ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2020 - ድምጺ ኣመሪካ
ፕረ.ትራምፕ ንዓወት ባይደን ኣፍልጦ ዝሃቡ ይመስሉ: ብወግዒ ግን ኣይኣመኑን
ትራምፕ ብተኸታታሊ ኣብ ዝልእኾ ዘሎ ናይ ትዊተር መልእኽትታት፥ እቲ ምርጫ ዝተደናገረ`ዩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ስምዕታታት ምቕራቡ ቀጺሉ`ሎ። ምስዚ ትራምፕ ዝብሎ ዝሰማምዑ ኣሸሓት ደገፍቱ ድማ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም ኔሮም።
እቲ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ንዓወት ደሞክራት ጆ ባይደን ብወግዒ ምቕባል ኣብዩ`ሎ።
ኩለን ዓበይቲ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ፡ ባይደን ካብቲ ዘድልዮ 270 ናይ ወከልቲ ድምጺ ንላዕሊ ስለዝረኸበ ከም ዝተዓወተን፥ ዝመጽእ ጥሪ 20,2021 ቃለ-ማሕላ ከምዝፍጽምን ይሕብራ`ለዋ። ትራምፕ ግን ብዛዕባ`ቲ ዝተዋህበ ድምጺ ዝተደናገረ ዝብል መረጋገጺ ዘይተረኽቦ ጠቐነ ምቕራቡ ቀጺሉ`ሎ: ትራምፕ ብዛዕባ ባይደን ክዛረብ ከሎ" ስዒሩ ግን እቲ ምርጫ ስለዝተደናገረ`ዩ" ኢሉ ። ንሱ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ ተዓዘብቲ ድምጺ ክርእዩ ኣይተፈቕደሎምን፡ እቲ ምቑጻር ድምጺ ድማ በቶም ጽንፋውያን ጸጋማውያን ብዝውነን ዶሚንዮን ዝብሃል ካምፓኒ`ዩ ተኻይዱ፥ ክብል ነቶም መሓውራት ዜና ናይ ሓሶት  ሚድያ ክብል ዘሊፍዎም።
ትራምፕ ኣተሓሒዙ፥ "ዝቕበለሉ ምኽንያት የብለይን፥ ነዊሕ ጉዕዞ ኣለና፥ እዚ ዝተደናገረ ምርጭ`ዩ" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፥ ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ክኸውን ብጆ ባይደን ዝተሰየመ ሮን ክለይን፥ ንናይ NBC "Meet the Press, ክዛረብ ከሎ፥"ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትዊት ኣይኮነን ንጆ ባይደን ፕረዚደንት ዝገብሮን ዘይገብሮን፥ ህዝቢ ኣመሪካ ጌርዎ`ዩ" ኢሉ።
ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኣብ ዙርያ`ዛ ሃገር ዝርከቡ ሰበስልጣን ምርጫ፡ ኣብ መዓልቲ ምርጫን ምቑጻር ድምጽን ገለ ናእሽቱ ጸገማት እንተዘይኮይኑ፥ ንዓወት ባይደን ዝዓጽፍ ዓቢይ ጸገም ኣይረኸብናን ኢሎም።
ኣብ ብርክት ዝበላ ኣገደስቲ ግዝኣታት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝስማዕ ጉዳያት`ኳ እንተሃለወ፡ ትራምፕ ነቲ ናይ ምቑጻር ምድንጋር ዝብሎ ድሮ ብቤት ፍርዲ ተነጺግዎ`ዩ።
ሽሕ`ኳ ስዕረቱ ክእምን ኣለዎ ዝብል ሕጊ እንተዘይሃለወ ምእባይ ምቕባል ዓወት ባይደን፥ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ፖለቲካ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ`ዩ- ።  ዝተሳዕሩ ፕረዚደንትታት ኣሜሪካ፡ ነቶም ዝሰዓሩ እንቋዕ ኣሓጎሰካ ይብሉ'ዮም።
