ፖለቲካ - ድምጺ ኣመሪካ
ሰራዊት ምክልኻል ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ዕለት ብዝተፈፀመ ዓይደር ሆስፒታል 22 ዝተቐትሉ ስቪላት ከምዝተቐበለ ተገሊፁ
ኣብ ከተማ መቐለ ኤሌክትሪክ ጠፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሆስፒታ ዓይደር ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከምዝነበረ ይገልፅ። ‘’ሕሙማት ብሰንኪ ስኣን መድሓኒን ኦክሲጂን ዝሞቱ ነይሮም’’ይብል።መድሓኒት ጥራሕ ከይኮነስዝብላዕ ስለ ዝተወድአ ሕሙማትጠሚዮም ከምዝነበሩን ኣብቲ ከባቢ ሆስፒታል ዝነብሩ ውልቀሰባት ብስኩትን ካልእ ምግብን ንሕሙማት ይሕግዙ ከምዝነበሩን ሓቢሩ።
ኣብቶም ዝሓለፈ ማዕልታት ብኣካል ናብ ውቕሮን ዓዲግራትን ከምዝኸደ ዝገለፀ ዶክተር ፋሲካ ኣብ ሆስፒተላታን ማእኸላት ጥዕናን እተን ከተማታት ማእለያ ዘይብሉ ወራር ንብረትን ጥፍኣትን ምውራዱ ሓቢሩ።
ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዓይኒ ጋዜጠኛ ቪኦኤ ካብ ሱዳን
ኣብ ሱዳን ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ይርከቡ።ካብቶም መፀለሊ ስደተኛታት ኣብ ሰለስቲኦም ከምዝበፅሐት ዝገለፀት ንሳ ኩነታት ናይቶም መዕቖቢ ስድተኛታትሕማቕ እዩ ትብል።ስደተኛታት ብበዝሒ ናብ ሱዳን ይኣትው ኣብዘለውሉ ዓቕሚ ትካላት ሬድኤት ምስቲ ኩነታት ክመጣጠን ስለዘይኽእል ነጋራት ኣፀጋሚ ክኸውን ምኽኒያት እዩ እውን ትብል።
ኣብ ሓምዳይት ማእኸል ስደተኛታት ናእሽቱ መፀለሊ ንምስራሕ ዝኸውን ብጣሽ ፕላሲቲክ እውን ምርካብ ከምዘይክኣሉ ትገልፅ።ናይ ባዕለን ክዳውንቲ ተጠቒመን መፀለሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝረከበትን ሬድኤት ትካላት ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንድሕሪት ተሪፎም ከምዘለውን ሓቢራ።
ሱዳናዊያን ተወሳኺ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ይደልዩ ከምዝደልዩ ዝገለፀን ንሳ ናብ ሱዳን ዝኣትው ስደተኛታት ምስጋእ ወይም ምፅላእ ከምዘየለ ብምሕባር ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ንእሽተይ ፀጋ ከይስእኑ ስግኣት ከምዘለዎ ካብ ዘዘራረበቶም ሱዳናዊያን ምዕዛባ ትዛረብ።
ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (2ይ ክፋል)
ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብኔ ብምጥያሽ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ትግራይ ተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ይገልፅ።
ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ኣብ ግጭት ትግራይ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተሳተፈ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ኢሉ።
ገለ ነበርቲ መቐለ ወታደራት ኤርትራ ምርኣዮም፣ህወሓት እውን ሰራዊት ኤርትራ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ይሳተፍ ኣሎ ክብል ንዘቕረቦ ተደጋጋሚ ክሲ፣ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስታፎም እሙን ሪፖርትታት ምርካቡ ዘተሓሳስብ ምዕባለ ምዃኑን ወታደራት ብህፁፅ ክወፁ ንፅውዕ ንዝብልን መግለፂ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል እዚ ኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎዎ።
ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝብሃል ናይ ወሰን ኣምለስቲ ምንቅስቓስ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሻ ክልላት ዝጥሓሰሉ ዋላ ሓደ ምኽኒያት የለን ‘’ብ ጉልበት ወይ ብሽፍትነት’' ዝፍፀም ተግባር ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።ሕቶታት ምልዓል ፀገም የብሉን ‘’ሕጋውነት ተኸቲልና እንፍፅሞም ልክዕ እዮም ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ድማ ጌጋ ስለዝኾነ ብኡ ልክዕ ሕጊ ናይ ምኽባር ክስራሕ ክትግበር እዩ’’ ክብል ገሊፁ። ’’ኣብ ሓደ ሓደ ወሰና ወሰናት ይርኣዩ ዘለው ነገራት ዘይሕጋዊ እዮም ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕና ኣብኣቶም እውን ተፈፃሚ ዝኸውን እዩ ‘’ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ሕቶታት ብሕጊ፣ብዴሞክራሲ ብሰላም ክፍትሑ እዩ ከም ብልፅግና ዘሎ ኣረዳድኣ ምስ በለ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝግበር ነገር ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ ኣሎ ኣቶ ነብዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታትን በደል ይፍፀመና ኣሎ ብዛዕባ ዝብሉ ተወለድቲ ትግራይ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ እቶም ፀገማት ምህላዎም ከምዝፈልጥ ብምሕባር ዝተፈጠሩን ንከይፍጠሩን ልዑል ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢሉ ሓላፊ ብልፅግና ፓርቲ ትግራይ ኣቶ ነብዩ ስሑል።
ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (1ይ ክፋል)
ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፀ ኣቶ ነብዩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣገልግሎት ባንኪን በረራ መንገዲ ኣየርን ከምዝጅምር ሓቢሩ።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ከምዘሎ ነበርቲ ይገልፁ።
ኣብ መቐለ ናይ ኤርትራ ወታደራት ሪኢና ዝብሉ ሰባት እንተሃለውን መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ድማ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዎም ካብ እሙናት ፀብፃባት ፈሊጥና ኣለና፤ከምዚ ዝበለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደራት ክወፁ ንፅውዕ እንተበለ እውን ወታደራት ኤርትራ ይኹኑ ናይ ካሊእ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ክብል ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ነፂጉዎ።
ምምስራት ሓዱሽ ካብኔ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ኩነታት ፀጥታ ትግራይ፣ብወገን ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ይስምዑ ዘለው ጉዳያት ወሰንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀሙ ኣለው ዝብሃሉ መግሃስትታትን መልሲ ሂቡ ኣሎ።
ንምሉእ ቀዳማይ ክፋል ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
11 መካይን ተወለድቲ ትግራይ ካብ ዳንሻ ተፃዒኖም ኣብ ሩባ ተከዘ ከምዘብፅሑዎ ነበርቲ ገሊፆም
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍልይ ድማ ኣብ ከባቢታት ዳንሻን ሑመራን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ‘’ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ’’ኢሎም ዝፀውዕዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይወርዶም ከምዘሎ ይግለፁ። ምቕትል፣ወራር ንብረት፣ምብራዕ፣ብጅምላ ምእሳር፣ምንክልባት፣ካብቲ ከባቢ ምብራር፣ሃለዋቶም ምፍጥፋእ ከምዝሓውስ ነበርቲ ከተማ ዳንሻ ይነብሩ።
ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ነባሪት ከተማ ዳንሻ ካብ ስግኣት ዝተልዓለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቒቦም ዝነበሩ ቆልዑ፣ኣዴታትን ደቂ ተባዕቲዮን እቶም ናይቲ ከተማ ኣመሓደርቲ 11 ናይ ፅዕነት መካይን ኣምፂኦም ንቶም መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣትሪፎም ናብ ተከዘ ሩባ ከምዝወሰዱዎም ትገልፅ።ነፍሰፁራትን ሓራሳትንሓዊሱ ህፃውንቲ ዝርከቡዎም ምስ ምዃኖም ሃለዋቶም ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ።ነዚ ቃለ ምልልስ ምስ ሃበት ድሕሪ ክልተ ማዕልታት ናብ ሱዳን ሰጊራ ኣላ።
ንሳ ኣብ ከተማ ዳንሻ ሰለስተ ነጋዶ ከምዝተቐትሉ፣ ንብረት ከምዝዝረፍ፣ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ትግለፅ።
ተጋደልቲ ህወሓት ንዝነበሩ ንምጥያሽ ኣብ 1987 ዓ\ም ብመንግስቲ ኣብ ዝተዳለወ ናይ እግሪ ምትካል ፕሮግራም ዝተጣየሰን ኣብ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ህወሓትን ብምስታፍ ሓደ ኢዱ ዝሰኣነን ተጋዳላይ ነበር ን26 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ዝነበረ እዩ።
ኩሎም ኣካለ ስንኩላን ዝኾነ ተጋደልቲ ዝተጣየሹለን ሰለስተ መንደራት ከምዘልዋ፣ንሱ ኣውሮራ ኣብ ዝተብሃለ መንደር ከምዝነብር ብምሕባር እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ኣብቲ ናይ ሕራሻ ማእኸላት ዝተፈፀመ ዕንወት ማእለያ የብሉን ይብል።
