ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃን ዓለማዊ ጥዕናን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብዛዕባ ኩነታት ምርጫ ኣፍሪቃን ዲሞክራስን ቃለ-ምስክርነት ሰሚዑ ኔሩ።
ኣብ ግጭትን ወጥርን ዝርከባ ሃገራት ተኣማኒ ምርጫ ምክያደን ምርግጋጽ ከምዘድሊ'ውን ኣብቲ ቃለ-ምስክርነት ተሓቢሩ'ሎ።
ነቲ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብኣደ መንበርነት ትመርሖ ዘላ ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ደሞክራት ካረን ባስ'ያ። ምስኣ ድማ ከም በዓል ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ዝበሉ ነባራት ሪፓብሊካን ኣለዉ።
ካረን ባስ ከምዚ ብምባል'ያ ዘረብኣ ጀሚራ "ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ኣፍሪቃ`ያ፡ ክንገልጾ ዝግብኣና ኣወንታዊ ኣብነታት ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻን ርትዓውን ምርጫታት-እኳ ደኣ ኣዝዮም ዝድነቑ ምርጫታት ተኻይዶም`ዮም። ኣብነት ኬፕቨርደ፡ ጋና: ቦትስዋና: ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ድማ ኒጀር ምጥቃስ ይክኣል። ስለዚ ሎሚ ኣብተን ናጻን ርትዓውን ምርጫ ከካይዳ ዝቃለሳ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ንጥምተሉ እዋን፡ እቶም ጸብጻብ ዘቕርቡ መሰኻኽር ኣብ ዕዉታት ምርጫታት`ውን መብርሂ ክህቡ ድልየትና`ዩ።"
ካረን ባስ ኣተሓሒዛ፥ ኣብዚ ዓመት`ዚ ኣፍሪቃ 13 ፕረዚደንታዊ ወይ ሃገራዊ ምርጫታት ከተካይድ መደብ ኣለዋ። ነዚ ምርጫታት`ዚ ብቕረባ ክንከታተሎ ንደሊ ኢና-ምኽንያቱ ክንሰምዕን ክንምሃርን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ምስጓም ደሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ክንደጋገፍ ስለእንደሊ ድሕሪ ምባል "ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን እንካፈሎ ሓባራዊ ክብርታትና`ዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከምዘርኣዮ እንተኾይኑ፡ ካብ 10 ኣፍሪቃውያን እቶም 7 ኣብ ደሞክራቲክ ምሕደራ ክነብሩ ዝደልዩ`ዮም። ከምልሙድ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ፖሊሲ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝ፡ ሰብኣዊ ድጋፍን ንቅልውላው ምላሽ ምሃብን ዘተኮረ`ዩ ኔሩ። ካብዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ድጋፍ ከይሰሓብና፡ ጠመተና ንኹልና ናብ ዘረብሕ ሓባራዊ ሽርክነት ክነስፍሖ ንደሊ ኣለና። ንሱ ድማ ንግዳዊ ምትእስሳር ዝሃንጽ፡ ንጽልዋ ለውጢ ክሊማ ክከላኸል ዝኽእል ጸጋታት ምብርባር፡ ምምሕያሽ ህይወት ደቀኣንስትዮ፡ መንእሰያትን፡ ተሃሰይቲ ወገናትን ከምኡ`ውን ኣብ ሰላምን ጸጥታት ጻዕርታት ምሕያል ከጠቓልል ይግባእ። ነዚ ኣሳጉማ`ዚ ንምትግባር ግን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንናጻን ርትዓውን ምርጫ ተገዛእቲ ዝኾኑ፡ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝኣምኑ መራሕቲ የድልዩና" ኢላ።
"ኣብ ግጭታት ኮይነን ንምርጫ ኣብ ምድላው ዝርከባ ከም ጫድ: ኢትዮጵያ: ሊብያ: ኒጀርን ሶማልን ዝበላ ሃገራት፡ ዘለወን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ብኸመይ ርትዓውን ተኣማንን ምርጫ ከካይዳ ከምዝኽእላ ብቐረባ ክንከታተል ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ጠመተ ክንገብረሉ ይግባእ።"
ኮንግረስዉማን ካረን ባስ ብምቕጻል ሶማል ሃገራዊ ምርጫኣ ንለካቲት ዘመሓላለፈቶ`ኳ እንተኾነት፡ ከምቲ ኣብ ሶማል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረ ዶናልድ ያማማቶ ዝበሎ- ኣብታ ሃገርን ዞባን ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከይፈጥር ብዝክኣል መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክግበር ይግባእ ድሕሪ ምባል ናብ ኢትዮጵያ ሰጊራ።
"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንዝመጽእ ወርሒ ሰነ (ግንቦት) ምርጫ ክትገብር መዲባ`ላ። እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፋይ ኩነታት`ያ ዘላ፡ ምኽንያቱ ፈላማይ ሕብረ-ፓርታዊ ምርጫ ተካይድ ስለዘላን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ምእላይን ተጸሚዳ ስለ ዘላን'ዩ።
እታ ሃገር ደሞክራሲ ንምስጓም ዘርእየቶ ጻዕርታት ዝነአድ`ኳ እንተኾነ፡ ብማእሰርቲ፡ ምዕጻው ኢንተርነት፡ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ከምኡ`ውን ምስ ግብረ-መልሲ ቅልውላው ትግራይ ብዝተኣሳሰር ካልኦት ዘይ-ደሞክራሲያዊ ስጉምትታት ሻቕሎተይ ይውስኽ ኣሎ።"
ምስቲ ዞባ ብምትሕሓዝ`ውን ደቡብ ሱዳን- ሱዳን-ኤርትራ- ጅቡቲ- በቲ ኣብ ሶማል- ወይ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክጽለዋ ይኽእላ`የን ዝበለት ካረን ባስ፥ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝተወጠረ ኩነታትን ግጭትን ተኣማኒ ምርጫታት ንኽካየድ ክነበርክቶ ንኽእል እንተሎ ካብ መሰኻኽር ምኽሪ ክንሰምዕ ንደሊ ኢና ኢላ።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኮቪድ 19`ውን ክንሻቐል ግድን`ዩ። ከም ኣብ ናትና ምርጫ- ኣብ ካልኦት ከም ታንዛንያ: ጊኒን ኡጋንዳን`ውን ብዛዕባ ኮቪድ ግጉይ ሓበረታ ይዝርጋሕ ኔሩ`ዩ። ዕላምኡ ድማ ምርጫ ንምዕፋን ወይ ኣድመጽቲ ንኸይወጹ ንምግባር`ዩ ኢላ።
ብኣወንታ ዝግለጽ ግን ናይጀርያ ኮቪድ 19 ፖሊሲኣ ብሰፊሑ ዕላዊ ጌራ`ላ:: ኣብ ምዝርጋሕ ግልጺ ሓበረታ'ውን ትነጥፍ ኣላ። ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ'ውን ሰራሕተኛታት ምርጫ ንመምርሕታት ምክልኻል ኮቪድ ክኸተሉ ጌራ'ላ።
ስለዚ ኮቪድ 19 ብዝተፈላለየ ሓላፍነታዊ ጥንቃቐታት ክትከላኸሎ ከምትኽእል ኣብ ዝፈለጥናሉ እዋን፡ መንግስታት ነቲ ለበዳ ተጠቒሞም ዘይተኣማኒ ምርጫ ከይገብሩ ክነረጋግጽ ይግባእ ዝበለት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካካረን ባስ፥ ኣብ መወዳእታ ምስ ኣፍሪቃ ብሽርክናን ጽምዶን ክንሰርሓሉ ንኽእል ግዜ ሕጂ'ዩ ፥ እዚ ሽርክና'ዚ ድማ ካብቲ ዝጸንሐ ዝሓሸን ዝበርትዐን ከምዝኸውን እምነተይ'ዩ ድሕሪ ምባል ንኣባል ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ ዕድል ሂባ።
ካብ ኒው ጀርሲ ዝተወከለ ሪፓብሊካን ክሪስ ስሚዝ ብወገኑ፥ እቲ ቃለ ምስክርነት መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መስከረም ዝተኻየደ ንደሞክራሲ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኮይኑ፥ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ደሞክራሲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ሸተት እናበለ ይወርድ ምህላዉ ባህ ዘየብል ምዃኑ ጠቒሱ።ንሓደ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ድማ ከምዚ ኢሉ።
"ልዕሊ ፍርቂ ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ሕጂ ኣብ ትሕቲ "ምልካውያን ስርዓታት" ዝተባህለ ደረጃ ሰንጠረዥ'የን ተቐሚጠን ዘለዋ" ብምባል ንብርክት ዝበላ ካብ ደሞክራሲ ዘንቆልቁላ ዘለዋ ዝበለን ሃገራት ብምጥቃስ ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። እንተኾነ ኣብታ ንርእሳ ከም ሃገር ዘቐመጠት ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ግን ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ፥ ኣገባብ ምርጫኣን ኣሳታፍነታን ብኣወንታ ዝጥቀስ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ድሕሪ'ዚ ኣብቲ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ንምርጫ ኣፍሪቃ ዝምልከት ቃለ-ምስክርነት ሓሙሽተ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝመጹ ክኢላታት ንዕብየት ደሞክራሲ ተኣማንነት ምርጫን ብድሆታቱን ዝምልከት ነናቶም ሓሳባት ኣቕሪቦም ካብ ኣባላት ባይቶ'ውን ሕቶታት ቀሪብሎም ምላሽ ሂቦም ኔሮም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኩነታት ምርጫ ኣፍሪቃን ዲሞክራስን ቃለ-ምስክርነት ሰሚዑ