ቀርኒ ኣፍሪቃ - ድምጺ ኣመሪካ
ቀርኒ ኣፍሪቃ - ድምጺ ኣመሪካ
ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራ ንኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ የሻቕል
            <description>ዋሽንግተን — ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ዝዀነት ጂን ሻሂን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘለዋ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ እቲ ወጥሪ ብልዝብን ዲፕሎማሲን ክዓርፍ ጸዊዓ። “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕጂ ዝፍጠር ግጭት ንተወሳኺ ዞባዊ ቅልውላው ዝመርሕ’ዩ፡” ዝበለት እታ ኣባል ሰነት ኣመሪካ፡ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዘለዋ ድጋፍ’ውን ጠቒሳ።
በብእዋኑ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ዝምድና መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ሓደ ደረጃ ዓብዩ ናብ ምልልስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ኣብ ባይታ ድማ ኣቐዲሙ ዘይጸንሐ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ከም ዘሎ ነበርቲ ገለ ከባብታት ይሕብሩ።
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ፡ “ኤርትራ ንዂናት ትዳሎ ስለ ዘላ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ፡” ኢሉ...</description>
ሕብረት ኣፍሪቃ ኩነታት ክልል ትግራይ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ
            <description>ዋሽንግተን — ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝተፈጥረ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ በቲ ኩነታት ዘለዎ ሻቅሎት ሎሚ ዓርቢ 14 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ኣድላይነት ብትሪ ብምስማር ኩሎም ወገናት ካብ ተዃታኺ ምንቅስቓስ ክቑጠቡን ኣብ ሃናጺ ልዝብ ክጽመዱን ጸዊዑ።
እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ ኩሎም ወገናት ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ከኽብሩ ብምትሕስሳብ ኩሎም ወገናት መብጽዖኦም ከኽብሩን ንሰላማዊ መፍትሒ ክተሓበበርን ጸዊዑ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ንትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘለዎ ዘይቕየር ድጋፍ ደጊሙ ብምርግጋጽ ንኩሎም ወገናት ኣብቲ መስርሕ ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃ ልዝብን ምትሕብባርን...</description>
ቅዱስ ወርሒ ጾመ ረመዳን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ
            <description>ምጽዋዕ — ጾመ ሮሞዳን ኣብቲ ዝወዓየ ኣዋርሕ ከም ሰነን ሓምለን ኣብ ዝውዕለሉ፡ ብሰንኪ እቲ ከቢድ ዋዒ፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ፍርቂ መዓልቲ ስዕረት ዝእወጀሉ ግዜ ምንባሩ ነበርቲ ይጠቕሱ። ሎሚ ዓመት ብተዛማዲ ኣብ ዝሑል ወቕቲ ይካየድ ምህላው ተዛማዲ ብልጫ ከም ዘለዎ ነበርቲ ወሲኾም ይዛረቡ። 
መቐለ - ድሕሪ 100 መዓልታት ሓድሽ ከንቲባ፡ ወጥሪ ይዓርግ
            <description>መቐለ — ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ንኣስታት 100 መዓልታት ብዘይ ከንቲባ ዝጸንሐት ከተማ መቐለ፡ ሎሚ ሓሙስ ብዶክተር ደብረጽዮን ብዝምራሕ ህወሓት ዝተመዘዘ ከንቲባ ስራሖም ጀሚሮም። ዶክተር ረዳኢ በርሀ ህዝቢ ብዝገበረሎም ጻውዒት ነቲ ስራሕ ከም ዝጀመሩ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብግዜያዊ ምምሕዳር ዝተሸሙ ኣቶ ብርሃነ ገብረየሱስ ግን ዕልዋ መንግስቲ ክብሉ ጸዊዖሞ ኣለዉ። እዚ ቅልጡፍ ምዕባለታት ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ። 
ንዘሎ ምዕባለታት ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ምስ ደራሲት ገነት ይብራህ
            <description>መቐለ — ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ኣትሒዛ ኣብ ምድራስ መጽሓፍቲ ዝተዋፈረት ገነት ይብራህ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሳልሰይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ንህዝቢ ኣቕሪባ ኣላ። 