‘'ኣብቲ ቦታ ዘሎ ተጋዳላይ ሓደ ኢዱ ዝተቖረፀ፣ሓደ እግሩ ዝተቖረፀ፣ሓደ ኢዱወይ ሓደ እግሩ ዝለመሰ’’ እዩ በለ።
ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ፈቖዶ በረኻ ከምዝርከብ ዝገለፀ ንሱ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልታትን ናይ ወልቃይት ኣምለስቲ ሚሊሺያታትን ናብቶም ጣቢያታት ኣትዮም ንዝቕተል ቀቲሎም፣ንብረት ወሪሮም ክወስዱዎ ዘይክኣሉ ድማ ብሓዊ ኣባሪዖም ብምሉኡ ኣዒኒዮምዎ ይብል።
ንሱ ዝፈልጦም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ሰልስተ ድማ ከምዝቖሰሉን ብሰለስተ ዙር ብመካይን ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ናብ ጎንደር ዝኸደ ግን ዝተመለሰ ከምዘይፈልጥን ሓቢሩ።
እዚ ኹሉ በደል ዝተፈፀመና ብፍሉይ ሓይሊን ሚሊሽያን ክልል ኣምሓራ እዩ ዝበሉ እዞም ነበርቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እናርኣዩ ከድሑኑና ኣይክኣሉን ይብሉ።ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዳንሻ ን ኣቶ ሱልጣን ኣድማሱ ነቲ ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ።
ካብ ክልል ኣምሕራን ካብ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልን ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽነር ብዛዕባ ዝተብሃለ በደል ከምዘይፈልጡ ብምግላፅ ክንምርምሮ ኢና ኢሎም ኣለው።
ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ጋናዊያን ፕሬዝዳንቶም ክመርፁ ውዒሎም
ብመሰረት ዝተኣከበ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ክዕወቱ ዝኽእሉ እንተኾኑ እውን ናይ ፕሬዝዳንት ኣኩፎ ኣዶ ፓርቲ ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ በዝሒ ወናብር ክስእን ትፅቢት ይግበር።
ኣብ 33,000 ማእኸላት መውሃቢ ድምፂ ልዕሊ 17 ሚሊዮን ሰባት ድምፆም ክህቡ ተመዝጊቦም ኣለው።
ፕሬዝዳንት ማክሮን ንግብፂ ኣፅዋር ንምሻጥ ሰብኣዊ መሰል ከም ቅድመ ኩነትት ኣይነቐምጥን ኢሎም
ማክሮን ነዚ ሪኢቶ ዝሃቡ ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፈታሕ ኤል ሲሲ ኣብ ፓሪስ ተራኺቦም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
ማክሮን ብመንግስቲ ሲሲ ንዝቐፀለ መግሃስቲ መሰላት ፀማም እዝኒ ይህቡ ኣለው ዝብል ክሲ እንተወሓደ 17 ናይ ፈረንሳይን ዓለምለኸን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ እቲ ዑድት መግለፂ ኣውፂአን ነይረን።
ወታደራት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣሰሓሓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ምእታዎም ተገሊፆም
ሓይልታት ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዘዋስን ናይ ሕርሻ ከባቢ ብምእታው ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሚሊሺያታት ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ቦታታት ተቖፃፂሮም ኣለው።እዚ ኣብ መንጎ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ነዊሕ ዝፀንሐ ናይ ግጭት ምንጪ እዩ።
ሽፍታ ተባሂሎም ዝፅውዑ ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ ብዕቱብ ብምንቅስቓስ በብዓመቱ ሱዳን ይግብኣኑ ኣብትብሎም ፋሻቃን ካሎት ከባቢታትን ዘራእቲ ኣብ ምስራቕ ዝለዓለ ምንቅስቓስ የካይዱ ነይሮም ይብል እቲ ዜና።
'ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ጠጠው ዝብል መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው እዩ' ብልጽግና ፓርቲ
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ወታደራዊ ወፍሪ ዝተወድአ እንተኾነ እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝዛዘም ግን መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው ስለዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ገሊፆም።
እዚ ኣብ ዝተወሰኑ ማዕልታት ክዛዘም ይኽእል እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ እቲ ቤት ሕፈትን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።
