ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ - ድምጺ ኣመሪካ
ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ - ድምጺ ኣመሪካ
        <language>ti</language>
ሕልሚ ኣመሪካ — ስራሕን ዓወትን
            <description>ነበሪት ህዩስተን ቴክሳስ ዝዀነት ልኡል ይከኣሎ ትካቦ፡ ምስ በዓልቤታን ኣርባዕተ ደቃን ኣብ 1995 ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ሎተሪ ቪሳ’ያ ናብ ኣመሪካ መጺኣ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ምስ በዓልቤታ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐት ወ/ሮ ልኡል፡ ፈለማ ንኣመሪካ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን፡ ንኣሽቱ ቆልዑ ሒዞም ምስ ናብራ ንምግጣም ከም ዝተጸገሙ ትገልጽ። ሎሚ ክልተ ደቃ ዶክተራት ዝዀኑ ልኡል፡ ናብቲ መሳልል ሕልሚ ኣመሪካ ከመይ ከም ዝቐጸለት ተመኵሮኣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊላ ኣላ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ መላግቦ ሰዓቡ
ዕላል ምስ ነባር ቴክኒሻን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ   ኣቶ ዘርእዝጊ ኣብርሀ
            <description>ዋሽንግተን — መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገና ኣብ ምብጋሱ ከሎ ከም ተክኒሻን በረራ ኮይኑ ዝተቖጽረ ኣቶ ዘርእዝጊ ኣብርሀ፡ ኣብቲ መንገዲ ኣየር ን16 ዓመታት ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ክሳብ ምስ ነፋሪት ንጉስ ሃይለስላሰ ብምጉዓዝ፡  ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት ነፈርቲ ተዋፊሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ኣብ ኣመሪካዊ መንገዲ ኣየር ዩናይትድ'ውን ን28 ዓመታት ሰሪሑ'ዩ።
ቢዘን- ፋውንደሽን ንትምህርትን ስልጠናን
            <description>ዋሽንግትን — ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ቢዘን- ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል፡ ካብ ትምህርቶም ንዝተጎናደቡ ኣባጽሕን ዓበይትን ናብ ሞያዊ መኣዲ ስራሕ ዝኣትውሉ ስልጠና ዝሓለፈ ሰሙን ሂቡ ኔሩ።
ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ዕድላት ተጠቒምካ፡ ብሓጺር ኮርሳት ናብ ሞያዊ ስራሕ ክትዋፈር ከም ትኽእል `ውን ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ምሁራትን ሞያተኛታትን የካፍሉ።
ዶ/ር በላይ ብርሃነ ደሞዝ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መሪላንድ- ባልቲሞር ካምፓስ- መምህር ኣትሞስፈሪክ ፊዝክስን ክኢላ መጽናዕቲ ናሳን ከኸውን ከሎ፡ ዶ/ር ጴጥሮስ ዑቕባዝጊ ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት`ዩ።
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ዶ/ር ሳሙኤላ ዘርኣይ  ተመክሮኣ ተካፍል
            <description>ዋሽንግተን — ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ዶ/ር ሳሙኤላ ዘርኣይ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣትላንታ ጆርጅያ ትነብር ነርስ-ፕራክትሻነር'ያ። ኣብ መወዳእታ 1970'ታት ናብ ኣመርካ ገና መንእሰይ ተማሃሪት ኮይና  ደኣ ትምጻእ እምበር ንነዊሕ እዋን ዘጋጠምዋ ብድሆታት እናመከተት ንዝነበራ ድልየት  ትምህርቲ ተዓዊታትሉ'ያ። ዶ/ር ሳሙኤላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሚኒታዊ ንጥፈታት'ውን  ተዋሲኣን ትዋሳእን ዘላ'ያ። 