ትራምፕ ነቲ ስዕረት ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፥ ሰበስልጣናቱን ትካላት መንግስትን፡ ምስቲ ተመራጺ ፕረዚደንት ከይተሓባበራ`ውን ከልኪሉ`ሎ። እዚ ድማ ብዛዕባ መዓልታዊ መብርሂ ፕረዚድነትን ብዛዕባ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝህሉ ስግኣታት ጸጥታን ሓበራታ ስለያን ዘጠቓልል`ዩ።
ንደሞክራቲክ ፓርቲ ክውክል ኣንጻር ባይደን ክሳብ መወዳእታ ዝተወዳደረ ካብ ቨርሞንት ዝተወከለ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ፥ ንድሕሪ ምርጫ ዘሎ ባህርያት ትራምፕ ክገልጽ ከሎ፥"ትራምፕ ንደሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ ምንእኣስ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝኾነ ሰብ ዝተፈለየ መለለዪ ክሕዝ'ዩ" ኢሉ።
ኣነ ክስዓረሉ ዝኽእል እንኮ ምኽንያት እቲ ምርጫ እንተ ተደናጊሩ ጥራሕ'ዩ ዝብል ሓሳቡ ንደገፍቱ ምንጋር ምቕጻሉ፥ ብሓቂ ክብርኻ ዘጉድል ዘይ ኣመሪካዊ ባህሪይ'ዩ ኢሉ ኣስዒቡ ሰነተር ሳንደርስ ብዛዕባ ትራምፕ ከምዚ ኢሉ።
ናይ ትራምፕ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረ ጆን ቦልተን ብወገኑ፥ ሪፓብሊካን ንዓወት ባይደን ኣፍልጦ ክህቡ ጸዊዑ'ሎ። ገለ ሪፓብሊካን ተመራጺ ፕረዚደንት ባይደን ክብሉ ኸለዉ፡ዝበዝሑ ድማ ትም ዝመረጹ ወይ ድማ ነቲ ትራምፕ ዝብሎ ምድንጋር ድምጺ ዝድግፉ ኮይኖም ኣለዉ።
ጆን ቦልተን "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ምርጫ ከምዝተሳዕረን ምድንጋር ኔሩ ዝብሎ ዘሎ ድማ መሰረት ኣልቦ ምዃኑ መራሕቲ ሪፓብሊካን ንወሃብቲ ድምጺ  ክገልጹ ይግባእ" ኢሉ ።
ባይደን ምስ ኣማኸርቱ ክራኸብ ቀኒዩ ምናልባት'ውን ኣባላት ካቢንኡ ኣብ ምሕራይ ኣሎ ዝብል ግምት ኣሎ።
ንሱን ምኽትሉ ካመላ ሃሪስን ሎሚ ብዛዕባ ቁጠባ'ዛ ሃገር ኣኼባታት ኣካይዱ'ሎ።
ብኻልእ ወገን ነዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ምርጫ ተደናጊሩ ዝብሎ ስምዕታ ዝድግፉ ኣሸሓት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሰልፍታት ጌሮም ኔሮም።
ደገፍቲ ባይደን 'ውን ስሩዕ ምስግጋር ስልጣን ብምጽዋዕ ሰልፍታት ኣካይዶም ኔሮም።
ደገፍቲ ትራምፕ ሰልፊ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ብመኪና እናሓለፈ ብኢዱ ጌሩ ናይ ታሕጓስ ምልክት ኣርእይዎም'ዩ።
ሓደ ደጋፊ ትራምፕ “እዛ ሃገር ንድምጽና ብምስማዕ ክትሓዊ ተስፋ ንገብር፡ ቅኑዕ ምርጫን ኩሉ ሕጋዊ ድምጺ ብግቡእ ክቑጸርን ንደሊ " ይብል።
ኣብቲ ንትራምፕ ዝድግፍ ሰልፊ ብምዕራባዊ ትምክሕቲ ዝግለጹ proud boys ማለት ሕቡናት ኣወዳት ተባሂሎም ዝፍለጡ የማናዊ ጸግዒ ዝሓዙ'ውን ኣብቲ ሰልፊ ኔሮም፡ ከምኡ'ውን ደቀንስትዮ ንኣመሪካ ነቐድም፥ሚልዮን ማጋ ሰልፊ፥ ከምኡ'ውን ዲስ ምስራቕ ግደፊ ዝብሉ ውዳበታት ኔሮም ።
ምስ ደገፍቲ ባይደን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ምጽርራፍን ግጭታትን ከምኡ ማእሰርቲ ፖሊስ ኔሩ'ዩ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍደገ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ዝተኻየደ ሰልፊ ብሓፈሽኡ ሰለማዊ'ዩ ኔሩ።
