ኣሜሪካ ነቶም ብግጭት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ዝውዕል 1,500 ገዘፍቲ ናይ ፕላስቲክ ቴንዳታት፡ ንኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣበርኪታ። ነቲ ሓገዝ ንሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት(IOM)ን ምኽትል ኮሚሽነር ኢትዮጵያን ዘረከበት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ`ያ።
ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ፡ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላትን ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ኣሎ እዚ ድማ-ነቶም በቲ ግጭት ዝተጎድኡ 4.5 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ረድኤት ንምብጻሕ'ዩ ኢላ። ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዘእትዎ ዘሎ ገዘፍቲ ቴንዳታት መወሰኽታ ናይቲ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ዘወፈየቶ 305 ሚልየን ዶላር ምዃኑ`ውን እታ ኣብ ኢትዮጵያ ትርከብ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣፍሊጣ`ላ።