ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ድምጺ ኣመሪካ
ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ድምጺ ኣመሪካ
ምስ ደራሲት ገነት ይብራህ
            <description>መቐለ — ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ኣትሒዛ ኣብ ምድራስ መጽሓፍቲ ዝተዋፈረት ገነት ይብራህ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሳልሰይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ንህዝቢ ኣቕሪባ ኣላ። 
ኣብ ክልል ትግራይ ሕጽረት ልበ-ወለድ ከም ዘሎ ትገልጽ ገነት ይብራህ፡ ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ከላ ዝጸሓፈታ “ዘይወግሕ ለይቲ" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደትን ካብ ሳዕቤናቱ ክውሰድ ዝግባእ ትምህርትን ተዘንቱ።
ትካል “ሕውየት” ከም ስሙ -- ኣብ ትግባር
            <description>መቐለ — “ሕውየት” ዝተሰምየ፡ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝገበረ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ በበይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታት ዝሕግዝ ትካል’ዩ። ኣብ ሓጺር ዕድመኡ ንኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሓ ኣደታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝሓገዘ መስራቲት እቲ ትካል ወ/ሮ መሰረት ሓዱሽ ትሕብር። ነዘን ኣደታት ስነ-ኣኣሙራዊን ካልእ ግብራዊ ስልጠናታትን ብምሃብ’ዩ እቲ ትካል ነተን ኣደታት ናብ ንቡር ህይወተን ክመልስ ዝጽዕር።
ጉዳይ ክልከላ ሕጃብ ተመሃሮ ኣኽሱም ብቃላት ሰብ-ጉዳይ
            <description>ዋሽንግተን — ኣርባዕተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣኽሱም፡ ተመሃሮ ኣመንቲ እስልምና ሕጃብ ለቢሰን ንኸይመሃራ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክልል ትግራይ መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። በበይኖም ኣካላት እቲ ጉዳይ፡ መፍትሒ ክግብሮ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከብቅዑ፡ ዛጊት ግን ኣብ መዛዘሚ ኣይበጽሐን።
ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቤተ-ጥበበ ምንያ ንተሃድሶን ጥበብን
            <description>መቐለ — ቤተ-ጥበብ ምንያ፡ ፈለማኡ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ህጻናት ካብ ሰግለለት ኲናት ወጺኦም፡ ንምስኣልን ምዝንጋዕን ባይታ ንምፍጣር’ዩ ዓሊሙ። ድሒሩ’ውን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት’ውን ብምትሕብባር መደባቱ የዕብዩ፡ ንጀመርቲን ነባራትን ስነ-ጥበበኛታት ስራሓቶም ዘተኣናግድሉን ዝራኸቡሉን ማእከል ዓብዩ ኣሎ።
መስራቲት እዚ ትካል ምንያ ሓዱሽ ንባዕላ ቀባኢት ኰይና፡ ኣብ በበይኑ ስራሓት ግርፊክስ’ውን ከም እትነጥፍ’ያ እትገልጽ። እዚ ማእከል ሎሚ ዝሰፍሐ ስፍራ ሒዙ’ዩ ንዳግመ-ሕውየት ኲናትን ንጽባቐ ጥበብን ከም ዝሰርሕ መስራቲቱ ምንያ ትሕብር።
ስድራቤታት ምሕጽንታ የቕርቡ፡ ሰማዒ ግን ኣይረኸብናን ይብሉ
            <description>መቐለ — ብሕልፊ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ዘቤታዊ ቅትለትን መጭወቲን ደቀንስትዮ ኣብቲ ክልል በዚሑ ከም ዘሎ ስድራቤታትን ኣብቲ ጉዳይ ዝሕለቑ ኣካላትን ይዛረቡ። ነዚ ዘእንግድ ዘተን ናይ ሓባር ጻውዒት ዘቕርብን መድረኽ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተሰናዲኡ ነይሩ። ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት መሓዉራቱ ስለ ዝፈረሰ ቅጽበታዊ መፍትሒ ንምሃብ ከም ዝተጸገመ ይገልጽ።
**ኣካያዲት ስራሕ "ይኾኖ"፡ "ፅጌና" ዘይኰነስ "ፅዴና" ተባሂሉ ክእርመንን ክንበብን ምስናይ ይቕረታ ነዘኻኽር።
ማሕበር “ጎርዞ” -- እምቢታ ንምልኪን ወጽዓን
            <description>መቐለ — ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ጎራዙ ንዝሓለፈኦ ተመኵሮ ህይወትን ሓድሕድ ምድግጋፍን ዝቖመ ማሕበር “ጎርዞ” ጸኒሑ ተበጻሕነቱ ዓብዩ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን ጨናፍር ከቝም ምጅማሩ ካብ መስረቲ እቲ ትካል ይሕብራ። እቲ መሳቱ ንመሳቱ ንምትሕብባር ዝጀመረ ምትእኽኻብ ሎሚ ዓብዩ፡ መሰላት ኣብ ምፍላጥን ንድሕሪ ኲናት ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮታት ኣብ ምቅላስን ይርከብ።
ተስፋ -- ቃልሲ ኣንጻር ድርብራብ መሰናኽላት
            <description>ዋሽንግተን — ነባሪት ኣትላንታ- ጆርጂያ ዝዀነት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ቤትኤል በየነ ንሕማም መንሽሮ ጡብ ካብ ትብድህ ካብ  ድሮ ሸውዓተ ዓመት የሕሊፋ ኣላ።
እንተዀነ ቤትኤል ነቲ ዝሓለፈቶ ተመኵሮ ናብ ካልኦት ንምትሕልላፍን በዚ ሕማም ንዝተጠቕዓ ተስፋ ንምሃብን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ’ያ እትርከብ። ንመንሽሮ ጡብ ትበድህ ደኣ እምበር ካልኦት ሕዱራት ሕማማት ጸይራ’ያ ነዚ ቃልሲ እተካይዶ።
ባህላዊ ፍልልያትን ተኣፋፍነትን ኣብ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ 
            <description>ዋሽንግተን — ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ሓያሎ ሕብረተሰባት ብዙሕ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ ብምዃኑ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከም ዘግድዶ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ዝዛረቡ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ምስ ባህሊን ኣከባቢን’ውን ልምዲን ተመክሮ ህይወትን ስለ ዝፈላለ ብሕልፊ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተሰደዱ ዜጋታት ከቢድ ኣርእስቲ ምዃኑ ክኢላ እቲ ዓውዲ ሰላም ፍስሃየ ትዛረብ።
ተመክሮ መምህር ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ኤርትራ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኢንስትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ (ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ) መምህር ዓውዲ ባዮሎጂ ሰብለ ሃይለ፡ ኣብ ኮለጃት ዘሎ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዘተባብዕ ከም ዝኾነን ምኽንያቱ ድማ ንቕሓት ተመሃሮን ድጋፍ ወለድን ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ ብወገና ንተመሃሮኣ ኣብቲ ዘይድፈር ዝመስል ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክሕይላ ከም ዝተባብዕ`ውን ጠቒሳ`ላ።
ብምኽንያት ስድራ-ቤታዊ ሓላፍነት ንዝለዓለ ዲግሪ ንምቕጻል ገለ ብድሆታት ከም ዘጋጠማ ትጠቅስ ወ/ሮ ሰብለ፡ ነዘን ሎሚ ዝምረቓ ዘለዋ ተመሃሮ ግን ዝሓሸ ዕድላት ከም ዘለወን ገሊጻ`ላ።
ዕላል ምስ ኾኾብ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ
            <description>ዋሽንግተን — ኾኾብ ተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎዛ ኣበራ፣ ምስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝማእከላ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ‘ዲሲ ፓወር’ ክትስለፍ ውዕል ተፈራሪማ አላ። እዚ ውዕል’ዚ ንሎዛ ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ፕሮፈሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ አብኣመሪካ ክትከውን ኣብቕዕዋ'ዩ።
ሶማል- ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንምትራፍ ዘሎ ጕዕዞን መሰናኽልን
            <description>ሞቃዲሾ — ሽሕ እኳ ንምቍራጽ እቲ ጎዳኢ ልምዲ ዝኾነ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ቀጻሊ ጎስጓሳት እንተተኻየደ፡ ገና ግን እቲ ተግባር ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ስለ ዝቕጽል፡ ንሚልዮናት ደቀንስትዮ ኣብ ቀጻሊ ስቓይ የንብረን ኣሎ። ሶማል ሓንቲ ካብኣተን’ያ። 
እዛ ንድሕነታ ስማ ክዕቀበላ ዝሓተት ጓል 17 ዓመት ጎርዞ ኣብ መቓዲሾ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምስ ስድራቤታ ትቕመጥ። ብንእሽቶኣ ስለ ዝተኸንሸበት ሓድጊ ናቱ ገና ምስኣ’ዩ ዘሎ።
ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ውድብ ጥዕና ዓለም ጎዳኢ ልምዲ ብምባል ብኽውገድ ይጉስጉስ።