ብኣብያ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተተባብዑ ብዙሓት ደገፍቱ፥እቲ ምርጫ ተደናጊሩ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ዝተዋህበ ድምጺ ዝተቐራረበ ስለዝነበረ ካልኣይ ብኣውቶማቲክ ምቑጻርን ድሓር 'ውን ብኢድ ምቑጻርን ተገይርሉ'ዩ።
Act-2
((Cole Ryan, Trump Supporter
“ሓንቲ ዝተደናገረት ድምጺ እንተሃልያ ንዓይ እኽልቲ'ያ፥ እዚ ናይ ምርምር ፕሮጀክት ኣይኮነን፡ ንስታስቲካዊ ኣገዳስነት ኣይኮንኩን ዝርኢ ዘለኹ፡ ንሓንቲ ዝተደናገረት ድምጺ ዜጋታት'የ ዝርኢ ዘለኹ።
መብዛሕቲኦም ክኢላታት ምርጫ ግን ኣብ ገለ ግዝኣታት ዘሎ ሕጋዊ ብድሆታት ንውጽኢት ምርጫ ዝቕይር ኣይኮነን ይብሉ።
ደጋፊት ትራምፕ ዝኾነት ዶና ከይጅ ድማ  ትራምፕ ክስዕር ተስፋ ንገብር ኣለና እንተዘይስዒሩ ድማ ዓለም ክትቅጽል'ያ ትብል።
Act 3
((Helen Rey Heller, Trump Supporte)
ሀለን ረይ ሀለን ዝተባህለት ካልእ ደጋፊት ትራምፕ ድማ፥
ፕረሲደንት ትራምፕ እንተ ተቐቢልዎ፡ ንሕና'ውን ክንቕበሎ ኢና ትብል።
ፕረሲደንት ትራምፕ ንዓወት ባይደን ይቀበል ኣይቀበል፥ ተመራጺ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፥ ዝመጽእ ጥሪ 20 መበል 46 ፕረሲደንት ዩኤስ ብምዃን ቃለማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።
ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እንታይ ማለት’ዩ?
ኣብ ኣሜሪካ ንዲሞክራቲክ ፓርቲ ወኪሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2020 ዝተወዳደር ጆ ባይደን ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
‘ተመራጺ ፕረዚደንት’ ዝብል መጸውዒ ወግዓዊ መጸውዒ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ጆ ባይደን ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ስልጣን የብሎምን: ክሳብ ጥሪ 20,2021 ብወግዒ ቃለ መሓላ ዝፍጽሙ’ውን መዝነት ኣይክህልዎምን’ዩ።
መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ነቲ ቆጸራ ድምጺ ህዝቢ ብምክትታል ኣብ ሕዳር 7 ጆ ባይደን ነቲ ዘድልይ  270 ናይ መራጾ ነጥቢ ብምርካብ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምኳኖም ሓቢረን።
ስለዝኾነ ድማ መሓውራት ዜና ንድምጺ ኣሜሪካ ሓዊሱ ጆ ባይደን ተመራጺ ፕረዚደንት ኢለን ክጽወዓ  ክኢለን።
ሓደ ሓደ እዋን መሓውራት ዜና ንሓደ ተወዳዳሪ ተመራጺ ፕረዚደንት ኢለን ምስ ዝጽውዓ እቲ ካልእ ተዓዋቲ ነቲ ዓወት ከይኣምነሉ ይክእል’ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ነዚ ውጽኢት ኣይኣመንሉን ። ዋላ’ዃ ጭብጢ እንተዘየቕረቡ ምጭብርባር ድምጺ ተካይዱ’ዩ ኢሎም ሙጉቶም ቀጺሎም ኣለው።
እዚ መርገጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰብ ሞያ ሕጊ ዋሽንግተን ኣብ ክልተ ከፊልዎም ይርከብ ። ሪፖብሊካን ዋላ’ዃ ንዓወት ካልኦት ተመረጽቲ እንተተቐበልዎ ኣብቲ ተጨርቢሩ ዝተባህለ ምርጫ ሕጋዊ ምርመራ ክካየድ ይጠልቡ ኣለው።
እዚ ኣፈላላይ መዓስ’ዩ ዝፍታሕ?
