ቀርኒ ኣፍሪቃ - ድምጺ ኣመሪካ
ተጥቃምነት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብ58% ከምወሰኸ ተገሊጹ
ብሜላ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ካብ 2% ናብ 60% ከምዝዓበየ ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬትን ንጽህናን ኣቶ ኣብርሃም ምላሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።ብደረጃ ዞባ እቲ ሸፈነ ኣብ ዞባ ማእከል 97% ኣብ ዞባ ደቡብ ከኣ 40% ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም ነዚ ጋግ ንምጽባብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ጉዳይ ጽሬት ከተማታት ምስ ማስተር ፕላንን ካልእ ረቛሒታትን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ምስ ዝምልከቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት በውህደት ንምስራሕ ዘኽእል መርሓ-ጎደና ንምድላው መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣቶ ኣብርሃም ሓቢሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ኣሜሪካ:ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ምርጫ ምቹእ ኩነታት ከተዳለው አለዋ ኢላ
እዚ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላውን ግጭትን ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ`ዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣቐድም ኣቢሉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝኣተውኦ ቃል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍን ክጻረየሉ ብዝኽእል መንገድን ክወጽእ ደፊኡ ኔሩ`ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ክተውጽእ ተሰማሚዓ`ያ ኢሉ ኔሩ `ዩ- ድሕሪኡ`ውን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ኔሩ። እንተኾነ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መረጋገጺ`ኳ እንተተዋህበ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ግን እቲ ምንስሓብ ከምዝተገብረ መረዳእታ የለን ኢሎም ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ንሰነ 5,2021 ሃገራዊ ምርጫ ንኽተካይድ ትቃለስ ኣላ- ኣብ ምዝገባ ኣድምጽቲ ጸገማት የጋጥማ`ሎ። እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝተናውሐ ብምኽንያት ዝነበረ ስግኣት ኮቪድ 19`ዩ። ምምሕዳራዊ ምርጫታት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድረዳዋን ንሰነ 12 ተመሓላሊፉ`ሎ።
ወሃቢ ቃል- ሚንስትሪ  ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ "ጥጡሕ ሃዋህው ምርጫ ክህሉ- መንግስቲ ኢትዮጵያ- ናይ ምእካብ ናይ ምዝራብ-ተሳትፎ ፖለቲካን ዕድላት ኢንተርነትን ሓበረታን መሰላት ከኽብር ኣለዎ" ኢሉ ። ኣስዒቡ " ፓርትታት ፖለቲካ ድማ ጎንጺ ከወግዱን፡ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ካብ ሓይሊ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ" ኢሉ።
ከምኡ`ውን "ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ ጎንጽታት ንምንካይ ዝዓለመ፡ ማሕበረ-ኮማዊ ዘተ ዝሰረቱ ልዝብ ንምትብባዕ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ተቐራሪብና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
ሚንስትሪ  ጉዳያት ወጻኢ እቲ ምርጫ በቲ ዘሎ ኩነታት ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ዝበሎ ነገር የለን።
ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክተካይድ ዝክኣል ኣይኮነን ዝበለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ደቪድ ሺን፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ`ውን ንሰነ 5,2021 ምርጫ ንምክያድ ገለ ስክፍታት ኣሎ ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ ምርጫ ከምዘይካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ዩ።
ጎንጽን ገለ ገደባት ንናይ ደገ ተዓዘብትን ናብቲ መስርሕ ምርጫ ገለ ሕቶታት ኣልዒሉ ኔሩ`ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ሰሪዝዎ`ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ምርጫ ክልእኽ ከምዝወሰነ ካብ ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ሓደ ካብ ብክልቲኡ ፓርቲ ዝቖመ ጉጅለ ኣባላት ኮንግረስ ዝወጸ መግለጺ፡ቀጻሊ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዓሚቕ ከምዘሻቕሎ ይገልጽ።
ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእ ግሪጎሪ ሚክስ ላዕላዋይ ኣባል`ታ ኮሜቴ ሚካኤል ምካውልን"ናብ ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብን ዝወስድ ሓደ መንገዲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይርከብን፡ ኣብ ጅምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትግራይ ኢድ ከምዘለዎም ዝእመኑ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንምፍታሕ`ቲ ግጭት ዓቢይ ዕንቅፋት`ዩ" ይብሉ ።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይኮነ ካልእ ሓገዝ ደው ምባላ ከምትቕጽል- ንሱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ከምዘብቅዕ ንምግባር ዝያዳ ክገብር ንምድፋእ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይገልጽ።
እንተኾነ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛት ምሃቡ ክቕጽል`ዩ።
ኔድ ፕራይስ"ንኢትዮጵያ ረዲኤት ኣብ ንሓስበሉ እዋን- ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ሸኸም ክንፈጥረሉ ኣይንደልን ኢና" ይብል ። ንሱ ኣስዒቡ ቀጻሊ ስጉምትታት ኣብ ንሓስበሉ እዋን ክንሕግዞም ዝክኣለና ምግባርና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።
ቅልውላው ክልል ትግራይ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7`ውን ተዘትይሉ`ዩ።
እቲኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7 ዘውጽእዎ መግለጺ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ብዝቐልጠፈ ደው ከብሉ፡ ሓለዋ ሲቪላት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ናጽነት ሚድያ፡ ከም ጾታዊ በደልን ካልኦት ግህሰታትን ዝፈጸሙ ድማ ተሓተቲ ይኹኑ ይብል ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::
ካብ ቤንሻንጉል ክልል ዝተመዛበሉ ዝተዓቕቡሉ ቦታ ብሓደጋ ውሕጂ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ
ናይ ክልል ኣምሓራ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ  ፃዕርታት የካይድ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።
ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ መተከል ጊዝያዊ መፅለሊ  ራንችን ካብኡ ወፃእን 58,555 ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጓንጓ 21,000 ብድምር ልዕሊ 79,000 ተመዛበልቲ ከምዝርከቡን እቲ ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ  ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኢትዮጵያ: ዓቃብ ሕጊ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊያን ኢሉ ንዝጸውዖም ውድባት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ
ምኽትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፍቃዱ ፀጋ ግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ዝተበየኑ "ሸኔ እናበሉ ዝፅዉዕዎን ህወሓትን" ኣመልኪቶም ንመሓውራት ዜና መብርሂ ሂቦም።
ኣቶ ፍቃዱ "ብመሰረት እቲ ሕጊ ግብረ ሽበራግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ምስ ንዝተበየኑ ኣካላት ሓገዝ ዝገብሩሎም ሰባትን ምስኦም ዝሰርሑን ተሓተቲ ይኾኑ" ክብሉ ኣፍሊጦም ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣክሱም ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት እዮም መይቶም ኢሉ
‘’ኣብታ ከተማ ብሰራዊት ምክልኻልን ወታደራት ኤርትራን ንፁሃን ተቐቲሎም’’ ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ ቤት ፅሕፈቶም ንኣስታት ኽልተ ኣዋርሕ ክምርም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ‘'ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ዝተፃረየ መረዳእታ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ስቪላት እዮም’’ ኢሎም።
ብኻሊእ ወገን ግን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተዋደደ ኩነታት ብኣማእቲ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይት ስ ዎችን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ገሊፆም ነይሮም።ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብላዊ መሰላት ድማ ልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቐትሉ ገሊፁ ነይሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ‘’ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ’’ ብዝብል ኵናት ስዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ 10 ሕዳር ክሳብ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ዝፀንሐሉ ግዜ ‘’ን40 ሰባት ቀቲሉ’’ ዝብል ክሲ ምቕራቡ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።
ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ንኽልተ ኣዋርሕ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ንሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብሪሆ::
‘’ብናትና ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ኢፌድሪ 10 ሕዳር2013 ዓ\ም ነታ ከተማ ምስ ተቖፃፀረ ንተወሳኺ ተልእኾ ክሳብ ዝወፀሉ 18 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ስቪል ብሰራዊት ምክልኻል ዝወረደ ሞት ሽዱሽተ ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም።
ሓሙሽተ ካብዚኦም ብከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ድማ ስዓት እቶ እቶ ንምኽባር ዝተቐትለ ስቪል ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢሎም ብምውሳኽ።
ሰራዊት ምክልኻል ንቅድሚት ምዝተንቀሳቐሰ ወታደራት ኤርትራ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ብኽልተ መካይን ናብ ከተማ ኣክሱም ምእታዎንገሊፆም።ከባቢ ዓዴት ዝነበሩ ናይ ህወሓት ኣባላት ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ኣክሱም ምምፆምን ህወሓት 1,500መናእሰይ ኣክሱም ናይ ሓደ ማዕልቲ ናይ ብረት ቶኽሲ ስልጠና ዝሃበ ምዃኑ 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም እቶም ስልጠና ወሲዶም ዝነበሩ ማናእሰይ፣ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ካብ ዓዴት ዝመፁ ምሊሻን ሓዊሱ ተወዲቦም ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ሰፊሩ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ መጥቓዕቲ ምኽፋቶም ክሳብ ድሕሪ ስዓት ከቢድ ውግእ ተኻይዱኢሎም።
‘’ኣስታት ሸሞንተ ስዓት ተወሳኺ ሓይሊ ንሰራዊት ኤርትራ በፂሕሉ እዚ ናይ ህወሓት ጉጅለ ናብ ከተማ ምንስሓቡን ኣብዚ ዝተሳተፉ መናእሰይ ህይወቶም ከምዝጠፍአን ዝበዝሕ ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ እንተኾነ እውን ዩኒፎር ዘይተኸደነ፣ከም ስቪል ይንቀሳቐስ ዝነበረ ምዃኑ፣ክሳብ ሎሚ ንሕና ብዘፃረናዮ 93 ሰባት ኣብቲ ዕለት ምማቶም ብመርትዖ ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍር ብዝብል ብሰራዊ ምክልኻል፣ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ወታደራት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ንዝተብሃለ ገበን ዝተኻየደ ምርመራ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ንሶም እቲ ገበን በቲ ክልል ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሮም።ብርክት ዝበሉ ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙወን ዝብላ እንተሃለዋ እውን ክሳብ ሕዚ ንፖሊስ ቃለን ዝ ሃባ 16 እየን ኢሎም።ደፊሮም ዝተብሃሉ ሒደት ናይ ፌደራል ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ተታሒዞም እቶም ፖሊሳት ጉዳዮም ናብ ናይቲ ክልል ቤት ፍርዲ እቲ ወታደር ድማ ናብቲ ሰራዊት ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።ህወሓት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝተፈረዶም እሱራት ናይ ኤርትራ ወታደራት ዩኒፎርምን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተዘረፈ ዩኒፎርምን ኸዲኑ ፈቲሑዎም እዩ እውን ኢሎም።
ፌደራል ፖሊስን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ናይ 95 ሰባት ቃል ምስክርነት ተቐቢሎም ከይዲ ምርመራ ከምዝቐፀለ ኣቶ ፍቃዱ ኣፍሊጦም ኣለው።
ብኻሊእ ወገን ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ህይወማን ራይት ዎችትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን በዝሒ ዝተቐትሉ ብኣማእቲ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቅድም ክብል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወታደራት ኤርትራ 28ን 29ን ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ጎደናታት ቶኽሲ ብምኽፋትን ገዛ ንገዛ እናኣተው ምቕታሎም ናይ 240 ግዳያት ካብ መሰኻኽር ከምዝመዝገበ ገሊፁ እዩ።
ህወይማን ራይትስ ዎች 5 መጋቢት 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጡቓት ሓይልታት ኤርትራ ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሓዊሱ ኣብ ሕዳር ንብዙሓት ስቪላት ከምዝቐተሉ ይገልፅ።ምልሺያታት ትግራይን ነበርቲ ኣክሱምን 28 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ንሓይልታት ኤርትራ ምስ ኣጥቕዑ ወታደራት ኤርትራ ብጃምላ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንብዙሓት ኣማእቲ ነበርትን መብዛሕቲኦ ደቂ ተባዕቲዮን ኣወዳትን ቀቲሎም ይብል።
ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ዘካየዶ መባእታዊ ምርመራ 18ን 19ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ወታደራት ኤርትራ ከቢድ መግሃስታት ሰብዊ መሰላት ምፍፃሞምን ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ከምዝቐተሉን ገሊፁ እዩ።