ምስ ወናኒት ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ `ኣዲስ ረስቶራንት ` ሰላም ርእሶም
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ 2010 ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝመጸት ሰላም ርእሶም፡ በይና ኮይና ቆልዓ ክተዕቢ ከቢድዋ`ኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን ትምህርቲ`ውን እናኸደት ነቲ ከም ኣተኣናጋዲት ኮይና ትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት መግቢ ኣዲስ፡ ክትውንኖ በቒዓ።
ገና ኣብ እግሪ ተኽሊ ንግዲ ከላ  ለበዳ ኮቪድ-19 መጽዩ ከቢድ ፈተና ኮይንዋ`ኳ እንተነበረ፡ ኣገባብ `መግቢ ሒዝካ ምኻድ` ተጠቒማ ዳግም ክተበራብሮ ምኽኣላ`ውን ትገልጽ። 
ሎሚ ቤት መግቢ ኣዲስ ብምሉእ ዓቕሙ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ፡ ንኣመሪካውያን ምስ ባህልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ኣብ ምልላይ ልዑል ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ሰላም ትገልጽ።
ኣብ ጥቓ በርክሊ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ቤት መግቢ ምዃኑ ድማ ምስ ተመሃሮ ምትእሳሳር ከሓይል ክኢሉ`ሎ። 
ኤሪ-ስታር - መደብ እግሪ ጉዕዞ ምስ ወለዲ ንኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጥዕና
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ መሪላንድ ዝመደበሩ ኤሪስታር ዝተባህለ ናይ ኤርትራውያን ስፖርት ክለብ  ቅድሚ ክልተ ሰሙን "መገዲ ምስ ወለዲ" ዝብል ናይ እግሪ ጉዕዞ መደብ ኣዳልዩ ኔሩ። ዕላምኡ፥ ወለዲ ምስ ደቆም እናተጓዓዙ ከዕልሉን ኣካላዊን ኣእምሮኣውን ጥዕና ንከማዕብሉን ምዃኑ ኣዳለውቲ ይገልጹ።  ኣብቲ ምስ ምብራኽ ኣፍልጦ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብምትሕሓዝ ዝተዳለወ መደብ፥ ክኢላታት ጥዕና ስነ-ኣእምሮን ሰብ-ሞያ ጥዕና'ውን ተረኺቦም ንወለዲ ኣስተምህሮ ሂቦም ኔሮም። 
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተዓዋቲት ወ/ት ኣፍሪካ ዩ.ኤስ.ኤ ንሚስ ዩኒቨርስ ትወዳደር 
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ 2023 ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዩ.ኤስ.ኤ ኮይና ዝተዓወተት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፥ ሎሚ 'ውን ንኤርትራ ወኪላ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ምዃኑ ዝፍለጥ ውድድር ስነ-ጽባቐ ሚስ ዩኒቨርስ ክትወዳደር ኣብ መስርሕ ምጽራይ ትርከብ ኣላ።
ስኒት ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ዛዛሚ መድረኽ ዝበጽሐት ክትከውን ከላ፡ ካብ መንጎአን ዝተዓወተት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ መክሲኮ ኣብ ዝካየድ 130 ሃገራት ዝሳተፋሉ ንሚስ ዩኒቨርስ ንምምራጽ ዝግበር ውድድር ክትሳተፍ'ያ።
ስኒት እንተተዓዊተ: ዓወተይ ንምክልኻል ሕማም ካንሰርን ምሕብሓብ ዳውን ስንድሮም ዘለዎም ቆልዑትን ከውዕሎ'የ ትብል።
ምስ ወናኒ ትካል ሕጊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍታሌም ተኽላይ ሃብተማርያም
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ስያትል ዋሽንግተን ዝመደብሩ ሃብተማርያም ትካል ሕጊ ሓደጋ መኪና ሓዊሱ ብዝተፈለለየ ኣጋጣሚታት ሓደጋ ንዘጋጠሞምሰባት ብምውካል ዝካሓስሉ መንገዲ ብመንጽር ሕጊ ዝናዲ ትካል ሕጊ'ዩ።