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ድሕሪ ሰሙናት’ዩ ወግዓዊ ዝኸውን ኣብዚ ህሞት  ቤት ፍርዲ ግዝኣታት ዳግማይ ድምጺ ምቁጻር ከካይዳ ክሓትት ይክእል’ዩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ግዝኣታት ሓንሳብ ብወግዒ ውጽኢት ምርጫ የፍልጣ።  ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ መራጾ ነጥቢ የጽድቅ ።እዚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምፍጻም ቃለ መሓላ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት’ዩ።
ጆ ባይደን - ናይ ዓወት መደረ
ካማላ ሃሪስ ናይ ዓወት መደረ
ጆ ባይደንን ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ናይ ዓወት መደረ ኣስሚዖም
ካማላ ሃሪስ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ ዓወት ትበጽሕ ዘላ ምዃና ፍሉይ ምዃኑዩ ተጠቒሱ።
ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ክገብሮም ዘኽእል ነጥቢ ምርካቦም ተገሊጹ
ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ጆ ባይደን 279 ነጥቢ ክረኽቡ ከለው ፕረዚደንት ትራምፕ ግን 214ነጥቢ ከምዘለዎም'ዩ ተሓቢሩ።
ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዛጊት ኣይተፈለጠን
ይኹን እምበር ወፅኢት  ክፍለ ግዝኣታት  ኖርዝ ካሮላይና፣ ጆርጂያን  ፔንሲልቫኒያ  ካብ ምብራቕ ኣሜሪካ፣ሚሽጋንን ዊስከንሴን ካብ ማእኸላይ ምዕራብ  ኣሪዞና ካብ ደቡብ ምዕራብ ዛጊት መን ከምዝተዓወተ ኣይተረጋገፀን።
ፕረዚደንት ትራምፕ  ሎሚ  ረቡዕ ንጉሆ  ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ቅድሚ ካሜራ  ቀሪቦም ተዓዋቲ ምዃኖም ብምእማን ምቑፃር ድምፂ ጠጠው ንምባል ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከምዝኸዱ ገሊፆም ኣለው።
ናይ ባይደን ወፍሪ እቶም ፕረዚደንት ምቑፃር ጠጠው ንምባል ዝሃብዎ ቃል ኣነዋሪ  እዩ ክብሉ ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው።
ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2020
ነዚ ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ጉዕዞ ፖለቲካ ፕረዚደንት ትራምፕ
ይኹን'ምበር ካብ ሕማሞም ኣዐርዮም ከይሓወዩ ብዘይምቁራፅ ኣብተን ወሰንቲ ክፍለግዝኣታት ፍሎሪዳ ፣ሚሽጋንን ፔንስላቫንያን ጎስጓስ ምርጫ ከካይዱ ቀ፟ንዮም እዮም።
ቀይሕን ፃዕዳን ዝቀ፟ለሙ “ኣሜሪካ መሊስና ብልፅቲ ንግበራ “ ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ቆቢዖም ብምግባር ምስ ግዜ ክጓየዩ ተራእዮም እዮም ። ገለ ደገፍቶም ነቲ ኣብ 2016 ምስ ሂላሪ ክሊንተን ዝነበሮም ውድድር ይዝክሩ። ብዘይተገመተ መልክዑ ካብ ሰለስተ መብዛሕትኡ ግዜ ብዲሞክራሲያውያን ይዕብለላ ዝነበራ ክፍለ ግዛአታት ፔንስላቫንያ፣ ሚሽጋንን ዊስካንሰንን ሃንደበት ብዝረኸብዎ ድምፂ ዋይት ሃዉስ ክኣትዉ ኪሎም እዮም ።
ፕረዝዳንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዊስካንሰን ኣብ ዝገበርዎ ወፍሪ ምርጫ “ኣይክንሰዓርን ኢና ክንስዕር ኢና “ ክብሉ ደጊሞም ከምዝዕወቱ ርግፀኛ ኮይኖም ተዛሪቦም እዮም።
እንተኾነ ግን ብኣንፃሩ ንዘጋጥሞም ዕድል'ውን “እንተተሳዒረ ኣብ ታሪኽ ፕረዝዳንታዊ ፖለቲካ እዛ ሃገር በቲ ዝሓመቀ፟ ተወዳዳራይ'የ ዝሰዓር ዘለኹ ማለት እዩ። ምስ ዝሐሸን ብሉፅ ዓቅ፟ሚ ዘለዎን ሰብ ተወዳዲረ ተጸዓር ይመርፅ ። ሽንፈተይ ተቀ፟ቢለ እኳ ናብ ናብራይ ይምለስ።”