ንኣሶሼትድ ፕረስ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ዲያቆን ኣክሱም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢ እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ ኣሎ።
ቪኦኤ ትግርኛ ዘዘራረቦም ስድራ ግዳያት፣ነበርትን ናይ ዓይኒ ምስክርን ኣብ 19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዙሓት ሰባት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተጨፍጨፉን ሬሳታት ፈቖዶ ጎደናታት ንኽልተ ማዕልታት ተረፍሪፉ ከምዝቐነየን ገሊፆም እዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::
መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ  ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሾሙ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ  ኣብ እዋናዊ ጉዳይን ቐፃሊ ትልሞምን አማእኪሎም ብቋንቋታት ትግርኛን  ኣምሓርኛን ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰላምን  ምርግጋእን ንምምላስ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝበልዎም ሓሳባት ገሊፆም።
ዶ/ር  ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም  ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ  ብዝተፈጠረ  ጎንፂ፣ ብርክት ዝበለ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ወሪዱ፣ ሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣  ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ከቢድ ጉድኣት ስነ-ልቦናን ስነኣእምሮን፣  ዕንወትን ምምንዛዕ ውልቃዊን መንግስታዊ ንብረትን ኣጓኒፎምዎ እዮም ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ"ኣብ ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀሙ  መጥቃዕትን፣ ብዕጡቓት ሓይልታት ተፈፂሞም ዝተባህሉ ስጉምትታትን፣ ደም  ብዙሓት ንፁሃትን ገዛእ ርእሶም ምክልኻል ዘይኽእሉን ዜጋታት ፈሲሱ፣  ኣካሎም ጎዲሉ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ፣ ህፃናት፣ መንእሰያትን ዓበይትን  ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትን ኣደታትን ተደፊረን፣ ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ዝወፀሎም  ትካላት መንግስትን ውልቀ ሰባትን (ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ) ዓንዮምን  ተጓሕጊሖምን፣ ተፃዒኖም ተወሲዶም፣ ካልእ ይትረፍ ጠለበጊዕን ከብትን ሓረስቶት፣  ቀለብ ዕለትን ኣቑሑ ገዛን ከይተረፈ ተጓሕጉሑ እዩ ክብሉ ዶክተር ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ሰለስተ ውድባት ክልል ትግራይ ፡ ህወሓት ኣሸባሪ ተባሂሉ ምስያሙ ተቓዊሞም
ሳልሳይ ወያነ: ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ዝተባህሉ ውዱባት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "ንህወሓት ኣሸባሪ ኢልካ ምስያም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ተጋሩ ሊሂቃንን ጨፍጫፍ ንምፍፃም ተሓሲቡ ዝወፀ ናይ ሕጊ ከለላ እዩ" ኢሎም::
ኣብቲ ጉዳይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ : "ህዝብን ውድብን ዝተፈላለዩ እዮም: እቲ ዝወፀ ኣዋጅ ንህወሓትን ኣባላቱን እምበር ንኩሉ ህዝቢ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ::
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
'ዝመጽእ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተፈልየን መጻኢ ዕድል'ታ ሃገር ዝውስንን'ዩ ' አማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀ/ሚ
ዶ/ር ፍስሃ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ፣ ኣብ’ቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ዝተካየደ ምይይጥ እዩ።
ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ዘለው፣ መእንታን ኢትዮጵያ ብርቱዕ መንግስቲ ከይህልዋ እዩ’ውን ኢሎም።
አብ’ቲ መድረኽ ርእይቶ ዝሃቡ ምክትል ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ዶ/ር ሳሙኤል ክፍሌ ብወገኖም "ምርጫንምክያድ ዘኽእሉ ኩነታት ኣለው፣ ግን ስግኣታት’ውን ኣለው"  ኢሎም።
ግብረ መልሲ ንሕቶ ተመዛበልቲ ኣብ ጉዳይ 'መዓልቱ ዝሓለፎ'ዩ' ንዝብለዎ ቀረብ
እቲ ሪፖርት ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ሰብኣዊ ስራሕቱ ብምፍጻም ናይ ነዊሕ እዋን ተመክሮ ዘለዎ ገባሪ ሰናይ ማሕበር እዩ ይብል ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
‘’ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም’’ ፓትሪያሪክ ኦሮቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ
ብኻሊእ ወገን ኣቡነ ማቲያስ ሎማዕንቲ ሶኑይ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ተራኺቦም ምዝርራቦም እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ተንቀሳቓሲ ስልኪ \ብሞባይል\ ኣብዝተቐረፀ ቪዲዮ እቶም ብዓል ፀጋ ዕድመ ፓትሪያሪክ ቅድሚ ሎሚ ንሚሊዮናት ስዓብቶም ንምዝራብ ዝገበሩዎ ፈተነ ከምዝተዓፈነ ሓቢሮም።ንሶም ብትውልዲ ትግራዋይ እዮም።
ናይ ትግራይ ግጭት ሻድሻይ ወርሒ ኣብ ዘቑፀረሉ ግዜ እዩ እዚ ቪድዮ ወፂኡ ዘሎ።ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽታን ናይ ትግራይ ሓይልታትን ብዝተኻየደ ውግእ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።ስቪላት ዒላማ ምዃኖም ዓሰርተታት መሰኻኽር ንኣሶሼትድ ፕረስ \AP\ገሊፆም ኣለው።
‘'ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም’’ዝበሉ ንሶም ‘'ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዘርኢ ንምእዋጅ ከም ዝደለዩ ንዓይ ግልፂ ኣይኮነን’’ኢሎም ብኣምሓርኛ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ።ምብራስ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ጭፍጨፋ፣ ብሓይሊ ምጥማይን ስርቅን ሓዊሱ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግፍዕታት ዘርዚሮም። ‘’ናይ ህዝቢ ትግራይ ጌጋ ኣይኮነን።ምሉእ ዓለም ክፈልጦ ኣለዎ’’ኢሎም ብምስዓብ።
ንሶም ‘’እዚ ሕማቕ እዋን ክሓልፍ ይኽእል እዩ’’ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።ዓለም ስጉምቲ ክወስድ እውን ፀዊዖም።
መንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት ናይ መንግስቲ ትረካ ኣብ ዘንፀባረቕሉን ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ትግራዎትን ምፍርራሕን ምንክልባትን ይፍፀሞም ኣብዘለሉን እዚ ሪኢቶ ካብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኣካል ዝተውሃበ ውግዘት እዩ።ብተወሳኺ ደማዊ ናይ ብሄር ወጥርታትን 5 ሰነ 2021 ኣ\ፈ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትቀራረብሉንን ግዜ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጠምዋ ግዜ እዩ እዚ ቪዲዮ ዝወፅእ ዘሎ።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ Bridgs of Hope ንዝተብሃለ ትካል ዝመርሑን ምስቶም ኣቡን ናይ ዕርክነት ምቅርራባት ዘለዎምን ዴኒስ ዋድሊ ንAP ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ኣቡን ኣብዝተራኸብሉ እዋን ብታህዋኽ ነቲ ቪዲዮም ከምዝስኣሉዎ ገሊፆም።
‘’ኣይፎን ስልከይ ኣውፂአ ክትዛረቡ እንተደሊኹም ተዛረቡ’’ ኢለዮም ኢሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኣተው።‘’ናይ ልቦም እዮም ኣፍሲሶም...ብሓቂ ኣዚዩ የሕዝን።ቅድሚ ሎሚ ገይረዮ ዘይፈልጥ ሕቑፍ ኣቢለዮም’’ክብሉ ገሊፆም።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቪዲዮንኣቡነ ማቲያስ ንህዝቢ ክወፅእ ምድላዮምን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊፆም ኣለው።እቶም ፓትሪያሪክ ካብ ስደት ምስ ዝተመለሱ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብሓባር ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።
‘’ብዙሕ ነገር ተዛሪበ እየ፤እቲ መልእኽቲ ክስማዕ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈቐደን።ኣብ ክንድኡ ተዓፊኑን ሳንሱር ኮይኑን እዩ’’ ኢሎም ኣቡነ ማቲያስ ኣብቲ ቪዲዮ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ‘'ብዙሕ ኣረሜናዊ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለው’’ኢሎም ንሶም ‘’ኣብ ትግራይ ይኸውን ዘሎ ግን ዝለዓለ ግፍዕን ጭካነን እዩ’’ኢሎም።
እግዚኣብሄር ንኹሉ ክፈርድ እዩ እውን ኢሎም ብምውሳኽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሞት ስቪላት ‘’ኣዚዩ ከምዝሓዘነ’’ብምግላፅ ንናይ ትግራይ መራሕቲ ነበር ብምኽሳስ ነገራት ናብ ስሩዕ ይምለስ ኣሎ ይብል። ንትግራዎት ምፍላይን ዒላማ ምግባርን ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ ንዝብል ግን ነፂጉዎ ኣሎ።
መሰኻኽር ግን ሬሳታት ኣብ መሬት ተደርቢዩ ምርኣዮም፣ትግራዎት ናይ ኤርትራ ሓዊሱ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ጥምረትን ከምዝተሓዙን ከምዝተባረሩን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመንን ንAP ተዛሪቦም ኣለው።
ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ጭፍጨፋ ዓውዲ እየን ኮይነን።ሓደ ዲያቆን ኣብ ኣክሱም ንAP ኣብ ዝ ሃቦ ቃል ኣብ ሕዳር ኣብ ቤት ክርስቲያንን እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ብጃጃምላ ከምዝተቐበሩ ገሊፁ።