እዛ መንእሰይ ጓል 12 ዓመት እንከላ ምስ ተኸንሸበት ድሕሪኡ ኣብ ቀጻሊ ቃንዛን ስነ-ኣእሙራዊ ዘይምርግጋእን ከም እትርከብ ትሕብር።
“ብኽንደይ ቃንዛ’የ ሓሊፈ። ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ። ድሕሪኡ ቀጻሊ ረኽሲ ነይሩኒ። እታ ኣሰቃቒ ህሞት ደጋጊሙ ብሓሳበይ...</description>
ማእዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግብታት ኣብ ገደና
            <description>ኣስመራ — ካብ 10 ክሳብ 18 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ተኸፊቱ ኣብ ዝቐነየ ፌስቲቫል ኤርትራ 2024፡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ምርኢትን መሸጣ ባዛርን ቀሪቦም ነይሮም።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒ/ሕርሻ ኤርትራ ብዝቖመ ማሕበር ሕርሻዊ ንግዲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ማ.ሕ.ደ.ኤ) ዝቐረበ ምርኢት ዝተመስርሑ መኣዛዊ መግብታት ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ’ቲ ዓመታዊ ፌስቲቫል ዝቐረቡ ትሕዝቶታት’ዮም።
እዘን ኣብዚ ምርኢት ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብውልቅን ብጉጅለን ኣብ ንግዳዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተዋፊረን ናብራአን ዝመርሓ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ኮይነን፡ ንባህርያዊ ትሕዝቶ ሕርሻዊ ፍርያት ብምምስራሕን ክብሪ ዋጋ ብምውሳኽን ዘዳለወኦ ዝተፈላለየ መኣዛዊ መግብታት እየን ንምርኢት ኣቕሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ንምክትታል ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሰዓቡ።
ኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን ኣደን ወደን ደረስቲ መጽሓፍቶም ብወለንተኛታት ተማሃሮ የተርጉሙ
            <description>ዋሽንግተን — ኣደን ወደን ጽምዲ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝበጽሕሉ ንዝሓለፍዎ ተመክሮን ኣጋጣሚታትን ብመልክዕ መጽሓፍ ሽዱሽተ ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሕታሞም ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ክትርጉምዎ ጀሚሮም።
እዚ ናይ ትርጉም ስራሕ ብኣስታት 15  ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተማሃሮ ተዳልዩ ንሕትመት በቒዑ ከምዘሎን ብተወሳኺ እቶም ተመሃሮ ናቶም መጽሓፍቲ ክጽሕፉን ከሕትሙን ዘኽእል ፕሮግራም ንምጅማር ምኽኣሉ ዲቦራ ሃይለ ትዛረብ።
 ንደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲታት መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢታትን
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ኢትዮጵያ ደቂኣንስትዮ ዝተፈላለዩ መርበባትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጠቂመን ዝተፈላለዩ  ጉዳያት ብምልዓል ሓሳባት ኣብ ዝለዋወጣሉን እዋን፡  ናይ ጽልኢን ጽያፍ ዘረባታትን ንፆታዊ መጥቃዕቲታትን ዝያዳ ዝተቃልዓ ምዃነን ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ሴንተር ፎር ኢንፎርሜሽን ሬዚሊያንስ ዝተባህለ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ መፅናዕቲ ሓቢሩ።
ማሕበር ዕንባባ ንሕውየት ማሕበረሰብ
            <description>መቐለ-ዋሽንግተን — ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተባዕለሉ እዋን ንትግራይ ወኪላ ተሸላሚት ንዝኾነት ማሕበር ዕንባባ ዘተኣናጋደ መደብ’ዩ ናይ ሎሚ ስሩዕ መድብና።  ኣባላት እዚ ባህላዊ ምንቅስቃሳተን ብፍላይ ምስ ኲናት ተተሓሒዙ ማህሰይቲ ንዝወረዶ ማሕበረሰብን ከባቢን ኣብ ምሕዋይ ዝህልወን ግደን ዝረከበኦ ሽልማትን ኣመልኪቶም ሳራ ፍሰሃየን ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ድምፂ ኣመሪካ ሙሉጌታ ኣፅበሃን ብሓባር ዘዳለዉዎ’ዩ። 
ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ኣብ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ 