ትራምፕ ኣብ መጀመርታታት 2020 ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዉሃን ቻይና ምግጣሙ ምስተፈልጠ ናብን ካብን ቻይና ዝግበሩ ጉዕዞታት ብምዕፃው ዝወሰድዎ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ትራምፕ ከም መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምቁፅፅር እቲቫይረስ ተገይሩ ክውሰድ ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ኣብ ሓደገኛነት እቲ ቫይረስ'ውን ጥርጣረ ከምዝነበሮም ክግልጹ ጸኒሖም'ዮም ።
“ሓደ መዓልቲ ብተኣምር ክጠፍእ እዩ “ ክብሉ መሊሶም እዮም።
ቁፅሪ መወቲ በቲ ቫይረስ ይበዝሕ ምህላዉ ተሓቲቶም ድማ“ክኸውን ዘሎ እዩ ዝኸውን ዘሎ” ኢሎም እዮም።
መብዛሕትኦም ፀብፃባት ከምዘመላኽትዎ ህዝቢ ብኣተኣላልያ ኮረና ቫይረስ ትራምፕ ዘራአይዎ ተግባር ከምዘይተሓጎሰ ርግፅ እዩ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ንትራምፕ እቲ ቀ፟ንዲ ሕቶ ኾይኑ ዘሎ በዚ ስማዒት እዚ ተዓብሊሎም 'ዶ መረፅቲ ካብ ዋይት ሃዉስ የውፁኡዎም ወይስ ነቶም ካልኦት ዓወታቱ ብምርኣይ ካልኣይ ዕድል ይህቡዎም ዝብል እዩ ።
ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ስርዓት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ
እተን ግዝኣታት ዝውሃበን ናይ ውክልና ድምጺ'ኸ ምስቲ ህዝባዊ ወይ ውልቃዊ ድምጺ ብኸመይ ይሳነ?
ድምጺ ነፍሲ ወክፍ ሰብ ድዩ ወይስ ውክልና ግዝኣታት ኣብ ውጽኢት ወሳኒ ዝኸውን?
ፕረዚደንት ትራምፕን ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆ ባይደንን ዝውክልዎ ክብርታት ወይ ኣተሓሳስባታት'ከ እንታይ'ዮም ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ንምምላስ ምሁራዊ ኣፍልጥኡ ከካፍል ንዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ዓዲምናዮ ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
ም/ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ኣብ ጎስጓስ ምርጫ 2020
ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጎስጓስ 2020
ናይ መወዳእታ ጎስጓስ ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ
ፖለቲካዊ ጉዕዞን ራእይን ጆ ባይደን
ኣብ ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ መድረኽ ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝተዋስኡ  ዲሞክራት ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ኣብ ሳልሳይ ፈተንኦም ስልጣን  ዋይት ሃውስ ንምስዓር ተኽእሎ ዘለዎምይመስል።
ቅድሚ ናይ ሎሚ ሰሉስ ምርጫ ብደረጃ ሃገር ይኹን ኣብ ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት  ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ዳህሳስ መፅናዕትታት ባይደን ኣብ ስልጣን ንዝርከቡ  ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት  ዶናልድ ትራምፕ ይመርሑዎም ኣለው።