መስራቲን ወናኒን ትካል ሕጊ ሃብተማርያም ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍታሌም ተኽላይ ሃብተማርያም ኣብ ኤርትራዊ ቀዳማይ ናይ ሕጊ ድግሪ ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ጀርመን ማስተርስ ድግሪ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ ከኣ ካብ ካንሳስ ዩኒቨርስቲ ብጀይዲ (ዶክተረይት) ተመሪቑ።
ነፍታሌም ድሕሪ ትምህርቱ ምውድኡ ኣብ መኣዲ ሞያ ሕጊ ምውፋሩን ድሒሩ ከኣ ነዚ ናይ ባዕሉ ትካል ሕጊ መስሪቱ ኣብ ዝነብረሉ ክፍለ ግዝኣት ስያትል ዋሽንግተን ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ክፍለ-ግዝኣታት ጨንፈራት ብምኽፋት ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
ንስርሓቱን ተመኵሮኦን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን ኣብ 90 ዓመቶም ካልኣይ ዝነውሐ ኣፍሪቃዊ እምባ ይሓዅሩ
            <description>ዋሽንግተን ዲሲ — ዶክተር ናይዝጊ ገብረመድህን ብምኽንያት መበል 90 ዓመቶም ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብንውሓቱ ድሕሪ እምባ ኪሊማንጃሮ ዝነውሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እምባ ኬንያ ሓዂሮም ኣለዉ። ነዚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ እምባ ንመበል 13 ግዜኦም’ዮም ዝድይቡዎ ዘለዉ። ኣብዚ ዝደሓረ ጕዕዞኦም ግን እንኮላይ ደቂ-ደቆም ሒዞም’ዮም ተጓዒዞም። ናብዚ ደረጃን ብቕዓት ኣካላትን ዘብጽሖም ምስጢርን ኣገባብ ህይወትን ኣካፊሎምና ኣለዉ።
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኣብ ርክባት ህዝብታት ዕዙዝ ተራ ከም ዝሕዝ ይግለጽ
            <description>ዋሽንግተን — ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ  ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ብፋላይ ኣብ ርክባት ህዝብታት ዕዙዝ ተራ ከም ዝሕዝ ኣሰናዳእቲ ይገልጹ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደን ካብ ምሉእ ኣመሪካ ዝመጹ ልዕሊ 20 ሺሕ  ሰባት ከም ዝተሳተፍዎን ዝግለጽ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለዩ ባህላውን ትምህርታውን ንጥፈታት ኣተኣናጊዱ ኔሩ።  ኣብቲ ፈስቲቫል ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ርክባት ህዝባታት ኣመሪካን ኤርትራን ኣተኩሩ  ምስ ተሳተፍቲ ዝግበሮ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን
            <description>ዋሽንግተን — ሓሙስ 25 ሓምለ 2024  ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ  ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ኣወሃሃድቲ እቲ ምትእኽኻብ ኣብ መወዳእታ 2011 ዝተመስረተ መርበብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ (Eritrean Diaspora Network)’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ፖለቲካዊ ፍልልያት ነቶም  ኣብ ደገ ተወሊዶም  ዝዓበዩ’ውን ማዕረኡ ስለ ዝጸልዎም ካብኡ ወጻኢ ኣብ ምሕያል ማሕበረኮማት ዝስርሕ መርበብ ንምምስራት’ዩ።  እዚ ኪንዮ ፖለቲካዊ...</description>
