እዋናዊ ጉዳያት - ድምጺ ኣመሪካ
እዋናዊ ጉዳያት - ድምጺ ኣመሪካ
ምውንጃል መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሽ ጎንጺ ክመርሕ ይኽእል’ዶ?
            <description>ዋሽንግተን — ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ናይ እንግሊዘኛ መርበብ ሓበሬታ ኣልጃዚራ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ግጭት ምውጋድ፡ ውሳነ ዝውሰደሉ ግዜ’ዩ፡” ክብል ጽሒፉ። ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ፡ “ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ምስ ገለ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምልፋን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ክትከፍት ትቀራረብ ኣላ፡” ዝብል’ዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ወሲኹ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ዞባ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናት ብምንቛት ይሕመሶ ኣሎ፡” ኢሉ ነዊሕ ሓተታ ብምቕራብ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን’ውን እቲ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንምትዕንቓፍን ንኢትዮጵያ ምሕማስን ይሰርሕ ኣሎ፡” ክብል ይኸስስ።
ዶክተር ሙላቱ ኣብ መዛዘሚ ናይ ኣልጀዚራ...</description>
መራሕቲ ክልል ትግራይ ንምሉእነት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ይጽውዑ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ተመኵሮን ሃጓፋት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝጠመተ ከይዲ ምስማዕ ተኻይዱ ነይሩ። 
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ሸምገልቲ ነቲ ዝተረኽበ ተመኵሮ ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦ-መንበር ህወሓትን ግን ተሪፉ ኣብ ዝበሉዎ ዘይተማልአ ነጥብታት’ዮም ኣተኲሮም። ተወካሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንምሉእነት ትግባረ ዘለዎም ቅሩብነት ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ብዓይኒ በዓል ሞያ ሕጊ
            <description>ዋሽንግተን — ሰኑይ 20 ጥሪ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡  ንኢምግረሽን ዝምልከት ክልተ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ`ሎ። ካብ መንጉኡ፡ ዶብ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ብኣልማማ ዝሰጉግ መምርሒ ዝርከቦ ትእዛዝ ክኸውን ከሎ፡ 
ንዝቕፅል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ`ውን ትእዛዝ ኣሕሊፉ`ሎ። ከምኡ'ውን እቲ `ወልካም-ኮርፕስ` ዝብሃል ብጉጅለ ሓሙሽተ ዝፍለጥ፡ሓዲሽ ፕሮግራም-ምምዋል ስደተኛታት ደው ከምዝበለ ይግለጽ ኣሎ።  
ንግዳዊ ኲናት ሰሜን ኣመሪካ ካበይ ናበይ?
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ መክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ዝኣቱ ንብረት፡ ብቐዳም ወሰኽ ግብሪ ገይሮም ኣለዉ። 
ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከቋርጾ ምዃኑ፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ደጋጊሙ ዝጠቅስ ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ወፍሪ ምትሕብባር ንዘየርእያ ሃገራት ቀጻዒ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ’ዩ። ቀዳም እምበኣር ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳን መስኪኮን ናይ 25% ተወሳኺ ግብሪ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ድማ ናይ 10% ወሰኽ ኣዊጁ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣድላዪ ስጕምቲ ኣይገበራን ክብል እንከሎ፡ ንመክሲኮን ቻይናን ከኣ ኣብ መፍረ ፈንታኔል ይኸሰን። ንምዃኑ እዚ ፈንታኔል ዝብሃል ዘሎ ባእታ እንታይ ምዃኑ ንኸብርሃልና ኣብ...</description>
መብርሂ በዓል ሞያ ሕጊ ንሕቶታት ኢሚግረሽን ሓድሽ መምርሒን ኣመሪካ
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመላ ምሸት 20 ጥሪ 2025 ንጉዳያት ኢሚግረሽን ዜግነትን ኣመሪካ ዝምልከት ኣርባዕተ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ። እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት--ንገለ ካብኣቶም ተቓምዎ ቤት-ፍርዲ ይገጥሞ እኳ እንተሎ--ንሕግታት ኢሚግረሽን ኣመሪካ ብዙሕ ዝልውጥ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ ከኣ’ዩ ኣብ ሓያሎ ወገናት ሕቶታትን ሻቕሎት ኣስዒቡ ዘሎ። ነዞም ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ቀንዲ ጉዳያት መብርሂ ንምሃብ እምበኣር ንክኢላ ሕጊ ጉዳያት ኢሚግረሽን ኣቶ ሚኪኤል ዓንደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ትንታነ- ንፖሊሲ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?
