ኣፍሪቃ - ድምጺ ኣመሪካ
ኣፍሪቃ - ድምጺ ኣመሪካ
ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኢጋድ
            <description>መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ውጥረት ዝተኣስሩ ሰበ-ስልጣን ክፍትሑ ዋዕላ መራሕቲ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ጸዊዑ።
መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ውጥረት ንምህዳእ ልዝብ ክጅምሩ ጸዊዖም ኣለዉ። ውድብ ኢጋድ ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ናብ ካልእ ኲናት ከይመርሕ ኣብ ዘጥንቀቕሉ ዘሎ እዋን'ዩ። ኣብዚ ጉዳይ ንርእይቶ መምህር ዩኒቨርስቲ ካብ ጁባ'ውን ኣካቲትና ኣሎና። ንምክትታሉ መላግቦ ሰዓቡ። 
ሕ/ኣፍሪቃ ምምስራት ጎናዊ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ሓደጋ የጠንቅቕ
            <description>ዋሽንግተን — ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ጎናዊ መንግስቲ ምምስራት ናብ ተወሳኺ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ`ዩ ክብል ኮኒኑ። 
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቶምን ኣብ ሱዳን ሓደ ጎናዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም`ዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ ሎሚ ረቡዕ መግለጺኡ፡  ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝመቓቕል ሓደጋ`ዩ ክብል ምንጻጉ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ`ሎ።
ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ “ ናይ ሓድነትን ሰላምን መንግስቲ ክነቕውም ኢና” ዝበሉ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ድጋፍን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ደሞክራሲን ማዕርነትን ዝተመስረተ መንግስቲ ክነቕውም ኢና ዝብል ሰነድ ፈሪሞም ኣለዉ።
ኣብ  መጀመርያ`ዚ ወርሒ`ውን ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክነቕውም ኢና ኢሎም ኔሮም`ዮም። ሕብረት...</description>
            <category>ኣፍሪቃ</category><enclosure url="https://gdb.voanews.com/68d1ef0b-3c4a-4684-8162-f41ca1f814b2_w800_h450.jpg" length="0" type="image/jpeg"/>
ዩጋንዳ ሰራዊት ናብ ጁባ  ልኢኻ
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምኽትሉን ሓድሽ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ጸጥታ ርእሰ-ከተማ ጁባ ንምውሓስ ዩጋንዳ ሰራዊታ ልኢኻ። ዩጋንዳ ነቶም ሰራዊት ብጠለብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝለኣኸቶም ትገልጽ። ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን ግን ንምውፋር ሰራዊት ዩጋንዳ ነጺጉዎ ኣሎ።
ንምውፋር ሰራዊቱ ናብ ጁባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘካፈለ ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ሙሁዚ ካይነራጉባ፡ ንሓደ መራሒን ንሱ ድማ ሳልቫ ኪርን ጥራይ ከም ዝኣምኑ ብምጥቃስ፡ “ዝዀነ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ድማ ኲናት ኣንጻር ዩጋንዳ ከም ዝኸፈተ ኢና እንርእዮ፡” ኢሉ።
ብዝሒ ዩጋንዳ ናብ ጁባ ልኢኻቶም ዘላ ሰራዊት ግን ኣይተነጸረን።
ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ሬክ ማሻር ሰራዊት ዩጋንዳ ነቲ ወጥሪ ከየጋደዱ ዘለዎ ስክፋታ ንሮይተርስ ኣካፊሉ።
ኣብ 2013 ኣብ ደቡብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውላዑ፡...</description>
ኣል-ሸባብ ኣብ ማእከላይ ሶማሊያ ንዝርከብ ሓደ ሆቴል ብምውራር ሰባት ቀቲሎም 
            <description>ዋሽንግተን — ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ባላደወይነ ዓበይት ዓዲን ሰበስልጣን መንግስትን ተኣኪቦብሉ ንዝነበሩ ሆቴል ኣብ ከበባ የእትዮም ድሕሪ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 5 ሰባት ምቕታሎም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት መራሕቲ ቀቢላታት ከም ዝርከቡዎም እቲ ዜና ወሲዂ ይሕብር።
መሓዉራት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ እንኮላይ ንኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓዊሱ ኣብቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ዓሰርተ ሰባት ምቕታሎም ጸብጺበን።
መጥቃዕቲ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ብሰራዊት መንግስቲ ዝተወሃሃደ ስርሒት’ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ መንግስቲ ሶማሊያ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ጉጅለ ሓዊሱ ኣብ ቀረበ መዓልታት 16 ኣባላቱ ከም ዝቐተለ ነቲ ስርሒት ዘወሃህድ ዘሎ መንግስታዊ ኣሃዱ ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 12 ሰባት ሞይቶም
