ዋሽንግተን —
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ዝተወለዐ ውግእ፣ ንሚልዮናት ሰባት ናብ ጥምየት ዘውድቅ ሓደጋ እዩ ክብል ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዝነበረ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ሓጋዚ ከምዝነበረ’ውን ኣዘኻኺሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ዕጡቃት ናብ’ቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መደብር ኣትዮም፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሓይሊ ከምዝሓዙ’ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ዛጊት ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን።
ብዘይካ’ቲ ነዳዲ፣ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ሙሉእ ክልል ትግራይ፣ መግቢ፣ ዱኽዒ፣ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባትን ከባጽሕ፣ ኤለክትሪክን መካይንን ከንቀሳቅስ ስለዘይኽእል፣ሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ነቲ ነዳዲ ንክምልስሉ ሓቲቱ ኣሎ።