ተንተንቲ ባይደን ኣብ ናይዛ ሃገር ተዘዋዋሪ ቅሪፂ ዲሞክራሲ 538 ኣባላት ካብ ዝሓዘ  ኤሌክትራል ኮሌጅ ወይ ናይ ምርጫ ድምፂ ዝበዝሓ ወይ 270 ድምፂ ናይ ምርካብ      ዕድል  ኣለዎ ይብሉ ።ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ክፍለ ግዝኣታት ዝበዝሐ  ኤሎክቶራል  ኮለጅ ኣለወን።
ባይደን ተዓዊቶም ኣብ ዝቕፅል ጥሪ ቃለ መሓላ እንተድኣ ፈፂሞም 78 ዓመት  ዝዕድሚኦም መበል 46 ፕረዚደንት ክኾኑ እዮም።ኣብ ታሪኽ ናይ ኣሜሪካ እቶም  ብዕድመ ዝደፍኡ ፕረዚደንት  ክኾኑ እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ቃለ መሓላ ክፍፅሙ ከለው ዕድሚኦም 70 ነይሩ።ባይደን ኣብ  1988ን ኣብ 2008 ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዴሞክራት ንምዃን ፈቲኖም ኣይተዓወቱን።
ሰኔተር ብምዃን ን36 ዓመታት ንክፍለ ግዝኣት ዴላዌር ዝወከሉን ንሸሞንተ ዓመት ምኽትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብምዃን ዘገልገሉን ባይደን ኣብዚ ናይ 2020 ሕፀ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ንልዕሊ 20 ተወዳደርቲ ስዒሮም እዮም ቀሪቦም።
ባይደን ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታዊ  ምርጫ  ኣሜሪካ  ዘይተለመደ ወፍሪ ኣካይዶም።
ትራምፕ በቲ ልሙድ ኣገባብ ብዙሓት ደገፍቲ ኣብ ዝተኣከቡሉ ወፍሪ ምርጫ  ኣካይዶም። ብኣንፃሩ ባይደን  ኣብ ናኣሽቱ መድረኻት፣ ብኽልተ ሜትሮ ርሕቐት፣ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ(ማስክ) ገይሮም ብርክት ዝበሉ ወፍርታት ኣካይዶም።
ትራምፕ ንለበዳ ቫይረስኮሮና ዝሓዝሉ ባይደን ብዘየወላውል ኣጥቒዖምዎም እዮም።ኣብ ዓለም ብብዝሒ ሞት ልዕሊ 230 ሽሕ ሰባት ብምምዝጋብ  ቅድሚት  ክትስራዕ  ስለዝገበሩ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኖም ክቕፅሉ የብሎም ክብሉ ነቒፎምዎም።
ትራምፕ ብወገኖም ባይደን ዝኸፍአ ወኪል ዋሽንግተን እዩ ክብሉ ይነቕፉዎም። ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ሶሻሊስታዊ ፖሊሲ ጥዕና  ከሰጉም  እዩ ክብሉ ይምጉቱ።
ባይደን ብወገኖም መንግስቲ ንስርዓት ክንክን ጥዕና ክሕዞ ዝብል ከምዝቃወሙን  ኣብ እዋንምምሕዳር ኦባማ ኣብ 2010  ዝተኣታተወ ሕጊ ክንክን  ጥዕና ክመሓይሽ  ክሰርሕ እየ ኢሎም።
ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም ቤት ፍርዲ ንምምሕያሽ ዘይሻራዊ ኮሚሽን  ንምሻም  መደብ ከምዘለዎ ገሊፆም ኣለው።ተወሰኽቲ ለዘብተኛ ዳያኑ ብምሻም ብዝሒ ዳያኑጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክውስኽ ብናይ ፓርቶም ገስጋሳይ ክንፊ /Progressive Wings/  ዝቐርብ ሓሳብ ደጋፊ ከምዘይኮኑ ግን ገሊፆም እዮም።
ቁፅሪ ዳያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ፅባሕ ትራምፕ ንፅንዕቲ ዓቃባዊት ኤሚ ኮኒ ባረት ዳኛ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ገይሮም ምሕራዮም እዩ።ናተን ብሰኔት  ምርግጋፅ ዓቃባዊያን 6-3 ዓብለልቲ ክኾኑ ገይሩዎም ኣሎ።
