ሁማን ራይትስ ዎች 'ኣብ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ይወርዶም: ይዝረፉን ይፈርሱን ኣለው' ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    በትረ ስልጣን

ሁማን ራይትስ ዋች “ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብቲ ውግእ ብዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ይወርዶምን ይፈርሱን ይዝረፉን ኣለዉ" ክብል ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ሪፖርቱ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ኣውጺእዎ ኣብ ዝበሎ ሓበረታ 15 ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደንን ካልኦት 53 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተጎድኣ ኣብ ደቡብ ትግራይ ድማ 2 መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሰፊሮመን ከምዝርከቡ ምግላጹ ኣመልኪቱ`ሎ።

ወታሃደራዊ ተሽከርከርቲ ዝሓለፈ ታሕሳስን መጋቢትን ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ኣጼ ዮሃንስ ከምዝተራእያ ዝገልጽ ሁማን ራይትስ ዋች፡ ኮምፒተራት ፕላዝማ ስክሪናትን መግብን ንብርክት ዝበሉ ሰሙናት እናጸዓና ከውጽኣ ከምዝርኣዩ ብዙሓት ነበርቲ መቐለ ከም ዝነገርዎ ብምግላጽ፡ እቶም ወተሃደራት ምስ ወጹ ድማ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ክፍልታት ትምህርቲ መስመራት ኤለክትሪክን ማይን ከምኡ ካልኦት ንብረታት ጉድኣት ወሪዱ ከምዝጸንሖም ከምዝነገርዎ ይገልጽ።

ሁማን ራይትስ ዋች ኣብቲ ሪፖርቱ- ኣብቲ ቀጽሪ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ይኹን ካልእ መጥቃዕቲ ምንባሩን ዘይምንባሩን ከምዘየረጋገጸ ብምጥቃስ፡ ግን ናብቲ ወተሃደራዊ ምልክት ዝተለጠፈሉ ቀጽሪ ደቀኣንስትዮ ክኣትዋን ክወጻን ምርኣዮም-ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንመዓልታት ከም ዝጸንሓ ነበርቲ ነጊሮምኒ ይብል ።

ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ሰበ-ስልጣን ይጽዕሩ`ኳ እንተሃለዉ፡ ርብዒ ዝኣኽሉ ምጉድኦምን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ መማህራን ምፍንቓሎም ሕጽረት ንብረት ምህላዉ 48 ሺሕ ዝኾኑ መማህራን ናይ ስነልቦናን ኣእምሮ ጥዕናን ድጋፍ ከምዘድልዮም ይግለጽ ። ኣብ ናይ ውልቂ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምህሩ ዝነበሩ ድማ ደሞዞም ብምቁራጹ ንቤተሰቦም ምምጋብ ከምዘይክኣሉ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀምረሉ ጊዜ ንነጀው ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዘረፉ፣ መዓስከር ሰራዊት ከምዝኾኑ፣ ብከቢድ ኣጽዋር ከምዝተወቅዑን፣ ገሊኦም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ዘይኽእልሉ ብርኪ ከምዝርከቡ ሁማን ራይት ዋች ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣፍሊጡ።

ተሓላቂ መሰላት ዝኾነ ሁማን ራይት ዋች ኣብ መቀለ፣ ኣብ አኽሱም፣ ዓድዋን ደቡባዊ ዞባን ኣብ ልዕሊ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝወረዱ ጉድኣታት ጠቂሱ ኣሎ።

ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲን ቤት ጽሕፈታትን ዝሓለፈ ሕዳር ኣውሪዶምዎ ንዝበሎ ጉድኣት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ እዋን’ቲ ውግእ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ንወትሃደራዊ መደብርነት ከምዝተጠቀሙሎም፣ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣኽሱም ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤ/ትምህርቲ ባዜን ከምዝሰፈሩ ሁማን ራይት ዋች ገሊጹ እዩ።

እቲ ትካል ሰራዊት ትግራይ ብወገኑ፣ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ፣ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ብሶብር ኣብ ዝተባሃለ ቤ/ትምህርቲ ገጠር ንኣዋርሕ ዓስኪሮምሉ ከምዝነበሩ፣ ኣብ ዙርያ’ቲ ቤ/ትምህርቲ ዕርዲታት ከምዝሰርሑን፣ ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር እቲ ቤ/ትምህርቲ ማኻዚኖ ከምዝገበርዎ ካብ ሚድያታት፣ ኣብ ጥቃ ሽመልባ ዝርከብ 2ይ ብርኪ ቤ/ትምህርቲ እቶም ተዋጋእቲ ሒዞምዎ ከምዝነበረ ካብ ሳተላይት ኣሳእል ንምፍላጥ ኪኢለ ኣለኹ ይብል ።

እቲ ተሓላቒ መሰል ዘቕረቦም ካልኦት ነጥብታትን ምላሽ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ሒዝና ጽባሕ ክምለሰኩም ኢና።