ሚሊሻታት አል-ሸባብ ንአገዳሲት ከተማ ጎል ዋቅ ተቆጻጺሮም

ሚሊሻታት አል-ሸባብ አብ ጥቃ ዶብ ኬንያ ንሓንቲ አገዳሲት ንእሽቶይ ከተማ ሒዞም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማ ጎል ዋቅ ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ከምዝበልዎ ልዑል አጽዋር ዝዓጠቁ ተዋጋእቲ አል-ሸባብ ነታ ከተማ ሎሚ አማሲይኡ ካብ ክልተ ሸነኽ አጥቂዖም ሕጂ ኸአ ተቆጻጺሮማ’ለው ኢሎም።

ሓደ ስሙ ምግላጽ ዘይፈቐደ ነባሪ አል-ሸባብ ነቶም ሓይልታት መንግስቲ ከምዘጥቅዕዎምን ከምዝሓየልዎምን ገሊጹ።

ምሉእ ዝርዝር ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሚሊሻታት አል-ሸባብ ንአገዳሲት ከተማ ጎል ዋቅ ተቆጻጺሮም