ኣብ ኢድ ፖሊስ እናሃለወ ብዘስካሕክሕ ዝተቐትለ ፀሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ  ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተልዓለ ተቓውሞታት፣ናዕብን ህውከትን ባይደን ኣብ  መንጎ ብዓሌታዊን ቁጠባዊ ማዕርነትን  ናይ ገበን ስርዓት  ንምምሕያሽን  ዝርዝር  ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰኔት ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፍትሒ ዝነበሩ ባይደን ኮከይን ሓሽሽ  ሒዞም ንዝተረኸቡ ከቢድ ማእሰርቲ ክፍርደሞን ሚዛናዊ ብዘይኮነ  ንማሕበረሰብ  ኣፍሪቃዊያን  ኣሜሪካዊን ዝቐፅዕን ኣብ 1994 ኣ\ፈ ዝፀደቐ ፀረ  ገበን  ሕጊ  ይቕሬታ  ሓቲቶም እዮም።
ባይደን ዝዘበለ ናይ ትራምፕ ምምሕዳር ከብቅዕ ኣለዎ ክብሉ ንኣዋርሕ ወፍሪ  ኣካይዶም እዮም።
ባይደን ኣብ መርበብ ሓበሬትኦም  ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ‘'ንሕና መን ምዃንና  ክንዝክር ኣለና፤ኣሜሪካዊያን ኢና፤ ብርቱዓት፣ ፅኑዓት ግን ድማ  ኩሉሻዕ  ሰብሙሉእ  ተስፋ ኢና።ነንርእስና ብኽብሪ ብሓልዮት እንደጋገፈሉ እዋን ሎሚ እዩ።ንኹሉ  ዝሰርሕ ማእኸላይ እቶት ንህነፅ። ንርእዮ ዘለና ዝገርም ስልጣን  ብዘይኣገባብ  ምጥቃም  ክንቃለሶ ኣለና’’ ይብል ።
ንሶም ብምውሳኽ ዝበለፀ ግዜ ኣብ ቅድሜና ይፅበየና  ከምዘሎ ክንፈልጥ  ኣለና ኢሎም ።
ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም ከም ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ናይ ኢራን ውዕል ኒኩሌር ዝኣመሰሉ ትራምፕ ናብ ዝሰዓሩዎም ዓለምለኸ ስምምዓት ክምለሱ  እዮም።
ባይደን ምኽትል ፕረዚደንት መወዳድርቶም ጓል ኣንስተይቲ ከም እትኸውን ቅድሚ  ኣዋርሕብዝኣተውዎ ቃል ንሰኔተር ካማላ ሃሪስ መሪፆም።ካማላ ብደረጃ ሃገር  ንዝለዓለ ስልጣን ዝቐረባ ፈላመይቲ  ፀላም  ጓል ኣንስተይቲን  ደቡብ ኢሲያዊት  ኣሜሪካዊትን እየን።
ኣብ ውድድር ምርጫ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣቋሪፀን  ዝወፃ ካማላ ሃሪስ  ወፍሪ ምርጫ ናይ ምክያድ ክእለተን ዘረጋገፃ ተወዳዳሪት እውን'የን።
ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ አሜሪካ ኣብ ወሰንቲ ዝተባህለ ግዝኣታት ጎስጓስ የካይዱ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ኣብቲ ፅባሕ ሰሉስ ዝዛዘም ምርጫ ወሳኒ ግደ ኣለወን ኣብ ዝተባህላ ክፍለ ግዛአታት ፃዕቂ ዘለዎ ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
ክልቲኦም ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ወፍሪ ምርጫ ቀጺሎም ኣለው
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሚቺጋን፣ሚኒሶታን ዊስከንሰንን ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆ ባይደን  ድማ ኣብ ሚኒሶታ፣ዊስከንሰንን ኣየዋን ጎስጓስ ምረፁኒ ክካይዱ እዮም።ሚቺጋን 16: ሚኒሶታን ዊስከንሰንን ነፍሲወከፈን 10 ከምኡውን ኣየዋ 6 ናም ምርጫ ድምፂ (Electoral Votes) ኣለወን።
ትራምፕን ባይደንን ናይ ትማሊ ሓሙስ ጠመተ ወፍሮም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2016  ፕረዚደንት  ዝተዓወቱላ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ነይራ። ካብ 1996  ጀሚሩ ፕረዚደንት ኮይኖም ዝተዓወቱ ኩሎም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝሰርዓሩ እዮም።
ኣሜሪካ :ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቨንያ ቁጽሪ ኣቐዲሞም ብደብዳበ ዘድምጹ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ
ሓደ ኣድማጻይ ወሃቢ ርእይቶ ፐንሲልቨንያ ናጻን  ርትዓውን ምርጫ ልዕሊ ኮቪድ 19 የገድሰና`ዩ ኢሉ ።
ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስን ናይ ጥቅምቲ ሃንደበትን
ኣብዚ ጥቅምቲ ወፍሪ ምርጫ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ውላድ ዴሞክራት ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ናይ ዝኾነ ናይ ሃንተር ባይደን እዮም ዝተብሃሉ ዘይተረጋገፁ ኢሜይላት ኣውፂኡ ኣሎ።እቶም ኢሜይላት ሃንተር በሪስማ ካብ ዝተብሃለ ናይ ዩክሬይን ኩባኒያ ፀዓት ኣብ እዋን ናይ ኦባማ ስልጣን ዋይት ሃውስ ምኽትል ካብ ዝነበሩ ኣብኡ ሓለፋ ጥቕሚ ንምርካብ ገንዘብ ተኸፊሉዎ ክኸውን ይኽእል ዝብል ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየደ ክትዕ ትራምፕ ንባይደን በቲ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ከምዚ ብምባል ወጢሮምዎም ነይሮም ‘’እቶም ኢሜይላት፣እቶም ንስኻን ስድራኻን ዝጠሓልኩምሉ ናይ ገንዘብ ጉዳይዝዛረቡ ኣሰቀቕቲ ኢሜይላት።ጆ ! ገሊኦም ክፍፀሙ ከለው ምኽትል ፕሬዝዳንት ኢኻ ነይርኻ’’ ኢሎምዎም።
ባይደን ንቶም ክስታት ብልሽውና ናይ መመለጢ ምስምስ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ። ‘’እዚ ትርጉም ዘይብሉ ዘረባ ዘቕርብ ዘሎ ብምኽኒያት እዩ።ምኽኒያት ኣለዎ።ኣብ ጭቡጥ ዛዕባታት ኣድሂቡ ክዛረብ ስለ ዘይደሊ እዩ’’ ኢሎም።
እቲ ምርጫ ብዝቐረበ ናይ ትራምፕ ወፍሪ ምርጫ ጠመተኡ ኣብ ሃንተር ባይደን ገይሩ ኣሎ።ኣብ ራይስ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ማርክ ጆንስ ግዜ የለን ይብል።
ናይ ጥቅምቲ ሃንደበት October Surprise ዝብልኣበሃህላ ወይ ቃል ኣብ 1980 ኣ\ፈ እዩ ተፈጢሩ።ኣብቲ እዋን ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጂሚ ካርተር ቅድሚ ምርጫ ኣብ ኢራን ተጨውዮም ዝነበሩ ኣሜሪካዊያን ንምፍታሕ ልዝብ ንምክያድ ዘካየድዎ ምስጢራዊ ፃዕሪ እዩ።ኣብ መወዳእታ እቲ ልዝብ ፈሺሉ ሮናልድ ሬገን ተዓዊቶም።
ትራምፕ ምስ ናይ ዴሞክራት ሂላሪ ክልንቴን ኣብ ዝገጠምሉ ኣብ 2016 ኣ\ፈ ክልተ ናይ ጥቅምቲ ሃንደበታት ነይሮም።ትራምፕ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝሃብዎ ብዕሉግ ሪኢቶታትን ናይ ፌደራል ቢሮምርመራ FBI ሂላሪ ክልንቴር ብምስጥሪ ክዕቀብ ዝተመደበ ሓበሬታ ንምልእኣኽ ናይ ውልቂ ኢሜይለን ምጥቃመን ብዝምልከት ዳግም ንምምርማር ምውሳኑ ዝምልከቱ ነይሮም።
ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ላራ ብራውን ኣብ ልዕሊ ጆ ባይደን ዝቐረቡ ክስታት ናይ ጆ ባይደን ሕፀን ፕሬዝዳንት ናይ ምዃን ተኽእሎን ኣብ ፀገም ከውድቑዎ ናብ ዘኽእል ደረጃ ክብ ኣይበለን ይብላ።
ናይዚ ዓመት ናይ ጥቅምቲ ሃንደበት ትራምፕ ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ብኮሮናቫይረስምሕማሞምን እቶም ፕሬዝዳንት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይንኪ ኣሎ ክብሉ ንነዊሕ እዋን ሒዞምዎ ዝጉዓዙ ዘለው መርገፂን እዮም።
ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራን ናይ 2020 ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስን
ቃለ-መጠይቕ ምስ ኢንጂነር ሙሴ ተስፋይ ካብ ሮቢን ኣስፋልት ማኒፋክቸረር ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣሜሪካ 2020