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ኣውቶቡስ ብውሑዱ 12 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 45 ምቁሳሎም ኣገልግሎት ህፁፅ ሓደጋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ምግልባጥ እታ ሰባት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ መጉዓዝያ ኣውቶቡስ ኣብ ጥቓ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ምዃኑ ፀብፃብ ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ተኽእሎታት ማንታ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ሻቕሎት ይገልጽ
            <description>ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ዝምርሑ ጥምረት፡ ማንታ መንግስቲ ክምስርት ምስማምዑ፡ ንሱዳን መቓቒሉ ነቲ ዞባ ኣብ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ከይመርሖ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተኻየደ ርክባትን ምፍራም መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ ሱዳንን ነታ ድሮ ተበታቲና ዘላ ሱዳን መሊሱ ከግድደላ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ። መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ወሲኹ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ካብቲ ዝጸንሖ ክብእስ ከም ዝኽእል’ውን ኣስፊሩ ኣሎ።
ዓለማዊ ኮሚተ ድሕነት፡ “ዛጊት ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኢሉ ንዝጸውዖ ግጭት ንምፍታሕ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ “ፖለቲካዊ ልዝብን ምቍራጽ ተዅሲን’ዩ፡” ክብል ባይቶ ጸጥታ ኣስዒቡ ኣሎ።
ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ...</description>
መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ እንከለዉ ዳግም ንምህናጻ ይሰማምዑ
            <description>ዋሽንግተን — ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝተጸውዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብ ቦታኦም እንከለዉ፡ ነቲ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ዳግም ኣብ ምህናጽ ዝብል ውጥን ተሰማሚዖም። ደምበ ሃገራት ዓረብ ንዳግመ-ሕወየት ቓዛ ኣስታት 53 ቢልዮን ዶላር ክስልዕ እንከሎ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንነበርቲ ቓዛ ናብ ካልእ ጎረባብቲ ሃገራት ኣግዒዝካ ንወሽመጥ ቓዛ ብምምሕዳር ኣመሪካ ምህናጽ ንዝብል ንድፊ ዝጻረር’ዩ።
ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ወሃብ-ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብሪያን ህዩስ ነቲ ብግብጺ ዝተኣመመ መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ምስ ካልኦት ኣካላት ንምዝርራብ ዘለዎም ድሉውነት ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ...</description>
ጀርመን’ውን ንሩዋንዳ እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ኣቋሪጻ
            <description>ዋሽንግተን — ጀርመን ንሩዋንዳ እትህዝቦ ዝነበረት ሓገዝ ብሰንኪ እታ ሃገር ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ፈጺማቶ እትብሎ ምትእትታው ደው ከም ዘበለቶ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጣ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ጀርመን እንኮላይ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ተመባጺዓቶ ዝነበረት ሓገዝ’ያ ኣቋሪጻቶ። መንግስቲ ጀርመን ኣብ 2022 ናይ ኣስታት 98 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንሩዋንዳ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ንምቍራጽ እቲ ሓገዝ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ “ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ብጸሊም ታሪኽ ዝሓለፋ ሃገራት ከምዚ ዝመስል ጸግዒ ሓደ ዝሓዘ ስጉምቲ ምውሳደን ዘሕዝን’ዩ፡” ኢሉ።
ኣቐድም ኣቢላ ብሪጣንያ’ውን ንሩዋንዳ እትህቦ ሓገዝ ደው ከም ዘበለት ዝዝከር’ዩ። ሩዋንዳን ብሪጣንያን ንጉዳይ ምቕባል ስደተኛታት ኣመልኪተን ዝግበርኦ...</description>
ደቡብ ሱዳን -- ዕልዋ ከየካይድ ዝተሰግአ ሬክ ማሻር ገዝኡ ብሰራዊት ይኸበብ
