ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ዝበለ ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፡ ግን ብውሽጢ ድማ ፡ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም በይንኹም ኮይንኩም ሽግር ካብ ዝፍጠር ዝተወሰነ ኣኻኺብኩም እንተትኣትዉ ይብሉና`ዮም ክብል ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ተዛሪቡ`ሎ።
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ህወሓት፡ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ከስፍሕ ወይ`ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ክፍትን፡ ኣመሪካ ፍጹም ኣተባቢዓቶ ኣይትፈልጥን`ያ ክብል ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ`ሎ።
ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ሰራዊት ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምእታው ዝምልከት መርገጽ ኣመሪካ ንጹር ከምዘይኮነሉ`ዩ ተዛሪቡ። ቻይና ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ንጹር መርገጽ ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም ዝብል ነገር ከምዘልዕላ ይጠቅስ፡
"ንኣብነት ቻይና፡ ንኣቢይ ብብረትስ ብገለስ ይድግፉ`ዮም።ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኽ፡ ንኣቢይ ማዕቀብ ክግበር ኣብ ዝግበረሉ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ`ዶ ኣብ ገለ ስራሕቲ፡ ናይ ቪቶ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ናይ ሃገራት ውሽጢ ጉዳይ፡ ጣልቃ ክእቶ የብሉን ብዝብል፡ ይከላኸልሉ`ዮም።"
ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ፡ መርገጽ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ግን ግልጺ ከምዘይኮነን፡ ዝተፈላለየ መርገጻት ከም ዘለዎምን ይገልጽ፡
"ኣመሪካውያን መርገጾም እንታይ ምዃኑ ክትርድኦም ብጣዕሚ ከቢድ`ዩ። ኣመሪካ ማዕቀብ ጌርና ንኽልቴኹም ደፊእና ናብ ሰላም ክነምጽኣኩም ይብሉ፡ ኣቢይ ሓደገኛ ሰብ`ዩ ናብ ዘይኮነ ጥፍኣት ይወስድ ኣሎ ይብሉ። ቁርብ ጸኒሖም ድማ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ እንተኣትያ ዓዲ ብደም ክትሕጸብ`ያ ይብሉ።"
ኣተሓሒዙ በዓል ቻይና ንጹር`ዩ እቲ መትከሎም፡ ኣመሪካ`ዮም ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም ዝብል ነገር ዘለዎም፡ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ`ውን ከምኡ ዓይነት የርእዩ`ዮም ድሕሪ ምባል፡ ኣመሪካ እቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይትእተዉ ዝብል ንሱ ናይ ቃል-ዓለም`ዩ ኢሉ።
"ግን ድማ ብውሽጢ ድማ እንታይ ይብሉ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹምስ በይንኹም ኮይንኩም ሽግር ካብ ዝፍጠር ዝተወሰነ ኣኪብኩም ኣኻኺብኩም እንተትኣትዉ ይብሉ። ሕጂ እቲ ናይ ኣመሪካ ሻቕሎት፡ ገገሊኡ መስሓቕን ተራ ናይ ሸቐጥ ስሌት`ውን ኣብ ግምት ዘእተወ`ዩ። ኣመሪካ እቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይትእተዉ ዝብል ንሱ ናይ ቃል-ዓለም`ዩ"
ብዛዕባ`ዚ ኣቶ ጌታቸው ብዛዕባ ኣመሪካ ዝምልከት ዝበሎ፡ ድምጺ ኣመሪካ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተወኪሱ:ወሃቢ ቓል`ቲ ሚንስትሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፡ ህወሓት ወተሃደራዊ ወፍሩ ከስፍሕ ወይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ክፍትን ፍጹም ኣየተባባዕናን ድሕሪ ምባል፡ ንኹሎም ወገናት ብውልቅን ብወግዕን ከምዝበልናዮ፡ ንግጭት ኢትዮጵያ ወተደራዊ ፍታሕ የለን፡ ፍሉይ ልኡኽ ዝሓለፈ ሕዳር 23 ከምዝበሎ፡ ህወሓት ክስሕብን ኩነታት ሰብኣዊ ዕጽዋ ትግራይ ከብቅዕን ኢና ንጽውዕ ኢሉ።
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣስዒቡ፡ ዲፕሎማሲ ቀዳምነት ንህብ፡ ተጻብኦታት ከቋርጽ፡ ግህሰት ከብቅዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ድማ ልዝብ ክግበር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ክኣቱ፡ ከምኡ`ውን ኩሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ክግበር ኢና ነተባብዕ ኢሉ።
ብዛዕባ`ቲ ኣቶ ጌታቸው ዝበሎ፡ ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዘለዋ ድምጺ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣቢይ ማዕቀብ ከይግበር ንመንግስቲ ኣቢይ ትድግፍ`ያ ዝብል ነገር ዝተሓተተ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ ማዕቀብ ዝተገብረ ዕቱብ ዘረባ`ውን ኣይነበረን፡ ስለዚ ቻይና ብዘለዋ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ትጥቀመሉ ምኽንያት`ውን ኣይነበርን ክብል መሊሱ።
Your browser doesn’t support HTML5
ወሃቢ ቃል ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ: ወሃቢ ቃል ህወሓት መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝበሎ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