ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ፥ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ናብ ሆስፒታላት ብምብጻሕ፥ ንስራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ዝገብርዎ ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖሞም።
እቶም ካብ ዋሽንግተን ዲሲ፥ ሜሪላንድን ቨርጂንያን ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ማሕበረ-ኮም፥ መካይኖም ባንዴራ ኤርትራ ሸሊሞም ኣብ ኣፍደገ`ተን ሆስፒታላት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እዋን፥ ዶክተራት፥ ኣለይቲ ሕሙማትን ሰበ-ስልጣን`ተን ሆስፒታላትን ናብ ኣፍደገ ወጺኦም ተቐቢሎሞም።
ኣብ ኣፍደገ -ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምስጋና፥ ነቶም ኤርትራውያን ወኪሉ መልእኽቲ ዘንበበ መንእሰይ ስምኦን ማሪዮቲ፥ ሰራሕተኛታት ጥዕና፥ ንውልቃዊ ጥዕናኹም ኣውንዚፍኩም፥ ንጥዕና ሕሙማት ክተቐድሙ፡ ካብ ጸገም ክትሃድሙ ዘይኮነስ ናብ ጸገም ስለ እትጎዩ፥ ኣፍልጦን ምስጋናን ንምሃብ ኢና መጺናኩም ዘለና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ብሞያኹም ንትገብርዎ ተባዕ ጻዕርን ተወፋይነትን፥ ብሽም ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራውያን ኮሚኒቲ ዲ-ኤም-ቪ ብሓፈሽኡን ነመስግነኩም ኢሉ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣኒታ ጀንኪንስ ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ድማ፥ እዚ ሆስፒታል፥ እዚ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፥ ንኮሚኒታዊ ኣገልግሎት ዝተወፈየ`ዩ፥ ንሳኻትኩም ድማ ነዚ ተረዲእኩም፥ ከምዚ ኢልኩም ብባንዴራን ሙዚቃን ተሰኒኹም ንዓና ክተመስግኑ ምምጻእኩም ብሓቂ ንዓና ዓብይ ህያብን ጸጋን`ዩ ሞ ኣዚና ነመስግነኩም ኢላ።
ኣቦ-መንበር ኮሚኒቲ ኤርትራ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ወልዱ ፍቓዱ ብዛዕባ`ቲ ዕላማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ እዚ ወርሒ`ዚ ስውኣትና እንዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ ስለዝኾነ፥ ብሽሞም፡ ነዞም ኣብ ምክልካል ኮቪድ-19 ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦን ምስጋናን ክንህቦም ስለዝደለና ኢና ኢሉ።