            <description>ዋሽንግተን — ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባ ንዝርከብ መንበሪ ገዛ ምኽትል ፕረዚደንት ሬክ ማሸር ከቢቦም ንሓያሎ ካብ መቕርቡን ብጾቱን ድማ ቀዪዶም። ቀረባ መሓዛ ማሻር ዝዀነ ምኽታል ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ጋብሪኤል ዱፕ ላም ብሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ግንባር እታ ሃገር ክእሰር እንከሎ፡ ሚኒስተር ነዳዲ ፖት ካንግ ቾል’ውን ሎሚ ረቡዕ ምስ ሓለውቱን ኣባላት ስድራቤቱን ተቐዪዱ'ሎ።
ንማእሰርቲ እዞም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኣመልኪቱ እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ሰዓት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። እንተዀነ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ምንጭታት ይጠቕሱ።
ፍሕፍሕ ሬክ ማሻርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ነታ ዝሓደስተ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ከም ዝሸማማ ይዝከር። እቲ ህይወት ኣስታት 400-ሽሕ ዜጋታት ዝወሰደ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት...</description>
ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ድጋፍን መሻርኽቶምን መሰጋገሪ ቅዋም ፈሪሞም
            <description>ዋሽንግተን — ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ምስ ካልኦት ወገናት ብምሕባር መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ ሱዳን ፈሪሞም። እቶም “ኪዳን ጥምረት ሱዳን፡" ብዝብል ስያም ኣብ ናይሮቢ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጋብኡ ሓይልታት፡ ትማሊ ሰኑይ’ዮም ነቲ ቅዋም ፈሪሞም። እቲ ሰነድ፡ ኣብ ሱዳን ማንታ መንግስቲ ዝኣምን ኰይኑ፡ እዚ ዝተፈረመ “መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ” ዝተባህለ ሰነድ፡ ነቲ ዘሎ ክፍተት ክመልእን ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኰይኑ ድማ ውሳነታት ንኸሕልፍን ዘኽእል’ዩ።
ከም መግለጺ እቲ ሕብረት፡ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ኣብ ሱዳን መንግስቲ ምቛም ዝብል’ዩ።
ኬንያ ነዚ ዋዕላ ምእንጋዳ ካብ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ተሪር ነቕፌታ ስዒቡዋ’ዩ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዘስፈሮ፡ እቲ ብመሪሕነት ሰራዊት ህጹጽ...</description>
ኣብ መዓስከር ካኩማ ኬንያ ኣርባዕተ ስደተኛታት ብጥይት ተወጊኦም
            <description>ኣብ ሰሜናዊ ወገን ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ካኩማ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ብዝተፈጥረ ጎነጽ ብውሑዱ ኣርባዕተ ካብቶም ስደተኛታት ብጥይት ተወጊኦም። ኣሽሓት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ብሩንዲ፡ ኮንጎን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ስደተኛታት ሕጽረት ቀረባት ኣሎና ብዝብል ትማሊ ሰኑይ ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓሎም’ዩ እቲ ጎንጺ ኣጋጢሙ።
ነቲ መዓስከር ብቐረባ መግቢ ዘመሓድር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ እቲ ዘለዎ ቀረባ ናብ 45% ምውራዱ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ለገስቲ ሃገራት ቅድሚ ሎሚ ዘቕርበኦ ዝነበራ ሓገዝ ኣዝዩ ስለ ዝነከየ፡ ዝገደደ ሳዕቤን ክስዕብ ከም ዝኽእል’ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም የጠንቅቕ። ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበሮ ዝነበረ ኣህጉራዊ ሓገዛት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጨንፈሩ ትማሊ ሰኑይ ከም...</description>
ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ ሻቕሎት ይገልጽ
            <description>ዋሽንግተን — ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንገለ ከባቢታት እታ ሃገር ንምምሕዳር መንግስቲ ምምስራት ዝብል ዘልዓሎ ሓሳብ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ መቕተልቲን ዝበዝሕ ዘሎ ገበናት ኵናት ዝምልከት ሪፖርት ኣቕሪቡ’ሎ።
ብተወሳኺ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሓካይም ብዘይ ዶብን ፕሮግራምመግቢ ዓለምን ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ዘምዛም ዘካይድዎ ዝነበረ ስርሓት ደው ምባሎም እቲ ኩነታት ጥምየትን ስእነት ኣገልግሎት ሕክምናን ምግዳዱ ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ገሊጹ።
ብኩራት ዓበይቲ ሃገራትን ዘይምስምማዕን ንኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-20 ይዕብልል
