና ድሕሪ 24 ሰዓታት’ውን እቲ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ኣይዓረፈን።
ስቴና ኢማኩለይት (Stena Immaculate) ዝተሰምየት መርከብ ነዳዲ ኣመሪካ ልዕሊ 220-ሽሕ በርሚል ነዳዲ ጽዒና ምንባራ ተፈሊጡ ኣሎ።
እታ “ሰሎጎ” ዝተሰምየት መርከብ ጽዕነት ፖርቱጋል ድማ 15 ኮንተይነር ሰዲዩም ሳይናይድ ጽዒና ነይራ።
ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብ ክልተ መራኽብ ዝነበሩ 36 ኣባላት ድሒኖም ኣለዉ። እንተዀነ ገና ደሃዮም ዘይተረኽበ ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ’ውን ኣለዉ።
ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓበይቲ መራኸብን ነፈርቲን ተዋፊረን ኣለዋ።
እተን መራኽብ ድሕሪ ምግጫወን ንምፍላየን እኳ እንተ ተኽኣለ፡ ተፈልየን...</description>
መጻኢ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ንሓያሎ ግንባራት ይዳሎ
            <description>ዋሽንግተን — ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ፡ ማርክ ካርኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምዃን ብዓብላሊ ድምጺ ብሰንበት ተመሪጹ። ብውሽጣዊ ቍጠባዊ ማሕልኾታትን ከምኡ’ውን ካብ ቀንዲ ንግዳዊት መሻርኽታ ጎረቤት ሃገር ኣመሪካ ከቢድ ቀረጽ ዝገጥማ ዘሎ ሃገር ክመርሕ ተመሪጹ ዘሎ ካርኒ፡ ንዅሉ ክገጥሞ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካናዳ መበል 51 ክፍለ-ሃገር ኣመሪካ ንምግባራ ዘለዎ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ሰንድዩ ነይሩ። ምስ ኣመሪካ ዘሎ ብድሆ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን መክሲኮን ዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ቀረጽ ክግበር መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ካርኒ ኣብቲ ኣብ ኦታዋ ዝሃቦ ናይ ድሕሪ ምምራጹ ቃል እምበኣር ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ፤
“መንግስቲ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝግበሮ ቀረጽ ንኣመሪካውያን ዓቢ ጽልዋ...</description>
ኣብ 13 መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝተኻየደ ኣድማ በረራታት ይዕንቅፍ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ 13 መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣድማ ንመብዛሕትኡ በረራታት ደው ኣቢሉ።
ፍራንክፈርትን ሙኒክን ዝርከብኦ ኩለን ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሓወሰ ኣድማ ምስራዝ ዝበዝሕ በረራታት ኣስዒቡ ኣሎ። እቲ ን24 ስዓትት ዝጸንሐ ኣድማ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ እዩ ጀሚሩ።
ማሕበር መዕረፎ ነፈርቲ ጀርመን ልዕሊ 3,500 ዝግመቱ በረራታት ከም ዝተስረዙን ኣስታት 560,000 ተጎዓዝቲ በቲ ኣድማ ምጽላዎምን ገሊፁ ኣሎ።
ብዝደገሰ ግጭት ሶርያ ብውሑዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም
            <description>ዋሽንግተን — ደገፍቲ ካብ መዝነቱ ዝተባረረ መራሒ ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል-አሳድ ሓለዋ የካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ዝፈፀምዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ናብ ግጭት ዓሪጉ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ።
ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኣሳድ ብዝተወሰደ ፀረ መጥቃዕቲ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዕግርግር ከም ዝተፈጠረ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝቐፀለ ህውከት ብምኹናን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከተማ ደማስቆ ትማሊ ሰንበት ተቓውሞ ኣኻይዶም።
ሰልፈኛታት ኣብ ግጭት ላታኪያ፡ ታርቱስ፡ ጃብለ ከምኡ እውን ኣብ ገማግም ማያት ዝርከባ ከተማታትን ቍሸታትን ናይ ዝተቐተሉ ስእልታት ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለዉ።
 ርሑቕ የማናይ ፕረዚደንታዊ ተነሓናሒ ሮማኒያ ንእገዳ ከም ዝብድሆ ገሊፁ
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ርሑቕ የማናይ ሰልፊ ሮማኒያ ካሊን ጆርጀስኩ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንከይወዳደር ንዝተሓላለፈ እገዳ ክብድሆ ከምዝኾነ ሎሚ ሰኑይ ገሊፁ። ንሱ ናብቲ ውድድር ከምዝኣትው ብዓርቢ ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ ምትእትታው ሩስያ ንፈላማይ  ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ክስረዝ ጌሩ።
ምርቋሕ ጆርጀስኩ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ወጥሪ ፈጢሩ እዩ። ንከየወዳደር ብዝተኣወጀ ውሳነ ዝተቖጥዑ  ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ዕግርግር ብምልዓል ዶንጎላ ደርቢዮምን ጉሓፍ ኣቓፂሎምን። ቀንዲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ኢላን ማስክ ነቲ ውሳነ "ዕብዳን’’ ክብል ነቒፉዎ።
ቤት ፍርዲ ሩማኒያ 8 ታሕሳስ 2024 ንዝተኻየደ ናይ መፃረዪ ውድድር ቅድሚ ምስራዙ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ምርጫ ጆርጀስኮ ተዓዊቱ ነይሩ።
እዚ ድማ...</description>
ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ገጹ?