ህወሓት ስልታዊ ምንስሓብ ገይረ ኣለኹ እናበለ ይገልፅ።
ኣቶ ብናልፍ ግን ነዚ ኣበሃህላን ነዊሕ ናይ ደባይ ውግእ ክህሊ እዩ ንዝብልን ግምት ነፂጎምዎ ኣለው።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢታት መቐለ ውግእ ይካየድ ኣሎ ይብሉ ኢትዮቴሌኮም ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ንምሃብ ይፅዕር ኣለኹ ኢሉ
ካብ ከተማ መቐለ ውፅእ ኢሉ ኣብ ሩባ ሰገንን ዶንጎላትን ንዝመፀ ሓይሊ ‘’ሓይልታትና ንድሕሪት ከምዝመለሶን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ግጥማት ን11 ታንክታት ኣቃፂሉን’’ ኣሎ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ተዳኺሙ ኣሎ ዝበሉ ንሶም ዝዋግአና ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ኢሎም።
እቲ ንሶም ዝበሉዎ ዓወትን ኵናትን ብኻሊእ ኣካል ኣይተረጋገፀን።እንተኾነ ግን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ፍሉይ ኮማንዶን ናይ ገበን ምርመራን ጉጅለ ከተማ መቐለ ምእታው ንኮሚሽን ፖልስ ዝተጠቐሰ ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊፁ ኣሎ።
ብኻሊእ ዜና ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ናይ ቴሌኮሚኒኬሽን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምፅጋን ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ናይ ኢትዮቴሌኮም ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍረህይወት ታምህሩ ገሊፀን።
‘’ኣብ ዳንሻ፣ሕመራ፣ኣብ ሸራሮን ማይፀብርን ከምኡ እውን ኣብ ማይ ካድራ ብኽፋል ሰሪሑ ኣሎ’’ኢለን።ኣብ ኣላማጣ ምሉእ ብምሉእ ምስራሕ ብምጅማሩ ባንክታትን ካልኦት ዓማዊልናን ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣኽኢልናዮም ኣለና እውን ኢለን።
ብቐፃልነት እውን ሰራሕተኛታተን ኣብ ኩሉ ኣንፈት ተዋፊሮም ዝተበተኹ መስመራት ንምፅጋን ይንቀሳቐሱ ኣለው ኣገልግሎት ንምሃብ ድማ ስሩዕ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክህሊ ስለዘለዎን ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና ኢለን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዪ ብዛዕባ ትግራይ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ፀብፃብን ካልኦትን
ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ሎማዕኒ ሶኑይ ኣብዝሃዎ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መፈንቅለ መንግስቲ ንክ ውሰድ ሎሚ ጉጀል ተባሂሉ ይፅዋዕ ዘሎ ህወሓት ተተሊሙ ከምዝነበረ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ መብርሂኦም ኣብታ ሃገር ካብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ጀሚሩ ግጭታት፣ ቅትለታት፣ምምዝባልን ስደትን እዚ ጉጅለ እዚ ዝተለሞ፣ዘዋደዶን ዘካየዶን እዩ ኢሎም።እዚ ናይ ሎሚ ከይሓወሰ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር 133 ግጭታት ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ናይ ሰላማዊያን ሰባት ህወይት ዘድሓነን ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ዕላምኡ ዝወቕዐን እዩ ኢሎም።ካብ ሑመራ ክሳብ መቐለ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝለዓለ ጥንቃቐ ተገይሩ ሓይሊ ምክልኻል ዋላ ንሓደ ሰብ እውን ኣይቀተለን ኢሎም።
ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሎማዕንቲ ሶኑይ ህፁፅ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀውዕሉን መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤእ ትማሊ ሰንበት ንሮይተርስ ኣብ ዝልኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ሓይልታት ትግራይ ንነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ወቒዖም ከምዘውደቑን ንሓንቲ ከተማ ካብ ሓይልታትፌደራል ከም ዝመንጠሉን ገሊፆም።
ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ካብ መንግስቲ ወይ ወታደራዊ ሓይሊ ሪኢቶ ኣይተውሃበን።
ምስ እዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ቀዳም ለይቲ ሽዱሽተ ፍንጀራታት ከምዝተሰምዑ ገሊፁ።
ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ዘካየዶ መጥቓዕቲ ብዓወት ምዝዛሙ ምስ ኣወጁ ድሕሪ ስዓታት እዩ እቲ ፍንጀራ ዝስማዕ ዘሎ።ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዋና ከተማ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ተቖፃፂሩዎ ኣሎ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሆስፒታላት መቐለ ንዝቖሰሉ ንምሕካም ቀረባት ሕክምና ይዝፅንቀቖም ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።
ብመሰረት ICRC 80 ሚታዊ ይሕከሙ ዘለው ብጉድኣት ኣካል ይሳቐዩ ዘለው እዮም።
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ICRC ሓላፊት ኦፕረሽን ማሪያ ሶለዳድ ‘’ሆስፒታላት ናይ ኣልባሳስት፣ኣንቲባዮቲክ፣ ፀረቓንዛ መድሓኒታት፣ናይ ኢድ ጓንት ከይተረፈ ብሓደገኛ ኩነታት የንቆልቁል ኣሎ’’ኢለን።
ብመሰረት ገለ ፀብፃባት እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\ህወሓት\ተስፋ ከምዘይቆረፁ ንሮይተርስ ገሊፆም።
መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፅሑፍ ኣብ ዝልኣኹዎ መልእኽቲ ‘’ናይዞም ወረርቲ ጭካነ ክሳብ መወዳእታ ንኽንዋግኦም ምውሳንና ድልውነትና ዝውስኽ ጥራሕ እዩ’' ኢሎም።ሓይሎም ምውግኡ ክቕፅለሉ እንተኾይኑ ብሮይተርስ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ‘’ብርግፀኝነት እወ።እዚ ብዛዕባ ምውሳን መሰል ዓረሰ ውሳነና እዩ’’ ኢሎም።
ቅድሚ ክብል ዶክተር ደብረፅዮን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣስታት ሓሙሽተ ምእቲ ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብቲ መወዳእታ ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ናይ መወዳእታ መጥቓዕቲ ብከቢድ እናተደብደበት ምዃና ገሊፆም።
ብደረጃ ምንስቴር ሓላፊ ጉዳያት ዴሞክራታይዜሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግጭት ክንደይ ሰብ ከምዝሞተ ገና ኣይፈለጠን ኢሎም።
ናይ ፀጥታ ሓደጋ ከምዘይህሊ ምስ ኣረጋገፅና ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቲ ክፍቀድ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት መግሃስቲ ተፈፂሞም እዮም ንዝብሉ ክስታት ምርመራ ክካየድ ዝፈቕዱ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ኣቶ ዛዲግ ክምልሱ ከለው ‘’እንሓብኦ የብልናን።ሓደ ዝተኣታተውናዮ ለውጢ ግልፅነት እዩ።ግን ከክም ኩነታቱ እዩ ዝምስረት''ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ ‘’ዕጥቓዊ ግጭት ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝካየደላን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ንዘሎ ኢትዮጵያ ኩሉ ክፅልየላ ዓዲመኩም ኣለኹ’'ኢሎም ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ።
ኣብ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቲቦር ናዥ ብወገኖም ’’ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ውግእን ደብዳብን ዝለዓለ ስኽፍታ ፈጥሪልና ኣሎ፤እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ኣብ ትግራይ ሰላም ክዓስልን ነተሓሳስብ’' ኢሎም።
ልዕሊ 43,000 ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ሓዊሱ ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣሎ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ምቐለ ብምሕባር ብዛዕባ ዝስዕብ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኖም ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎም፣ሰብኣዊ መሰላት ክሕለውን ምእታው ክፍቀድን ኣስሚሮምሉ ኣለው ብመሰረት ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ፋርሃን ሓቅ።
ሰበር ዜና:ሕብረት ኣፍሪቃ ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሽምግሉ ልኡኻት መሪጹ
እቶም ኣቦ ወንበር ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእክቲ እዮም ነዚ ዘፍለጡ።