            <description>ዋሽንግተን — ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሚንስተራት ፋይናንስ ሃገራት ጉጅለ-20፡ ገለ ካብ ቀንዲ ሃገራት ከምዘይተሳተፋ ሮይተርስ ሓቢሩ። ካልኦት ድማ ምስ ኣካታዒ ዛዕባ ክሊማ፡ ልቓሕን ዘይ-ምዕሩይነትን ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።
ኣብቲ ኣብ ቁጠባዊን ብድሆታት ንምዝታይ ዝተዳለወ ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ህንዲ፡ በዓልመዚ ቁጠባዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ካናዳን ኣይተረኸቡን። ብኵራት እዞም ሰብ-መዚ ድማ ነቲ ትሑት ዕድል ስምምዕ ዝነበሮ ዕድል ዝያዳ ኣጽቢብዎ’ሎ።
ገለ ተንተንቲ ዘይምስታፍ እተን ቀንዲ ሃገራት ንኣገዳስነት እቲ ጉጅለ ኣብ ሕቶ ዘእቱ’ዩ ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ብዘይተሳትፎ ኣመሪካ ንምቕጻል ጽቡቕ ዕድል’ዩ ይብሉ።
ሱዳን -- ወታሃደራዊት ነፋሪት ተሓምሺሻ፡ 46 ሰባት ሞይቶም
            <description>ሓንቲ ወታሃደራዊት ነፋሪት ሱዳን ኣብ ከተማ ኦምዶርማን፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ብምድምሩ 46 ሰባት ከም ዝሞቱ ንምንጭታት ዜና ውሽጢ ሃገር ብምውካስ ሮይተርስ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ዋዲ ሳይዲና ዝተባህለ ኣከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ዛጊት ዝርዝሮም ዘይተነጸረ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲን ሲቪላውያንን ከም ዘለዎም እቲ ዜና ይጠቅስ። ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 46 ተወሰኽቲ 10’ውን ምቝሳሎም ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ካርቱም ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ባሕር ኣሕመድ ከም ዝርከቦም ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ናብ ዲ/ሪ/ኮንጎ ይበጽሑ
            <description>ዋሽንግተን — ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን ሎሚ ሰሉስ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምብጽሖም ቤት ፅሕፈቶም ምሕባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብጺቡ።  
ካን ናብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ  ኮንጎ ይረኣዩ ብዘለዉ ምዕባለታት ዓብይ ስኽፍታ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” ኢሎም።  
ካን ኣብ ናይ ኮንጎ ጻንሒቶም ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፌሊክስ ትሺሰካዲ፣ ሚንስትራት መንግስትን ወኪል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቢንቱ ኬይታን ከምኡ’ውን ምስ ግዳያትን እቲ ጎንፅን ሲቪላውያን ማሕበራትን ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ። 
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፈለማ ስርሑ ምስ ጀመረ ፈላማይ መርመርኡ ንጉዳይ ኮንጎ...</description>
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማል ክኾኑ'ዮም
            <description>ዋሽንግተን — ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ሓዱሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳትፎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ስምምዕ ተፈራሪሞም።   
እቲ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወገን ኢትዮጵያ ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ሓላፊ ስለያ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሁሰንን ዝርከብዎ ልኡኽ ናብ ሞቃድሾ ድሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞ ምስ መዘንኡ ጀነራል ኦዳዋ የሱፍ ረጅን ኣብዱላሂ መሓመድ ዓሊ ሳንባሎልሼን ብምርኻብ ዝተኻየደ ምዃኑ መሓውራት ዜና ክልቲኤን ሃገራት ገሊጸን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
            <category>ኣፍሪቃ</category><enclosure url="https://gdb.voanews.com/01000000-0aff-0242-1a5d-08dc83e25b7c_w800_h450.jpg" length="0" type="image/jpeg"/>
ሰራዊት ሶማልያ ኣብ መደበራቱ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ምፍሻሉን 130 ኣባላት ኣል-ሸባብ ምቕታሉን ይገልጽ
            <description>ዋሽንግተን — ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መደብራቱ ንዝተፈነወ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻሉ 130 ኣባላት ኣል-ሸባብ ከምዝቐተለ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።
ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ሓበሬታ  ካብ ነጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይካኣለን።
ሚንስተር ሓበሬታ ሶማልያ ኣብ መግለጺኡ እቶም ምልሻታት ነቲ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሌ ዘሎ መዓስከራት ከምዘጥቅዑ ጠቂሱ ኣሎ።
ሚንስትሪ ሓበሬታ ሶማልያ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣልሸባብ፣ ኣዝዩ ተወቂዑ እዩ፣ ጅግና ሰራዊትና፤ ንዝተረፉ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ይሃድኖም ኣሎ፣ ሶማልያ ኣብ ውግእ ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ኣይትምብከኽን’ያ" ይብል ።
ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ዝወረደ ጉድኣት ኣመልኪቱ ግና እቲ ቤት ዕዮ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።  
ብሰንኪ ልዑል ምቖት ደቡብ ሱዳን ንኽልተ ሰሙናት ኣብያተ-ትምህርቲ ትዓጹ
            <description>ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ክቱር ዋዒን ምውዳቕ ተመሃሮን፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚራ ንዝመጽእ ክልተ ሰሙናት ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕጾ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምርሒ የሕሊፉ።
ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንምኽትል ሚኒስተር ትምህርቲ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ጁባ ጥራይ ብሰንኪ ዘሎ ዋዒ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 12 ተመሃሮ ክወድቁ ጀሚሮም ኣለዉ። መብዛሕትኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቡብ ሱዳን ንምቖት ክቆጻጸር ዝኽእል ትሕተ-ቅርጺ ስለ ዘይብሉ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣዝዩ ከም ዝዕንቅፍ እቲ ዜና ይጠቅስ።
እታ ክቱር ምልውዋጥ ዋዒ ዘጋጥማ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምቖት ክሳብ 42 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ወይ ድማ 107 ዲግሪ ፋራንሃይት ክበጽሕ ምዃኑ ትንባየ ኩነታት ኣየር የመልክት።
ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰኑስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን በብእብረ ክሰርሑ...</description>
ኣመሪካ ኣብ ኲናት ሰሜን ኪቩ ኢድ ንዘለዎም ሩዋንዳውያን ሰብ-መዚ ኣጊዳ
            <description>ዋሽንግተን — ክፍሊ ትረጀሪ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ኲናት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ገይሩዎ ዝበሎ ምትእትታው ስዒቡ እገዳ ኣንቢሩ። ካብቲ ሚኒስትሪ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ብኣመሪካ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ሚኒስተር ትረጀሪ ሩዋንዳን ስቴት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሃገራዊ ምውህሃድን እገዳ ተነቢሩዎም ኣሎ።
ላዕለዋይ መሪሕነት ልፍንታዊ ሓይሊ ኤም-23ን ፈለግ ኮንጎን ዝዀነ ላውራንስ ኪንግስተን’ውን እገዳ ተነቢሩዎ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ብዘንበሮ እገዳ ኣብ ፈረንሳን እንግሊዝን ዝርከባ ክልተ ትካላት ኮንግስተን ተኣጊደን'ውን ኣለዋ።
ኣመሪካ፡ 16 ኣባላት ዳዕሽ ሶማሊያ ቀቲላ
            <description>ዋሽንግተን — ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ፑንትላንድ ንዝነጥፉ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ብዝግበሮ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 16 ኣባላት እቲ ጉጅለ ምቕታሉ ወሃብ-ቃል እቲ ስርሒት ብርጋዴር ጀነራል መሓሙድ መሓመድ ኣሕመድ ንድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማሊያ ገሊጹ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ኣብ ምቅማም ቦምባን ካልእ ቍልፊ ጉዳያት ናይቲ መርበብ ዝሰርሑ ምንባሮም እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ ገሊጹ። ዝርዝር መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ዘይገለጸ ብርጋዴር ጀነራል መሓሙድ ኣብዚ ናይ ሰንበት ስርሒት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ቀንዲ ፈጸምቲ ምንባረን ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ጉጅለ ዳዕሽ ናብ ፑንትላንድ ዘነጻጸረ ቦምባታት ድሮን ከም ዝተኰሱ ዝገለጸ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ብዘይ ዝዀነ ጉድኣት ግን ከም ዝበርዓነ ወሲኹ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ነቲ ስርሒት...</description>