ኣቶ መለስ ዜናዊ ቀ/ሚ ንክኾኑ ብባይቶ ኢትዮጵያ ተመሪፆም

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ

ቃለ-ማሓላ ፈፂሞም

ቀዳማይ ምንስቲር መለስ ዜናዊ ንካልእ ናይ 5 ዓመታት እዋን ስልጣን ተመሪፆም።ቃለ-መሓላ ፈፂሞም።ኣቶ መለስ ዜናዊ ንራብዓይ ጊዜ ስልጣን'ዮም ዝምረፁ ዘለው።

ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ምክትል ኣቦ-መንበር ዝኾኑ ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ንኣቶ መለስ ከም ዓለም-ለኸ መራሒ፡ንውልቀ-መላኺ ስርዓት መንግስቱ ሃ-ማርያም ንዘወገደ ለውጢ ዝመርሑን ክብሉ ንኢዶሞም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ እንኮ ድምፂ ተቃወምቲ ዝኾኑ ካብ መድረክ ኣቶ ግርማ ሰይፉ፡እንታይ ግደ ክህልዎም'ዩ ንዝብል ሕቶ "ወላ ሓንቲ፡ከምዚ እንተቀፂሎም ዝግበር ነገር የለን"ኢሎም።