ዓረና "ኣብ ልዕሊ ኣባለተይን ዝተኻረኹዋ መኪናን ሓደጋ ስለዝወረደ ጎስጓስ ምረፁኒ ኣቋሪፀ ኣለኹ" ኢሉ

ኣቶ ሕድሮም ኃይለስላሴ

ዓረና ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላትናን ንመረፃ ጎስጓስ ዝተኻረናያ ሚኒባስ መኪና ሓደጋ ስለዝወረደና ኣብ መላእ ትግራይ እነካይዶ ዝቐነና ምልዕዓል ሎሚመዓልቲ ተቛሪፁ’ሎ ይብል።

እታ መኪና ናይ ድሕሪት ምስትያታን ፍሬቻኣን ከምዝተሰበረ ድማ ግርማይ ገብሩ ብኣካል ተረኺቡ ኣረጋጊፁን ፎቶ ስኢሉን’ሎ።

ነቲ ዓረና ወሪዱና’ሎ ዝበልዎ ሓደጋ ዝምልከት ካብ ወገን መንግስቲ መልሲ ንምርካብ ግርማይ ናብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ብምኻድ ንሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሓዱሽ ዘነበ ሓቲቱ እዩ።

ኣይተ ሓዱሽ ነቲ ተፈጢሩ ዝበሃል ዘሎ ፀገም ንምፅራይ መርመርቲ ናብቲ ከባቢ ክኸዱ ኣዚዝና ኣለና ኢሎም ኣለዉ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሪፖርት ዓረና ትግራይ