'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ'፡ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር መጠነ- ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብል ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ'፡ ስራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር መጠነ- ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብል ኣፍሊጡ

'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ' ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ምዕራብ ትግራይ ስራዊት ፌደራል መንግስቲ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚ/ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ሓደሓደ ንህወሓት ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላትን ሓላፍነት ስርሖም ካብ ዘፍቕዶ ሰጊሮም ካብ ዝገብርዎ ምትእትታዋትን ክቑጠብ ይግባእ ክብሉ ኣዲስ ኣበባ ንዝመቐመጢኦም ዲፕሎማትን ወከልቲ ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሆም።

እቲ ንኣዋርሕ ብስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደጊሙ ካብ ዝጅምር ሰሙን ኣቑጺሩ ይርከብ። ንመበገሲ ኲናትን ምጥሓስ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦን ክልቲኦም ወገናት ነሓድሕዶም ክካሰሱ ይስማዕ። 'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ' ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ወጋሕታ ሰዓት 10:30 ጀሚሩ ብኣርባዕተ ኣንፈታት ኣድያቦ ፌደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ይገልፅ። ከም ሓበሬታ አቲ መግለፂ ካብ ፍቅያ ናብ ኣደመይቲ፣ ካብ ሰላም ንሸራሮ፣ ካብ ጎቦ ፅንዓት ንዓዲ ኣሰርን ዕርዲ ማትያስን፣ ካብ ዓዲጎሹ ናብ ዕዲ ኣሰር ማእኸል ዝገበረ እዩ ይብል። “ፀላኢ” ክብል ዝገለፆ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገዚፍ ሰራዊቱ ናብ ኤርትራ ብምስጋር ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝዓለመ ወራር ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።ብኻልእ ገፅ ድማ ትማሊ ብኣንፈት ሰቕጣ ናብ ኣበርገለ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ከምዝቐፀለ ፣ ብደቡብ ግምባር‘ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዘሎን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምጉዕዓዝ ኣፅዋር ተዋፊሩ ከምዝርከብ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ም/ቀ/ሚን ሚ/ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚንስትር ኣምባሳደር ተስፋየ ይልማ ትማሊ ረቡዕ ምቕማጦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ዲፕሎማትን ወከልቲ ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መብርሂ ነቲ ከም ብሓዲሽ ተወሊዑ ዝርከብ ኲናት፣ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ፌደራል መንግስቲ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕርን ጠመተ ምግባሮም ይሕብር። ከም መግለፂ ኣቶ ደመቀ ህወሓት ንመንፈስ ስምምዕ ሰላም ጥሒሱ ህጻናት ንውትህድርና ብምስልጣንን ህዝቢ ብምልዕዓልን ካልእ ሓዱሽ ዙር ጎንፂ ከፊቱ ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ጠጠው ንምባል ዝገብሮም ፃዕርታት ዝድግፋ ሃገራት ኣመስጊኖም ብኣንፃሩ ድማ ሎሚ’ውን ንህወሓት ዝድግፉ ሓደሓደ ጉጅለታት ከምዘተሓሳስብዎም ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመልኪቶም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቕራፍ ዝተገብረ ፃዕርን ሓገዛትን ንኢዶም እንተኾነ ግን ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ገለ ወገናት ሓላፍነት ስርሖም ካብ ዘፍቅዶ ወፃኢ ዝገብርዎም ተግባራት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።ከምኡ’ውን መንግስቲ ምስ ዘይሕጋውያንን ኣሸባርን ጉጅለ ምምስሳልን ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኸፋፍል ስጉምትታት ካብ ምውሳድን ክቑጠቡ ፀዊዖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ዋላ እቲ ኲናት እናተጋደደ ይኸይድ እንተሃለወ መንግስቲ ግን ንሰላም ድልው ምዃኑ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሸነኽ ምዕራብ ትግራይ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነዉ ንወሃቢ-ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ጸብጺቡ`ሎ። እንተኾነ ሮይተርስ ከረጋግጾ ከምዘይክኣለ ይገልጽ።

ሮይተርስ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ንምስማዕ ፈተነታት ኣካይዱ ከምዘይኮነሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ይኹን`ምበር ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወቐሳ ሓዘል ትዊት ኣብ ዘውጽእሉ እዋን “ ህወሓት ተወሳኺ ጌጋ ንኽፍጽም ካልእ ዕድል ኣይክውሃቦን`ዩ እዩ ምኽንያቱ ስለዘይቅጽል" ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሓይልታት ህወሓት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣካይዶም" ክብል ከሲሱ ኔሩ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ህወሓት ኣንጻር ኤርትራ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ይደናደን ኣሎ ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ ኣሎ።

ሮይተርስ ዘዘራረቦ ኣብ ከተማ ሽረ ዝረከብ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ካብኡ ዝመጹ ዘወርቲ መካይን፡ ትማሊ ዶብ-ሰገር ደብዳባት ምንባሩ ከም ዝነገርዎ ጸብጺቡ`ሎ። ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ሺራሮ ሓያል ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ`ውን እቶም መሰኻኽር ከም ዝነገርዎ ይጠቅስ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዛዕባ ዳግመ-ምውላዕ ኲናትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህይወት ደቂ-ሰባትን ተሻቒለ`ለኹ ዝበለት ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ወተሃደራዊ ወፍርታቶም ብቕጽበት ጠጠው ከብሉ፣ ነቲ ግጭት ነባሪ መዛዘሚ ክገብርሉ ጻዕርታቶም ኽሐይሉ ጸዊዓ`ላ።

ኣመሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር ብወገነን፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን፡ ሰብኣዊ ጻዕርታት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢድ-ምትእትታው ኣጋጢምዎ`ሎ ኢለን። ካብ መንጎ`ቲ ጸገማት ድማ፡ ማእሰርቲ፡ ምዝራፍ ነዳዲን ምህጋር መካይንን`ዩ ዝበላ ሳማንታ ፓወር፡ ኩሎም ወገናት፡ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ምእንታን ክበጽሕ፡ ሰብኣዊ ስራሕ ክኽበር ኣለዎ ኢለን።

ዳይሬክተር ሁማን ራይት ዎች ለቲሻ ባድር ብወገና፡ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝግበር ሰብኣዊ ስርሒታት የተዓናቕፍ ኣሎ ክብላ ነቒፈን።

ካብ ሃገረ እንግልዝ ድማ ሚንስተር ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነዚ ግጭት እንኮ መፍትሒ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዳግም ተግባራዊ ምግባርን፡ ብዝቐልጠፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ምጅማርን`ዩ ኢሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ጻዕርታት ሽምግልና ንድግፍ ዝበለ እንግሊዛዊ ሚንስተር ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ከይከይድ ጻዕርታት ልዝብ ክበራበር ንጽውዕ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት`ውን ብቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይጽውዑ`ለዉ።