ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተዓሸጉ ሆቴላት ምክፋቶም ማህበር ሆቴላት ገሊጹ

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

ሆቴል ሃርሞኒ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ተዓሺጎም ዝጸንሑ ሆቴላት ኣብ’ዚ ሰሙን ተኸፊቶም ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣስቴር ሰሎሞን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጸኦ "እቶም ዝተዓሸጉ ሆቴላት ንክኽፈቱ ኣብ ጻዕሪ ከምዝጸንሓን፣ ንኣዋርሕ ድሕሪ ተዓጽዮም ምጽንሖም ዝተኸፈቱ ሆቴላት፣ ንዝተፈላለዩ ኪሳራታት ከምዝተቃልዑን ደገፍ ንክግበረሎምን" ሓቲተን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ መልሲ መንግስቲ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰመረን።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ እቶም ሆቴላት ኣብ ዝተዓሸግሉ እዋን እቲ ስጉምቲ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ተሓለቅቲ መሰላት ምግላጹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክሲ ከምዘይተቐበሎም ይሕብር።