ኣብ 1942 ኣ\ፈ ዝተወለዱ ኣቡነ ማቲያስ ቅድሚ ሎሚ ብግልፂ ክዛረቡ ፀኒሖም እዮም።ኣብ 1980 ኣ\ፈ ንኮምኒስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነኑ ፈላማይ መራሒ ቤት ክርስቲያን ብምዃን ‘’ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ክስደዱ ዝተገደዱ እዮም’’ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታት።
ብኻሊእ ወገን ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ናይ ውልቆም እምበር ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ኣይኮነን ክብል ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ብቅዱስ ሲኖዶስ ይኹን ብቀዋሚ ሲኖዶስ ዝርርብ ዝተገብረሉ ኣይኮነን ኢሎም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ ብመሰረት ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
ሎማዕንቲ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሓት መግለፂታት ዝተውሃቡን ዝወሃቡን ናይ ምልኣተ ጉባኤን ናይ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣወንታን ክረኽቡ ከለው ምዃኑን ናይቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ መግለፂ ኣወሃህባ ብዝምልከት ቅዱስ ሲኖዶስን ቀዋሚ ሲኖዶስን ከይወሰነ እቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ ብውልቆም ነታ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ሲኖዶስን ብምውካል መግለፂ ክህቡ ኣይኽእሉን ኢሎም። ‘’ስለዝኾነ ቅዱስ ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ብውልቆም ዝ ሃቡዎ እምበር ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ኣይኮነን’’ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሰሊኹ ወፂኡ ኣብዝተብሃለ ቪዲዮ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎን ናይ ኣረሜናዊነት ስራሕ ክብሉ ዝገለፁዎን ተግባር ኮኒኖም ኣለው።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢትዮ ካብ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝወፀን ዘይውክልን እዩ፤ዝምልከቶም ኣካላት እውን ነዚ ኣብ ግምት ከእትው እቶም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ፀዊዖም ኣለው።
‘’ኣብ ዝቕፅል ርኽበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣጀንዳ ዝዘራረበሉ ምዃኑ እናገለፅኩ እቶም ቅዱስፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ዘይምዃኑ እናገለፅና እዚ እውን ናይ ዓለም መንግስታት፣ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከቡ ኢትዮጵያዊያን ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈልጡዎን ክግንዘቡዎን ይግባእ’’ ኢሎም።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴት ጊታ ፓሲ ምስ ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተራኺበን ምዝርራበን ተገሊፁ።ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዝገለፆ እተን ኣምባሳደርን ፓትሪያሪክን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላውን ትግራይን እቶም ፓትሪያሪክ ኣብ ቀረባ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ሓዊሱ ተዘራሪቦም ኣለው።እተን ኣምባሳደር እቲ ዝርርብ ብዝበለፀ ንቅድሚት ንምርይ ኣብቲ ኤምባሲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባማሕበረሰብ እምነታት ክርከቡ ጋቢዘንኦም ኣለዋ።
እቲ ናይ ሎማዕንቲ ዝርርብ ቅድሚ ኢሉ ዝተትሓዘ ወይ ምስ ናይቶም ፓትሪያሪክ ናይ ቀረባ ሪኢቶ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ግን ንፁር ኣይኮነን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::
ሕ/ሃ ኣስታት 120 ኢትዮጵያዊያን ዓቐብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዑቕባ ምሕታቶም ሓቢሩ
እቲ ልኡኽ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም (UNAMID) ኣብ ዳርፉር ተልእኽኡ ከተግብር ዝፀንሐን ኣብ  ታሕሳስ 31,2020 ተልእኽኡ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝነበሮን እዩ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወሃቢ ቃል ዓቓቢ ሰላም ብኢሜል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝ ሓበርዎ እዞም 120 ዝኾኑ ወተሃደራት ቅድም ክብል ልኡኻት ጥምረት ኣኽበርቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዳርፉር ኮይኖም ከገልግሉ ፀኒሖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝነበሩ ምዃኖም ሓቢሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት /UNHCR/ እቶም ተልእኽኦም ዝዛዘሙ ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ዑቅባ ክወሃቦም ምሕታቶም ኣረጋጊፆም።ንድሕነቶም ክበሃል ግን ብንፁር ኣብዘይተገልፀ ቦታ ኮይኖም ምዕባለ ጉዳዮም ክከታተሉ እዮም ኢሉ። እቶም ዑቅባ ዝሓተቱ ሓይልታት ዓቐብቲ ሰላም ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ንምዃኖም ግን ዝበሎ ነገር የለን።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ነቲ ኽልል ከመሓድር ዝፀንሐ ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ይካየድ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ከባቢ 60 ሽሕ  ድማ መነባብርኦም ገዲፎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክስደዱ ገይሩ ።