ምስ ፕሮፈሰር ኤርሚያስ ክብርኣብ -- ከብቲ ኣብ በከላ ኣከባቢ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዩኒቨስቲ ደቪስ ዝምህር ፕሮፈሰር ኤርሚያስ ክብርኣብ ኣብ ምርምር ምርባሕ ከብቲ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ’ዩ። ከብቲ ብመንገዲ መጕስዐን ዝተፍአኦ ሚትየን ዝተባህለ ጋዝ፡ ንኣከባቢ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዝሕብር ፕሮፈሰር ኤርሚያስ፡ እቲ ፍታሕ ከብቲ ኣጕዲልካ ምህርተን ምዕባይ ምዃኑ ይዛረብ። ኣብቲ ዝምህረሉ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክፍሊ ኢንዳውድ ቸይር --ኣብቲ ዓውዲ ብሉጽ ምርምራዊ ስራሓት ንዝግበሩ ዝወሃብ ክብሪ--ዝተዋህቦ ፕሮፈሰር ኤርሚያስ ምስ ዝተፈላለየ ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት ዝተኣሳሰረ ሓያሎ ናይ ፈተና መደባት ኣብ ኣፍሪቃ (እንኮላይ ኢትዮጵያ)ን ምዕራብ ኤስያን ኣለዎ። ንውልቃዊ ተመኵሮኡን መደባቱን ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ዕላል ምስ ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ ሊሊ ዮሃንስ
            <description>ዋሽንግተን — ካብ ኤርትራውያን ስድራ ትውለድ ጓል 16-ዓመት ሊሊ ዮሃንስ፥ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት፥  ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣመሪካ ዝተሰለፈት ዝነኣሰት ተጻዋቲት ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ`ላ።  
ኣብ ነዘርላንድስ ምስ ክለብ ኣያክስ ትጻወት ሊሊ፡  ቅድሚ  ክልተ ሰሙን፥  ኣብዚ ምስ ጋንታ ኣመሪካ ተሰሊፋ፡ ኣንጻር ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፡ ብልጽቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ዓይኒ ተዓዘብቲ ስሒባ`ላ። 
ንሊሊን ፡ ንኣቦኣ ዳንኤል ዮውሃንስን ንመደብ ኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን  ኣዘራሪብናዮም ኣለና፡፡
ክልተ ኣሓት ወነንቲ ኩባንያ 'ክራር'
            <description>ዋሽንግተን —  ራሄል ዮሃንስን ሩት ዮሃንስን  ናይ ባዕለን መኣዲ ስራሕ ብምፍጣር  ኣብዚ እዋን ኣከፋፈልቲ ቡን: ቆጽሊ ሻሂን ቀመማት ሻሂ ዝኣመሰሉን ኮይነን ይሰርሓ'ለዋ። 
ብፍላይ ዋሽንግተን ዲሲ መደበረን ክኸውን ዝመረጻሉ ምኽንያት ዲሲ ብፍላይ ናይ ባዕለን ስራሕ ክፈጥራ ንዝደልያ ውሑዳን ጸለምቲ ደቀንስትዮ ደገፍን ልቃሕን ገንዘብ ብምሃብ ዘተባብዕ ብምኻኑ ከምዝኾነ ሓቢረን።  
ራሄል ዮሃንስን ሩት ዮሃንስን ብዛዕባ ተመኩረንን ስርሐንን  ኣዘራሪብናየን ኣለና። 
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
            <description>ዋሽንግተን/ኣስመራ — ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን  ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
እቲ ማሕበር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝምስረት ንድሓር ንሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራ  ፈላማይን ቀጥታዊን ናይ ገንዘብን ሕክምናዊ ንዋትን ድጋፍ ከም ዝገበረን ኣብዚ እዋን`ዚ ድማ ንኻልኣይ እብረ ሓገዝ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ኔሩ።
ንገለ ካብ ኣካየድቲ`ቲ ፕሮጀክትን ካብቶም ተቐበልቲ ሓገዝን ብምዝርራብ ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምክቻል ይክኣል፡፡
ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ -- ወፍሪ ንጥዕና 
