ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ.ትራምፕ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ዘተኾረ ምንባሩ ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ዘተኮረ ከምዝነበረ፥ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ ሚ ቢልለኔ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።

እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተሰምዐ ቨንቲለተራት ማለት መተንፈሲ መሳርሒታት፥ መጠን ብዝሑን መኣስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱን ግን ኣይተፈልጠን ኢላ።

ኢትዮጵያ 473 ቨንቲለተራት ከምዘለዉዋ ዝሓበረት ቢልለኔ ስዩም ተወሰኽቲ 1,500 ከምዘድልይዋ`ውን ሓቢራ`ላ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዚ ብኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ቃል ዝተኣትወ መተንፈሲ መሳርሕታት ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ልዑል ኣበርኽቶ ክህልዎ'ዩ ኢላ።

ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ብቪድዮ ዝተዛረበት ወይዘሮ ሊያ፡ኢትዮጵያ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ምምልማልን ምስልጣንን ብዕቱብ ትሰርሕ ኣላ ኢላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ብስልኪ ከምዝተደዋወሉን ንኢትዮጵያ ምሕጋዙ ከምዝቕጽል፥ ካብ መንጎ’ቲ ዝህቦ ሓገዝ ድማ መተንፈሲ መሳርሕታት ከምዝኸውን ምንጋሩ ሓቢሩ ኔሩ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ቁጠባዊ ኩነታት ኢትዮጵያ በቲ ምዕጻው ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ዝገለጸት ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ቀስ ብቐስ ምኽፋት ከምዝጅምር ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።