            <description>ዋሽንግተን/መቐለ — ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ብናይ ውልቀ ፃዕራን ወፃኢታትን ክትሕብሕብ ዝፀንሐት በዓልቲ ሞያ ሕክምና ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ፡ ግሎባል ኣፌርስ ካናዳ (Global Affairs Canada) ደቂ ኣንስትዮ ሰላምን ፀጥታን (WPS AWARD) ኣብ ዝተባህለ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ። 
ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተሳለጠ መድረኽ ሽልማት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ሜለኒ ጆሊ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ብኹሎም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ብምጥቃስ ነቲን ግዳያት “ፈላመይቲ ኣፋፍኖት ተስፋን ብርሃንን ዝኾነተን ግን ንሳ እያ ነይራ” ክብላ ተዛሪበን።
14 ግንቦት 2024 ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ዲፕሎማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ክልል ትግራይ ሲስተር ካሕሳ...</description>
ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ንስራሕ ግብረሰናይ ዝተበገሰት ገሊላ መኮነን
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ቁልዕነታ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸደትሉ ኣብ መነባብሮን ኣገልግሎት ትምህርትን ብዝተዓዘበቶ ዝተገረመት ናይ እቲ ሽዑ እዋን ህፃን ገሊላ መኮንን ዝተዓዘበቶ ብድሆታት ንምግጣም ሓገዛት ከተበርክት ወሲና።
ጓል 10 ዓመት ኮይና ዝተዓዘበቶ ነቲ ናይ ግብረሰናይ ስርሓት ዘበገሳ ምዃኑ ኣቡኣ ኣቶ መኮነን ሃይለመስቀል ይዛረቡ።
“ክዳንን ጫማን ዘይብሎም ኣሕዋተይ’ውን ኣለዉኒ ግን ካልእ’የ ዝርኢ፡” ወ/ሮ ሊድያ ሸፈርድ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ክልል ትግራይ ማእከላይ ዞባ ኣብ ወረዳ ሓሓይለ ተወሊደን ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ንስደት ዘምርሓ ወይዘሮ ሊድያ ሸፈርድ፡ ኣብታ ተወሊደን ዝዓበያላ ዓዲን ከባቢን ተመሊሰን ምስ ከዳ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተዓዘበኦ ስእነት ትምህርቲን ሕክምናን ስቕ ኢለን ንኽዕዘባ ኣየኽኣለንን። ገዝአንን ካልእ ውልቃዊ ንብረትንን ሸይጠን ፈለማ ቤት ትምህርቲ፡ ዳሕራይ ድማ መወለዳን ክሊኒክ ሰሪሐን። ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ ንዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺን ካልእ ምስ ስራሕተን ብዝምልከት ኣዘራሪብናየን ኣለና።
 ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ) 
            <description>ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።
ሰናይት እዚ መተግበሪ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን እንታይ ትሕዝቶ ከምዘለዎ’ውን ኣብዚ ቃለ መሕትት ተብርህ።
እዚ ንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ ተባሂሉ ዝተዳለወ መተግበሪ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ትርጉም ‘ውን ከምዘለዎ ሰናይት ትገልጽ። ክሳብ ሕጂ ናብ ሓሙሽተ ቋንቋታት ማለት ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ቱርኪ፡ ዩክሬንን ፈረንሳን ኣገልግሎት ትርጉም ምሃብ ጀሚሩ’ሎ ። ኣብ መጻኢ ካልኦት ቋንቋታት ንምውሳኽ መደብ ከምዘሎ ሰናይት ትሕብር።
እዚ መተግበሪ ነዞም ኣካላት ኣብ ካልእ መዓልታዊ...</description>
ኣራንሺ፡ ዓሳን ንህቢን? -- ራህዋ ተራኽቦም
            <description>ኣስመራ — ኣብቲ መብዛሕትኡ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝዕየ ስራሕ ጎሚስታ ንልዕሊ 12 ዓመታት ከም ዝሰርሐት እትገልጽ ራህዋ እዮብ፡ ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጀሚራ ከኣ ኣብ ሰገነይቲ መፍረ ንህቢ፡ ኣብ ጸሮና ሕርሻ ኣራንሺን ካልእ ፍረታትን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ድማ ኣብ ሕርሻ ዓሳ ትነጥፍ። ኣደ ሽዱሽተ ውሉዳት ዝዀነት ራህዋ፡ ምስቶም ንበይነ ዘዕበየቶም ደቃ ኰይና’ያ ነዚ ገፊሕ ዕማም እትሰርሖ።