ዋይት ሃውስ ‘ሓርበኛታት ለውጢ‘ ንዝበሎም ሸሊሙ

  • በትረ ስልጣን

ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዱን ዜግነት ኣሜሪካ ዝሓዙን 12 ኣሜሪካውያን፣ ’ሓርበኛታት ለውጢ’ ኢኹም ኢሉ ሸሊምዎም‘ሎ።

እዞም ውልቀ-ሰባት፣ኣብ መላእ ኣሜሪካ ሱር ዝሰደደ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ምምስራት እጃሞም ኣወፊዮም፣ዶብ ሰገር ድማ ንዓለም-ለኻዊ ቅልውላው ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ኣለዎም ተባሂሎም ተናኢዶም ኣለው።

ኣብ ኣርሊንግተን ቨርጅንያ ዳይረክተር ማሕበረ-ሰብ ቤት ምኽሪ ምዕባለ ኢትዮዽያ (ECDC) ዶ/ር ፀሃዬ ተፈራ፣ሓላፊት መርበብ ቀዳምነት ንኣፍሪቃ (PAN) ወ/ሮ ኑኑ ኪዳነን፣ሓላፊት መርበብ ደቂ-ኣነስትዮ ዳያስፖራ ኣፍሪቃውያን ሰምሃር ኣርኣያ፣መስራታይ ’ብሩኽ ቡን’ ኣቶ ጥበቡ ኣሰፋ፣'ፋውንዴሽን ኢትዮዽያ ወገኔ' ኒኒ ለገሰ፣ሰሎሜ ለማን ካልኦትን ተሸለምቲ ነይሮም።