እቶም ንሽምግልና ዝተመዘዙን ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ንክኾኑ ብፕረዚደንት ሲረል ራማፎዛ ዝተሾሙ መራሕቲ ነበር፣ ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዝነበሩ ዮአኪም ቺሳኖ፣ መራሒት ሴራልዮን ዝነበራ ኢለን ጆንሰን ሰርልፍን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ካሌማ ሞታንቴን እዮም።
ሰለስቲኦም ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም፣ ኣብ ፌደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ንዝጻብኡ ወገናት ኣብ ምሽምጋል ከምዘሕግዙ ፕረዚደንት ሲርይል ራማፎዛ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምዝገለጹለን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ማይ ካድራ እንታይ እዩ ተፈፂሙ? ካብ ቃል ነባራይ ናይታ ከተማ
ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ትግራይ ካብታ ከተማ ምስወፁ እሱራት እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም እቲ ቕትለት ከምዝተኻየደ፣ስድርኡ ኣቐዲሞም ሃዲሞም ንሱ ድማ ሓደ ሕዳር ካብ ማይ ካድራ ወፂኡ ብእግሩ ሃዲሙ ካብ 75 ክሳብ 80 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዝኣተወ ይገልፅ።
ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ፀገም ምግቢ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሎማዕንቲ ሰባት ካብ ትግራይ ብበዝሒይውሕዙ ከምዘለው ገሊፁ።
ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዝኾነ ይኹን ድርድር ኣይግበርን ኢሉ
ናይ ህወሓት ተግባር ገበን ክሕደት ሃገር እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ልዝብ ኣይህልን ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኢሉ ብዛዕባ ዝፀውዖ ወታደራዊ ዘመተ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ዋሕዚ ሓበሬታ ህፁፅ ኣዋጅን ምንስቴር ድኤታምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ\ም ዝፍፀሞ መጥቓዕቲ ‘’ቅድም ክብል ክሕደት ሃገር ኢልና ዝፀዋዕናዮ እዚ ተግባር ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ምኽኒያታዊ ይገብሮ’’ኢሎም።
ኣብ ናይ ትግራይ ክልል ቴሌቪዥን ዝቐረቡ ኣባል ህወሓት ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ክገለፁ ከለው ‘’ንትግራይ ንምጭፍላቕ ብኹሉ ኣንፈት ዝተሓሰበ ውዲት ኣብ ጫፍ ምብፁሑ ብምርዳእ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ነይሩዎ’’ኢሎም።’’ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ ነቲ እዚ ብምሉእ ንምቁፅፃር ዝተኽኣለሉ እዩ ነይሩ፤ብዘይካ ዝተረፉ ውሱናት’’ክብሉ ብምሳኽ ገሊፆም።
‘’ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት እዚ ዘሎ 30 ሽሕ ሰራዊት ኣርባዕተ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ኩነታት ብታሕቲ ኣሃዳዊያን ወረርቲ፣ካብ ላዕሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘለዎ፣ኵናት እናተዳለወሉ ኣብዘለሉ ኩነታት ኢዱ ዓፃፂፉዶ ኮፍ ክብል ነይሩዎ?ክብል የብሉን’’ ክብሉ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ብምዃኑ ግቡእ ከምዝነበረ እዮም ኣቶ ሶኩቱሬ ወሲኾም ዝገለፁ።።
ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ ኣስታት ሓደ ምእቲ ዝኾኑ መሪሕነት ህወሓትን መኮነናት ሰራዊትን ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ስጉምቲ ጠጠው ዝብል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከለው ጥራሕ ምዃኑ ግልፂ ገይሩ ኣሎ።ኣምባሳደር ሬድዋን እውን ነዚ እዮም ዘረድኡ ኣብ መግለፂኦም።
ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዩጋንዳን ብሓፈሻ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ነዚ መርገፂ እዚ ንምርዳእ ምዃኑ ሓቢሮም ኣምባሳደር ሬድዋን።
‘'እቲ ልኡኽ ጉጅለ ናብተን ሃገራት ዝተጉዓዘ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ዝኾነ ይኹን ኣደራዳሪ ኣይንደልን ዝብል ናይ ቀዳማይ ምንስቴር መልእኽቲ ንምብፃሕ እዩ።ምኽኒያቱ ካብ ተሓታትነት ምምላጥን ንዘይሕጋውነት ዘተባብዕ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ተቐባልነት የብሉን’’ ኢሎም።
ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከባቢ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝነበረ እውን ኣምባሳደር ሬድዋን ኣረጋጊፆም ኣለው።’'ደብዳብ ነፈርቲ ነይሩ።ኣብ መቐለ ከይኮነስ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ እዩ፤እተነ ነፈርቲ ሓያል ድምፂ ስለዘለወን መስቲያት ከንቅዕ ይክእል እዩ’’ ኢሎም።ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ትሕቶታት መሪሕነት ህወሓትን ፍሉይ ሓይልን ተዘይኮይኑ ስቪላዊ ዒላማ ኣይተወቕዐን ኢሎም ብምውሳኽ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ቅጢላ ቡልቱ እውን እቲ ሰራዊት ስቪል ከይጉዳእ ጥንቃቐ ከምዝገብር ተዛሪቦም ኣለው።
ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ቪኦኤ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ከምዝገለፅሉ፣ናይ ቅዱስ ጊዮርግስ ተምሃሮ ፈለገ ህይወት ዝነብርሉ ከባቢ ምፍራሱ፣ናይቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ብዓይነይ ሪአ ኣልኹ ኢሉምፅብፃብ ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ደሴ፣ ሃዋሳ፣ኣዳማን ሰልፍታት ተኻይዶም ኣለው።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ንመጥቃዕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮኒኑ
ፖምፒዮ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕትን ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምፍታኑን ብትሪ ንኹንን ክብል ጠቒሱ።
ኣምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓትን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ነቲ ግጭት ከህድኡን ሰላም ክዕቅቡን ንሲቪላት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ: ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ትግራይ ይካየድ ንዘሎ ኵናት ብምቅዋም ኣብ ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስን ኣውሮፓን ሰልፍታት ይካየዱ ኣለው
ምስ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ወይዘሮ ዙሪያሽ ኣማረ ካብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ደንቨር፣ ኣቶ ኤሊያስ ጎድፋይ ካብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ከተማ ሲያትልን ዶክተር ግርማይ በርሀ ካብ ጀርመን ከተማ በርሊንን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ርእይቶታት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኩናት ክልል ትግራይ(2ይ ክፋል)
ኣቶ መሓሪ ኣበራ ካብ ካናዳ ክኸውን ከሎ፥ ኣቶ ጌታቸው ገብረኪሮስ ካብ ኣመሪካ'ዮም።
ኣቶ መሓሪ ኣበራ፣ ህወሓት ነቲ ከጥቅዕ ዝዳሎ ዝነበረ ፈደራል ሓይሊ ንምምካት ስጉምቲ ምውሳዱ ቅቡል'ዩ ይብል ። ኣቶ ጌታቸው ገብረኪሮስ ድማ ነቲ ዝንህር ዝነበረ ወጥሪ ንምፍታሕ ፥ኩናት ከም ቀዳማይ መማረጺ ምውሳድ ንህዝቢ ትግራይ ዘርብሕ ኣይኮነን ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ሱዳን ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ክሳብ ዝሃድእ ንዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዕፃዋ ኣፍሊጣ
ዝሓለፈ ዓርቢ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ብምፍፃም ተወንጨፍትን ካልኦት ከበድቲ ኣፅዋራትን ምዕናዎም ገሊፆም ኣለው።
ኣል-ኣሚን ከምዝሓበሩዎ ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ካብን ናብን ኢትዮጵያንን ሱዳንን ኣብ ዘእትው ወድ ኣል-ሐሊዮ ነቲ ኹነታት ዝከታተል ሓደ ኮሚቴ ኣጣይሾም ኣለው።ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህወከት ብምህዳም ንዝኣድሙ ክሕግዙ እዮም ኢሎምሰበስልጣን ሱዳን።
ሰበስልጣን ከሰላ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ናብ ሱዳን ምእታው ኣይፍቀደሉን ሱዳን ዓውዲ ኵናት ኣይክትኸውንን እያ ኢሎም ኣል-ኣሚን።
