ስፖርት - ድምጺ ኣመሪካ
ስፖርት - ድምጺ ኣመሪካ
ቢንያም ምስ ሓምላይ ማልያኡ -- ዓወት ንኣፍሪቃ
            <description>ኣስመራ — ሰንበት ኣብ ኒስ ፈረንሳ ዝተዛዘመ መበል 111 ዙር ፈረንሳ፡ ብሓፈሻ ዕዉት እቲ ውድድር ስሎቫንያዊ ታዴ ፖጋቻ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ብጫ ማልያ ብኻልኣይ ኣብ እትስራዕ ቀጠልያ ማልያ ንገዛእ ርእሱን፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ንፈለማ ዘግዘመ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ኣሎ። በልጅማዊ ሮሜኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ ኣንበሳ ዓቐብ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ ዓወቱ ምስ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ ዘለዎ ጻንሖት ክሳብ 2028 ከም ዘናውሐ ሎሚ ሰኑይ ወግዓዊ ዝዀነ ቢንያም፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ዝነበሮ ግብረ-መልሲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሳሕቲ ዝርአ ክስተት’ዩ ይብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ።
ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ
            <description>ኣስመራ — ሓሙስ 13 ሰነ፡ ብናይ ክሮኖ ሜተር ዝፈለመ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ።
ኣብቲ ቀዳም 15 ሰነ ፡ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ 173.4 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣብ ሰዓት 41.9 ኪ/ሜ እንተሓንበብ ንውድድሩ ብ4 ሰዓትን 7 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተዓዊቱ።
ካብ ፈለማ ብናህሪ ዝጀመረ ውድድር፡ ብፕሮፌሽናላት ተቐዳደምቲ እናተቐለሰ ብጉጅለታት ክመቓቐልልን ፍልልያት ክስፍሕን ክጸብብን ኣብ ዝተረእየሉ፡ናትናኤል  ካብ ፈለማ ምስ ቐዳመይቲ ጉጅለ ምስኡ ክጓዓዝ ንዝውዓለ ኣባል ጋንታ ዋንቲ ሩዝ ተክኖርድ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ኣብ ዓቐበት ኢንሹራንስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ገዲፍዎ ብምኻድ እዩ ተዓዊቱ።ኣባል ጋንታ ዋንቲ ሩዝ...</description>
ሲሳይ ለማ  ተዓዋቲ ቦስተን ማራቶን ኮይኑ
            <description>ዋሽንግተን — ኣትሌት ሲሳይ ለማ ድሕሪ’ቲ ዝረኸቦ ዓወት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ "ፔስ ሜከር ወይካኣ መጓየዪቲ ስለዘይነበሩና፣ ብናይ ገዛእ ባዕለይ ናህሪ ምስ ሙሉእ ርእሰ ምትእምማን እየ ተሳቲፈ" ኢሉ።
ሲሳይ ለማ ወሲኹ ብዛዕባ'ቲ ውድድር "ድሕሪ 25ን 30 ኪ.ሜ ግና ከተማ ቦስተን፣ ቁልቁለትን ዓቐበትንን ስለዝበዝሖ ከምድልየተይ ክጎዪይ ኣይካኣልኩን" ይብል ።
እንተኾነ ንመጓየዪቲ ድሕሪ ሓደ/ክልተ ኪ.ሜ ገዲፈዮም በይነይ ስለዝተበገስኩ ፈጣሪ ሓጊዙኒ ደስ ብዘብል ኣገባብ እየ ነቲ ቅድድም ዛዚመዮ ኢሉ።
ካብ’ዚ ንዳሓር ንኦሎምፒክ እየ ምቅርራብ ክጅምር። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ዝተበላሸወና ቅድድም ማራቶን ኣሪምና ኣብ ቀጻሊ ንክንዕወት ክሰርሕ እየ ኢሉ። 