ሱዳናዊያን ተሓለቕቲ ዴሞክራሲ፣ ድሕሪ ቀ/ሚ ካብ ስልጣኖም ምውራዶም፣ ኣንጻር ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ዕልዋ ሰፊሕ ሰልፊ ተቃውሞ ንክካየድ ይጽውዑ አለው።
ሎሚ ሰሉስ ንሰፊሕ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ መጸዋዕታ ዘቅረቡ ሱዳናዊያን ተሓለቅቲ ዴሞክራሲ፣ ድሕሪ ቀ/ሚ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ መዝነቶም ምርካቦም እዩ።
ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብዕልዋ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ነይሮም፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግና ውጥረት ንምንካይን ንተቃወምቲ ንምቁጽጻርን ተባሂሉ ተፈቲሖም እዮም። ሓምዶክ ፣ ካብ መዝነቶም ዝወረድሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ እቲ ኣብ ሞንጎ ወትሃደራዊ ጀነራላትን ተሓለቅቲ ዴሞክራሲ ዘካየድዎ ልዝብ ናብ ስምምዕነት ከብጽሕዎ ስለዘይካኣሉ ምዃኑ ገሊጾም'ዮም።
ሱዳን ድሕሪ ናይ ጥቅምቲ 25 ዕልዋ ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣገላልጻ ለሚሳ ትርከብ። ሰራዊት ሱዳን፣ ነቲ ዕልዋ ዝፈጸመ፣ ንምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣል በሽርን እስላማዊ ምምሕዳሮም፣ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዩ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን፣ ሳላ ዓለምለኸ ጸቅጢ፣ ንቀ/ሚ ሓምዶክ ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ስልጣኖም ተመሊሶም እዮም። ይኹን ደአ እምበር ሓምዶክ ካቢነኦም ክምስርቱ ኣይካኣሉን። ኣንጻሮምን ኣንጻር ንሶም ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝኸተምዎ ውዕልን ተቃውሞ ቀጺሉ እዩ ጸኒሑ።
ሓይልታት ሱዳን፣ ቅድሚ መዓልቲ ሰልፊ ተቃውሞ፣ ኣብ ካርቱምን ኦምዱርማንን ንዝርከቡ ዓበይቲ ጎደናታት ዓጽዮምዎ ኣለው።ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፣ ሰልፊ ጸረ መንግስቲ ናብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት መታን ከይሓልፉ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዶም እዮም።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ብመሰረት ሓበሬታ ሱዳናዊያን ሓካይም ናይ ተቃውሞ ሰልፊታት ኣብ ሱዳን ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 60 ሰባት ተቀቲሎም ኣማኢት ድማ ቆሲሎም ። እቲ ተወጢኑ ዘሎ ሰልፊ ተቃውሞ፣ ዓንዲ ሕቀ ናዕቢ ጸረ ዑመር ኣል በሽር ብዝኾኑ ማሕበራት ሱዳናዊያን ሞያተኛታትን ኮሚቴ መኸተን እዩ ተዋዲዱ።
ወሃቢ ቃል’ቶም ማሕበራት መሓመድ የሱፍ ናይ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ምውራድ፣ ንሱዳን ናብ ዝኸፍአ ኩነተ ዘይምርግጋእ ኣእትዩዋ፣ ንወትሃደራዊ መራሕቲ ድማ ንቡር ምሕደራ ንከይረኽቡ ዓንቂፍዎም ኣሎ ይብል ።
እቶም ተቃወምቲ "ሲቪላት ንመስርሕ ስግግር ክመርሑ ኣለዎም" ክብሉ ከለው፣ ጀነራላት ሱዳን ግና ነዚ ጻውዒት’ዚ ይነጽግዎ። ብመሰረት እቶም ወትሃደራዊ ጀነራላት "ስልጣን ዝርከብ ብህዝቢ ንዝተመረጸ ኣካል እዩ፣ ምርጫ ድማ ሓምለ 2023 ብመሰረት ሕገ መንግስቲን መተግበሪ መሰጋገሪን ክሳለጥ እዩ" ይብሉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፤ኣብ ሞንጎ ሱዳናዊያን፣ ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንክሳለጥ ጸዊዖም ኣለው። ኩሉ ሓቆፍ፣ ሰላማዊን ነባራይን ፍታሕ ዝርከብ ብከምዚ ዝበለ መስርሕ’ዩ ከምዝበሉ ወሃቢ ቃል’ቶም ዋና ጸሓፊ ስተፈን ዩሪክ ሓቢሩ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣመሪካ ዝኾኑ ክሪስ ኩንስ ብወገኖም "ቀ/ሚ ሓምዶክ፣ ንሸቶታት ለውጢ ንምዕዋት፣ ናጻ፣ ሰላማዊትን ምዕብልትን ሱዳን ንክትኮን ሰሪሖም እዮም። ትማሊ ካብ ስልጣኖም ምውራዶም፣ እቲ ጥቅምቲ 25 ዝተፈጸመ ዕልዋ መረጋገጺ ረኺቡ ከምዘሎን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ስልጣን ንክጸንሕን ንመስርሕ ዴሞክራሲን ስግግርን ንምትዕንቃፍ ከምዝወጠኑ ሓባሪ እዩ" ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሱዳን ኣንጻር ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ዕልዋ ዝካየድ ተቓውሞ ድሕሪ ምልቃቕ መዝነት ቀ/ሚ ሓምዶክ'ውን ቀጺሉ'ሎ