            <description>ዋሽንግተን — ሎሚ ዓርቢ ቻይና ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተነብረላ ወሰኽ ቀረጽ ዝግበኦም ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ጠንቂ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት’ዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
ዓመታዊ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ቻይና ብኣዝዩ ጥንቁቕ መንፊት ዝሓልፍ ጸብጻብ’ዩ ዘቕርብ። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ቍጠባ ቻይና ናበይ ገጹ ከም ዝጓዓዝ ኣንፈት ይህብ።
ሎሚ ዓርቢ ግን ካብ ቅድሚኡ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ንዓለማዊ ንግዲ የተዓንቕፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
“ምስላ ቻይናውያን ከም ዝጠቕሶ፡ ሓደ ነገር ምስ ዝፈሽል ፈለማ እቲ ምኽንያት ካብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ። ኣመሪካ ድማ እንታይ ከም ዘጋጠመ ደጊማ ነብሳ ክትፍትሽ ኣለዋ። እቲ ቀንዲ ክንሓቶ...</description>
ዘይተፈንጀረ ነታጒ ፓሪስ ንመጓዓዝያ ባቡር የሰናኽል
            <description>ዋሽንግተን — ካብ ፓሪስ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ከም በዓል ሎንዶንን ብራስለን ኣብ ዘራኽብ መደበር ባቡር፡ ዘይተተኰሰ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምርካቡ፡ ሎሚ ዓርቢ ነቲ ኣዝዩ ጽዑቕ መስመር ኣሰናኺሉዎ ኣሎ።
እቲ ቦምባ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ባቡር ንጽገና እናዀዓቱ እንከለዉ’ዮም ነቲ ኣስታት ፍርቂ ቶን ወይ ድማ ኣስታት 450 ኪሎግራም ዝምዘን ቦምባ ረኺቦሞ። ድሕሪኡ ንዝምልከቶም ኣካላት ብምሕባር እቲ ቦታ ህዝቢ ከይሓልፎ ስለ ዝተኸልከለ’ዩ እቲ ምትእጉጓል መጓዓዝያ ኣስዒቡ ዘሎ።
ኢሮስታር ዝተባህለ ዝዓበየ መስመር ባቡር ብሰንኪ እቲ ርኽበት መደባቱ ከም ዝሰረዘ ምስ ሓበረ፡ ንተጓዓዝቲ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ሸሚሙ ኣሎ።
ጋርዱ ኖርድ ዝብሃል መዕረፊ ባቡር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 700-ሽሕ ተጓዓዝቲ ዝጥቀምሉን ኣብ ኤውሮጳ ድማ ካብቶም ኣዝዮም ጽዑቓት መስመራት...</description>
ነፋሪት ኲናት ደቡብ ኮርያ ብጌጋ ቦምባታት ደርብያ፡ ሲቪላውያን ኣቝሲላ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ልምምድ ዝነበራ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ደቡብ ኮርያ፡ ፖቸን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብራርቲ ብጌጋ ሸሞንተ ቦምባታት ኣብ መንበሪ ከባቢ ድሕሪ ምድርባዮም ብውሑዱ 15 ሲቪላውያን ቆሲሎም። ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ቦታ ካብቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝዳወብ ኣዝዩ ጽዑቕ ሓለዋ ዝርከቦ ድፋዕ ኣስታት 25 ማይላት ዝርሕቕ’ዩ።
ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣብቲ ቦታ ዝግበር ወታሃደራዊ ልምምድ ንመነባብሮኦም ኣዝዩ ከም ዘሰናኸሎ ክገልጹ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ በዚ ዝደሓረ ኣጋጣሚ ድማ ተቓውሞኦም የዛይዱ ኣለዉ።
ሓይሊ ኣየር ደቡብ ኮርያ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ እኹል ምጽራይ ክሳብ ዝግበር ወታሃደራዊ ልምምድ ነፈርቲ ኲናት ደው ንኽብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።
