ሓለውቲ ዶብ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ንምሕላፍ “ናይ ፈደራል ወረቐት” ከምዝሓቱ ነበርቲ ዛላምበሳ ንቪኦኤ ሓቢሮም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ዛላምበሳ፡ እቶም ኤርትራውያን ሓለውቲ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት ከምዝሓቱን፡ እዚ ሕቶ`ዚ ሓዲሽ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት እንታይ ማለት`ዩ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሎም ግን ተወሳኺ መምርሒ ኣይረኸብናንን ኢሎም ከምዝመለሽሎም ይገልጹ።

ንኤርትራውያን`ውን ክሳብ ኢትዮጵያ ዘብጽሕ ወረቐት ፍቓድ ከምዝሓትዎም ዝገለጹ`ቶም ነበርቲ፡ ንምልውዋጥ ዕዳጋ ብዝምልከት ግን ንመካይን ይከልከል`ምበር ሕጂ`ውን ኣብ ሓውሲ-ከተማ-ሰርሓ ብካሮሳን ወይ ዓረብያን ካልእ ብሰብ ዝድፋእን ኣገባብ ተጠቒምካ እቲ ናይ እቑሑት ናይ ንግዲ ርክብ ከምዝቐጸለ ይገልጹ’

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሸነኽ ራማ-ክሳድ ዒቃ `ውን ሎሚ ተመሳሳሊ ናይ ዶብ ምዕጻው ስጉምቲ ተወሲዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ቦታን ካብ መቐለን ይሕብሩ`ለዉ።