ኣብ ክልል ትግራይ ሕጽረት ልበ-ወለድ ከም ዘሎ ትገልጽ ገነት ይብራህ፡ ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ከላ ዝጸሓፈታ “ዘይወግሕ ለይቲ" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደትን ካብ ሳዕቤናቱ ክውሰድ ዝግባእ ትምህርትን ተዘንቱ።
ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሶም
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲን ካልእ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተኻየደ ራብዓይ ዙር ምምላስ ዜጋታት ኣካል'ቲ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ዝገለጹ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ኣብ ካልእ ሃገራት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት እውን በዚ መስርሕ ምምላሶም ገሊጾም። በዚ መሰረት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ማይነማር ዝነበሩ 40 ኢትዮጵያዊያንን እውን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብ በበይኑ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጥሞም ክግለጽ ዝጸንሓ ኮይኑ፡ መንግስቲ...</description>
ኣዒንቲ ጸገንቲ ዝጥምት ዘሎ ሓወልቲ ኣኽሱም
            <description>መቐለ — ብትካል ባህሊን ቅርሲን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ሓወልቲ ኣኽሱም፡ ብሰንኪ ኲናትን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ክስተታትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከብ መራሕቲ ጉዕዞን ተኸታተልቲ እቲ ሓወልታትን ይገልጹ። 
ንምጽጋን እቲ ሓወልታት ብናይ ደገ ትካላት ተስፋ ተዋሂቡዎን ናይ ምብጋስ ምንቅስቓሳት እኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊት ግን ኣብ ተግባር ዝጀመረ ስራሕ የሎን። 
ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብ ኣኽሱም ተጓዒዙ ዘዳለዎ መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ምትፍናን መሪሕነት ህወሓት ኣብ ካልኣይ ጽፍሒ
            <description>መቐለ — ኣብ መንጎ ጉባኤ ዘካየደ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ንግዜያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ዘሎ ካልእ ኣካልን ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ሎሚ ሰሉስ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዝመዘዞ ከንቲባ ብደገፍቱ ተሰንዩ፡ መፍትሕ ተረኪቡ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንሰለስተ ኣዘዝቲ ግንባር ካብ እዝታቶም ደው ንኸብሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። 
ነዚ ዘሎ ምዕባለታት ኣጣሚሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
መይንማር - ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተታሒዞም ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ኣብ መይንማር ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ድሒሮም ናይ ታይላንድ ካብ ዝተሳገሩ 133 ኢትዮጵያዊያን 32 ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ብሓገዝ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምምላስ እዞም ዜጋታት ካልኦት 43 ሰባት ድማ ሎሚ ሰኑይ ምሸት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው: እቶም ዝተረፉ ኣብ ካምፕታት ታይላንድ ከም ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፃዕርታት ይካየዱ ከም ዘለው እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ መይንማር ናብ ታይላንድ ንምእታው ዕድል ካብ ዝረኸቡ 138 ኢትዮጵያዊያን እቶም ሓሙሽተ ንመሓውራት ዜና ብዝሃብዎ ርእይቶ ብሓይልታት ጸጥታ ታይላንድ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ሓደ ካብ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መንእሰይ ንሱን ኣዕርኽቱን ምምላሶም ሕጉሳት ምዃኖም ብምግላፅ ኣብኡ ዝተረፉን ኣብ ፀገም ዝርከቡን ካልኦት...</description>
ፈጻሚ ቅትለት ቤት ክርስትያን ጥሙጋ መን’ዩ?