ቁጠባ ቻይናን ብድሆታቱን ዘመዝገቦ ዕብየትን
            <description>ዋሽንግተን — ቻይና፣ ቁጠባኣ ብ5% ንምዕባይ ወጢና ኣላ። ምስ ኣመሪካ ናይ ንግዲ ምስሕሓብ ሓዊሱ ዝላዓለ ቁጠባዊ ብድሆታት ዋላ’ውን እንተጋጠማ ቻይና ዝሓንጸጸቶ መደብ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈለየ ኣይኮነን።          
ከቢድ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እዋን ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ፖለቲካዊ ኣኼባ ዝራኣዩ ምስልታት፣ ምትእምማን ዘንጸባርቁ እዮም። ቀ/ሚ ሊ ኪያን ዓመታዊ ስሉጥ ዝባሃል መጠን ዕብየት ቁጠባ ቻይና 5% ከምዝኾን ጠቂሶም ኣለው።
ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነብሱ ዝከላኸለሉ መንገዲ ይእምም
            <description>ዋሽንግተን — ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸንሖ ዝምድናን ናይ ምክልኻል ውዕላትን ዳግም ክምርምሮ ከምዝኾነ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ እቲ ሕብረት ነብሱ ንምክልኻልን ሓይሉ ንምድንፋዕን ክሳብ ናይ 840 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክስልዕ ሓሳባት ይቐርብ ኣሎ። እቲ 27 ሃገራት ዝሓዘ ሕብረት ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ተራኺቡ፡ ኣባላት ሃገራት ንወታሃደራዊ መዓላ ዝውዕል ባጀት ከሐይላ ክዛተ ምዃኑ ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽን ኡርሱላ ቫን ደርሊን ገሊጻ።
ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ንሓያሎ ዓመታት ምክልኻለን ኣብ ኣመሪካን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ክምርኰስ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝቕጽላ ኣርባዕተ ዓመታት ንዝበዝሕ እቲ ተደልዩ ዘሎ መጠን ከተኣኻኽለኦ ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽን ጸዊዓ።
ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንልዝብ ሩስያን ዩክሬንን ከም ዝድግፎ ይገለጽ።...</description>
ኣውስትሪያ -- ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ጥምረት መንግስቲ ስራሑ ጀሚሩ
            <description>ዋሽንግተን — ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብቅልውላው መሪሕነት ክትሳቐ ዝጸንሐ ኣውስትሪያ፡ ሎሚ ሰኑይ ብቻንስለር ክርሲታን ስቶከር ዝምራሕ ናይ ጥምረት መንግስቲ ስራሑ ጀሚሩ።
ኣብታ ብሽቕለት ኣልቦነትን ዝቕባብን ኣዝያ ተጸልያ ዘላ ኣውስትሪያ፡ ሓድሽ መንግስቲ ንሰለስተ በበይኖም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘጣመረ’ዩ። ጥምረት ዓቃባውያን፡ ማእከላይ ጸጋምውያንን ሊበራላውያንን ሓደ መንግስቲ ክምስርቱ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ’ዩ።
ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ኣብ ዝህባ ኣውስትሪያ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኸደ ስእነት ማእከላይ መንግስቲ፡ “ሰልፊ ናጽነት” ዝተሰምየ ሕሉፍ የማናዊ ፓርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዓብላሊ መናብር ድሕሪ ምሓዙ: እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣዝዩ ተሪር መርገጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ንምውጻእ...</description>