‘’ብረት ዝተዓጠቐ ዝኾነ ይኹን ናብ ከሰላ ክኣቲ ኣይንፈቅድን።ንዘይተዓጥቑ ዝሕግዙ ግን ኣብ መእተዊ ዶብ ወድ ኣል-ሐሊዮ ኮሚቴ ኣጣይሽና ኣለና’’ ኢሎም።
ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ህወሓት ከበድቲ ኣፅዋርን ንብረትን ንምዝራፍ ንወታደራዊ ካምፕታት ኣጥቒዖም ኢሎም ምስ ከሰሱ እዩ እቲ ግጭት ዝተወልዐ።
ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምዕባለ ኣል-ኣሚን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ሓዊሱ መሓውራ ድሕነት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዚዞም።
‘’ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይሕጋዊ ምትእኽኻብ ክንርኢ ኣይንደልን።ኣብ ሃገሮም ዘይምርግጋእ ዝፈጠሩ ዝኾነ ይኹን ብረት ዝተዓጠቑ ሰባት፣ጉጅለታት ኣይንፈቅድን። ዶብና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ብወግዒ ዓፂናዮ ኣለና’' ኢሎም ኣል-ኣሚን።
መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ካብ ከሰላ ከምዝሓበሩዎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብታ ከተማ ብበዝሒ ተዋፊሮም ኣለው።ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት እውን ሓገዝቲ ሓይልታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሸት ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ ሪኢኦም ኣለው እዞም መሰኻኽር።
ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ትግራይ ኵናት ጠጠው ክብል ብምፅዋዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም
ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ በዝሒ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦትኢትዮጵያዊያንን ከምኡ እውን ኤርትራዊያን ዝተረኸቡሉ ዝበሉዎ ኵናት ጠጠው ይበል ኢሎም።
ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ናይ ኣብይ ኢሎም ዝፀውዕዎ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ኣዊጁ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ወታደራዊ ዘመት የካይድ ስለዘሎ መሰረት ዘይብሉን ምኹንዩን ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ነፃነትን ባህግን ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ወራር ስለዝኾነ ህዝቢ ዓለም ፈሊጡ ጠጠው ከብሎ ፃውዕቲ ንምግባር እዩ ኢሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ የማነ ሓለፎም።
ኣብቲ ሰልፊ ኵናት ኣይፋልን፣ኣብይ ይውረድ ዝብሉን ካሎትን ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ዩናይትድ ስቴትስ ኵናት ጠጠው ንክብል ድፍኢት ክገብሩ ዝፅውዕ መልእኽቲ ንምስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደብዳበ ምቕራቦም ገሊፁ ኣሎ ኣቶ የማነ ሓለፎም።
መዓዛ ጊደይ ዝተብሃለት ነባሪ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂኒያን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳተፈትሉ ምኽኒያት ምእንቲ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ድማ ደላዩ ሰላም ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊኡ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ክ ኣቲ ንምፅዋዕ እዩ ኢላ።እቲ ኵናት ንትግራይን ኢትዮጵያን ጥራሕ ከይኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ እዩ እውን ኢልካ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ነቲ ሰልፊ ዘዋደድኦ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲና ከባቢኣን ዝርከባ ውዳበታት ተጋሩ እየን ብመሰረት ኣቶ የማነ። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ርእይቶታት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኩናት ክልል ትግራይ
ኣቶ መሓሪ ኣበራ ካብ ካናዳ ክኸውን ከሎ፥ ኣቶ ጌታቸው ገብረኪሮስ ካብ ኣመሪካ'ዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል​።