            <description>ዋሽንግተን — ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ  ነቶም ሰኑይ 20-ጥሪ 2025 ንካል ኣይ እብረ መዝነት ቃለ መሓላ ዝፍጽም ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ  ዶናልድ ትራምፕ ሰናይ ትምኒትን ሓቢሮም ንምስርሕ ዘለዎም ድልየትን ዝገለፅሉ መልእኽታት ኣመሓላሊፍሎም’ዮም።  ካብ መንጎ’ቶም መልእኽታት ዝለአኹ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይርከብዎም።
ትራምፕን ምምሕዳሮም ንኣፍሪቃ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎም ኣመለኻኽታን ፖሊስን እንታይ ክመስል ይኽእል ይኸውን ዝብል ንምርኣይ ንዶ/ር ኪዳነ መንግስትኣብን ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርግስን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። 
ክልከላ ሕጃብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ሰዓብቲ እስልምና ሃይማኖት ኣዋልድ ሕጃብ ተኸዲነን ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይኣትዋ ምኽልካሎም ስዒቡ ዛጊድ 159 ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኣጓጊለን ይርከባ።
ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት እስልምና ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ፍታሕ ክግበረሉ ናብ ቤትፅሕፈት ትምህርቲ ኣኽሱም ዘቅረብዎ ቅሬታ ብደብዳበ መልሲ ተዋሂቡዎም ነይሩ
1. ፖሊሲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ስሪት ንኽነውፅእ የፍቅደልና እዩ። ብሙዃኑ “ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ሃይማኖታዊን ፖለቲካውን ፅዕንቶ ነፃ / ሴኩላር/ ኮይኑ ክኸይድ ንምግባር እዩ”
2. ሕገመንግስቲ ፌ/ዴ/ሪ/ኢትዮጵያ ዓንቀፅ-90 ተራ ቁፅቲ-2 “ትምህርቲ ካብ ሃይማኖታዊ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ባሕላዊ ፅዕንቶታትን ነፃ ክወን...</description>
ቃለ-መሕትት ምስ ፕሮ. ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ዓውዲ ኣሰረ ህይወት ክመራመር ሉሲ ፅልዋ ከም ዘሕደረትሉ ዝዛረብን ካብ ሉሲ ቅድሚ 150 ሽሕ ዓመት ንዝነበረት ሰላም ብዝብል ሽም እትፍለጥን ኣሰረተ ህይወት ዝረኸበ ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ ጋሻ ጌርና ዓዲምናዮ ኣለና። 
ዝኽሪ 50-ዓመት ምርካብ ኣሰር ህይወት ሉሲ
            <description>ዋሽንግተን — ብጥንታዊነታ ቅድሚት  እትስራዕ  ኣሰረ-ህይወት /Fossil/  ሉሲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር  ካብ እትርከብ 15 ሕዳር 2017 ዓ\ም 50 ዓመት ኣቑፂራ ኣላ። 3.2 ሚሊዮን ዓመት ዘቑፀረት ሉሲ( ድንቅነሽ) ንዝረኸባ ተመራማራይ ፕሮፌሰር ዶናልድ ጆሃንሰን ጋሻ ጌርና ዓዲምናዮ ኣለና። 
ካርተር -- 100 ዓመታት ጻንሖት፡ መሪሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት
            <description>መበል 39 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበርን ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም 2002ን ዝዀነ ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ብሰንበት ፕለይንስ ኣብ እትብሃል ከተማ፡ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ዓሪፉ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “ኣመሪካን ዓለምን ዝዓበየ መራሒ ከሲረን” ክብል ገሊጹዎ።
ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን፡ “ካርተር ኣመሪካ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ኣብ ዝነበረትሉ ዝመርሐን ኵሉ ዝከኣሎ ዝገበረን” ክብል ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ።
ንፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተር ዝነበሮም ክብሪ ዝገልጹ ዘለዉ ግን እንኮላይ ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘይብሎም መራሕቲ ሃገራት’ዮም።
ፕረዚደንት ኲባ ሚጉወል ዲያዝ-ካነል፡ ብሞት ፕረዚደንት ነበር ካርተር ዝተሰምዖ ሓዘን ንህዝቢን መንግስቲን ኣመሪካ ክገልጽ እንከሎ፡ ህዝቢ ኲባ ብፍሉይ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝምድና ክልተ...</description>
ትንታነ -- ካብ ኣዋጅ ኣንካራ መን’ዩ ረባሒ?