እስራኤል ናብ ቓዛ ንዝኣቱ ሓገዝ ደው ተብል
            <description>ዋሽንግተን — እስራኤል ትማሊ ሰንበት ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ቓዛ ኸይኣትዋ ከም ዝኸልከለት ተፈሊጡ።
ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ትማሊ ሰንበት ኣብ መሕለፊ መስመር ዶብ ናይ ግብፂ ራፋህ ደው ኢለን ተራእየን።
መራሕቲ እተን መካይን መግቢ ዝፅዓና መካይን ዶብ ከይሰግሩ ዝተኸልከልሉ ምኽንያት ከምዘይፈልጡ ሓቢሮም።
ማሕሙድ ሙስጣፋ ከማል ዝተባህለ መራሕ መኪና ኣብ ቦስኒያን ሀርዞጎቪናን ከምኡ እውን ኣብ ሶማልያ መግቢ ከመላልስ ከሎ ተኸልኪሉ ከም ዘይፈልጥ ብምግላፅ ኣብዚ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ከምዘይነጸረሉ ይገልጽ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላትይ "ግልፂ ምጥሓስ ሕጊ ሰብኣውነት እዩ’’ ክብል ነቲ ውሳነ ብምዅናን ካልኣይ ብርኪ ግብራዊ ክኸውን ፀዊዑ።
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ መንግስቶም ብፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ...</description>
ፕረ. ዘለንክሲ ዝምድና ምስ ኣመሪካ ንምዕራይን ስምምዕ ማዕድናት ንምፍራምን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ ሃገሮም ስምምዕ ማዕድናት ምስ ኣመሪካ ንምፍራም ድልውቲ ምዃናን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ርክባት ክዕረ ከም ዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም።
ዘለንስኪ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ለንደን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣመሪካ ስምምዕ ማዕድናት ንምፍራም ቅርብቲ ከም እትኸውን እምነቶም ገሊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝበፅሕሉ ግዜ ነቲ ስምምዕ ክፍርሙ ትፅቢት ገይሮም ነይሮም። ይኹን እምበር ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ምኽትል ፕረዚደንት ጄይዲ ቫንስን ኣብ ዝተረኸብሉ እዋን መሪር ናይ ቃላት ምልውዋጥ ምስ ገበሩ እቲ መሰናድኦ ተዓናቒፉ።
ዩክሬን ሰለስተ ዓመት ንዘቑፀረ ወራር ሩስያ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ሓገዝ ኣመሪካ ከም እትፅበ...</description>
ኣብ መይንማር ዝተኻየደ ስርሒት ምውጻእ ሓራ ኣብ ዘይሕጋዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ዜጋታትን ብድሆታቱን
            <description>ዋሽንግተን — ብሰበ-ስልጣን ታይላንድ፣ ቻይናን መይንማርን ዝምራሕ ስርሒት ኣብ ዶብ ታይላንድን መይንማርን ዝርከብ ናይ ምጭብርባር ማእኸላት ብምፍራስ ኣብኡ ንዝሰርሑ ዝነበሩ ካብ 30 ሃገራት ዝመፁ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ሓራ ኣውጺኦም፡ ነቲ ስርሒት ስዒቡ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዝተጀመረ ስጉምቲ ግን ዓብዪ ብድሆ ከም ዝኾነን ወሃቢ ቃል ሓይሊ ሓላዊ ዶብ መይንማር ካረን ገሊፁ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ተሓባባሪ ወታሃደራዊ ጁንታ መይንማር ዝኾነ ሓይሊ ሓላዊ ዶብ ካረን ብሓፂር ኣፀዋውዓ BGF ልዕሊ 6,000 ሰባት ኣብ መይንማር ምጭብርባር ኣብ ዝካየደሉ ቀንዲ ከባቢ ሽዊ ኮኮ ካብ ዝርከቡ ማእኸላት ምትላል ሓራ ኣውፂኡ። እዚ ቦታ ኣብ ጥቓ ዶባ ታይላንድ እዩ ይርከብ።