ዋሽንግተን —
ብሃገራዊ ማሕበር ኩዕሶ ስክዒት ኣሜሪካ ዝድገፍ ፈላማይ ግጥም ኩዕሶ ስክዒት ኣፍሪቃ ሰንበት ግንቦት 16,2021 ኣብ ዋና ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ክካየድ'ዩ::
ግጥም ኩዕሶ ስክዒት ኣፍሪቃ መጋቢት13,2020 ኣብ ዋና ከተማ ሰኔጋል ዳካር ክካየድ ተመዲቡ እንተነበረ ብሰንኪ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስኮሮና'ቲ ግጥማት ንሎሚ ዓመት ተመሓላሊፉ::
ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ግጥማት 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ'የን::
እዚ ግጥማት ብሽርክነት ማሕበር ኩዕሶ ስክዒት ኣፍሪቃን ዓለምለኸ ፈደረሽን ኩዕሶ ስክዒትን ዝተዳለወ'ዩ::
12ጋ ንታታት ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት አልጀርያ: ኣንጎላ: ካመሮን: ግብጺ: ማዳጋስካር: ማሊ: ሞሮኮ: ሞዛምቢክ: ናይጀርያ: ሩዋንዳ: ሰነጋል :ቱኒዝያ ክሳተፋ'የን::
እዚ ማሕበር ኩዕሶ ስክዒት ኣሜሪካ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካ ወጻኢ ዘካይዶ ፈላማይ ግጥማት'ዩ ::
ኣብ መድብ ኤ
ጋንታ ዩኤስ ሞንታሲር ቱኒዝያ ምስ ኾኾብ ተጻዋታየተር ማጆክ
ጋንታ ሪቨርስ ሆፐርስ ናይጀርያ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ቤን ኡዞ
ጋንታ ፓትርዮትስ ሩዋንዳ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ አርሲዲ ሙጋበ
ጋንታ ጂኤንቢሲ ማዳጋስካር ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ካመሮን ሪድሊይምድብ ቢ
ጋንታ ፔትሮ ደ ሉዋንዳ ናይ አንጎላ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ አቡበከር ጋኩ
ጋንታ ኤኤስ ሳለ ናይ ሞሮኮ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ኤሪክ ኪቢ
ጋንታ ኤኤስ ፖሊስ ናይ ማሊ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ባድረ ሳማክ
ጋንታ ኤፍ ኤፒ ናይ ካመሮን ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ኢባኩ አኩመኖዝምድብ ሲ
ጋንታ ዛምላክ ናይ ግብጺ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ አናስ ዑሳማ መሓሙድ
ጋንታ ኤኤስ ዱናድ ናይ ሴኔጋል ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ ክሪስ ኮክለይ
ጋንታ ጂ ኤስ ፔትሮለርስ ናይ አልጀርያ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ መሓመድ ሰዲክ ታውቲ
ጋንታ ፈሮቫሪ ደ ማፑቶ ናይ ሞዛምቢክ ምስ ኾኾብ ተጻዋታይ አቨሮ ካልቮ ማሳ