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቶም መራሕቲ ሕክምና ዝነበሩ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ፖሊስ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ምሕንጻጽን ኮለጅ ጥዕና ኣብ ምምስራትን መሪሕ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዶክተር ኣሰፋው፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮ ናይ ካሊፎርኒያ ንዝርከብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና’ውን መስራቲ’ዩ።
በዓልቲ-ሞያ ቅብኣን ዲዛይንን ንግስቲ ዘወልዲ ተመክሮኣ ተካፍል
            <description>ዋሽንግተን — ንግስቲ ዘወልዲ(ቲቲ) ኣብ ቅብኣን ዲዛይንን ከምኡ`ውን ኣብ ዝተፈላለዩ  ውሽጣውን ግዳማውን ዲዛይን ስነ-ህንጻ ትነጥፍ ዘላ ኤርትራዊት`ያ ። 
ኣብ ዝተፈለለዩ ዓለም-ለኻዊ ስነ- ጥበባዊን መድረኻት ብምስታፍን ምርኢት ፋሽን ብምድላውን ተሸሊማን`ያ።  ንሳ፡ ኣብ ኣመሪካ ንክነብራ ንዝመጻ ደቀንስትዮ፡  ህይወተን ከመሓይሻሉ ዝኽእላ ብዙሕ ዕድላት ከም ዘሎ ትመክር።
 ቲቲ፡  ኣብ ካሊፎርንያ፡ ከባቢ ኦክላንድ ትነብር በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቆልዑትን`ያ። 
መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን -- ተደመሮ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ናይ 2024 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ውልቃዊ ተመኵሮ ተሳተፍቲ ቃልሲ ንሓርነት፡ ዓባይ ተደሞሮ’ያ።  እዛ “Eritrea’s hard-won independence and unmet expectations: From the perspective of a veteran freedom fighter” (“ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዘይተመለሰ ትጽቢታትን፤ ጠመተ ብኣዒንቲ ተጋዳላይ ነበር”) ዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመት መጽሓፍ ልዕሊ 400 ገጻት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ ኣለዋ። ኣብኡ ድማ ውልቃዊ ተመኵሮን ተዘክሮን ደራሲ ኣብ ቃልሲ፣ ናይ ኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ጻንሖቱ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻኡ ብዝረኸቦ ተመኵሮታት ዝጥምት ትንታነ፣ ከምኡ’ውን ደራሲ ቅድሚ ሕጂ ብናይ ብርዒ ኣስማት...</description>
ምህናጽ ገንዘባዊ ዓቕሚን ኣጠቓቕማ ፋይናንስን
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ምሕደራ ፋይናንስ ትነጥፍ ኣዜብ ፍስሃዬ ዑቕባየስ፥ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ብዛዕባ ምህናጽ ገንዘባዊ ዓቕምን ኣጠቓቕምኡን ብዝምልከት ትምህርቲ ሂባ ኔራ።
ብዙሕ ሰብ ሰኣን ገንዘባዊ ንቕሓት ብዙሕ ዕድላት ከምዘምልጦ ትገልጽ ኣዜብ፥ ኣብ ኣመሪካ፡ ግብሪ ምኽፋል፡ ንሓዋሩ ከምዝኽሕሰካ ተዘኻኽር።
ናብ ኤርትራ መሐከሚ ካንሰር ዝኸውን ዘመናዊ መሳርሕታት ንምእታው ዝካየድ ንጥፈታት 
            <description>ዋሽንግተን — ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ናብ ኤርትራ መሐከሚ ካንሰር ዝኸውን ዘመናዊ መሳርሕታት ንምእታው ጽዑቕ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ንጥፈታት የካይዱ'ለዉ። 
27 ጥሪ 2024 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ መደብ ኣብ ሓደ ምሸት ኣስታት 110 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ምግባሩ ተጠቒሱ'ሎ። 
እቲ ብደረጃ ኣመሪካ ዝካየድ ጎስጎስ፥ ዕላምኡ ካብ 6 ክሳብ 10 ሚልየን ዶላር ንምእካብ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣስታት 3 ሚልየን ዶላር ከም ዝተኣከበ ኣተሓባበርቲ'ቲ ፕሮጀክት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።