ኣምንስቲ: መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበን ኲናትን ጸረ-ሰብኣዊነት ዝዳረግ ክኸውን ይክእል'ዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣምንስቲ: መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበን ኲናትን ሰብኣዊነት ዝዳረግ ክኸውን ይክእል'ዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ

ተዋጋእቲ ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ገበናት ኩናት ከምኡ`ውን ብጸረ-ስብኣውነት ክርኣይ ዝኽእል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጻብ ኣውጺኡ።

ኣምነስቲ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዘውጽኦ ሪፖርቱ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝሰርሑ ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ንብረት ዘሚቶም፡ 14 ዓመት ዝዕድሚኣን ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ብጉጅለ ዓሚጾም ኢሉ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ወግዓዊ ምላሽ ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ትዊተር ምልልስ መሊሶም ነይሮም። እቲ ብተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሰራዊቶም ብሰብኣውነትን ዲሲፕሊንን ክቃለስ ይግበኦም ንዝብል ርእይቶ፡ ኣይተ ጌታቸው ምስቲ ሓሳብ ከም ዝሰማምዑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት ብዕቱብ ከም ዝርእዩዎ ድሕሪ ምምልካት፡ ንፈጸምቲ ድማ ዝግበኦም ፍርዲ ከም ዝህቡ ገሊጾም።