            <description>መቐለ — ኣብ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ፡ ጥሙጋ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት፡ ብዓርቢ ሓደ ቀሺን ምስኡ ዘገልግሉ ሓሙሽተ ተመሃሮን ብዕጡቓት ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ምቕታሎም ምምሕዳር ከባቢን ምንጭታት ሕክምናን ገሊጾም። እዚ ኣብ ልዕሊ መእመናን ዝተፈጸመ ቅትለት ንምጽራይ ምምሕዳር ከባቢ ምስ ሰራዊት ፈደራል ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ። ዛጊት ግን ነቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ፈጺሞም ዝተባህሉ ወገናት’ውን ስሞም ፈልዩ ዝሓበረ ኣካል የሎን።
ሰሎሞን ድራር -- 45 ዓመታት ምስ ብርዒን ወረቐትን
            <description>ኣስመራ — ፈለማ ናብ ስነ-ጥበብ ክኣቱ ብወዝቢን ድርኺት ሓለፍቱን ምዃኑ ዝገልጽ ሰሎሞን ድራር፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ኣብ በበይኑ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ከም ገጣሚ፡ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ደራሲ ፊልምን ሰናዲ ታሪኽን ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ዝጽሕፍ ዘሎ’ዩ። ደራሲ መጽሓፍ “ኤርትራውያን ኮማንዶ፡ ቅያ 18 ደቓይቕ” ዝዀነ ሰሎሞን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝጸሓፎም ግጥምታት ኣኪቡ ኣሕቲሙ ኣሎ። ንዝደሓረ ጥርኑፍ ስራሓት ግጥሚ ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኑ ኣሎ።
ቢሮ እቶት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ 62 ሰባት እገዳ መገሻ ኣንቢሩ
            <description>ኣዲስ ኣበባ — ቢሮ እቶት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ 3.2 ቢሊዮን ብር ናይ ግብሪ ዕዳ ኣለዎም ንዝበሎም 62 ሰባት ካብ ሃገር ከይወፁ እገዳ መገሻ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም በዓል ሞያ ሕጊ ብወገኖም፣ እቲ ቢሮ ከምዚ ኣይነት እገዳ ናይ ምንባር ስልጣን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግን ክማልኡ ዝግበኦም ቅድመ ኩነታት ኣለው ይብሉ። 
መስመር ጂቡቲ የመን፡መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ዝኾኑ 180 ሰባት ዝሓዛ ኣርባዕተ ጀላቡ ተሰዊረን
            <description>ዋሽንግተን — መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ዝኾኑ፡ 180 ሰባት ጽዒነን ዝነበራ ኣርባዕተ ጀላቡ ኣብ መንጎ ማያት ጂቡቲን የመንን ምስዋረን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር የመን ዓብዱልሳቶር ኢሶቭ ካብቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ምዃኖምን ሓሙሽተ ካብቶም መራሕቲ ጀላቡ የመናዊያን ከምዝኾኑን 57 ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።
ንሱ ወሲኹ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ንምርካብ ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ግን  ብህይወት ክተርፉ ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ገሊጹ።
ክልተ ካልኦት ኣብ ገማግም ጅቡቲ ዝጠሓላ ጀላቡ ዝነበሩ ስደተኛታት ግን ምድሓኖም ዓብዱልሳቶር ኢሶቭ ወሲኹ ገሊጹ።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ነቲ መስመር ካብቶም ዝኸፍኡን ኣዝዮም ሓደገኛታትን ምዃኖም ይገልጽ። እዚ እናዀነ ግን ኣብ...</description>
ትካል “ሕውየት” ከም ስሙ -- ኣብ ትግባር
            <description>መቐለ — “ሕውየት” ዝተሰምየ፡ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝገበረ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ በበይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታት ዝሕግዝ ትካል’ዩ። ኣብ ሓጺር ዕድመኡ ንኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሓ ኣደታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝሓገዘ መስራቲት እቲ ትካል ወ/ሮ መሰረት ሓዱሽ ትሕብር። ነዘን ኣደታት ስነ-ኣኣሙራዊን ካልእ ግብራዊ ስልጠናታትን ብምሃብ’ዩ እቲ ትካል ነተን ኣደታት ናብ ንቡር ህይወተን ክመልስ ዝጽዕር።
ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ 
            <description>ደሴ — ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌ ናይ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ መስከረም ንደሓር ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣት ዝበጽሖ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ስራሕ ደው ምባሉን ሰራሕተኛታቱ ንምፍናው ሓበሬታ ምዝርግሑን ተገሊጹ።
እቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ዝሕዝ ፋብሪካ ዘሕለፎ ሰራሕተኛታት ናይ ምፍናው ውሳነ ግቡእ ከምዘይኮነ ማሕበር ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ይገልጽ። እቲ ማሕበር እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ ካልኦት ኣማራጺታት ክረኣዩ ኔሮም ክብል ድማ ተቓውምኡ ይገልጽ።
ኣካየድቲ እቲ ፋብሪካ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ንመሓውራት ዜና ክሳብ ሕጂ መብርሂ ኣይሃቡን ድምጺ ኣመሪካ ዘካየዶ ጻዕሪ’ውን ኣይተዓወተን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፋብሪካታት ሽኮር ዘመሓድር ናይ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆንዲንግስ ዝተባህለ ትካል እቲ ፋብሪካ ነቶም ሰራሕተኛታት ስራሕ ዘቕጽል ዓቕሚ...</description>
ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ መራሕ መኪና ሞይቱ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ መራሕ መኪና ሞይቱ፡ ሓደ ካልእ ቆሲሉ ካልኦት ብዝሒ ዘለዎም ድማ ምጭዋዮም ነቲ ኩነታት ብቕርበት ዝከታተሉ ግን ብሰንኪ ስግኣት ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ውልቀሰባት ሓቢሮም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መስመር ጎንደር ባህርዳር ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ሽዱሽተ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን እቲ መጥቃዕቲ ምግጣሙን “ጥሩፍ” ክብል ዝጸውዖ ጉጅለ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስም ጉጅለ ከይገለጸ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ውልቀሰብ ኣስታት 200 መካይን ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂቦም ኣብ ዝጕዓዝሉ ዝነበረ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመን ገለ ካብቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም መካይን ኣብቲ ቦታ ከምዝርከቡ ይገልጽ። ንሱ ወሲኹ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ...</description>
ሕጽረት መድሃኒታትን ጎንጺን ንመልከፍቲ ዓሶ ክልል ኦሮሚያ ብ20% ኣዛዪዱ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ በበይኑ ቦታታት ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ምቍራጽ ሓገዛትን ተደማሚሩ ንለበዳ ሕማም ዓሶ የጋድዶ ከም ዘሎ ንሰብ-መዚ ጥዕና እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን ጥቅምቲን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 7.3 ሚልዮን ዜጋታት ኢትዮጵያ ብሕማም ዓሶ ተለኺፎም። ካብኣቶም እቶም ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራይ ምንባሮም ዘመልከተ እቲ ዜና፡ 1.157 ሞት’ውን ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።
መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20% ምውሳኹ ዝገልጹ ሰብ-መዚ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ፡ ስእነት መድሃኒትን ጎንጺ ዘብኣሶ ምትዕንቓፍ ኣገልግሎታትን መሊሱ ከም ዘግደዶ የመልክቱ።
ዓመተ 2024 ምናልባት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ...</description>
ኢትዮጵያ - ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሲቪል ማሕበራት ዝተነበረ ክልከላ ተላዒሉ
            <description>ዋሽንግተን — ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ስቪል ማሕበራት ኣብ ታሕሳስ 2024 ዝተነብረ ክልከላ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚን ክልከላ ዝተነብረሎም ማሕበራትን ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብን ትማሊ ሰኑይ 3 መጋቢት 2025 ምልዓሉ ሓቢሩ።
እቲ ክልከላ ኣብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ብማሕበር ምጥርናፍ መሰል ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህሉዎ ዘተሓሳሰበ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ እገዳ እቶም ማሕበራት ዝምልከት ሰፊሕ ምርመራ ምክያዱን ዝተረኽቡ ውጽኢት ድማ  ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።
እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ኣጋጣሚ ጸገማት ብልዝብ ምፍታሕ ሰብኣዊ መሰላትን ሃገራዊ ጥቕሚ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ዓወት ውግእ ዓድዋ -- ተዘኪሩ
            <description>ዓድዋ — መበል 129 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ እግሪ እምባ ሶሎዳ ትማሊ ሰንበት ተኸቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብኣካል ክርከቡ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ ነቲ ዕለት ዘለዎም ክብሪ ኣብ ማሕበራዊ ገፃት ኣካፊሎም።
ዓድዋ - ቅድድም ሪሌ ማራቶን 
            <description>ዓድዋ — ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣብ’ታ ከተማ ሃገራዊ ቅድድም ሪሌ ማራቶን ተኻይዱ።
ኣብ’ቲ ውድድር ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዝወዳደሩ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮንን ኣትሌታት ከምዝተሳተፉ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ስለሺ ስህን  እቲ ቅድድም ማራኺን ሓቢርካ ናይ ምውድዳርን መንፈስ ዝነበሮ፣ ኣብ ዓለም ነታ ሃገር ወኪሎም ዝወዳደሩ ዝተሳተፍሉን ኣብ ዓድዋ ንክካየድ ዝተደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንዓወት ዓድዋ ብድሙቅ ኣገባብ ንምኽባር ስለዝተደለየ እዩ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ቅድድም ማራቶን ሪሌይ ብደረጃ ጋንታ፣ ጋንታ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ቐዳመይቲ፣ ከተማ ሸገር ካልኣይቲ፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ሳልሳይቲ ከምዝወጻ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።