ሽልማት ኖቤል 2019 ዝወሰዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሕዋ ሃገር ንክልላት ኣምሓራ፣ኦሮምያ ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር'ውን ብሄር መሰረት ብዝገበረ ጎንፅታት ትሳቀ ኣላ ።
ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም(UNAMID) ካብ 2007 ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ'ዩ ኣብ ዳርፉር ዝተዋፈረ ኮይኑ: ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ድማ ከባቢ 8000 ዝፅግዑ ዝተዓጥቁን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ነናብ ገዘኦም ከፋንው ጀሚሩ ።ውጥን እቲ ልኡኽ  ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዝም እዩ።
ዳርፉር ዓብላሊ ዓረባዊ መንግስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ምምሕዳር በሽር ብምቅዋም ተፃብኦታት ዝገብሩ  ዓመፅቲ ፅኑዕ ጎንፂ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ እዩ።
በቲ ጎንፂ ከባቢ 300 ሽሕ ህዝቢ ክመውት ከሎ 2.5 ሚልየን ድማ ምዝንባሉ ይፍለጥ ።
ሓድሽ መራሒ ጫድ ፈላማይ ኣህጉራዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ብኻልእ ወገን ተቓወምቲ ጫድ፡ እቲ ኣቡኡ ሒዝዎ ዝነበረ ስልጣን ንወዱ ክውሃብ ኣይነበሮን-ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ናይ ባይቶ ፕረዚደንት`ዩ ነቲ ቦታ ክሕዞ ኔርዎ ይብሉ። እንተኾነ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ መንግስቲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ተዋሂብዎም ኣሎ።
'ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ' ዝዳህሰሰ ፍሉይ መደብ
ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ኢትዮጵያዊያን ተደጋጋሚ መደባት ከምዘቅረብና ዝዝከር እዩ። ካብ ኤርትራዊያን ክንሰምዕ ኢና።
ኣብ'ዚ መደብ'ዚ ዝሳተፉ ክልቲኦም ኤርትራዊያን ኣጋይሽ፣ ንኩነታት እቲ ዞባ ዝከታተሉን ዝትንትኑን፣ ተሓላቂ መሰላትዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ካብ ጄኔቫን አቶ ኪሮስ ሰሎሞን ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ቴክሳስን ኮይኖም ኣለው።
ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም
ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘግሕዎ መልእኽቲ ኣብቲ ንኣርባዕተ ስዓታት ዝተኻየደ ልዝብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ዘለው ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር  ንምስራሕ ድልዊ ምዃኖም ኣስሚሮምሉ ኢሎም ።
ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣምባሳደር ፌልትማን ብወገኖም  ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ይርኣዩ  ብዛዕባ ዘለው  ፀገማት ዘለዎ ምልከታ መብርሂ  ሂቦም ኣለው  ኢሎም ።
ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሱዳን ከምዝኣተውን ካብ ሰንበት  ጀሚሮም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝበፅሑን ምንጭታት ጠቒሶም ኣለው።
ፌልትማን ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምጉዓዞም ኣብ ግብፂ ብምብፃሕ  ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳመህ ሹክሪ ብዛዕባ ዓብይ  ግድብ ህዳሴ  ኢትዮጵያ  ከምዝተዘራረቡ  ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ፀገማት ፍታሕ ኣብ ምንዳይ  ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ፃዕሪ  ንምክያድ ኣብዚ ሰሙን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ምጋሾም ዝፍለጥ እዩ።
ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 65 ሚልዮን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሂቡ
"ኩነታት መነባብሮን ህይወትን ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብሰንኪ ድርቅ   እናዓነወን ህፃናት ብሕፅረት መግቢ ይሳቅዩ ኣለዉ " ክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት  ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርክ ሎውኮክ ገለፂኦም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ እሱራት ክልል ኦሮምያ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ 21 ኣብያተ ማእሰርቲ  ናይ እሱራት ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትትል ገይረ ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ከምዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብፍላይ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ተጠርጠርቲ ሓዊሱ  ዝተታሓዙ  ሰባት  በዝሒ  ዘለዎም  እሱራት ዝርከቡሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ተደጋጋሚ ጥርዓናት ዝቕርቡ እዮም ኢሉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 21 ዝተመረፁ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ እሱራትን  ሓለፍቲ ናይቶም ኣብያተ ማእሰርትን ምዝርራቡን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ  እቲ ክልል ብምፍላጥ መልሲ ክወሃቦም ምሕታቱን ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ዝርከቡ ሰባት ኣተሓሕዛ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ቕልጡፍ ምላሽ ዘድልዮን እዩ እውን  ኢሉ ኣሎ።
ካብ ሰበስልጣን ክልል ኦሮሚያ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።
ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ገለ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ምንውሑ ገሊጹ
ቦርድ ምርጫ ግጭት ኣብ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብናይቶም  ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታ እናተሓገዘ ሎሚ ዓርቢ  ምዝገባ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ  ኣሎ።
ብመሰረት ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝወፀ ኣሃዝ ኣብ ሻድሻይ  ሃገራዊ ምርጫ ድምፂ  ንምሃብ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም 40 ሚሊዮን መረፅቲ እቶም 28.7 ሚሊዮን  ምምዝጋቦም ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።
ቦርድ ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ  ካብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን  ወፃኢ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ክልተ ከተማታት  ሎሚ ክዛዘም  እንተነበሮ'ውን  ምዝገባ  ይካየደሎም ዝነበሩ  ሃገራዊ ሃገራዊ በዓላት ብምዃኖምን  ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ምዝገባ እዋን ክዛዘም ክብል ከሎ ናይ መረፅቲ ጣቢያታት  ከተእናግድሉ ካብዝኽእሉ ንላዕሊ ብርክት ዝበሉ መረፅቲ ብምምፅኦምን ናይ ምዝገባ ግዜ ብሓደ ሰሙን ተናዊሑ ኣሎ።
ቅድሚ ሎሚ እውን ምዝገባ መረፅቲ ን15 መዓልታት ተናዊሑ ነይሩ  ይብል።
ቃለ መጠይቕ ንዝኽሪ ጋዜጠኛታት ሚልክያስ ምሕረትኣብን ኣሮን ብርሃነን
እተን ጋዜጣታት ኣብ 2001 ዓ.ም አብ ዝተዓፀዋሉን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተኣስሩሉን እዋን ካብ ሃገር ሃዲሞም ብስደት ሚልኪያስ ኣብ ኣሜሪካ ኣሮን ድማ ኣብ ካናዳ ክነብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሚልኪያስ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣሮን ብርሃነ ኸኣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብምኽንያት ሕማም ዓሪፎም ኣለዉ ።
ንሚልኪያስ ምሕረታኣብን ኣሮን ብርሃነን ብቀረባ ዝፈልጡዎም ክልተ ኣጋይሽ ብዛዕብኦም ከምዚ ይብሉ: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ተሸይሞም
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
ፓርላማ ኢትዮጵያ ህውሓትን 'ሸኔ' ኢሉ ዝጸውዖ ጉጅለ ብግብረሽበራዊያን ክምደቡ ወሲኑ
ህወሓትን 'ሸኔ'ን ፈፂሞምዎ  ዝተባህሉ ተግባራት ነቲ  ትርጉም ምሉእ ብምሉእ  የማልኡ እዮም ክብሉ ናይ መንግስቲ ሓጋዚ ተፀዋዒ ምክትል ሚኒስትር  ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት መብርሂ ምሃቦም እቲ ናይ ፓርላማ መገልፂ ሓቢሩ ኣሎ።
ህወሓት ኣብ 2011 ዓ\ም ናይ "ትግራይ ማእኸላይ ወታሃደራዊ ኮማንድ" ክብል ሕጋዊ ዘይኮነ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክውደብ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ምውሳኑ  እውን እቶም ምክትል ሚኒስትር ምጥቓሶም ገሊፁ ኣሎ።
ኣብ ዝቐረበ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝዘተየ  ፓርላማ ነቲ ውሳነ  ምሕላፉ  ኣፈ ጉባኤ  ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ውሳነ እቲ ፓርላማ 'ሸኔ' ኢሉ ዝፀውዐ ጉጅለ መንነትን ኣድራሻን  ብዝርዝር  ስለዘይተገለፀ ርእይቶታት ንምሕዋስ ኣይተኽኣለን።ህወሓት እውን እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝቐረበ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን::