ሰሙናዊ መደባት - ድምጺ ኣመሪካ
ሰሙናዊ መደባት - ድምጺ ኣመሪካ
ምስ ደራሲት ገነት ይብራህ
            <description>መቐለ — ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ኣትሒዛ ኣብ ምድራስ መጽሓፍቲ ዝተዋፈረት ገነት ይብራህ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሳልሰይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ንህዝቢ ኣቕሪባ ኣላ። 
ኣብ ክልል ትግራይ ሕጽረት ልበ-ወለድ ከም ዘሎ ትገልጽ ገነት ይብራህ፡ ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ከላ ዝጸሓፈታ “ዘይወግሕ ለይቲ" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደትን ካብ ሳዕቤናቱ ክውሰድ ዝግባእ ትምህርትን ተዘንቱ።
ሰሎሞን ድራር -- 45 ዓመታት ምስ ብርዒን ወረቐትን
            <description>ኣስመራ — ፈለማ ናብ ስነ-ጥበብ ክኣቱ ብወዝቢን ድርኺት ሓለፍቱን ምዃኑ ዝገልጽ ሰሎሞን ድራር፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ኣብ በበይኑ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ከም ገጣሚ፡ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ደራሲ ፊልምን ሰናዲ ታሪኽን ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ዝጽሕፍ ዘሎ’ዩ። ደራሲ መጽሓፍ “ኤርትራውያን ኮማንዶ፡ ቅያ 18 ደቓይቕ” ዝዀነ ሰሎሞን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝጸሓፎም ግጥምታት ኣኪቡ ኣሕቲሙ ኣሎ። ንዝደሓረ ጥርኑፍ ስራሓት ግጥሚ ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኑ ኣሎ።
ትካል “ሕውየት” ከም ስሙ -- ኣብ ትግባር
            <description>መቐለ — “ሕውየት” ዝተሰምየ፡ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝገበረ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ በበይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታት ዝሕግዝ ትካል’ዩ። ኣብ ሓጺር ዕድመኡ ንኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሓ ኣደታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝሓገዘ መስራቲት እቲ ትካል ወ/ሮ መሰረት ሓዱሽ ትሕብር። ነዘን ኣደታት ስነ-ኣኣሙራዊን ካልእ ግብራዊ ስልጠናታትን ብምሃብ’ዩ እቲ ትካል ነተን ኣደታት ናብ ንቡር ህይወተን ክመልስ ዝጽዕር።
ኤርትራ - “ዊነር ኪድስ” ዓቕሚ ንባብን ምህሮን ህጻናት ንምዕባይ ዝተዳለወ መደብ
            <description>ኣስመራ — “ዊነር ኪድስ” ዝተሰምየ መደብ፡ ህጻናት ብሕልፊ ድማ እቶም ናይ ኣእምሮ ድሩትነት ዘለዎም ወገናት ንምንባብን ምስትምሃርን ዝሕግዝ መደብ’ዩ። ኣዳለውቲ እዚ ፕሮግራም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ ብመንገዲ ቶታል ኢንተሊጀንስ ዝተኻየደ ውድድር ምህዞን ፈጠራን ቀዳመይቲ ተዓዋቲት ኰይና፡ ልዕሊ 100-ሽሕ ናቕፋ ተሸሊማ’ያ። እዚ ብመልክዕ መጽሓፍ፡ ናይ ሞባይልን ኮምፕዩተርን መተገበሪን ብናይ ቪድዮ ኣማራጺታት ዝተዳለወ መደብ፡ ንሎሚ ኣብ ፈለማ ብርኪ ንዘለዉ ህጻናት ዝዓለመ’ዩ።
ኣፍሪቃ -- ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ዓመታዊ 5.2 ቢሊዮን ዶላር ትጠልብ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ሕማም ዓሶ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ መሊእካ ንምጥፋእ፣ ዓመታዊ 5.2 ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት፡ ኣብ ምዝዛም መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዝሃቦ መግለፂ፡ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ይዕንቀፍ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቁራፅ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ ነቲ ፀገም ዘጋድድ ከምዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ንምሕደራ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ብሓድሽ ይፍትሾ ከም ዘሎ ይገልፅ።
ምውንጃል መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሽ ጎንጺ ክመርሕ ይኽእል’ዶ?
            <description>ዋሽንግተን — ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ናይ እንግሊዘኛ መርበብ ሓበሬታ ኣልጃዚራ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ግጭት ምውጋድ፡ ውሳነ ዝውሰደሉ ግዜ’ዩ፡” ክብል ጽሒፉ። ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ፡ “ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ምስ ገለ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምልፋን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ክትከፍት ትቀራረብ ኣላ፡” ዝብል’ዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ወሲኹ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ዞባ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናት ብምንቛት ይሕመሶ ኣሎ፡” ኢሉ ነዊሕ ሓተታ ብምቕራብ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን’ውን እቲ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንምትዕንቓፍን ንኢትዮጵያ ምሕማስን ይሰርሕ ኣሎ፡” ክብል ይኸስስ።
ዶክተር ሙላቱ ኣብ መዛዘሚ ናይ ኣልጀዚራ...</description>
ኣቶ ዘርኡ ኣብ ሰናይ ስራሕ ሓገዝ
            <description>መቐለ — ኣዋፋሪን በዓል ሃብቲን ዝዀነ ኣቶ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቅድሚ ሎሚ ኣብ በበይኑ ስራሓት ሓገዝ ክነጥፉ ጸኒሖም’ዮም። ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣቶ ዘርኡ ክሳብ 400 ሚልዮን ብር ብምውፋር፡ ሸውዓት ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ይርከቡ። እዞም ብዝገበሩዎ ሰናይ ስራሕ በበይኑ ናይ ክብሪ መዓርግ ዝረኸቡ ዜጋ፡ ክሳብ ክንድዚ ገንዘቦም ንምውፋይ ድርኺት ዝዀኖም ምኽንያት ብምግላጽ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝነበሮም ጻንሒት ይጅምሩ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ንምሉእነት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ይጽውዑ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ተመኵሮን ሃጓፋት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝጠመተ ከይዲ ምስማዕ ተኻይዱ ነይሩ። 
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ሸምገልቲ ነቲ ዝተረኽበ ተመኵሮ ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦ-መንበር ህወሓትን ግን ተሪፉ ኣብ ዝበሉዎ ዘይተማልአ ነጥብታት’ዮም ኣተኲሮም። ተወካሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንምሉእነት ትግባረ ዘለዎም ቅሩብነት ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ብዓይኒ በዓል ሞያ ሕጊ
            <description>ዋሽንግተን — ሰኑይ 20 ጥሪ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡  ንኢምግረሽን ዝምልከት ክልተ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ`ሎ። ካብ መንጉኡ፡ ዶብ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ብኣልማማ ዝሰጉግ መምርሒ ዝርከቦ ትእዛዝ ክኸውን ከሎ፡ 
ንዝቕፅል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ`ውን ትእዛዝ ኣሕሊፉ`ሎ። ከምኡ'ውን እቲ `ወልካም-ኮርፕስ` ዝብሃል ብጉጅለ ሓሙሽተ ዝፍለጥ፡ሓዲሽ ፕሮግራም-ምምዋል ስደተኛታት ደው ከምዝበለ ይግለጽ ኣሎ።  
ሕቶ ሰላም መናእሰይ ኢትዮጵያ  
            <description>ኣዲስ ኣበባ —  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለው ግጭታት ብሰላም ንምፍታሕ ንመንእሰያት'ታ ሃገር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ መናእሰይ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይፀልዎም ምህላው ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም መንእሰያት ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ በበይኑ ጎንጽታት ምዃኖም ይገልጹ።
መብርሂ ክሪፕቶካርንሲ -- ብዓይኒ ክኢላ ቴክኖሎጂ
            <description>ዋሽንግተን — መስራቲን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ሞያ ቴክኖሎጂ ዝዀነ ኣማኻሪ ስራሓት ቴክኖሎጂ ሙሴ ሃይለ፡ ብዛዕባ ብሎክቸይን ክሪፕቶካረንሲን መብርሂ ንኽህበና ናብ ስቱድዮና ዓዲምና ኣዘራረቢናዮ ኣሎና። ኣቶ ሙሴ፡ ዕደና ክሪፕቶካረንሲ፡ ብሕልፊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ምቹእ ቦታ ምዃኑ ይገልጽ። 
ኤርትራ - ካብ ጻህያይ ባሕሪ ዝስራሕ ፕላስቲክ ንድሕነትን ኣሳላጥነትን
            <description>ኣስመራ — ምሩቓት ከሚካላዊ ምህንድስና ዝዀኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ጻህያይ ባሕሪ ዝስራሕ መትሓዚ ፕላስቲክ ከም ዝሰርሑ ይነግሩ። እዛ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቶታል ኢነርጂስ ዝተወደበ ሃገራዊ ውድድር ምህዞ ቀዳመይቲ ዝወጽአት ኰይና፡ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረባ ኣባላት እዛ ጉጅለ፡ እቲ ካብ ጻህያይ ባሕሪ ዝሰርሕ ፕላቲክ ኣብ ድሕነት ኣከባቢ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ይገልጻ።
ንግዳዊ ኲናት ሰሜን ኣመሪካ ካበይ ናበይ?
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ መክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ዝኣቱ ንብረት፡ ብቐዳም ወሰኽ ግብሪ ገይሮም ኣለዉ። 
ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከቋርጾ ምዃኑ፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ደጋጊሙ ዝጠቅስ ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ወፍሪ ምትሕብባር ንዘየርእያ ሃገራት ቀጻዒ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ’ዩ። ቀዳም እምበኣር ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳን መስኪኮን ናይ 25% ተወሳኺ ግብሪ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ድማ ናይ 10% ወሰኽ ኣዊጁ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣድላዪ ስጕምቲ ኣይገበራን ክብል እንከሎ፡ ንመክሲኮን ቻይናን ከኣ ኣብ መፍረ ፈንታኔል ይኸሰን። ንምዃኑ እዚ ፈንታኔል ዝብሃል ዘሎ ባእታ እንታይ ምዃኑ ንኸብርሃልና ኣብ...</description>
መብርሂ በዓል ሞያ ሕጊ ንሕቶታት ኢሚግረሽን ሓድሽ መምርሒን ኣመሪካ
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመላ ምሸት 20 ጥሪ 2025 ንጉዳያት ኢሚግረሽን ዜግነትን ኣመሪካ ዝምልከት ኣርባዕተ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ። እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት--ንገለ ካብኣቶም ተቓምዎ ቤት-ፍርዲ ይገጥሞ እኳ እንተሎ--ንሕግታት ኢሚግረሽን ኣመሪካ ብዙሕ ዝልውጥ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ ከኣ’ዩ ኣብ ሓያሎ ወገናት ሕቶታትን ሻቕሎት ኣስዒቡ ዘሎ። ነዞም ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ቀንዲ ጉዳያት መብርሂ ንምሃብ እምበኣር ንክኢላ ሕጊ ጉዳያት ኢሚግረሽን ኣቶ ሚኪኤል ዓንደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
 ንልዕሊ 800-ሽሕ መጻምድቲ ዘራኸበ ብኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዝተመሃዘ ኣፕ(መተግበሪ) -"ጀበና" ኣፕ
            <description>ዋሽንግተን — “ጀበና” ዝተሰምየ ንመጻምድቲ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምርኻብ ዝዓለመ መትግበሪ ኣፕ፡ ዛጊት ልዕሊ 800-ሽሕ መጻምድቲ ኣራኺቡ ከም ዘሎ’ዩ ሓደ ካብቶም መሰረትቲን ዋና ኣካይዲ ስራሕን ዝዀነ ሄኖክ ዮሃንስ ዝሕብር። ኣብ 2019 ዝጀመረ መትግበሪ፡ ካብቲ ባህላዊ ኣገባባት መላለዪ ንፍቕሪን መጻምድቲን ውጽእ ኢሉ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓደ መድረኽ ንምፍጣር ዝተበገሰ’ዩ። 
ዋሕዲ ተመሃሮ ንስልጠና ቋንቋ ምልክት ኣብ ሓደጋ የውድቕ 
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝወሃብ ናይ ምልክት ቋንቋ፡ ካብ ቀረባ እዋን ሓደስቲ ተመሃሮ ብምስኣኑ፣ ኣብ ስልጠና ዕንቅፋት ምፍጣሩ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ብወገኖም፡ ተመሃሮ ብምልክት ቋንቋ ምስ ተመረቑ ስራሕ ስለዘይረኽቡ፣ ክመሃሩዎ ኣይደልዩን ይብሉ። እዚ ግን ኣብ ባይታ ዓቢ ክፍተት ፈጢሩ፡ ምስማዕ ንዝሰኣኑ ዜጋታት ተወሳኺ ተጽዕኖ ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ'ሎ። 
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቃናን ብዙሕነትን ባህላዊ ህርመታት ኤርትራ
            <description>ኣስመራ — ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ወረቓቕታት፡ ንዓይነትን ብዙሕነትን ኣብ በበይኑ ብሄራት ኤርትራ ዝዝውተሩ ህርመታትን ቅኒታትን ዝምልከት’ዩ። ነዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበ መምህርን ኣወሃሃዲን ሙዚቃ መሓመድ ሳልሕ ሑሴን’ዩ።
ንሱ ብዛዕባ ውጽኢት መጽናዕቱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካየዶ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ጉዳይ ክልከላ ሕጃብ ተመሃሮ ኣኽሱም ብቃላት ሰብ-ጉዳይ
            <description>ዋሽንግተን — ኣርባዕተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣኽሱም፡ ተመሃሮ ኣመንቲ እስልምና ሕጃብ ለቢሰን ንኸይመሃራ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክልል ትግራይ መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። በበይኖም ኣካላት እቲ ጉዳይ፡ መፍትሒ ክግብሮ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከብቅዑ፡ ዛጊት ግን ኣብ መዛዘሚ ኣይበጽሐን።
ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ትንታነ- ንፖሊሲ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?
            <description>ዋሽንግተን — ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ  ነቶም ሰኑይ 20-ጥሪ 2025 ንካል ኣይ እብረ መዝነት ቃለ መሓላ ዝፍጽም ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ  ዶናልድ ትራምፕ ሰናይ ትምኒትን ሓቢሮም ንምስርሕ ዘለዎም ድልየትን ዝገለፅሉ መልእኽታት ኣመሓላሊፍሎም’ዮም።  ካብ መንጎ’ቶም መልእኽታት ዝለአኹ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይርከብዎም።
ትራምፕን ምምሕዳሮም ንኣፍሪቃ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎም ኣመለኻኽታን ፖሊስን እንታይ ክመስል ይኽእል ይኸውን ዝብል ንምርኣይ ንዶ/ር ኪዳነ መንግስትኣብን ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርግስን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። 
መሰረታዊ ስልጠና  ኣብ ኤርትራ፡ ቅድመ-ምክልኻል ንሞት ዕሽላት ኣብ እዋን ሕርሲ
            <description>ኣስመራ — ኣብ ኤርትራ ልዑል ዋሕዲ ክኢላታት ማህጸንን መወለዳንን ስለ ዘሎ፡ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ጀመርቲ ሓካይምን መሕረስቲን ኣብ ዝተዋፈሩሉ ማእከላት ጥዕና፡ ነቲ ብቐረባ ምክልኻል ዝከኣል ጸገማት ባዕላቶም ክፈትሑ ከም ዝተገብረ ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የመልክቱ።
ጸብጻባት ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ከም ዘምልክቶ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሓደ ሽሕ ሕርሲ፡ ኣስታት 37 ሞት ህጻናትን ኣደታትን የጋጥም። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኤርትራ ክኢላ ማህጸንን መወለዳንን ዝዀነ ዶክተር በረኸት ስብሃቱ፡ እቲ ዝርጋሐ መባእታውያን ሓካይም ንሞት ህጻናት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ ከም ዘጉደሎ ይሕብር።