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ መንጎ መንግስታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ብ11 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ ቱርኪየ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ብሓያሎ ሃገራት ማለት ከም ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝመሰሉ ውድባትን ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።
ብመሰረት ኣዋጅ ኣንካራ፡  ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ስልጣን ሶማልያ፡ ተጠቃሚት ኣፍደገ ባሕሪ ሶማል ክትከውን ተረዳዲአን ኣለዋ።
ዕጫ’ቲ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ዝተበጽሐ መዘከር ስምምዕ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ግን ዛጊት ኣይነጸረን።
ኣዋጅ ኣንካራ፡ ዝተጸውዐ መግለጺ ክልተኣን መንግስታት፡ኣመሪካ “ነቲ ዘሎ ምትፍናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘወግድን ነተን  ሃገራት  ድማ ብቐዳምነት ዘገድሰን ኩነታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ሓቢረን ንኽሰርሓ መንገዲ ዘርሑን፡” ክትብል ገሊጻቶ። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ...</description>
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?
            <description>ዋሽንግተን — ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ።
ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ ገዲፉ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጉዳይ ዝዛረብን ዝብል ተሪር ግብረ-መልሲ ሂቡ። እዚ ብ9 ታሕሳስ 2024 ብፋና ዝተዋህበ መግለጺ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ካብ ዘለዎ ወገን ወግዓዊ ዝዀነ...</description>
ዘተ - ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምፍናውን ምምላስ ናብ ሕብረተሰብ ዕጡቃት ተዋጋእቲ  ነበር ክልል ትግራይ 
            <description>ዋሽንግተን — ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ፈላማይ ዙር ትግባረ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምጥያስን ምጽንባር ናብ ሕብረተሰብን ጀሚሩ ኣሎ። 
እዚ ትግባረ ብደረጃ ሃገር 371-ሽሕ ዕጡቃት ተዋጋእቲ ነበር ዕጥቆም ብምርካብ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም ስሩዕ መነባብሮኦም ዝመርሕሉ ኣገባብ ንእግሪ መትከሊ ተባሂሉ ካብ ለገስቲ ሃገራትን መንግስቲ ፌደራልን ተኣኻኺቡ ብዝወሃቦም ገንዘብ ዝፋነውሉ ተግባር እዩ። 
ኣብ'ዚ ጉዳይ እምበኣር ንኣፈፃፅማን ትግባርኡ ዝምልከት ካብ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ድሕሩ ትግባረ ኣብቲ ክልል ነቶም ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅምበሩ ዘለዉ ዕጡቃት ነበርቲን ብመንግስትን ዜጋታትን እንታይ ትልምን ቅድመ ድሉውነትን ኣሎ ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ሰብ ብፅሒት ኣካላት ዝዓደምናሉ መደብ እዩ።  
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ...</description>
ሲሃም ዓሊ -- ትሕቲ ዕድመ 12 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ
            <description>ዋሽንግተን — ሰንበት 08 ታሕሳስ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከባቢ ሓወልቲ፡ ንመበል 12 ዓመት ማእሰርቲ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ንምዝካር ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ቫኔሳ ጸሃየ፡ ናይ ፖስተር ዝኽሪ ኣካዪዳ ነይራ።
ወላዲ ሲሃም ናይ ቅድም ሚኒስተር ዜና ነበር ኣቶ ዒሊ ዓብዱ፡ ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ተፈላልዩ ኣብ ደገ ምስ ተረፈ’ዩ ጓሉ ግዳይ ማእሰርቲ ምዃና ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ዝኣመሰሉ ተሓለቕቲ ትካላት ዝገልጹ። ኣብ ኤርትራ ምስ ስግረ-ዶብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ዝተኣስሩ፡ እሞ ድማ ትሕቲ ዕድመ ክሳብ ክንድዚ ክነውሕ ልሙድ ኣይኰነን።
 ሓያሎ ተሓleቐቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን በበይኖም ወገናት መንግስቲ ኣመሪካን ንሲሃምን ከምኣ ንዝኣመሰሉ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኣስሩን ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖምን ኣለዉን። ዛጊት ግን ካብ መንግስቲ ኤርትራ...</description>
ትንታነ - ሶርያ ድሕሪ ኣሰድ ክሕሻ ዲዩ ወይስ ክደግሳ?
            <description>ዋሽንግተን — ካብ ትማሊ ሰንበት ረፍዲ ጀሚራ ርእሰ-ከተማ ሶርያ ኣብ ዝዀነት ደማስቆስ ናይ ጽንብል ሓዘንን ትርኢት’ዩ ዝወጽእ ዘሎ። ንዓመታት ተደፊኑ ዝጸንሐ ጉድ ምምሕዳር ኣሳድ ድማ ንፋስ ክረክብ ዕድል ገይሩ ኣሎ። ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝቐጸለ ምልኪ ስድራቤት ኣሳድ ኣኽቲሙ ኣሎ።
ንሶርያ ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪ ዝገዝአ ኣቦኡ ሓፊዝ ኣልኣሰድ ኣብ 2000 ድሕሪ ምማቱ’ዩ ኣብቲ እዋን ወዲ 34 ዓመት ዝነበረ በሽር ኣልኣሳድ በትረ-ስልጣን ተረኪቡ፡ ንዝኸፍአ ሰንሰለታዊ ምልኪ በሪ ከፊቱ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝተራእየ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ምልዕዓላት ድማ ንምግልባጡ ብዝተራእየ ፈተነ፡ ሶርያ ኣብ 2011 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ንዝሓለፉ ኣስታት 13 ዓመታት ክትደሚ’ያ ጸኒሓ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ብውሑዱ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት...</description>
ኣዘራራቢ ዕደና ወርቂ ክልል ትግራይ
            <description>ዋሽንግተን — ክልል ትግራይ ክቡራት ናይ ተፈጥሮ ማዕድናት ሃብታም ምዃና መፅናዕትታት ይሕብሩ። መንግስታዊ መሓውር ዝኾነ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ "ብምኽኒያት ፀሊም ዕዳጋ ማዕድናትን ትሑት ኣጠቓቕማ ክቡራት ማዕድናትን ዝርአ ብኽነት፣ ብርሰትን ብኽለትን ቀፃሊ ሓደጋን መፍትሒኡን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ 17 ገፅ ዝሓዘ ሰነድ ትግራይ ካብ ዘለውዋ ፀጋታት ገሊኦም "ናይ ኮንስትራክሽን ማዕድናት፣ ኢንዱትሪያዊ ማዕድናት፣ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍን ማዕድናት፣ ዝኸበሩን ብኽፋል ዝኸበሩን ማዕድናትን መጋየፅቲ ማዕድናትን እዮም፡’’ ይብል። ቅድሚ ኵናት ብርክት ዝበላ ከባቢያውን ናይ ወፃእን ኩባኒያታት ኣብ ክልል ትግራይ ዳህሳስ የካይዳን ምፍራይ ዝጀመራን ከም ዝነበራ እቲ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ይገልፅ። ባህላዊ ምእራይ ወይ ዕደና ወርቂ'ውን ንዘመናት ዝፀንሐን ይቕፅል...</description>
ዳዊት ኢሳቕ -- ኣብ ዘይተረኽቦ -- ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ
            <description>ዋሽንግተን — ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሎሚ ሰሉስ 19 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ኢደልሳትም ተቐቢሉ። ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማቱ ብኣካል ክቕበል ስለ ዘይከኣለ፡ ጓሉ ቤትልሄም ዳዊት ኢሳቕ’ያ ነቲ ሽልማት ኣብ ክንድኡ ተረኪባ።
ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ዳዊት ኢሳቕ፡ ገጣሚ፡ ደራሲን ኣላዪ ድራማን’ውን’ዩ ነይሩ።
ንኽብሪ ሽወደናዊ ሃራልድ ኢደልስታም ዝቖመ ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝግበሩ ውልቀ-ሰባት ዝወሃብ’ዩ።  ናይ ሎሚ ዓመት ኮሚተ፡ ንዳዊት ኢሳቕ ዝሓርየሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ “ብመንግስቲ ንዝወርድ ጸቕጢን ምፍርራሕን ሰጊሩ፡ ንስለ መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ሰብኣዊ መሰላትን ቃልሱ ብምቕጻሉ፡” ይብል። እቲ ኮሚተ ድማ...</description>
ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ክወስዶ ዝኽእል ፖሊሲታትን -- ትንታነ
            <description>ዋሽንግተን — ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ምርጫ ብዓብለሊ ድምጺ ምዕዋቱ እምበኣር ንገለ ኣድመጽቲን ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲን ኣገሪሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ፡ እንተ ተመሪጹ ከተግብሮም ምዃኑ ቃል ዝኣተወ ብዙሓት ወገናት ከም ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ንኣመሪካ ዘቐደመ ፖሊሲን ንተኽእሎታት ምንጻል ኣመሪካ ካብ ዓለማዊ መድረኻትን ካልእን ይርከቦም። ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ከመይ ክመስል ከም ዝኽእል እምበኣር ንሰለስተ ንምርጫ ኣመሪካ ብቐረባ ዝከታተሉ ዓዲምና ኣሎና።
መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ሓጐሶም ይገልጹ፡ ተንተንቲ ግን...
            <description>ዋሽንግተን — መራሕቲ በበይነ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣጋ-ንግሆ ምምራጹ ንዘመስከረ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ድጋፍን ኣብቲ ዞባ ክመጽእ ንዝኽእል ጽምዶን ንኢዶም። እቶም ድሮ ናይ ዮሃና መልእኽቶም ገሊጾም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንሓድሽ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ጽቡቕ ምንዮቶም ብምግላጽ፡ ሃገራቶም ምስ ምምሕዳሩ ብሰናይ ድሌት ክሰርሓ ዘለወን ድሌት’ውን ጠቒሶም።
ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ዘካፈለ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ን”ታሪኻዊ” ዝበሎ ምምላስ ዶናልድ ትራምፕ ብምጥቃስ፡ “ዓለማዊ ሰላም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተነቃፊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምምራጹ ፍሉነይነት ኣለዎ፡” ኢሉ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብዝተሓደሰ መንፈስ...</description>
ንቤት-ምኽሪ ከተማ ኦክላንድ ዝወዳደሩ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን
            <description>ዋሽንግተን — ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ ኣመሪካ፡ ክልተ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኢሚግራንት ድማ ንከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ይወዳደሩ ኣለዉ። ሜሮን ሰመዳር ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ቅድሚ 12 ዓመታት ናብ ኣመሪካ መጽዩ ዜግነት ዝወሰደን ተሓላቒ ስደተኛታት ክኸውን ከሎ፡ ባባ ኣፎላቢ ድማ ኣብ ናይጀርያ ተወሊዱ ዝዓበየን ኣብ መጀመርያ 90`ታት ናብ ኣመሪካ ዝመጸን በዓል-ሞያ ንግዲ`ዩ።
ክልቲኦም ኣብ ቤት ምኽሪ ከተማ ኦክላንድ መንበር ንምሓዝ ዝወዳደሩ ኮይኖም፡ ሜሮን ሰመዳር ሕጽረት ኣባይቲ ኣብ ምቅላል ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ክብል ከሎ፡ ባባ ኣፎላቢ ድማ ናእሽቱ ኣብያተ ንግዲ ኦክላንድ ንምብርባር ዝሓሸ ፍልጠት ኣለኒ ይብል።